እግል ነስተብሀል እቱ ለሀላ እልና ጌለ ቃላት ህግያ ትግሬ። እብ ሙሴ በኪት

እግል ነስተብሀል እቱ ለሀላ እልና ጌለ ቃላት ህግያ ትግሬ።

(ሳልስ ክፈል)

እብ ሙሴ በኪት።

1/29/2022

  1. ማጣ። እንዴ ሓለፋ ሃባ ። (ኤሕሊፉ ሂቡ ንጸላኢ) ለካልእ ትርጉማ ሀዬኒ” ኣብ ፍላን እንዴ ሎሄይ ሸሓን ማጠኒ “። “ኣቦ ኽስቶ እስቲ ኦቲ ሸሓኒ ሃበኒ ግዳ”።
  2. ማጣ። ምምጣጥ ። እግላ ፕላስቲክ ማጣጥክዎ ። ነቲ ፕላስቲክ መጢጠዮ።
  3. መጻ። ለጸልዓት መጻት ወደት እቱ። እቲ ቑስሊ ቃንዛ ገርሉ።
  4. መጻ። ማሊሕ ገኣ ። መጺጽ ኰይኑ።
  5. መጻት። ለወለት ንኢሽ መጻት። እምባራ ገአት እቼ። ምስል ዕምራ ለኢገይስ ህግያ ትትሀጌ። እታ ቆልዓስ ውርጽጽቲ ኾይና። ምስ ዕድሚኣ ዘይኸይድ ቃላት ተውጽእ ። ለቃል “ጻ” ጭቅጥ እንዴ ኣበልካ ልትቃራእ። እቲ ቃል “ጻ” ጽቅጥ ኣቢልካ ይንበብ።
  6. መጻት። ለወለት ማሌ ማጻት። እታ ጓል ትማሊ መጺኣ። ለቃል “ጻ” እቅልል እንዴ አበልካ ልትቃራእ። እቲ ቃል “ጻ” ኣፍኩስ ኣቢልካ ይንበብ።
  7. እ’ገለት። ኣንስታይቲ ምራኽ። ብእብረይስጢ ፥ ዔግላ ትትበሀል ። ለሳድሳይት እሲት ንጉስ ዳውድ (ዳዊት) ስማ “ዔግላ” ትትበሀል።
  8. እጌለት ፤ ዝኣጐለ እተበላሸወ እንቋቑሖ ። ለ “ጌ” ጭቅጥ እንዴ ኣበልካ ልትቃራእ። እቲ ‘ጌ” ጽቕጥ ኣቢልካ ይንበብ።
  9. እግል። ምራኹት ። እብ ኣማርኛ ጥጃዎች ልትበሀል።
  10. እግል። (to.for) እግል ፍላን ሰልም እቱ። ንኹስቶ ሰላም በሎ ኢኻ።
  11. ዛልም፡ ቱ። ዜልማይ። ዓመጸኛ።
  12. ዛልም ቱ። አርድ ዝላም ዛልምቱ። እብ ሂጋ ኣክለፎት ኣብዕብና ከንቴባይ ኣፍታይ ወድ ከንቴባይ ቡላ ወኣቡና እብራሂም ጣብሳ ምን ሕድ ልትሰደዶ ዐለው። ከሓቴ ዶል ኣቡና እብራሂም “በል ከንቴባይ አርድኩም ገሌ ዛልም ቱ ፧ “ቤሎ። (ዛልም ቱ ማለት ዘኒሙ ዶ፧ ወይ ድማኒ ዛልም ዓሚጹ ዶ፧ ማለት እዩ።) ከንቴባይ ኣፍታይ ሃዬኒ”ኣባዩ ዛልም ልግባእ ወ፡ ዔደር ላቱ ቡ” (ጸላኢኡ ዓመጸኛ ይኹን ኣውሊ ጠሊ ግን ኣለዎ በሎ) ዔደር ብትግሬ ቅጣር ናይ ዝላም ቱ። ነጠብጣብ ናይ ዝናም እዩ።
  13. ለሸም። ፍሬ ጥዑም ለተፈሬ ዕጨት ከደን።
  14. ለሸም። ለሸሞት። ለእናስ ኣስጡሩ ላሻማ። ለከይስ (ገበል) እግላ ጣሊት እብ ለሸም ቃትላያ። እቲ ገበል ነታ ጤል ጠምጢሙ በቲ ጭዋዳዳቱ ጸቒጡ ቀተላ። ለሸሞት ፡(Constriction)
  15. ጠዓሳ ። ሓራሙ ፡ ትናሳሓ(He asked forgiveness for his trespasses, Repentance) ። ጠዓሳ ።ጌጋሁ ኣምና። (He pleaded guilty, Changing one’s mind)
  16. ጠዓሳ ። አልሄቶ ።(ወድሼሌ) (ያሬት) ኣልሄቶ እላ ዋዲ ምን እገብእ ወኢከሰርኮ ።
  17. ጥዕስ። ሰሓሓት ።(Remorse) “ሰሓሓት ደጋሓ እቼ ለቤቼ እግል ኣዝቢያ ኢዓላ እልዬ” “ብጣዕሳ ተበሊዔ እቲ ገዛይ ክሸጦ ኣይነበርንን”
  18. ዓሳ ። (Fish) ዓሳ ፡ በሓር። ለ”ዓ” ምጥጥ እንዴ ኣበልካ ልትቃራእ፤፥ እቲ “ዓ” ስሕብ ኣቢልካ ይንበብ።
  19. እት ዓስተር ዓሳ፡፡ ኣብ ሰማይ ዘምብዩ ። ለ“ሳ”ወላ “ዓ” ጭቅጥ እንዴ ኣበልካ ልትቃራእ። እቲ “ሳ””ዓ” ጽቕጥ ኣቢልካ ይንበብ
  20. ዓሳ ። ዓሲ ሽፍታ ። ኮብላሊ። ለ “ሳ” እቅልል፡ ወ፡ ሑጭር እንዴ ኣበልካ ልትቃራእ። እቲ “ሳ” ኣፍኩስ እሕጽር ኣቢልካ ይንበብ።
  21. እማት። እማትና ። ኣደታትና።
  22. እማት ። ስም ቃጥፈት ከደን ወህታ እግል ስራይ ልትናፉዕ እባ። (Traditional Medicinal Plant) (ስም ሓንቲ ቖጽሊ በረኻ ንባህላዊ መድሃኒት ዚጥቀሙላ)

አዜ እንዴ እሊ ምን ብዕድ ህግያታት ለትላካማ እትና ቃላት ንርኤ።

  1. ሼጣን ። ሼጣን ምንላ “ሳታን” (Sa-tan) ለልብል ናይ እብራይስጢ ቃል ለመጻ ቱ ። ወ ትርጉሙ “መትጻራይ “ተጻራሪ “(Resister) በሀለት ቱ ። ከእሊ ቃል እሊ ትግርኛ፤ ትግሬ ፤ ኣማርኛ፤ ግእዝ፤ ዓረብ ፤ ኢኮን።
  2. ድያብሎስ። ክናዬት (ሳጓ) ናይ ሼጣን ቱ ። ወላ ቃል ምንላ “ዲያቦሎስ”(di-a’bo-los ) ለልብል ናይ ግሪኽ ቃል ለፈግራ ቱ። ወ ትርጉሙ “ሔምያይ” ሓማዪ “(slanderer) በሀለት ቱ። ሔምያይ ለትባሃላ እቡ እግል ሓዋ “ረቢ ክምሰለሁ እግል ኢትግቡእ ዎክ ኣክሉ እግል ኢትግቡእ እንዴ ቤላ ቱ ምን ፍሬ እላ ዕጨት እላ ኢትብሉዕ ለቤለኩም” እሊ ቆል እሊቱ ለሔምያይ ኣተበለዩ።
  3. ከረኩን። ቤት ሓብስ፡ (Jail) ወላ ቃል ምን ህግያ ቱርኪ(ተርኪ) ለመጻ ቱ።
  4. ጠረጴዘት። (table) ምንላ”ትራፐዝዮን” ለብል ናይ ግርኽ ለመጻ ቃል ቱ።
  5. ጣውለት ። “ታቮላ”ምን ህግያ ጥልያን ለማጻ ቃል ቱ ።
  6. ሰፍረት ። ሰደቓ፡ መን ኣምር እሊ ሰፍረት ላልብል ቃል ምን ህግያ ጥልያን እንዳይ ማጻ ኢተርፍ።
  7. ተንዱር ። ምንላ “ታንዶር “(tandoor) ለልብል ቃል ህንዲ ለማጻቱ ። “ምን ሕበዘት ዲብ ተንዱር ፍላም እት እዴ”
  8. ቦፍተት ። ጻዓዳ ምዱዕ ፡ ኣስሊ ልባስ ። ወላ ቃል ምን ህግያ ቱርኪ(ተርኪ) ታ ።
  9. ሺኦል። ሕፍረት ቃብር ዎክ ቃብርቱ (The common grave of mankind) (Heb., qe’ver) ወእብ እብራይስጢ ማ ቀ-ቨ -ር ልትበሀል። (ወላ ቃል ሺኦል ምንላ “ሳሃል” ለልብል ናይ እብራይስጢ ቃል ለፋግራቱ ቱ ። “ሳሃል “ሰኣል ሕቶ ማለት እዩ እብ እብራይስጢ።(ወእብ ህግያ ትግሬ ሀዬኒ “ሰኣል”) (Cambrige ,1811 p.148 ረኤ) ወ (Encyclopædia Britannica 1971, vol. 11, p.276) ረኤ ።  ለባዝሕ ኣዳም “ሳሃል”ሺኦል ጀሃነብ ቱ ልብሎ ። ሺኦል ብ ግሪኽ “ሓደስ” ልብሎ ። “ሺኦልን ሞትን መወደእታ ክግብረሉ እዩ” ልብል ክታብ ቅዱስ።  ሞት ወቃብር መከለሲ እግል እግል ልግባእ እሉቱ” ልብል ።
  10. ነቤዮት (ትንቢት) ። ምንላ “ናባ” ለልብል ቃል እብራይስጢ ለፋግራ ቃል ቱ ።
  11. ነቢ። ምንላ “ና-ቪ” ለልብል ቃል እብራይስጢ ለፋግራ ቃል ቱ ። እሊ ቃል “ና-ቪ” ለልብል ሰልፍ ክሉ ለተሀየበዩ አቡና እብራሂም (ኣብራሀም ቱ ) “ ፕሮ’ፈሚ” ሀዬኒ ናይ ግሪኽ ቃል ክኸውን ኰሎ ነቢ ማለት እዩ። (ፕሮ ቃደም ዎክ ምን ቃደም ። ወ “ፈሚ”በል ። (Pro, “before “or“in front of”and phe-mi’,”say” (Insight page 694 ) ኣውኪር ወኣውኪራት እግል ዮም እትሊ እካሪም ። ወምን Google ለቃዋቀልክዎ አክትበት ናቅሙ ሀለኮ። ወምን ግፍልዬ (from my journal) ለነስአክዎ ወገሌ ምን ክታብ ናፋዕ ለረከብክዎ ቱ። እላ ኢኣቤ! እሊ “ጉግል” ለልብል ቃል ምንላ “ቆቅል” ለልብል ቃል ህግያ ትግሬ ቱ ለፈግራ ኢበል ገብእ፧ ሚመስልከኩም ፧ ንሙዃኑ እዚ “ጉግል” ዝብል ቃል ካብቲ “ቆቅል” ዚብል ቃል ትግሬ ዚወጸ እዩ ክብል ዶ፧ እንታይ ይመስለኩም፧ “ሰነት ኖስ ቃርብ” “ለራስ ሲቆርሱ ኣየሳንሱ “አስክ ለራብዕ ክፈል እንዴ ጫቃምኮ እማጻኩም ሸር ብሉሕ ወ ቅሩሕ ሸር ፡ ንጉሕ፡ ወክቱሕ ልክለአኩም፡ እብል ።
Posted in Posts.

2 Comments

  1. You are welcome 🙏 ክልና ምን ሕድ ንትመሃር ወሕድ ነትፋቅድ ሀለና :ኣስክ ዲብ እድንያ ሀለና::

  2. Thanks Mussie the effort you put. Whenever I get a chance to read your post, I always learn a lot and for that, thank you.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *