ሌላ ምስ ፍትሕ መሓሪ። ብሙሴ በኪት ቀዳማይ ክፍሊ።

ሌላ ምስ ፍትሕ መሓሪ ናይ መንሳዕ ።

ቀዳማይ ክፍሊ።

07/03/21

ብሙሴ በኪት።

ብመጀመርያ ፍትሕ መሓሪ መዓስ ከም ናይ ሕልና ሕጊ ወይስ ፍትሕ ኰይኑ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወድ ሃይገት መንሰዓይ  ጽላት ልቢ ዚተጸሓፈሉ እዋናት እስከ ንርአ። መንሰዓይ (ማንሹ) ኣብ 1368 ካብ ኣቦ ሓጎኡ ሹም ደፈረ ዓዲ ተከለዛን (ሓማሰን) ንሃይገት ተረስትዩ ሓምሽተ ወለዶ ፈረየ። (መንሰዓይ ሃይገት ምርስታዩ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ኤርትራ ናይ ፊትኣውራሪ ሚካኤል ገጽ 97 ርአ።) ካብ መንሰዓይ እቲ ሓምሻይ ትውልዲ መሓሪ ዝተብሃለ በልሕ ኣእምሮ ዘለዎ ንፍትሕ መሓሪ ከም ናይ ሕልና ሕጊ ገይሩ ኣውጽኦ። (ድግም መንሳዕ ገጽ10 ርአ።)  ናይ ሕልና ሕጊ ክበሃል ኰሎ ኣብ ወረቀት ብጽሑፍ ዘይሰፈረ ሕጊ ማለት እዩ። ብቃል ምስ ተነግረካ ብሕልናኻ እትስዕቦን እትሕልዎን ሕልናኻ  እትስሕለሉን ፍትሕ (ሕጊ ) ማለት እዩ።  ዕድመ ፍትሕ መሓሪ ኣዝዩ ልዕሊ 400 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን እዩ። ነፍስ ወከፍ ወለዶ ካብ መንሰዕይ (ማንሹ) እቲ ገምጋማዊ (average) ንሓደ ትውልዲ ዚወሃብ 25 ዓመት ስለዝኾነ  ዕስራን ሓሙሽተ ዚረብሔ ብሓሙሽተ 25 x 5 ይኸውን 125 ዓመት። እቲ 125 ዓመት  ኣብቲ መንስዓይ ኣብ ሃይገት ዝመጸሉ ዓመት1368 እንድሕሪ ደሚርናዮ ይኸውን 1493። እቲ 1368 ካብቲ “ዛንታ ወለዶታት መንሰዕን ማርያን”ዚብል ብእብራሂም ዓሊ ራጃ ብቋንቋ ዓርብኛ ዚተጸሓፈ መጽሓፍ ዚተረክበ እዩ። ፊትኣውራሪ ሚካኤል ሓሰማ ኣብቲ “ ዛንታ ኤርትራ ዚብል መጽሓፎም “ ገጽ 37 “እዚ ፍትሕን ስርዓታትን  መሓሪ 400 ዓመት ዝገበረ እዩ” ይብልዎ።

ፍትሕ መሓሪ “ወዲ” 420 ምስ ኾነ ኣብ 1913 ብሓደ ምስዮናዊ ሮደኝ (ሮዲን) ዝተብሃለ ሽወዳናዊ ዝዘግነቱ 83 ክፍልታትን 535 ኣናቅጽ ኰይኑ ብጽሑፍ ወጸ። ይኹን እምበር ፍትሕ መሓሪን ስርዓታቱን ካብ 83 ክፍሊታትን 535 ኣንቀጻትን ንላዕሊ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ሕግታትን ስርዕታትን ከም ናይ ሕልና ሕግን ስርዓታትን ኰይኑ ቀጸለ። ሕጂ ካብዚ ቀጺለ ትሕዝቶ ፍትሕ መሓሪ ኣርእስቲ እናሃብኩ ምስ ዝርዝሩ ከላልይኩም እየ ። (1) ግደታትን ሓልዮትን ምስቲ ዝመስለካ ፍጡር ። (Obligations involving fellow creatures) ብሰብ ክጅምር። ምስ ገላዉኻን  ሸቀልትኻን ጓሶትካን ሓረስቶትካን በራዩኻን ዚህልወካ ርክብ  ልኡምን ኣብ ጽቡቅ ፍቃድን ምርድዳእን ይኹን ይብል ፍትሕ መሓሪ ክፍሊ 3 ኣንቀጽ 1። ባርያኻ ወይ ጊልያኻ ሓራ ክወጽእ እንተ ደለየ ሓራ ክወጽእ ፍቁድ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ሓራ ምውጻእ ኣጋባብ ኣብ ቅድሚ ከንቲባ ክፍጸም ኣለዎ። እቲ ባርያኻ ወይስ ጊልያኻ ሓራ ምስ ወጸ “ባርያ ወይ ጊላ “ኢሉ ዝጸረፎ ይቅጻዕ እዩ ። ጭዋ ኾነ ንባርያ ንጓሳ ኾነ ንበዓል ወዓል (ኮንትራት) ሕደ እዩ ነይሩ። ንንብረት እንዳ እማቱ ሓልዮት ዘይብሉ ንድኹማትን ጸበብቲ ዓቅሊን ዚሃርምን ዘጋፍዕን ብሓይሊ ንብረት እንዳ እማቱ ዚምንዝዕ ንዘኻትምን ንመበለታትን ዚብድል ንጽሙማን ዒራ ኣይሰምዑን እዮም ኢሉ ዘባጩ ወይ ዘላግጽ ንዓይኒ ስዉራት መዐንቀፊ ዚዝርግሕ ንስደተኛታት ዚግፍዕ ኩሉ ይቕጻዕ ነይሩ። ሐደ ካብ ካልእ ቦታ ወይስ ዓዲ ጓና በደል ፈጺሙ ዑቅባ ዚሓተተ ወላ እንተ በደለ ከይቕጻዕ ፡እንተ ሃረመ ከይህረም ኩልኩል ነይሩ። ክሳብ ኣብ ዓዱ ዚምለስ ገለ ኸይትብልዎ ይብል ፍትሕ መሓሪ ። ሰብ ቀቲሉ ዕቘባ ዚሓተተ እሞ፡ እቶም ሰቦም ዚተቀትለ ሰባት አሕሊፍኩም ሃቡና ኢሎም ወላ እኳ እንተ ሓተቱ ካብቲ ግዛኣት መንሳዕ ምስ ወጸ ድላይኩም ግበርዎ እምበር ዕቅባና አሕሊፍና ኣይንህብን ዝብል መልሲ ክወሃብ ፍትሕ መሓሪ ይእዝዝ። እቲ ቀታሊ ድማኒ ካብ ክልል መሬት ሃይገት ከይወጽእ ሓለዋ ክግበርሉ ፍትሕ መሓሪ ይእዝዝ። እቲ ቀታሊ ካብ ክልል ሃይገት (መንሳዕ) ወጺኡ እሞ በቶም ደመኛታቱ እንተ ተቀትለ መንሳዕ ንምንታይ ተቀቲሉ ክብሉ ኣይግቦኦምን እዩ።

ሕጂ ካብዚ ቀጺልና እስቲ ፍትሕ መሓሪ ብዛዕባ መሰል እንስሳታት ዘቤትን ዘገዳምን እንታይ ከም ዚብል ንርአ። ላም ፣ ጤል ፣ በግዕ፣ ብዕራይ ፣ገመል፣ በቕሊ፣ ኣድጊ፣ ጠፊኡ ኣብ ደምበኻ እንተ ኣተወ ካብተን ማልካን ጥሪትካን ንላዕሊ ክትንከባኸቦ ኣሎካ ክሳብ ዋንኡ ሰሚዑ መጺኡ ዚርከቦ። እዚ ድማኒ “ዔርባይት”ይብሃል። ዕርብ ዚበለት ዚጥፍአት ማለት እዩ። ዋናኡ ምስ መጸ  ጻማኻ ሂቡካ ትቅበል እንተ ዘይሃበካ ክህበካ ኣይግደድን እዩ ። ንምንታይ ካብተን ጥሪትካ እንተ ጠፍኣ ከምቲ ሕጊ መሓሪ ዚእዝዞ ልክዕ ከምኡ ስለ ዚግበረለን። ፍትሕ መሓሪ ኣብቲ’’ ቅጽዓት እት ኣከዮት ሕያይት ” ብሓርፋፉ” መቅጻዓቲ ንኹሎም እንስሳታት ድንጋጸን ሓልዮትን ዘይብሉ ” ኣብ ትሕቲ ዚብል  ክፋል ገለ ካብኡ ኣቐሚጥዎ ኣሎ።ገሊኡ ድማኒ ኣብቲ ብጽሑፍ ዘይሰፈረ ኣሎ። ኣርኪብናሉ እ’ውን።  ናይ ጽዕነት እንስሳ ዘቤት ገመል፣ በቕሊ፣ ኣድጊ፣ ብዕራይ፣ ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ኸይጸዓኑን መጀመርያ ማይ ክሰትዩ ሳዕሪ ኺበልዑን ኣለዎም። ድሙን ከልብን ዋና ይሃልዎም ኣይሃልዎም ተሃዲኖም ክቅተሉ የብሎምን። ሓደ ሰብ ኣድግኻ፣ በቕልኻ ፣ ፈረስካ፣ ብዕራይካ፣ ቅድሚ ምክራዩ ውዑል ክትገብረሉ ኣሎካ ። ንበል እቲ መጽዓን ካብ ምሕላብ ተላዒሉ ንገለብ  ካብ ገለብ ድማኒ ንምሕላብ ጥራሕ እንተ ኾይኑ ልክዕ ኸምኡ ክኸውን ኣለዎ። እዚ እቲ ምስቲ ናይ ክራይ መኪና ሞር ማይለጅ (more mileage) ውዑል ኣገናዝብዎ። እቲ መጽዕን ኣብ ገለብ ምስ በጽሐ እንተ ሞተ እቲ ተኻራያይ ካብ ዕዳ ነጻ እዩ ይብል ፍትሕ መሓሪ። ይኹን እምበር እቲ ተኻራያይ ካብ ገለብ ሓሊፉ ንሽዕብ ገጹ ክወስዶ ኸሎ እሞ፡ እቲ መጽዓን እንተ ሞተ ተኻራያይ ብዕዳ ይተሓዝ ። ፈረስን በቅልን እንቶኾኑ 120 ላም ይዕዲ ይብል ፍትሕ መሓሪ ። ኣድግን ብዕራይን እንተኾኑ ግን ኣድግን ብዕራይን ይዕዲ ይብል። እዚ ኣብቲ መጽዓን ኣድጊ ብዕራይ ገመል በቕሊ”ሞር ማይለጅ “(more mileage) “ከይምዝገብን” ሸፈጥ እውን ንኸይፍጸም ንምክልኻል ፍትሕ መሓሪ ብግልጽ ዘስፈሮ ኣንቀጽ ይመስል። ኣብዑር እኽሊ ንከኽዱ ኣብ ዓውዲ ቅድሚ ምውራዶም ዚኣክል ማይ ክሰትዩን ሰዓሪ ክበልዑ ኣለዎም። ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ኣፎም ብዕማም (mask) ስለ ዚዕበስ ክበልዑን ክሰትዩን ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ሰብ ሓንቲ እትብላዕ ጭሩ ምስ እንቋቚሖኣ እንተ ረኸበ ነታ ጭሩ ኣይቅተላ ወይስ እንቋቚሖኣ ኣይውሰድ ። ንምንታይ ዘርኢ ናይታ ጭሩ ከይጸንት። መላእ ኣድጊ ፣ ፈረስ ፣ ገመል ፣ ኣይጸዓናን። መላእ ላም ፣ ጤል ፣ በግዕ፣ ኣይሕረዳን። ካብ እንስሳ ዘገዳም ድማኒ መላእ ፨ጋህረት (ብቋንቋ ትግሬ ኣምበርሀገት) መላእ ፨ ፨ ጋሬዋ (ብቋንቋ ትግሬ ነለት) “ኣንስተይቲ” ዓገዘን ከምእውን መላእ ብዕዘ (ብቋንቋ ትግሬ ብዕዘት) መላእ ዱንኰላ፣ መላእ ፨ ፨ ፨ ቡሃር (ብቋንቋ ትግሬ ቶተለ )

ቶተለ

 ፣ ኣደ ጨቓዊት ቆቛሕ፣ ዛግራን፣ ከይቅተላ ኣብቲ ናይ ሕልና ሕጊ ኣቦሓጎና መሓሪ ደንጊጕዎ ኣሎ። ጥሉል ኣእዋም ኣውራ እትዬታት ማለት ዓበይቲ ኣእዋም ሙቅራጽ ኩልኩል እዩ ይብል ፍትሕ መሓሪ። ናይ ፎርስታለ ሕጊ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ እዩ ጀሚሩ። ወላ ቅድሚ መግዛኣቲ ጣልያንን እንጊሊዝን። እዚ ካብ ሓደ ኣብ ቫንኮቨር (ከናዳ) ዝቅመጥ ብግዜ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት ዋና ጸሓፊ ፓርላማ ዝነበረ ምሁር ዚረኸብክዎ ሐበረታ እዩ። (2) እንዶ (common sense) ፍትሕ መሓሪ ። መጥሓን ዓንጋሊት ስድራ ቤት እያ ። መጥሓን ህይወት ሓንቲ ስድራ ቤት እያ። መጥሓን ብዕዳ ማለት ከም ትሕጃ ኣይትውሰድን እያ። እንተድኣ ተውሲዳ ሓርጭ የልቦን ሓርጭ እንተዘየሎ ቊርሲን ምሳሕን ድራርን የልቦን ። ንስድራ ቤታት ምጕዳእ ስለዝዀነ ፍትሕ መሓሪ ከልኪልዎ እዩ ነይሩ። ካልእ ይትረፍ ዋላ ኣረጊት መጥሓን ካብታ ዑና (ድምነት) ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ንኸይትውሰድ ፍትሕ መሓሪ ይኽልክል ነይሩ ። ንምንታይ እንተ ተብሃለ ኣሰር ታሪኽ ናይታ ዚዓነወት ወይ ዚገዓዘት ስድራ ቤት ነገሪት ስለ ዚኾነት። ዓንዲ እውን ካብ ዑና (ድምነት) ኣይትውሰድን እያ ነይራ። ንሳ ብወገና ኣሰር ታሪኽ ዋናታታ ስለ እትዛረብ ። እዚ እ’ውን ኣርኪብናሉ ። ንሓደ ዕዳ እትእውዶ ሰብ ዕዳኻ ክፈል ኢልካ ደጋጊምካ እንተ ሓተትካዮ እሞ፡ ክኸፍለካ እንተዘይከኣለ ኣጋጣሚ ሓንቲ መዓልቲ ክዳኑ ኣውጺኡ ኣብ ሩባ ክሕጸብ እንተ ረኸብካዮ ሕጂ ተረኺብካ ኢልካ ክዳኑ ምሕዝ ክልኩል እዩ። ሕፍረቱ ምቅላዕ ስለ ዚዀነ ከምኣ ኢሉ ናብ ዳኛ እንተ ኸደ እቲ ዕዳ ይስረዝ ክዳኑ እውን ይምለሶ። ከም’ውን ብዘይ ፍቃድ ኣብ ደንበ ሓደ ዕዳ እትእውዶ ሰብ ኣቲኻ ብኢድ ወነነኻ ጤል ወይ በግዕ መንዚዕካ ዕዳኻ ምእካብ ኣብቲ ናይ ሕልና ፍትሕ ኣባሓጎና መሓሪ ከልኪልዎ ኣሎ። እዚ ምስቲ ናይ እዛ ዓዲ እዚኣ (ኣሜሪካ)ደረት ኣይትጥሓስ ወይ ምሕላፍ ኩልኩል እዩ፡ ወይ ናይ ብሕቲ ንብረት ዘመልክት ምልክታ(sign) ሕደ እዩ። (No trespassing, private property, no public access, private parking only) ከምኡ እውን ብሕጊ እንተ ዘኮይኑ ብኢድ ወነነኻ ካብ ሕጊ ወጺእኻ ፈጻሚ እሞ ጠሓሲ ሕጊ ኣይትኹን።” do not take matters into your own hands ”እዚ ኣብሃህላ እዚ መሓሪ ቅድሚ 500 ዓመት ኢልዎ ነይሩ እዩ።

(፨ ጋህረት ኣንስተይቲ ጤለ በዱ ብቋንቋ ትግሬ ኣምበርሃገት እያ።  ፨ ፨ ቡሃር ንእሽተይ ላም እትመስል እንስሳ ዘገዳም ብቋንቋ ትግሬ “ቶተለ “ሓንቲ ካብተን ንሓዋሩ ዘርኢ ናታ ዝጠፍኣ እንስሳታት ዘገዳም ሃይገት ነይራ። ናይ” ሕልና ሕጊ” ማለት (Law of Conscience) እዩ። እቲ ቃል conscience ኮንሸስነስ ካብቲ ናይ ግሪኸኛ ቃል “sy-nei’de-sis (knowledge) ፍልጠት ዚተቶርጎመ (ዚወጸ) ክኸውን ኾሎ “syn”ማለት “ምስ “with “  “ei-de-sis” ድማኒ ፍልጠት። ክልተኡ ቃላት ብሓንሳብ ምስ ለገበ  ጽምዳዊ ፍልጠት (co-knowledge) ይብሎ እቲ መጽሓፍ ኢንሳይት ገጽ 500። ናይ ሕልና ሕጊ ኣብ ጽላት ልቢ ዚጸሓፍ ሕጊ ወይ ስርዓታት እዩ።  ክሳብ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ንራኸብ ደሓን ኩኑ ። ደሓን ኩኑ ክብል ከለኹ ጽቡቅ ጥዕና ንዓኹም ማለተይ እዩ።

ይቕጽል——

Posted in Posts.

11 Comments

  1. ሰልፍ ክሉ ሰነት ወፋይሓት ሰላመቼ ትብጻሓኪ ወለቼ ዓዚዛ:: ግሩም ለለትናይት ረኤይ ወተውሳክ ኣምር ሀብኪና :: ኣፎ ህግያ ትግሬ ወትግርኛ ለእለኣምሮ ተርፍና ዎክ ውላድና ክእና ሕጭር እንደ ኣበልኪ ለከተብክዮ እባ ኣሙራ ህግያ እንጊሊዝ እግል ንክረ እሎም ውጅብ ከእሊ እግል ንሃገእቡ ሃላ እልና እትላ ማጽእ ወክድ :: ግርም ወደኪ እሎም:: ከረቢ እግል ክልና ዓፍየት ወንየት:: ክእና እብ ሑድ ሑድ ለማዳት ኣንቅጽ ወላ ስርዓት እግል ንህደግ እቡቱ :: ወእት ደንጎባ ምስ ሕግትት እንዳ ኣብ ናይ ከበሳ እግል ነትስኖቱ:: ከርኪ ልብዛሕ ድሕርት ወለቼ ::

  2. ሰልፍ ኩሉ: እግል ሐልና መምህራይ ዎ መትካፍላይ እግል እሊ ብዙሕ፣ ብዙሕ, ላንትሐበን እቡ: ታርክ : ዓድና ዎአፍታሐትና: እንደ ናዬ እብ በሃለት እብ ናይ ጽብጠትካ ዎ አርሐቦትካ ረቢ ሐሳብካ፤ ቅልጭምካ፤ብርካ ፡ዎ ሞራካ ላጽንዕ ; ዎክም ንጉስ ሰለሞን ፈሃመትካ ላፍይሕ ዎለዚድ። ካቀደም በል ዎአታላለ። ክእንና ለመስል ምህሮ ዎአትፋዞት ማራ ዓቢ ክብት ዎ መክሰብ ቱ። ዎእብ ዝያዳ እግል ብዝሐም ናይ አምር; ዎፈሃመት ለወስክ, ምስላ ላናይ ሕልና, ሐሳብ ዎ አምር; እትላ ናይ እብ ዉሰክ እግላ ላብዙሕ ታርክ; ዓድ : እማት: ዎ አበች እግል እብ ሐሳብካ: ቀልብካ : ኖስካ እብ ኖስካ እግል ትቅረዖ ዎትትመሃሮ ብዙሕ በክት ለከፍት እት ናይ አምር ነዋት ላለወርድ ሊካ ዎዓደሞትቱ። ከእብ ዓመቱ እሊ ኩሉ ወራት ግሩም አሳስካ; መሀዞት ብስር; እብ ውዳይካ ዎፍዒልካ ብዙሕ ነሐምደካ ።ዎአምርካ ሊዚድ ዎ ነሐርካ እሊደባእ እምብል።

    አዜ እታ ክታብ ዎዲብላ ኩቱብካ እግል አቅብል; እታ ክቱብ ናይ ፍትሕ ዎዓዶታት ዓድና መንሳዕ ዎላ እቡ ወደካ ፈነናኖት ማራ ለመስል :ዎመስርዑ ላጸብጣ ድግም ዓድ ዎአበችቱ። አቡና ፊተ. ሚካኤል ሓሳማ ራካ እታ ራብዓይ ሕታም ክታቡ “ላትከተበት ኢትከተረት ልብሎ ዓድና መንሳዕ” እንዴ በላ አመሳላ ከሃላ ; ከእሊ ሚ በሃለት ቱ? ኩቱብ ሀላ ምን ገብእ ክልዶል መምሃሪ ገቢል ቱ, እግላ ሃላ፡ ዎእግላ መጽእ ተርፍ/ወለዶ። ከእሊቱ አዜ, ላትከተባ ታሪክ ወለዶ ሰበት ገብኣ፡ እግል መዓለት፡ ምህሮ አምር፡ ዎፈሃመት፡ ዎመልመዐት ንትናፋዕ ቡ፡ ሀለና። ክምሰልሁማ ቀሽ ካርል ጉስታብ ሩዴን እትላ ኩቱቡ እትላ ክታብ ድግም ወፍትሕ ወዓዶታት ክልኤ መንሳፅዕ እት ገጽ ማ ምፅራፍ XII/12 ክእና ካትብ ሃላ።”ድግም ፡ገቢል፡ክል፡ዶል እብ ፡ ኖሱመ፡ ክም፡ መምህር ትቱ፡ ከእሊ፡ ክታብ፡ እሊ ሃዬ ፡ እግል በዓል ዓድ ዎበዐል ገቢለት፡ እት መልመዐት ፡ክም ልውዕል፡እስኤ ሀለኮ”። ልብል። ካረቢ ሃላ:, ቃርዐት እሊ ዋቂ ድግም ላቀርዑ እግል ምህሮ ዎ አምር እግል ልግባእ ዓቢ ሰአዬቼ ቱ።

    There is no need for me to send my feedback’s using two different languages; However, since we have young adults who have this undying spirit and have the will and the ambition to know more of what has been communicated with each other but some of them lack the privilege to fully understand our wonderful Tigre or Tigrigna written text messages. In fairness, we must do our best to make them part of the puzzle in trying to reach out to them in the language that they feel comfortable reading and understanding. Trust me, there is a lot that we will learn from them too. So, if I am at liberty to summarize just the gist of what it is, that I wrote above, {in Tigre,)

    This is just positive feedback to Uncle Musa of what he analyzed about the (Mensa’s traditional laws) the Fifth Mehari book of the Mensah clan: the way they used to live, their beliefs, and practices.
    That, our forefathers were people of good aspirations/ ambitions. They did not go to school, nor they claimed a university earned credit behind their credentials and it was a bitterly swallowed truth that the fact that they were illiterate but in all and to the contrary they were overly broad and critical thinkers, self-starters, and wrote their own way of community-guided rules and regulations from the scratch means barely from nothing. . . Indeed, they did their best for their community with what they had have and that was their only God’s given impressive instinctive intellectuality that what Uncle Musa perfectly call it “The Law of Conscience)” and reading this, took me way back to what Uncle Gaby wrote posted/shared with us on February 20, 2016, about the same people relating to the,

    (“Ingenuity of Our Forefathers. Ftih Mehari’ s laws, just like any other Eritrean traditional laws, were handed down verbally from generation to generation until Carl G.Roden, a Swedish missionary, compiled them in Tigre in a book format which was published in 1913. The book was translated into Italian; widely circulated in Europe and became sociologists’ sensation. Incidentally, I have made an observation that Ftih Mehari’s articles have some striking similarities with some Western or American laws. So, the question is who copied whom? According to several indicators described below, there is compelling evidence that Westerners have copied our forefathers” I couldn’t agree more.

    Yes, they immensely used their self-written traditional laws, and scored a positive outcome of it among the dwellers and included other strangers among them. How impressive! Therefore, Uncle Musa is one of our people with this impressive credentials who is professionally, socially, and ethically qualified to revisit that book of Fitih Mehari and starting to analyze the purpose of its creation (originality), and the way it was used/formulated among the inhabitants that included all the activity of their community norms. One impressive rule in that book is that caring and advocating for animal rights, think about it, of how effective and unceasing and still is. Hence, this was 400 hundred years ago in that small part of the world, and today all communities are observed standing firm for this kind of rule and practice to become highly effective. Indeed, very amazing!

    Uncle Musa is doing very impressive work and he is shearing it willingly just to enhance the learning and the knowledge of the common/greater good. In my writing above, I mentioned two very prominent individuals who were well acquainted with the Mansah people with the way the Mansah clan lived, communicated, and resolved all the conflicts that they were encountered with. They- (those two prominent individuals) were, Ft. Michael Hassama Wad Raka and Reverend Carle Gustab Roden who wrote extensively about this culture and used to have deep and great expertise about the people and its norms and who diligently advocate for a good education and learning by emphasizing the notion that the more, you learn the more you know and if you do that is an exceptionally good thing for your own community to lead a justice full way of life that protects everyone. The forefathers were all about humanity They did protect the vulnerable and the powerless and not only their fellow human beings but also, they cared and protected all the wild and domestic animals and other nurtures including the trees and the lilies, which were neither toil nor spin on their own but were dependent on someone’s protection. What a rich heritage indeed!
    .
    In all, I want to applaud/commend Uncle Musa for all the good work that is doing /pursuing. We all are here to learn and cannot wait for the next segment to come out. Keep up the good work!!! We all are extremely grateful for your knowledge and expertise.

  3. ክቡር ዶክቶር ፍካክ ላሳልስ ክፈል ፈጅር ወረብ እግል ልትበገስቱ ካአትኦእዮ ::

  4. መርሓባ ብካ Anonymous ከርካ ልብዛሕ ወኣሚን::ሓምዳካ ሰበት ኣትናየትከኒ ::

  5. መርሓባ ፕሮፈሰር ገረዝግሄር :: ፍትሕ መሓሪ ኮፒ ናዩ እት ክል ቤት ኢሃላ ወሓርማ ክእና ንስእ እንደኣባልካ ኢወደክሁ ምን ኢገብእ ክብድ ልብል :: ካሰበትላ ኣደፋፋኣከኒ ወትሰደኒ ሓምዳካ::

  6. ሓምደካ ሙሳ፡ ግሩም ክቱብ፡ ዎሰኒ ከበር ናይ ፍትሕ መሓሪ፡ ረ ቢ ልስደካ ዎቅድረት ልሃባካ

  7. I agree with Dr Fikak that Mussie’s analysis of Ftih Mehari is well done. We need more of it to fully understand the laws of Mensa. Great job, Mussie. Keep it coming.

    G.Bekit

  8. መርሓባ ደክተር ፍካክ ላውቃት ርከብ:: ኣፎ ላማካልእ ሳልስ ራብዕ ወሓምስ ክምላ ዊሒዝ ኣወድግ ለዲብ መሓዛት ልትደረ እግል እውደዮቱ ረቢ እግል ክልና ዕለት ልምቃዕ :: ሓምዳካ ::

    • ጋቨርነር እብ ሰአዬት ወሰፈላል እታከ:: ረቢ ልስደካ!

      ሑካ ፍካክ

  9. ኸመይ ደስ ዘብል ጽሑፍ! ብወገነይ ነቲ ዝመጽእ ቀጻሊ ጽሑፍ ከነብብ እሕንጠ አለኹ:: የቀንየልና ጋቨርናቶሬ::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *