እግል ነስተብህል እቱ ለሃላ እልና ገሌ ቃላት ህግያ ትግሬ። ሳብዕ ክፋል እብ ሙሴ በኪት

እግል ነስተብህል እቱ ለሃላ እልና ገሌ ቃላት ህግያ ትግሬ።

ሳብዕ ክፋል (7) (11/28/2023)

ሙሴ በኪት

እትሊ ክቱብዬ ገሌ ትርጉም ቃላት ትግርኛ ሕሙሹር (ጉረማሌ)፡ ሀለኮ ። ወሰበቡ እት ከበሳ ለዓበው፡ ውላድ ወኣዋልድ ከበሳ ሰበት ሀለው ምስልና “ስጋይ ስጋኻ ዘይብል ጥቓ ሓራስ ኣይቕረብ” ለትብል መሰል ቆጫበተኒ። አዜ እትላ ክቱብዬ እትወለብ።

  1. መንጎገይ ። በዓል ዋቃይ ለኢጋኣ፥ ሽቅል ኣለቡ፥መንቃጽ፥ ሃስስ፥ ቱስቱስ፥ ኢሓርስ ወኢሓልብ፥ ኢበዓል ናይ፥ ምንኩሉ ብቱክ፥ እዴ ኢገርብ፥ (ሓገዝ ዘይብሉ) ዓምስ ዲብ ብርኩ) (ኣብ ብርኩ ዚጠነሰ) ወይ ድማ ማሕበራዊ ፍጮ ።(ብትግርኛ)
  2. ጋንዴ ። ጥሮተኛ ፈረስ ዎክ ኣድግ ግንዳብ። (ኣረጊት)
  3. ዋንደ ። ማንዱቅ እንግሊዚ። (ኣቡ ታማንያ)
  4. ደዋት። ቀለም (ink)
  5. ደዋት። ሑድ ዳዋ ዎክ ስራይ ፡፡ (መድሃኒት) ሓቴ ዶል እናስ መጎይላይ ፡ (እብ ትግርኛ ስውንዋኖ ወይ ወናም) መንሰዓይ ወድ ቤት ኣቤዛ (ዲብ ቤት ኣብረሄ) ዓረፋ ወድ ዓረፋ ለልቡሎ ዓላ ። ዓረፋ፡ ወድ ፡ዓረፋ፡ እናስ ሓጪር በሪክ እብ ሼደለሁ (በዓል መሸለኽ) ለቃል ሓር ክትር ብዝሔ ወክድ ለሼደ-ለ፡ ዲብ ሼደ-ሊ ትቃያራ። ወሼደሊ ሃዬኒ “ቡን “በሀለትቱ። ዓረፋ ወድ ዓረፋ በዓል ድግድጋ(ኣፍሮ) ሕብሩ ግሩም ሕብር ክሕለት መስል ልባሱ ምዱዕ ጻዓዳ ኒል ሳቲ፡ ኣንጃቡ ጻዕዳ፡ ጀርደት ዎክ ሶተል፡ (ሽቶል ወይ ስምጥ እብ ትግርኛ) ዲብ ሕቃቱ ወሞራ (ሻፎ በትሪ) ስነፌት ተናን ሳትዬት ወህርድ ዲብ ቅልጭሙ ኣስር ወሰኒ ወልኣማን መጎይላይ ዐላ። ዓረፋ፡ ሓቴ ዶል ዲብ ኣርድ መንሳዕ ወሓቴ ዶል ዲብ ኣርድ ብሊን ፤ ወማርያ፤ ወቤት ጁክ፤ ፡ወሓባብ ፤ ወበኒዓምር፤ ድላ ጎይላ ለሃላ ኣታ ኣካን ገይስ ዐላ። ወኣዳም ለድግድጋሁ ፥ ወሶቴሉ፥ ወሼደለሁ፥ ክም ረኣ ፈርሆ ዐላ። ከሓዲስ ጎይላ (ደርፊ) ምን ብሊን ዎክ ምን ቤት ጁክ ዎክ ሓባብ ሳምዓ ምን ገብእ ሰልፍ ዲብ ምሕላብ ለሼርፋ (የሽርፋ ወይ የፋልጣ) ሓር ዲብ ገለብ። ወዲብ ምድር መንሳዕ ሓዳስ ጎይለት ፈግረት ምን ገብእ ዲብ ኣርድ ብሊን ፤ቤት ጁክ ፤ ሓባብ ፤ ዎ በኒዓምር እባ እባ እንዴ ገሳ ለሼርፋ ዓላ። ከሐቴ ዶል ዲብ ሻርዕ ለልቡሎ መሓዝ ገለብ (ሩባ ወይ ምሓዝ እብ ትግርኛ) ጎይላ ትኩል ዐላ። ወሐር ሕና ገድም ውላድ 9-10 ሰነት እንገብእ ለጎይላ እግል ንዕፈ (ንርኤ) ጊስና ። ወሓር ዓረፋ ወድ ዓረፋ ናይ ስዕስዒት ሕሌት ኣሽራፋ። ወ፡ ህታ ክእና ትብል ‘’ ወልወል ወሃዋ ወልወል ወሃዋ ቃጥፈት ሽፋ እንቲ እግል ዳዋ “ወላኣዳም ኩሉ ደርቡ ቤላያ (ደድሕሪኡ ደሪፎማ) ወምኑ ማንዚከት (ፋምፋም) ምንላ ስደርዬቱ መጭ ኣባላ ከድርብ ዛብጣያ። ወገለሁ ላኣዳም (ዛር) ጻብጣዩ ከድቦ ወኣዮ ሳራሓ። (ገብኣ) (መንክር ተሰሪሖም ማለት እዩ) ወእታ ፈጅራ ለሕሌት ተለች (ጓሶት) ምን ገብእ ወድላ ንኡሽ ንዩት እግል ልሕለያ ኣንበታ። ወትርጉማ “ኣንታ ጥዕም ንፋስ ኣንታ ጥዑም ንፋስ ቆጽሊ ጥዕና ኢኻ መድሃኒት” ሓቴ ዶል ሃዬኒ ዓረፋ ወድ ዓረፋ መስኒ ትከት (ዓርኪ ርእሲ) ናይ ኦሮ ነፈር እንዴ ገኣ ምስል 6 ነፈሩ ዲብ ሓቴ ቤት እግል ልትአንገዶ ኣዋላጣው(ኣላጊሶም) ወላ እሲት ለበዓላ ቤት እከለት ጨዋ ለሓዳ እታ ሀበቶም ወክም በልዓው ዓረፋ ወድ ዓረፋ ሓቴ ናይ ስዕሲዒት ጎይለት ኣሽራፋ ። “ወለት ጋር ኣለባ እካላታ ጨዋ ኣለባ “እትላ ዓዋዲና መርዓዊ ምስል መሳኒቱ እግል ዕስራ ምዕል ለገብእ ምን ቤት ዲብ ቤት ገይሶ እግል ልትአንገዶ። ከእከለት ጥዕም ባልዓው ምን ገብእ እብ ቅሉዕ ለሓምዱካ ። ወእከለት በርጀጎ ባልዓው ምን ገብእ እብ ቅሉዕ ለሓሙካ። እት እዴሆም ኢላውድቃካ። ወእባሃ ለሕሌት ዲብ ክሉ ፈልዓሽ ትቤ (ሊሒማ) ኣስክ ምድር ብሊን ወቤትጁክ ። ወኣናማ ዓጣል እት ኣውዕል ምስል ጃማዓቼ ሓልያ ዓልኮ። ወሓቴ ዮም ዲብላ ዋዕላና እግል ኣሽርፋ እልኩምቱ። ዲብላ ወክድ ለሄይ ጨዋ ዲብ አርድ መንሳዕ ብዙሕ ልትረከብ ኢዕላ ። ከላእሲት ሕሜት ኣለባ ።ለእሲት፡ ጥቂት እሲት ዐለት። (ጥቅውትን ውሕልልትን ነይራ።) በስ፡ እትላ ቤታ ጨዋ ኢዓላ እግላ በሀለትቱ። እብሊ በላስ ሓር (ድሑር ባህሊ) ዓዋዲ እሊ እግላ ለኢተአሙሮ ሓሪት ዮም እብ ርሕቡ እግል እሽሮሖቱ። ወመስኒ ትከት ሚ ቱ ፧ (ዓርኪ ትከት እንታይ ማለት እዩ፧) እንዴ እንቤ ምን ንትሰኣል ለመርዓዊ እግል ከም ዮም ትከት (ኣምባር) እት ቅልጭሙ ኣስር። “ከላመስኒ ትከት” ምና ፈግረት። ወዲብ ከበሳ ላቱ ለመርዓዊ ትከት ዲብ ቅልጭሙ (ኣምባር) ሰበት ኢአስር ለመስኒሁ ‘’ዓርኪ ርእሲ’’ ልትበሃል ።ወ፡ ምን ቤት ዲብ ቤት እንዴ ገሰው ኢልትአንገዶ። ደአም፡ እት ቤትላ መርዓዊ፡ ለመሳኒት እብ ተርተረት ነብራ ለማጹእ ከምስል ባሉዕ ። ወ“ኣድ-ራራስ” ለልቡሎ ትልህያ ልተልሃው። ወእብ ሼደሊ፡ ማ ፡ሓቴ እምር ሕለት ትትሓሌ ዐለት ዲብ ኣርድ መንሳዕ’’ ወሼደሊ ራኣሳ ዶራ ሳበረቶ ለቅሮራ’’ እታ ብዓልቲ ሼደሊ ርእሳ ምስ ዞራ ነቲ ጠርሙዛ ሰራቶ ማለት እዩ።  እላ ኢእቤ “ዳዋ” እብ ህግያ ትግሬ ስራይ (መድሃኒት) ወእብ ትግርኛ ዓሻ በሀለትቱ።
  6. ጀላጀላልካ ። ወሃካ ረቢ ዎክ ዓጃይብካ ረቢ ክም በሃለትቱ። ዓረፋ ወድ ዓረፋ ሓቴ ጎይለት” ጀላጀላልካ “ለትብል ጎይለት እሽሩፍ ዐላ ። “ኣላለዎ ዎላሌ ኣላለዎ ዎላሌ ሮራ ደምቤ ስምሓን ኣላህ ጀላጀላልካ ረቤ” እላማ ክምላ “ሹጋር (sugar sugar) ናይ ሰነት 1969 ዲብ እድንያ ውሪት ለዓለት ጀላጀላልካ፡ማ፡ ዲብ ኣርድ መንሳዕ ውሪት ሕሌት (ⶖይላ) ደርፊ ነይራ።
  7. ጃላካ ። ምእንታኻ። ጃላብካ ፡ ጃላብ ሓው ወሓዋት።
  8. ጀላብኪ። ምእንታኺ።
  9. ጽብሕ ። ለእከለት ሓስዓት ጽብሕ ኣላባ ። እታ ገዓት ጸብሒ የብላን። ኣብ ከበሳ መግቢ እንድሕሪ ጸብሒ ውሒድዎ “ጸብሒ ጥርቂ ጽንጽያ ፍርቂ “እት ልብሎ ገንግሩካ (ብኢድ ኣዙር ገይሮም ይሽምጥጡኻ) ጥርቂ ማለት ኣዝዩ ውሑድ ፤ ቍንጣሮ፥ ማለት እዩ። (ጭንቃቅ እብ ህግያ ትግሬ)
  10. ጽብሕ ። ኣርድ ጽብሕ ክም ቤላ ። መሬት ውግሕ ምስ በሌ።
  11. ዋራ ። እት ስምጥ ኢራ ወሰለባ ለልትረክብ ድጌ መንሳዕ።
  12. ዋራ ። ዋሻ ። እባ ሞራሁ ዋረኒ ዎክ ዋሼኒ (በታ ቤትሩ ገይሩ ትንዕ ኢሉኒ)
  13. ኢራ ። እት ስምጥ ሰለባ ለልትረከብ ድጌ መንሳዕ። (ኢራን ሰለባን ነንሕድሕደን ይቀራረባ) ልትበሀል ዲብ መሰል።
  14. ዓዳ ። እግላ ሕሙም መስኒሁ ዓደዩ (ነቲ ሓሚሙ ዘሎ ዓርኩ በጺሕዎ)
  15. ዓዳ። ኣትዓዳ (ኣሰጊሩ) ለፍደል “ዳ” ጭቅጥ እንዴ ኣበልካ ተነብቦ። ‘’ዓድ ዓደን ዓዳ ‘’ እት መርገማ ሃለት ።
  16. ዓዳ ። ዓዳ እግላ ወለት ሚ ልቡሎ፧ ዓዳ ከረን ቱ ።
  17. -ዳ ። ሕማም ኣልጊቡ። ለፍደል “ዓ” ስሕብ እንዴ ኣበልካ ተነብቦ።

ወላ “ዳ” እቅልል እንዴ ኣበልካ ተነብቦ።

  1. ዓዳይ። ስም ዕጨት። እግል ማጽ ሰነትታ (ንመወጽ) “ኣወል ኣቡካቱ ወሓር ዓዳይ ሳቲ’’ እላ መሰል እላ ክልኤ ትርጉምባ። ኦሮ ነፈር ፍጋር (ተቕማጥ) ጸብጣዩ ምን ገብእ ከቀጣፍ ዓዳይ ምን በልዕ ለፍጋሩ እት አኬ ገይስ። (እቲ ተቕማጥ ኣጸቢቁ ይገዶ) ለካልእ ትርጉሙ ኦሮ ሓቴ ለኢኣለቡ ብላሽ ለልትፋዬሽ (ዚጀሃር) አመት አለባ ገሌ ሺመት ንኢሽ ዎክ ውክልና ዎክ ሓምዴ ምን ሹም፤ ዎክ ቃሽ፤ ዎክ ምን ሼክ ፤ ዎክ ሰላዲ ረክባ ምን ገብእ ዎክ ወለቱ ዎክ ወልዱ ሻያማ ምን ገብእ ዎክ ምን ለትሃዴ ግሩም ወል ኣማን ልትፋዬሽ (ይጀሃር) ካላ “ሕማሙ ሕማም ፋሻት” (ጃህራ) እት አኬ ገይስ። “በው! ፍላን ወእላ ራክብ ፧ አወል ኣቡካቱ ወሓር ዓዳይ ሳቲ ልቡሎ” “ኣወል ንሱ እዩ ወደሓር ድማ፡ እዚ ረኺቡ! ደጊም ኣይሰረርናን”ይብልዎ ። እቲ ጃህርኡ ይደግሶ እሞ፡ ኣጸቢቑ ይጀሃር ማለት እዩ።ወይ “ኣብ ልዕሊ ዘሎ ተወሰኮ” ከም ማለት እዩ። ወ፡ዒዶ ሚቱ፧ በዲር ዲብ ሃይገት አርድ መንሳዕ ክምላ ናይ ከበሳውያን ኤርትራ ወትግራይ ኣሼንዳ ልትበዓል ዐላ። ወላ ወክድ ለዲቡ ልትበዓል ዐላ ወርሕ ሚያዝያ ቀደም ፋዛጋታት ቱ ። ከእግል ሓቴ ሳምን ለኣዋልዶታት ኣስቡሕ ዲብላ ምዕጥን (ሩባ) እንዴ ገሳያ ልትሳዕሳዓ ።ለገሌሄን ‘’ወለት ዒዶ ማይ ኢትስተይ ፡ ልብላ ። ወላገሌሄን ወለት ዒዶ ማይ ኢትስተይ እት ልብላ በልሳ እተን። “ወለት ዒዶ “እብ ትግርኛ ውንጂር ቱ መስለኒ ። ወ “ዒዶ” እብ ህግያ ትግሬ ምን ቀርበት ጣሊት ዎክ ብግዕት ለልትሻቄ ንጻፍቱ ። (ካብ ቖርበት ጠል ወይ በግዕ ዝስራሕ ኣጐዛ እዩ።) ወ ‘’ዒዶ ‘’ እብ ኣብራይስጢ ምን ዕጫይ ለልትሻቀ መዓደዪ፡ ማይ ለልውሕዝ መሓዝ ቱ ። (መሳገሪ ወይ መርገጽ እግሪ እዩ) (deck bridge) ወ “ዒዶ ‘’ ዲብላ ቃዳምያም ኣይሁድ ስም ሕጻን ታ ። (Insight page 1167) ወላ “ወለት ዒዶ’’ ትርጉማ ፡ሚ ክምቱ እሙር ኢኮን ። ከመንኣምር ምን እላ “ዒዶ “ለትብል ስም ሕጻን ለፈግረት እግል ትግባእ ቃደር እብል። ክምላ “ከዛብ” ለልብል ቃል እብ ሓሰት ኣዳም ላቃሽሽ (መታለሊ ወይ ጠባሪ) ምን “ኣክዚብ “ለትብል ስም መዲነት ቱ ለፋግራ። ኣክዚብ ዲብላ ቃዲም ኣርድ እስራኤል ለዐለት መዲነትታ። እላማ”ወለት ዒዶ “ምን እብራይስጢ ለፈግረት ስም እግል ትግባእ ቃድር እብል ። (ተሃምቱ በስ) ወ “ኣክዚብ “ላቱኒ ናይ ቃሻሼን መዲነት ትትበሀል ዐለት ። (ከተማ ምትላል ወይ ጥበራ) (Deceitful place or city)
  2. ስልስቶ ። እክል ለመዝኖ(ለከይሎ) እቡ ምን ኣንጃባ ለልትፋዓል ንኡሽ ግራብ።
  3. ስልስቶ ። ሰለስ ጅና ምስል ለልትወለዶ። እብ ትግርኛ ማ ፡ስልስቶ ልትበሃሎ። “ስልስቶ ዝወለደት ቅኑዕ ፈረደት” ኵሉ ነገር ብምስክርነት ናይ ሰለሰተ ኣጸቢቑ ይሰምር ማለት እዩ።
  4. ግሉል። በትክ፤ ልብ አለቡ፤ ዕንቃት አለቡ፤ (እንዶ ዘይብሉ) ብቅመት ፤ ምን ክሉ ብቱክ፤ ግሩምዓረር ፤ (መልክዕ ጥራሕ) መክጀሊ፤ ፎጽዕ( ቀሓር) “ ንኡሽ ምን ልትገለል ሓዱ ቱ ወዓቢ ምን ልትገለል ስዱቱ “ ለንኡሽ ምን ልትገለል ሓዱቱ በሀለት ዓቅሙቱ። ወላ ዓቢ ስዱቱ በሀለት ምኑ ወከን ኣለቡ (ኣኺልዎ እዩ) ክም በሀለት ቱ። (ለፍደላት “ሉ” ወ “ል” ሕጭርብ ወእቅልል እንዴ አበልክሆም ልትነበቦ)
  5. ’ሉል ። ለትናዋካ፤ ለጃፋራ፤ (ዝተገለለ ሰብ) ለማይ እብላ ትግራት ገሌለዎ ። ለንዋይ ምን ምሕላብ እት ገሉሎ ገለብ ኣብጻሓዎ። (ነተን ኣሓ እናከብከቡ) በሀለትቱ ። ለፍደል “ግ “ስሕብ ወጭቅጥ እንዴ ኣበልካ ልትነበብ።
  6. መግለል ። ትግራት ፥ ሰንከሎ ፡ ማቅድሕ ማይ
  7. ገልገላይ። ፋታይ።

እላ ኢኣቤ፡ ህግያ ትግሬ እት ታሓውን ገይስ ሀለት ወህግያ ትግርኛ ስዋስሁኣ ምን ገብእ ወከቲባ እት ልጀክለል ገይስ ሀላ ። መሰለን እግል ሰኣል “ሕቶ” እት ልትከተብ እንርእዮ ሀለና። ለራትዕ (እቲ ቅኑዕ) “ሕት’ቶ እዩ። መሰለን አዜ ሓቆ “ሕቶ” ራትዕ ቱ እንቤ ምን ገብእ እብ ትግርኛ እግላ”ለልትሰአለኩም” ከኣፎ ትትከተብ ፧” ንዚሓቶ’ተኩም’’ ገብእ ሃለት በሃለትቱ። ለጌጋ አዜ እትሊ ቃል እሊ ልትረኤ ሀላ። ለራትዕ (እቲ ቅኑዕ) ኢሊቱ ‘’ንዚሓት’ተኩም” ።ገድም እሊ ሶሻል ሚድያ ኩሉ እት ልትሓማረግ እንርእዮ ሀለና ከአዚም ሓይስ ገብእ ኢበል፧ ሓቴ ዶል ኦሮ መዓርጉ እግል እንቃም ለኢሕዜ ፡ እብሚ ክምላ መዓርጉ ብዕዳም ፈሃይም ሰበት ሀለው እግል ክብር ናዮም ለመዓርጉ ኢእናቅሞ ። ለጌጋሁ ሌጣ እናቅም። (ይጠቕስ) ዲብ ዩቱብ ኦሮ ሰኣል ኣቃዳማ እቱ። “ግእዝ ምን ኣዪ ህግያ ፈግረት፧” ቤለዩ ። ‘’ምን እብራይስጢ ወ ኣርመንያ ለልትባሀላ ሀገጊት (ቛንቛታት) ፈግረት” ቤለዩ። መን ኣምር “ኣራማይክ “ወለታ ዎክ ሕታ እግል እብራይስጢ እግል ሊበል ሓዜ ዐላ ገብእ፧ ዎክ ስዱቱ ፧ “ኤርትራ”ለትብል ስም ምን ህግያ ቢሊን ለፋግራ ቃልቱ ለቤላ ሙሁርማ፡ ሀላ። “ወድምባዛን” ለትብል ስም ምን ድምብዛን ለልቡሎ ገንኢ ስዋ ለፈግረት ስምታ ለቤላማ ሀላ ። ኢኣመሮት ክጅል ኢኮን ። ለክጅል አምር እት ትብል ለትወድዮ ጌጋ ዎክ ለትትሀገዮ ሂጋ ቱ። “ጠያቂ ኣዋቂ “ልብሎ ኣምሓራ እት መሰል። ለልትሰኣል ኣምርቱ ። በሀለት ፡ ለእግሉ ኢአምር ሓቆ ትሳኣላ ራትዕ በሊስ ረክብ ። ወሓቆሁ ‘’መኣምር ዎክ ኣዋቂ ልትበሀል። “አምር ለኢልትካረም ሼይ ቱ። “ፍልጠት ዘየቋርጽ ምንቅስቓስ” እዩ። ሓብሬ (ሓበረታ) ኣንቃሶት(ምጒዳል) ሰኣል (ሕት’ቶ) ኣረሞት (ምእራም) ተውሳክ (ምውሳኽ) ኣንሽዖት (ነቐፌታ) ናይላ ቃርእ ዕን ስልጣንቱ ። ለሳምን ክፋል (8) ልተላሌ።

አትኣመሮት ፡፡

አረሞት ጌጋዬ ። እትላ ሳድስ ክፋል እሲት ጋርዋ “ገረዋ” ብህላ ዐልኮ ። “ጋረት” በሀለትቼቱ። ኣንስተይቲ ዓጋዜን።

Posted in Posts.

2 Comments

  1. መርሓባ ኣክሊሉ :: ሰበት ኣደፋፋኣከኒ ኬርካ ልብዛሕ እብላካ :: ህግያና እግል ኢትብደ እብ ኣፍ ሌጣ ካፊ ኢኮን :: ክል ኦሮ ለትቃደረቶ እግል ልውደ ሃላ እሉ :: ዎክ እትላ ሸለቅ ለፈግር ክትብ እግል ልትቃራእ ካላልትኣረም ልትኣረም ዎክ ልትወሰክ እቱ :: እሊ ልግባእ ዲኢኮን ሑዳም ቶም ለቃርእዎ ለባዙሕ ምን እና ባሉ ኣለቦም : ምንላ ሑዳም እብ ፋያገት ለቃርእዎ ወላ ልትንፉዕ እቡ ኦሮ እንታ ቱ :: ክሰበት እሊ ሽሙይ ወልኣማን ሓምዳካ:: ለሳምን ክፋል እትላ ማጽ ሳምን እግል ልፍግርቱ::ክብር ለሃባካ ወጡል ዕምር :: መርሓባ ኣክሊሉ ሓወይ:: ኣዝኻ ስለዘበራትዕኻኒ የመስግን :: ልስና ልሳን ትግሬ ይጠፍእ ኣሎ ምባል ብኣፍ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን :: ነፍስወከፍና ልሳን ትግሬ እንመልኽ ዝተኸኣለና ክንገብር ኣሎና: ኣብቲ መርበብና ዝወጽእ ቃላት ልሳን ትግሬ ክንበብ ኣለዎ :: እቲ ክእረም ዘለዎ ይእርም እቲ ክውስኽ ዘለዎ ይውሰኽ : ይኹን እምበር እቶም ዝበዝሑ ኻባና ኣየንብብዎን እዮም:: እቶም ተገዲሶም ዘንብብዎ ኣዝዮም ሒድት እዮም :. ሓደ ኻብኦም ብሙኻንካን እሞ : ብጣዕሚ እትጥቀምሉ ስለ ዘለኻ ኣዝዩ ባህ ይብለኒ እሞ ድጊመ የመስግን :: Part 8 of the series will follow next week. ክብረት ዕድመን ይሃበለይ ::

  2. Dear Governor Mussa,
    I am writing to express my sincere gratitude for your contributions for this article and all previous articles. Your dedication and hard work have greatly contributed to the success of our website.
    Your articles were well-written, informative, and engaging. They were a pleasure to read, and I know that our members appreciated them as well. Your recent contributions helped me a lot to understand the Tigre language and trying to improve my conversations. Your contributions have made a real difference, and I am lucky to have you as a big brother and mentor.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *