“ሳቡዕ ፡ ውለድ” መድሓራት (ምርቓ )ሚቱ ፡ለትርጉማ።
እብ ሙሴ በኪት
7/23/19
“ሽንጋላት “ምን ፡ብሊንቱ ፡ለዐዳ፡ እትና ፡ዎክ፡ ምን ፡ማንሳዕ ፡እት፡ ብሊን፡ ዐዳ ? ለልብል ፡ ረኤይ፡ በሊስ፡ እግል፡ ሀብ ፡ እፈቴ ። ፍትሕ ፡ መሓሪ ፡ ምን፡ ማንሳዓይ ፡ ለሓምስ፡ ትውልድ፡ መሓሪ፡ ለልብሎ፡ እናስ፡ አፍገረዩ ።(ድግም፡ ማንሳዕ ፡ገጽ፡10 ፡ርኤ/ይ) ። ማንሳዓይ፡ እት፡ ሰነት ፡1368 እብ ፡ፈረንጂ ፡ምን፡ ከበሳ፡እንደ፡ ሀዳ፡ እት፡ ሃይገት፡ ሓድራ ። ዎ ፡ምን፡ ማንሳዓይ ፡ ለሓምስ ፡ትውልድ ፡መሓሪ፡ ለልቡሎ፡ እናስ፡ “ፍትሕ ፡ መሓሪ” እብ፡ ቃል፡ አፍገራ። ከእባ ፡ናዬ፡ ረኤይ ፡ ፍትሕ ፡መሓሪ ፡እት፡ ሰነት ፡1593፡ ፡እብ፡ ፈረንጂ ፡ፋግራ ፡እብል ። እግል ፡ኦሮ ፡ትውልድ ፡ 45፡ ሰነት ፡ሀብንሁ፡ ምን፡ ገብእ፡ 45 ፡ ለባዝሓ ፡እብ ፡ 5 ገብእ ፡225፡ሰነት ቱ። ወላ፡ 225፡ሰነት፡ እት፡ 1368 ደማራ፡ ምን ፡ገብእ፡ ሰነት፡ 1593፡ ገብእ። ክታብ “ዛንታ፡ኤርትራ” እብ ፡ፊትኣውራሪ፡ ሚካኤል ፡ሓሳማ፡ ለትካታባ፡ ገጽ፡ 37፡ምን፡እንረኤ፡ “ እዚ ኣርባዕተ ምእቲ ዓመት ዘለዎ ሕጊ” ልብል። ዎ፡ እት፡ ታሪክ ፡ ረኤና ፡ምን ፡ገብእ፡ ዲብ ፡ኤርትራ፡ እት ፡ሰልፍ፡ ለፋግራ፡ ሕጊ እንዳባ እት፡ ሰነት፡1468-1478፡ ዓመት፡ ፈርንጂ” “ሕጊ ኣድከመ –ምልጋእ “ ናይ ፡ ሰራዬ፡ ኣውራጃ ፡ቱ ።ኣድከመ ፡ ዎ፡ ምልጋእ ፡ ክልኦት ፡ሐው፡ መነቲት ፡ ቶም ። ዎ፡ ለባዝሓ ፡ ገቢል ፡ሰራዬ ፡ለፈረው ፡ህቶም ፡ቶም።ዎ ፡ቅርድላ ፡ጅንሶም፡ ምን፡ ላስታ ፡ሰቆጣ ፡አገው፡ቶም። ዎ፡ አቡሆም፡ ኣንበሳጅር፡ ልትበሀል ፡ዎ ፡ሑ ፡አቡሆም ፡ጅራተ –ቀጭን ፡ልትበሀል ። ዎ ፡ እግል ፡ብሊን ሀየኒ ፡ሐዎም፡ ቶም ። ኣድከመ ዎ፡ ምልጋእ ፡ዲብ ፡ሰራዬ፡ ለማጸው ፡እቱ ፡ክፈል ፡ ዘበን ፡13፡ቱ፡ ልትበሀል ።ብሊን ፡ምንማ፡ ሐዎም፡ ቶም፡ዲብ፡ ኤርትራ፡ ለማጸው ፡እቱ፡ ክፈል፡ ዘበን፡ 1600 ፡ቱ። ዎ ፡ እሞም ፡እግል፡ኣድከመ፡ ዎ፡ ምልጋእ ፡ ምን ፡ጅንስ ፡ በለው ፡ታ። ዎ ፡ህታ “ቅድስት –ሃና” ወለት ፡ደግያት ፡ድዑቡል ፡ታ።ዎ፡ ደግያት ፡ድዑቡል፡ ለወክድ ፡ለሄይ ፡ናይ ፡ሰራዬ ፡ ስዩመ ፡ሃገር ፡ዎክ ፡ቃል ፡ሓጸይ ፡ ዐላ። ዎ ፡ገሌ ፡ ምንላ፡ ዘርእ፡ ናዮም፡ “ብርሃኑ “ ለትትበሀል ፡ገቢለት ፡ ፡ዲብ፡ ሃይገት፡ ዐለት ፡ዎ፡ሓቆ፡ ከም ፡ኣዝቡን፡ ምስል፡ ማንሳዕ ፡ ሰበት ፡ ተሓምሸረት ፡ ስመታ ፡ ተረከት ፡፡ ዎ፡ ብዕዳም፡ ሓዎም ፡ላቱ ፡እት “ገዛ፡ ብርሃኑ “ ኣስመራ ፡ ሀለው። ዎ ፡ሓቆሁ “ፍትሒ ሎጎን ጭዋን” ፡ እት ፡ሰነት 1484 ፡ፈረንጂ ፡እብ ፡ክቱብ ፡ፋግራ። “ሎጎን ጭዋን “ ለልትበሀሎ፡ ምን፡ ነገድ፡ ቋራ ፡( በጌምድር ) ለመጸው ፡ቶም ።ዎ ፡ምኖም ፡ገሌ ፡እት ፡ሚደርየት፡ ከረን ፡ ዲብ ፡ወረዳ፡ ሐልሓል ፡ ሀለው ፡ ህግያሆም ፡ጽሩይ ፡ትግሬ ፡ ዎ፡ብሊን ፡ቱ ፡ዎ ፡ድያነቶም ፡እስላም ፡ቱ ።ዎ፡ እት ፡ ሰነት ፡1974 እብ ፡ፈረንጂ፡ ሕክም ፡ንጉስ ፡ሃይሌስላሴ፡ ቀደም ፡መትቃንጣጡ፡ ሎጎን ፡ጭዋንን ፡ ካብ ፡ሰራዬን ሓማሴንን ዝተፈልየ ኣውራጃ ፡ እግል ፡ ልትሀየቦም ፡ዲብ ፡ መንገስ ፡ጥርዓን፡ እቁዱማም ፡ዐለው።ዎ ፡ሰበቡ ፋሕ ፋሕ ኢልካ ምንባር ኣዝዩ የጐሁዮም ነሩ። በን ፡በን ፡አምሰዮቶም ፡ለግህዮም ፡ዐላ።(ዛንታ ኤርትራ ገጽ 28 ረኤ/ይ) ። ዎ፡ ሓቆሁ ”ፍትሕ ፡መሓሪ “ ፡እብ ፡ ክቱብ ፡እንደይ ፡ገብእ ፡እብ ፡ቃል፡ ፋግራ ። ዎ ፡እት፡ ሰነት ፡1913፡ ዓመት ፡ፈርንጂ ፡ እብ ፡ክቱብ፡ ቃሽ፡ ሮደኝ፡ (ሮዲን) አፍገረዩ። ከእሊ “ሽንጋላት “እት፡ ፍትሕ፡ መሓሪ፡ ዲብ፡ ማደት፡ (ዓንቀጽ )18 ፡ገጽ ፡127 ፡እብ ፡ቅሉዕ፡ ፋግር ፡ ሀላ ። ከላሽንጋላት፡ ምን፡ ሰልፉ፡ እት ፡ሃይገት፡ ዐላ ፡እግል፡ ኢበል ፡እቃድር ። ዎ፡ ሽንጋላት፡ እግል፡ ማንሳዕ፡ ሌጣማ ፡ቅጡም፡ ኢኮን ። ኢራቅ ፡ሽንጋላት ፡ወዱ፡ የመን፡ ሽንጋላት፡ ወዱ ። ሸሃይ ፥ ጠሮዓ ፥ዓሳውርታ፥ ሰምሀር ፥ ሳሕል ፥ ማርያ፥ ቤት ፡ጁክ ፥ዎ፡ ክልኤ ፡ብሊን፡ ሽንጋላት፡ ወዱ( ይገብሩ) ዎ፡ እትሊ ፡ለእሉ ፡ናቃምኮ፡ ገባይል፡ ዎ ፡ዓዶታት ፡ብሊን፡ ብሔረሰብ፡ ነብሮ፡ ኢዐለው ። ዎ፡ አብዕብ ፡ማንሳዓይ ፡ዎ፡ ማርያይ፡ ዎ ፡ሸሃይ፡ ዎ ፡ጠሮዓይ፡ ምን ፡ ዘርእ ፡ንጉስ፡ መዓውያ(መኣዊ )፡ ምን፡ “ኩፋ “ ለትትበሀል ፡ዐድ ፡ ኣልዕራቅ ፡(ዒራቅ)፡ ክም፡ ማጸው፡ እግል ፡ንፍቃድ፡ ብና። ለገኣት፡ ትግባእ፡ ብሊን ፡ዎ ፡ማንሳዕ፡ ምን ፡ብዙሕ፡ ዘበን፡ እንደ ፡ኣንባታ፡እብ ፡ህዳይ፡ ዲብ ፡ሕድ ፡ለታሓባራ፡ ገቢልቱ፡፡ ከማልና፡ ማሎም ፡ዎ ፡ማሎም፡ ማልናቱ ፡ምን፡ ሕድ፡ ንትሰልፍ ፡ዎእግል ፡ሕድ፡ እንባጥር ። ዎ ፡ጎይላ፡ ላቱ ፡እግል ፡ማንሳዕ ፡ዎ፡ ቤት ፡ጁክ ፡ለአምሃረው፡ ብሊን ፡ሓውና ፡ቶም ። (ዛንታ ኤርትራ ፡ ፊትአውራሪ፡ ሚካኤል፡ ሓሳማ ገጽ 85 ረኤ/ይ ) ዎ፡ ምንላ፡ ጎይላ፡ ለእሉ ፡አውራሳውና ፡ እንደ፡ መትማቀሪ ፡እግል፡ ልግባእ ፡እልና ፡ እለን ፡ክልኤ ፡ጎይለት ፡እንደ ፡ሐዜኮ ፡ለረከብወን ፡ንርኤ።
“ኤርሄት ፡ለንሽያትሪ ዋንክረኲማ ፡ነዓልሲ
ፈራ ገንጃ ይቲኒና ፈርኑ (ሳድኑ) እንትናኽርሲ” ።
ትርጉሙ፥ ኤርሄት፡ በዐል፡ ለንሽያትሪ ፡ ትናድሒ፡(ትራግሒ )ኣላ ፡ይንዐልኪ፡ ጊሶ ፡እንቱም ፡ተልኪና፡ እሊ ፡ክሉ ፡ እብ ፡ሰአዮብ ፡እንደ ፡ማጽአና ። ክልኦት ፡ነፈር ፡ ምን ፡ቃብል፡ ምን ፡ረዪም ፡ክርን ፡ከበሮ ፡ሳምዐው ። ዎ ፡ሓቆ ፡ 3 ሰዓት እትላ፡ ጎይላ ፡ጣበሽ ፡ ክም፡ በለው ፡አርድ ፡ጻብሓ ፡ ዎ ፡ኤርሄት፡ ወለት ፡ዐድ ፡ለንሽያትሪ ፡ ጎይላ ፡ ደባኣ ፡ ክም ፡ተሎም፡ እላ ፡ሕለት፡ እላ ፡እባ ፡ክም ፡ገንጋርዋ ፡( እብ ህግያ፡ ትግርይና/ኛ፡” ማሰ “፡ልቡሎ ፡ናይ ፡ናእዳ ወይ ወቐሳ ግጥሚ ) ኤርሄት፡ “እላቱ!! ፡ሀያእ ፡ለጎይላ ፡አንቡቶ ፡” ትቤ ።ዎ ፡አስክ ፡ ሰዓት ፡2 ፡አዳሓ ፡አተልሄቶም ። ዎ ፡እብ ፡ሰአናት ፡ጋራምሕ ፡ክም ፡ገአው ፡ተረግ ፡አበለቶም ። ኤርሄት፡(አርሄት) ወለት ፡ሰኒ ፡ ሞጎይላይት ፡ዐለት ፡ልብሎ። ወላ ፡ካልአይት“ አስራዚራ ወክት እሳ ህምቡኲን በጉ ውራ ዋኒራ “ ትርጉሙ፥ “ እንቱም ፡ኬን ፡ለሀለኩም ፡ረዪም ፡ወክድ፡ ብዬ፡ ምን፡ ኢደለኮ፡ ከአፎ፡ ሀለት፡ በጉ” ። አዜ፡ እትላ “ 7 ውለድ፡ “ ንእተ ። እሊ፡ ሚ፡ በሀለት ቱ ? እግልሚ ፡12፡ ዎክ ፡10 ውለድ ፡ኢትባሀላ ? እሊ፡ ናዩ፡ ምስጢር፡ ዎ፡ በሀል ፡ቡ ። ከእብ ፡ ዕልብ “1“ ሐቴ፡ ነአምብት ።
ዕልብ ፡ሐቴ(1)ረኤና፡ ምን ፡ገብእ፡ ኦሮ፡ በይኑ፡ ሸሪክ ፡ለኢአለቡ፡ ክም፡ ረቢ ( unitary, uniqueness ) ለርኤ ።ዎ ፡እባ ፡ኦሮ፡ እንክር፡ ሓትነት፡ ናይ ሻቅም፡ ( ዕላማ ወይ ድማ ሸቶ ) ዎ፡ ውዳይ፡ ( ተግባር ) ለርኤ ። “unity and agreement in purpose and action” መሰለን “እናስ፡ አቡሁ፡ ዎ፡ እሙ፡ ሓድግ ፡ ዎ፡ ወለት፡ እማ ፡ዎ፡ አቡሃ ፡ታሓድግ፡ ዎ ፡ክም ፡ታሀደው ፡ኦሮ፡ ስጋ ፡ገቡእ “። ኦሮ ፡ሓሳብ ፡ ሐስቦ ፡ ዎተግብሮ ።ሐቴ፡ ዶል፡ ኦሮ፡ ናጫቢ፡ ወድ ፡ኣርበድ ፡ለልቡሎ ፡እናስ ፡ኣሐ (ከብቲ) ሐማቱ ፡እግል፡ ላታርሕግ፡ (ክመልስ) ፡ምስላ ፡ዘምተት ፡ትባኣሳ፡ ዎ፡ ክልኦት፡ እናስ፡ ቃትላ፡ ምኖም፡ ዎሓር፡ ታሓካራ፡ (ቆሲሉ) ከቀዳምላ ፡ሞቱ፡ የሀው “ ሕፍረቼ፡ ኣርኡኒ “ (ዝቕበረላ ጉድጓደይ አርኡዩኒ ) ፡ ቤላ ። ዎ ፡ክም፡ አርኦዎታ፡ ክእና፡ እት፡ ልብል፡ ሐላ ።
“ክልኦት ፡ ጥብ፡ ጣሊት፡ሑዬ፡ ተድሮስ፡ ዎ፡ ኣና
ግናዘት፡ ሀለኮ፡ ለክሩይ፡ ከፈና።
እላ ፡ሕፍረት፡ ሕፍረቼ፡ ታ፤ ወእሊ፡ እሩይ ፡ቱ ፡ ለእበና፡
ዎሮትና፡ ሞታ፡ ምን ፡ገብእ፤ ፋታይ ፡አባይ ፡ገብአና “።
“ እሊ ፡ ሚ፡ ለርኤና ፡ ምን ፡እንብል ፡ ናጫቢ፡ ዎ፡ ሑሁ፡ ተድሮስ ፡እብ ፡ ዕላማ ፤ ዎ፡ ሐሳብ ፤ ዕልብ ፡ “ 1”ሐቴ ፡ ዐለው ። ጥብ ፡ ጣሊት፡ ምንማ ፡ክልኦት ፡ቱ ፡ እብ፡ ዓመት ፡ (ብሓፈሻ ) ጥብ ፡ጣሊት ፡ልትበሀል ። ክም ፡ ዕልብ ፡ሐቴ ፡ልትናቃም ። (ይድመጽ) ።
ዕልብ ፡ክልኤ ፡ (2 ) ክልኤ፡ ረኤና፡ ምን ፡ገብእ ፡ ዲብ፡ ሻካ፡ ዎ ፡መሻከየት (litigation )ለልትናቃም፡ ዕልብ ፡ቱ። ክልኦት፡ ሻሁድ ፡( ምስክራት ) ዲብ ፡ነሓር፡ ዳይና፡ (before a judge) ክም፡ ባጥረው፡ ለሻካ ፡ ስሩዕ ፡ጻብጥ፡ ( ሕጋውነት ይለብስ ) ዎ፡ ሸሃደት፡ ክልኦት፡ ቅብልት ፡ታ፡ እት ፡ወጅህ፡ ረቢ፡ ምን፡ ገብእ፡ ዎ፡ ኣዳም ። ከሰልፍ፡ ክሉ ፡እት፡ ወጅህ ፡ረቢ ንርኤ። (ዮውሃንስ ምዕራፍ 8፡ ዕልብ 17) ፡ ረኤና ፡ምን፡ ገብእ፡ ክእና፡ ልብል” ኣብ ሕግኹም እውን ምስክርነት ክልተ ሰብ ሓቂ እዩ ዝብል “ ጽሑፍ ኣሎ ። እብ፡ ህግያ፡ትግሬ ፡ ሀዬኒ “ እትላ ፡ፍትሑኩም ፡ሸሃደት ፡ክልኦት፡ ሳማዕ ፡አማንቱ ፡ለልብል፡ ክቱብ ፡ሀላ”። ዎ፡ እብራውያን፡ 10 ፡28 ረኤና ፡ምን ፡ገብእ ፡ “ንሕጊ ሙሴ ዘፍርስ ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ” ፡ብዘይ ርሕራሔ እዩ ዝመውት “ ። “ ፍትሕ ፡ሙሳ ፡ ለታልዕ ፡እብ፡ ክልኦት፡ዎክ ፡ ሰለስ ፡ ሳምዓት ፡እምበል፡ ራሓመት፡ ቱ፡ ለልትቃተል “። ዎ ፡ዲብ፡ ቁርአን ፡ረኤና ፡ምን ገብእ፡ ፡ጥቅስ 282 ፡ሱራት ፡ኣልባቃራ ፡ክእና፡ ልብል። “ And bring to witness two witnesses from among your men .And if there are not two men [available]then a man and two women from those whom you accept witnesses so that if one of the women errs then the other can remind her “ዎ ፡እትላ ፡ደዐወት፡ ምንላ ፡ፍንገኩም፡ ለሀለው፡ ክልኦት ፡እናስ ፡አምጹእ፡ ክልኦት፡ ኢትረከበው፡ ምን ፡ገብእ ፡ኦሮ ፡እናስ፡ ዎ ፡ክልኤ ፡እሲት፡ ምንላ ፡ ሳምዓት ፡ለትትከበቶ፡ ምኖም፡ ንሱእ ። ሰበት ፡እሊ፡ ሐቴ ፡ ምንላ ፡አንስ ፡ገጌት ፡ምን ፡ገብእ ፡ለሐቴ ፡እግል፡ ተትፋቅዳ ፡ “ ልብል ። ዎ ፡ዘዳግም ፡ምዕራፍ 19፡ ዕልብ 15 ፡ ረኤና ፡ምን ፡ገብእ፡ ሀዬ ፡ክእና ፡ልብል “ ሰብ ብዛዕባ ዝገብሮ ዝዀነ በደል፡ ብሓደ ምስክር ገበነኛ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ነገር ብምስክርነት ክልተ መሰኻኽር ወይ ብምስክርነት ሰለስተ ይጽናዕ “ ልብል “No single witness may convict another for any error or any sin that may commit. On the testimony of two or on the testimony of three witnesses the matter should be established “(Deuteronomy 19: verse 15)
ዎ፡ ናይ ፡ አዳም ፡(ደቂ ሰብ) ረኤና ፡ምን ፡ገብእ ፡ እት ፍትሕ ፡መሓሪ ፡ምን ፡ገብእ ፡ ዎ ፡ናይ ፡ ከበሳ” ሕጊ እንዳባ “ክልኦት ፡ሻሁድ ፡ዎክ ፡ሳምዓት ፡ለኢኣለቡ፡ ዳዓዊ ፡(ነገር) ክቡት፡ ኢኮን ። እት፡ ፍትሕ፡ አሜሪካ ፡ ዎ ፡ኤሮጳ ፡ ሳምዓት ፡ምንማ ፡ኢሀሉ፡(ልትሓገሎ)፡ እብ ፡ዘበን ፡ኣምጻዩ ፡ኣላት ፡ ዎ፡ እሊ፡” circumstantial evidence“ ለልቡሎ ፡ ምንላ ፡ድዋራት ፡ ለዐገብ ፡ ጃራ ፡እቱ ኣካናት ፡ለልትረከብ ፡ መርትዖታት ፡ ለደዐወት (legal case) እቡ ፡ እግል ፡ትትዳነ ፡ቃድር። እሊ ፡ ልግባእ ፡ዲኢኮን ፡ክልኦት ፡ሳምዓት ፡ ትረከበው ፡ ምን ፡ገብእ ፡ ለደዐወት ፡ ግሩም ፡መሼ ። ዕልብ፡ ክልኤ፡ ሻካ ፡ዎ ፡መሻከየት ፡ ሌጣ ፡ኢወክል ። ንጉስ ፡ ዓድ ፡ፍላን ፡ዎ ፡ፍላን ፡ “ክልኦት ፡ ቀር ፡ቶም “ (two horns) ትባሃላ ፡ምን፡ ገብእ ፡ ሽርክ ፡ሕክም፡ ዎ ግዝአት ፡ ቦም ፡በሀለትቱ ። (duality in rulership ) እት ፡ታሪክ ፡ረኤና ፡ምን ገብእ፡ “ ሜዶ–ፐርሽያን ኤምፓየር “ ( Medo-Persian Empire ) ሽርክ ፡ ዐለው ። ዕልብ ፡ክልኤ ፡ተአኪድ፡( ምርግጋጽ) ወክል። “ እንደ ፡ድገማ ፡ ለዛዐትካ ፡ዎክ ፡ሂጋካ “ “ እስከ ድገሞ እቲ ዘረባኻ “ ልትበሀል ።
ዕልብ ፡ (3 ) ። ዕልብ 3( ሰለስ )፡ እግል ፡ ሸሃደት ፡ክልኦት ፡ ነፈር ( ምስክርነት ) (testimony) ዝያዳ ፡ ሒለት፡ ለሀይብ ። ዕልብ 3 ( ሰለስ)፡ ካባደት ፣ ( intensity) ደጋገሞት ፡ ዎክ ፡ ዐለቦት ፡ዎ፡ሐሰቦት (ምኽላስ ወይ ዝበለጸ “ዋጋ” ምሀብ ንሓሳብ ወይ ንጹሑፍ እብ ፡ትግርይና/ኛ ) ዎ ፡(ኣጽንኦት እብ ኣምሐርኛ ) ( ከዕልብ 3 emphasis) ወክል ፡ በሀለት ፡ቱ ። “ A threefold cord cannot quickly be torn in two” “እብ ፡ ሰለስ (3) ገኖ ፡ ለትፋዐላ ፡ ሐብል ፡እብ ፡ቃላላ ፡ኢልትበተክ “ (ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ድማ ቀልጢፉ ኣይብተኽን ) መሰለን ኦሮ ፡ነፈር ፡” እንታ ፡ገለ ፡ ጋአካ ፡ ምን ፡ገብእ ፡ አስክ ፡ አክር፡ ሰኒ ፡ ምስልካ ፡እግል ፡እብጣር ፡ቱ፡ “ በሌካ ፡ምን፡ ገብእ ፡ “ እብ ፡ኣማን፡ ፣እብ ፡ኣማን ፣ እብ ፡ኣማን ፣ “ ሰለስ፡ ወክድ፡ ትትሰአሎ ። እሊ (emphasis) ቱ። ዎ ፡ እብ፡ ዕን ፡ መንፋሳይ ፡ጋር ፡ ረኤና ፡ ምን ፡ ገብእ ፡መላኢከት፡ እት ፡ ቀደም ፡ረቢ ፡እንደ፡ በጥረው ፡ “ ቅዱስ ፣ ቅዱስ ፣ ቅዱስ ፣ “ልብሎ ሰለስ፡ ወክድ ። እሊ ፡መራ ፡ ካባደት ፡ዎ ፡ቅድስና ፡ ናይ ፡ረቢ ፡ ለሻርሕ፣ዎክ ፡ ለለርኤ ፡ ቱ ። (“The intensity of God’s holiness”) እት ፡ ሰለስ ፡ክል፡ ወክድ ፡ ሰኒ ፡ፍርድ ፡ሀላ ። ለባዝሑ ፡እት ፡እድንያ ፡ ሰለስ ( 3)ዳይናታት ፡ቱ ፡ እት ፡ኣብያት ፡ፍርድ ፡ ለልትሼየሞ ።ዎ ፡ምን፡ እሎም ፡ሰለስ፡ ዳይኖታት ፡ ለኦሮ ፡ “ ኣርሓ ዳኛ “ ልቡሎ። ወላ፡ ክልኦት ፡”ዳኛታት” ልቡሎም ። ሰለስ ፡ አክር፡ ፍርድ ፡ተሀይብ ። መሰለን ፡ኦሮ ፡ ገጋ ፡ዋዳ ፡ምን ፡ገብእ ፡ ሐቴ ፡ትስማዓተ ፡ ተሀይቦ ፡ ደግማ ፡ምን፡ገብእ ፡ክልኤ ፡ተሀይቦ ፡ ዎ ፡ሳላሳ፡ ምን፡ ገብእ፡ ምን፡ ሽቅሉ፡ ሳርሖ ፡ ዎ ፡ዐቢ ፡ጌጋ ፡ወዳ ፡ ምን፡ ገብእ፡ እት ፡ማሕቡስ ፡ ዎክ ፡እት ፡ ከረኩን ፡ ጻንጽን ። (“ three strikes and you’re out” ) ዲብ ፡ዐድና ፡በዲር ፡ ኦሮ ፡ክም ፡ትካሻባ ፡ ኮናት ፡ሀዩቦ፡ ከሰለስ ፡ወክድ “ኣና ፡ውህር “ እት ፡ልብል፡ እግላ ፡ ሕርበት ፡( መጋረጃ ) ረግዛ ፡ ዎ ፡እሙ ፡እታ ፡ዓርቃይ ( ድሕሪ እቲ መጋረጃ ዘሎ ዓራት ) እንደ ፡ገአት ፡ሳቡዕ ፡ ዶል ፡ታዓልል ፡እሉ። ዎ ፡ርግዘትላ ፡ሕርበት ፡ሰለስ ፡ ወክድ ፡እግላ፡ ክሽቦሁ ፡ “ዐውል”ክም፡ሀበዩ ፡ለርኤና። ዎላ ፡7 ዕላል ፡ሚ ፡ክምቱ ፡ እት፡ ፋረጎት ፡ዕልብ፡ ሳቡዕ ፡ እግል ፡ንርአዮ፡ ቱ ።
ዕልብ ፡ ( 4 ) ። ዕልብ 4 ፡(ኣርባዕ )፡ ተማመት ፡ ወክል። እሊ ፡ለእብ ፡ግእዝ “ ሙሉእ በኩለሄ” ለልቡሎ፡ ቱ። (well rounded ) መሰለን ፡ምንላ ፡አርባዕ ፡ ርክን ፡ እድንያ፡ መጻው ፡ እንቤ ፡ ምን ፡ገብእ፡ ምን ፡ክላ ፡ለእድንያ ፡መጸው ፡በሀለት ፡ቱ። ዕልብ ፡ኣርባዕ፡ ዓ –መት ፡ ዎክ ፡እሊ፡ለእብ ፡ ህግያ ፡ትግርንያ /ኛ “ ዓለም ለኻዊ “ ዎክ ፡”ሓፈሻዊነት “ (universalness) ለርኤና ። “ አባይ ፡እት ፡ኣርባዕ ፡ ርክን ፡ ክም ፡አቴ ፡ወደንሁ “ ሙሉእ ‘እብ ፡ ሙሉእ ፡ ትካባባ ፡ በሀለት ፡ቱ። (“Four is a number sometimes expressing universalness or foursquareness in symmetry and form “) ዕልብ ፡4 ፡ወክድ፡ ወክድ፡እብ፡ ዓ–መት፡ ዎክ ፡ ሓፈሻውነት ፡ናይ፡ ራባዕ ፡ርክን ፡ አክል ፡ሕድነት ፡ሻርሕ ፡(ይገልጽ ) ።
ዕልብ (7 ) ዕልብ ፡ሳቡዕ ፡ ኣንጻር ፡ ናይ ፡ ገማመት ፡( imperfection ) ቱ ። ዕልብ ፡ሳቡዕ ፡ ሙሉእ ፡ ለኢናቅስ ፡ ታምም፡ (perfection) ( ፍጹምነት ) ለወክል ፡ዕልብ ፡ቱ ። “ሳቡዕ ፡ውለድ “ እት ፡ ልትበሀል ፡ዲብ ፡ሀላ ፡ ሳቡዕ ፡ሳልሓም ፣ ዋቅያም ፣ ምእዙዛም ፣ ናፍዓም ፣ ሓዩት ፣ እሳታት ፣ ታ –ማም ፣ ዎክ ፣ እብ ፣ነፍሶም ፣ትሙማም ፣ ውላድ፡ ለሀባካ ፡በሀለት ፡ቱ። ዎ ፡እታ፡ ቅብላቱ ፡ ዕልብ ፡ዐስር ፡ህሙጅ ፡ ዕልብቱ ። መሰለን ፡ መሰል ፡ናይላ ፡ ዐስር ፡ደንግል ፡ንፍቃድ ። ለሐምስ ፡ላባት ፡ዎላ ፡ሐምስ ፡ግሉላት ፡ ዐለያ ።ዎ ፡ውላድ፡ ምስር ፡ ለመሉኮም ፡ለዓለው 10 ፡ናይ ጣኦት ምስል፡(ምስሊ) ንፍቃድ ። ዎ ፡ሐር ፡ረቢ ፡ 10 ፡መዓት ፡(ቅጽዓት)፡ ለአካ ፡እቶም ፡ዎ ፡ምንላ ፡10 ጣኦት ፡ኦሮማ፡እግል ፡ውላድ፡ ምስር ፡ ኢኣንገፋ ፡( ኣየድሓነን )፡( “ ten represents something of a subordinate nature “ እሊ ፡ጋማመት ፡ለርኤ ። ዎ ፡ እት ፡ቅዱስ ፡ክታብ ፡ረኤና ፡ምን ፡ገብእ ፡ “ ጻድቅ ሳቡዕ ፡ወክድ ፡ወድቅ ፡ዎ ፡ሳቡዕ ፡ወክድ ፡ቃንጽ “ልብል። ዎ፡ ገለ ፡አበር ፡ዎክ ፡ናቃሰት ፡ እግል ፡ኢልትረከብ ፡ “ ሳቡዕ ፡ትውልድ” ፡ዐልብ ፡ልትበሀል ( ሸውዓተ ትውልዲ ቁጸር ) ። መሰለን ፡ ኦሮ ፡ አና ፡ ምን ፡ፋራዕ ፡ ዐድ ፡ፍላን ፡አና ፡ ዎአዜ ፡ ርስ ፡ገርሀት ፡ሀቡኒ ፡ ቤላ ፡ምን ፡ ገብእ ፡ ሳቡዕ ፡ኣብዕብ ፡ዐልብ ፡ ዎ ፡ሳቡዕ ሳምዓት ፡አምጽእ ፡ልትበሀል ። እት ፡ፍትሕ ፡ መሓሪ ፡ ማደት ፡(ዓንቀጽ ) 68 ገጽ 174 ረኤና ፡ምን ፡ገብእ፡ “ለመሐላ ፡እት ፡ገርሀት፡ እት፡ ግንዳ ፡ልግባእ ፡ ማ ፡እት፡ ረአሳ ፡ሳቡዕ ፡እናስ ፡ልምሕሎ ፡እታ “፡ ልብል። ዎ፡ እት፡ ፍትሕ ፡ ሎጎን ጭዋን፡ ዓንቀጽ 13 ክምሰልሁ ፡ልብል ።ዎ፡እት፡ፍትሕ፡ ኣድግና ተገለባ(ኣከለጉዛይ ) ዓንቀጽ 22 “ ብሐሶት ዝመስከረ ተኸሲሱ እሞ፡ እንተ ተረትዔ ንሸውዓተ ዓመት ካብ ምስክር ይከልከል “ ልብል ።ዎ ፡እት ዓንቀጽ 22 ንኡስ ዓንቀጽ 1 “ስርቅን ካልእ ዓመጽን እንተ ድአ ተፈጺሙ እሞ፡ በቲ እዋን እቲ ዓበይቲ እንተ ዘየለው ደቂ ሸውዓተ ዓመት ክምስክሩ ብቕዓት ኣለዎም” ልብል ። ለሳቡዕ ፡ ዐባዪ ከዋክብ እብ ሕበር ለኬማ ስሙያም ፡ ንፍቃድ ። ታ–ማም ፡ዎ ፡መንባ ፡ብልዮናት ፡ከዋክብ ፡ቶም ። ትንቢት ፡አሞጽ ፡5፡ ዕልብ 8 ረኤ/ይ ። ዎ ፡እዮብ ፡38፡ ዕልብ 31 ረኤ /ይ ። ሳቡዕ፡ እት ፡ማይ ፡ጫሎት ፡ ትትናቃም ። “ ሸውዓተ መዓልቲ ማይ ጨሎት ተሓጸብ “ ልትበሀል። ዎላ ፡ሳቡዕ ፡ ዕላል ፡ናይ ፡እም ፡” ያ፡ ረቢ ፡ፍሩህ ፡ ዎ ፡ፍቱይ ፡ ሙሉእ፡ ግባእ “ በሀለት ፡ቱ። ዎ ፡ምን ፡ሐቴ ፡ ዕጨት፡ ሌጣ ፡ “ ሸውዓተ ቕመማት” ለትትበሀል “፡ለልትረከብ፡ ቀመም፡ ንፍቃድ ። ካብ ሓንቲ ኦም “ሸውዓተ ቕመማት” እትበሃል ዝርከብ “ጐይታ ኲሉ ቐመም” ንዘክር ። ዎ ፡ሐተ ፡ታመት ፡ሳምን ፡7 ምዕልታ ።እብ ፡ፍትሕ፡ መሐሪ፡ ወድ ፡ብክር ፡ፍጎሁ (his firstborn right) ፡ ኦሮ ፡ብዕራይ ፡ ውህር ( ህጣራ ) ዎ፡ ሳቡዕ ፡ወአት ፡ ኣንሳት ፡ምስል፡ ሳቡዕ ፡ እጋል (ምራኻት) ፡ኣንሳት ፡ቱ ። ዎ ፡እት ፡ደንጎባ ፡እግል ፡ኢበሎ ፡ለሐዜ ፡ እሊ ፡ክቱብየ፡ ክም፡ ሬድዮ ፡መጀለት (radio magazine) እንደ ፡ወደኮ ፡ከተብክዎ ። በሀለት ፡ እት ፡ሐንተ ፡ኦሮ ፡ረአስ ፡ በንበን ፡ለገኣ ፡ ጋራት ፡ አተኮ ። ጽሑፈይ ጒራማይለ ማለት ዝተሓንፈጸ ቃላት ተጠቒመ ኣለኹ ምኽንያቱ ድማኒ ትርጉም ፡ናይቲ ገለ ቓላት ብግልጺ ክፍለጥን ኣጸቢቐ ኣንበብተይ ስለ ዝፈልጥን ገሊኡ ቓላት ትግሬ ከይብርቶዖም ኢለ እየ ።( ኣብ ናይ ትግርንያ /ኛ ጽሑፍ ክልተ ነቚጣ ነቚጣ ምእታው ኣብ መንጎ ኲሉ ክልተ ቓላት ብዙሕ ዝውቱር ኣይኮነን ኣብቲ ዘድሊ እንተ ዘይኾይኑ። ኣብ ናይ ትግሬ ጽሑፍ ግን ልሙድን ዝውቱርን እዩ። እላ፡ ኢእቤ ፡ “ጒራማይለ”እት፡ እብል፡ ለካልእ ፡ትርጉሙ፡ እቲ ጸሊምን ቖጽላይን ሕብሪ ዘለዋ ናይ ዑፍ ሽም ማለተይ ኣይኮነን ። (ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ጽሑፉ “ሕብርን ቐመማትን” የዘውትር እዩ። የገናዝብ ማለት እዩ እሞ፡ ኣነ ሕልፊ ማንም ሰብ ፍልጠት ኣሎኒ ኮይኑ ኣይኮነን እግሪ መገደይ ትርጉም ናይ ቓላትን ታሪኽን ዝገልጽ ዘለኹ ወይ ድማኒ ፍልጠት ከም ዘለኒ ከርኢ ኢለ ከም ዘይኾንኩ ብትሕትና የተሓሳስብ )።
መደምደሚ ። ምስሎም ፡እት “፡እትሀገ፡ “ (“ ክዘራረብ “) ለአስመንኮ፡አክተበት > ፍትሕ ፡መሐሪ ፣ ፍትሕ ፡ ኣድከመ –ምልጋእ ፣ ፍትሕ ፡ለጎን–ጭዋን ፣ፍትሕ ኣድግና ተገለባ ፣ ዛንታ ኤርትራ ፣ ታሪክ ወለዶ ኤርትራ፣ ክታብ ቅዱስ ፣ቅዱስ ቁርአን ፣ ዎ ኢንሳይት፡ ቶም ።ዳክተር፡ የጊን ፡ ህብተስ “ሽንጋላት “ ለልብል ፡ክቱብ ፡ ሰበት፡ ካትባ፡ እልና፡ዎ ፡ዝያዳ ፡ ለዐወነኒ ፡ገልጋላይ(ፋታይ )፡ ህግያ ፡ትግሬ ፡ወድ፡ ሰምሀር፡ ጸዐዳ ፡ሙሁር ፡ጋዜጠኛ፡ መሓሙድ፡ ወድ ፡ሎቢነት ፡ ዎ፡ መቃድራይ (editor ) ፕሮፈሰር ገረዝግሄር ፡ በኪት ፡ ዎ ፡ እንደ ፡ክብት ፡አበለቶ ፡ እንደ ፡አትሳነት ፡ እታ ፡ሸሌቅ (website) ለተፈግሮ ፡ወለት፡ ሃይገት ፡ ጸጋ ፡ ዎ ፡ኣስፋሃ ፡ እዳሪ ፡ናይላ ፡ሸሌቅና ፡እግል ፡ክልኩም ፡ ከርኩም ፡ልብዛሕ ፡እብል ። አረሞት ፡ገጋ ፣ኣንሸዖት፣ (ነቐፌታ) ዎ፡ ወሰኮት፣ ዋጅብ ፡ ቱ ።
ወልዬ ቶማስ ሰኒ ትንብር:: ረቢ ለውቃት ለሀባካ :: ምን ሓልካ ::
ከርካ ልብዛሕ፡ እሊ ታሪክ እሊ ክም ኣንበብኮ ሰኒ ለወቅኮ። ረቢ ገድ ብዙሕ ልርሃበካ።