ዛንታ ቊንጭን ትዃንን ። by Mussie Bekit

ዛንታ ቊንጭን ትዃንን

(ልብ-ወለድ)

ብሙሴ በኪት።

May 1, 2020

 ብመጀመርያ ምስ ቊንጪን(ቍንጭን) ትዃንን ከላለየኩም ፍቐዱላይ። ቍንጪን ትዃንን ምስቶም ካልኦት ባልዕ መጸይቲ ደም ኢዮም ዚቚጸሩ። ወይ ድማኒ ካብ ደመ-ውዑያን እንስሳታት መሮርን፤ ዘቤትን ፤እንተላይ ካብ ደም ሰብ ዚምገቡ ሓሸራታት‘ዮም። ትዃን ከም ጠበቕ ኣዳራሻት ንጉስ ዚደፍር፤ ኣብ ውሽጢ ገዛ ቋቑራ መንደቕን፤ ኣብ መቖራቕሮ ዓራትን፤ (ዐርቃይን) ዓራትን ዐርቃይን እንዳ እማቱ ኽድህስስ ዚሓድር ግናይ ባልዕ እዩ። ትዃን ኣብ ሰብዓታት በታ ፍልጥቲ ደራፊት ዚነበረት ትበርህ ተስፋሁነኝ እንተላይ ምስ ቍንጪ ደሪፋትሉ ከምዚነበረት እናኣዘኻኸርኩ ኣነ’ውን ኣብታ(“ላሊ፡ መንቱ፡ ለኢሰክባ፡”)መን እዩ ለይቲ ዘይድቅሳ ብዚብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓብረታና ብወርሒ ለካቲት(የካቲት) 28, 2020 ተሓቲማ ዚወጸት ግጥመይ ተረቚሑ ኣሎ።

ቍንጪ ኣብ ጐዱፍን(ጐሓፍ)ዚነብር“ሓፋርን“ኣዝዩ ደቂቕ ባልዕ እዩ። ሓደ ግዜ እዋን ሓጋይ፤ ካብ ዓዱ ዓዲ “ፍልዔ” ንዓዲ “ግንደዔ” ክኸይድ ከሎ ትዃን ኣብ መገዲ ተጓነፎ። ቍንጪ ህውኽ ኢሉ“ቍንጪ”ይበሃል ኢሉ ክላለዮ ፈተነ፤ ትዃን ከበሩ ኣይገበረን። እኳ ደኣ ፉፍ ክብሎ ትንዕ ምስ በለ ቍንጪ ኣኣጋሩ ንምንጣር ዝተማእምአ (ምቹእ) ስለ ዚኾነ ህልም በለ። ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ፤ ትዃን ሕማም ቄለ (ዛር፤ ከርበ፤ ወዲ፡ ግኒ ብቋንቋ ትግሬ) ምስ ተላዓዓሎ፤ መጀመርያ ሓርማዝ ፡ እዩ ከጻውቶ ዚተጸወዔ ። ሓርማዝ ነቲ ከበሮ ሓንቲ ጽፊዕት ምስ ሃቦ ኣብዛ ኢዱ ከም ማስቲካ ልሕግ ኢሉ ተረፈ፡ ጸወታ’ውን ኣቋረጸ። ካልኣይ ከበሮ ምስ ተጠልበ ኣንበሳ ተጸወዔ። እቲ ከበሮ ላዕለዋይን ታሕተውይን ወገኑ ዘይለፍዔ ቖርበት ምራኽ ተገኒዉ እተሸፈነ ስለ ዚነበረ ኣንበሳ ነቲ ቆርበት ናይቲ ከበሮ ምስ ረኣየ “ምራኽ” መሲልዎ ውሕጥ ኣበሎ። ሳልሳይ ከበሮ ምስ ተጠልበ ቶዅላ ተጸወዔ። ቶዅላ” ሃቡኒ እቲ ከበሮ “በለ። ነቲ ከበሮ ምስ ሃብዎ ሕቍፍ ኣበሎ ። ወዮ! ከበሮ ካብ ሕቍፊ እቲ ቶዅላ ነጢሩ ኣብቲ ንእዲ ኵድ’ም በለ ። ቶዅላ ተቔጢዑ “እንታይ ኮይኑ’ታ?” ኢሉ ምስ ሐተተ ከበሮ “ከም ዚፈትወኒ ይሓቝፈኒ ከም ዝጸልኣኒ ይሃርመኒ ኣመልካ መዓስ ጠፊኡኒ ኣብ ውሽጡ ደርሁት ኣለዋ ኢልካ ኣዘንጊዒኻ ኪትበልዓኒ?”ምስ በሎ ቶዅላ ጺርግፍ በለ። ትዃን ሕማም ከርበ በርትዕዎ ዳርጋ ሓይሉ ማህሚኑ። ሽዑ እዚ ወረ’ዚ ኣብ ዓዲ“ፍልዔ”ምስ ተሰምዔ ቍንጪ ከበሮኡ ተሓንጊጡ ንዓዲ “ ግንደዔ”ገስገሰ። ኣብታ ዓዲ እትው ምስ በለ በጋጣሚ ንጣንጡ ረኸበ። ምስ ጣንጡ ይፋለጡ ስለ ዚነበሩ እንዳ ትዃን ሰድኒ በላ።ትኽ ኢላ ወሰደቶ። ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ከበሮ ተሸኪሙ ምስ ራኣየቶ ብልባ ትግረም ነበረት።  ድሕሪ ቕሩብ ደቃይቕ ኣብ እንዳ ትዃን ኣተዉ ። ኣብኡ ምስ ኣተዉ በዓል ቁርድድን ዓለቅትን ኮፍ ኢሎም ረኸቦም ። ቍንጪ ቕሩብ ዕርፍ ምስ በለ ንትዃን “እንሆ ከበሮይ ሒዘ መጺኤ ኣለኹ ኸጻውተካ “ምስ በሎ” ትዃን ብሰሓቕ ክርትም በለ። ጽንሕ ኢሉ“እቲ ከብሮ ድዩ ዚሽከመካ ወይስ ንስኻ ነቲ ከበሮ ክትሽከሞ?” ኢሉ ሐተቶ ። ቍንጪ “ዘላ ኣብኣ ኣላ” ኢሉ ከበሮኡ ሓንጊጡ እንተ በሎ ትዃን ፍንጥራዕ በለ ን72 ሰዓታት ብዘይ ምቝራጽ ኣጻወቶ ። ሽዑ ብኣጋጣሚ ነቲ ጓይላ ዝርኢ ዝነበረ (ዑፍ)ሕንጻይ ኸምዚ ኢሉ ማሰየ “ኣነ ጕድ ርእየ ወይ ኣነ ጕድ ሰሚዔ ቍንጪ ከበሮ ይወቅዕ ትዃን እናጕርዔ።”ትዃን ቄለኡ ምስ ተፈልፈለሉ(ምስ ወጻሉ)ተቛደሰ ማለት ዝኣዘዞ ዘበለ ዅሉ ምስ ተገብረሉ ንቍንጪ ስማዕ “ ንዑቕ ተባሃጊ ( ቅቡብ ርቁብ ብቋንቋ ትግሬ )ካብ ሎሚ መዓልቲ ፍርቂ ንብረተይ ሂበካ ኣለኹ ዓራትን ዓርቃይን ናተይን ናትካን ናይ ሓባር ንብረት እዩ ። ኣብ ገዛውቲ እንዳ ኣማትካ ዀነ ኣዳራሻት ነገስታት ክተኣቱ ፈቂደልካ ኣለኹ” በሎ። ካብታ ሽዓ መዓልቲ ኢቲኣ እዩ ቍንጪ እንተላይ ናይ ውሽጢ ገዛውቲ ባልዕ ወይ ሓሽራ ኾይኑ “ዝተመደበ”ይብሃል። ኵሉ ነናቱ ዓቅምን ኽእለትን ከም ዜለዎ ከገንዝብ ኢለ’የ።  ገሊኡ ተገንዚብዎ፡ ይጥቀመሉ፤ ገሊኡ ኸይተገንዘቦ ይሓልፍ ገሊኡ ድማኒ ይሓንኽ ጌጋ ገርካ ከይበሃል ዓቢጥዎ ይነብር፤ ምስኡ ከኣ ይበሊ። ጌጋ ዝፈርሕ እቲ ክሰርሕ ዘይደሊ’ዩ ። ጌጋ መባእታ ናይቲ ልክዕ ውጽኢት እዩ። እቲ ልክዕ ኣብ ውሽጢ እቲ ጌጋ’ዩ ዚርከብ። ስለዚ ንጌጋ ብዙሕ ሳዕ ፈትሾ።ብተፈጥሮ ዚተዓደልካዮ ተዋህቦ ተጠቐመሉ። ሐበረታ፤ ቁርዲድን ዓለቅትን ጣንጡን ናይ መጸውቲ ደም ሓሸራታት እዮም።

ያኢ! ንዳእላ ኢለ”የ።

አስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ፡ ረቢ፡ ምን፡ ቃባ፡ ወዐጸባ፡ ልነጀና።አሜን!!!

Posted in Posts.

5 Comments

  1. ዎመምህር: ትካን ምን በዲር ውሩይ ዐላ ::🤣 ሰኒ: ለለትዐጅብ: ማሰ: ዎክ: ግንግርቱ:: እብ:ዐመት: ፋሀይም: አበች: ኤርትራ: ክም: ዐለው: ለርኤካ:: ኢትካታባ: ዲብ: ሕድ: ኢትከምታታ: ዲኢኮን: ኤርትራ: ምን: ምስር: ወለዐል: ናይ ሊትረኤቸር ሕምብራ: ወገአት: ዐለት::
    ሓምዳካ
    ሑካ ሙሳ

  2. ክቡር ሓው ሙሴ፥
    እዛ ጽሕፍትኻ ምስ ኣንበብኩ፡ሓደ እዋን ዘንበብክዋ ሓንቲ ግጥሚ፡ ኣዘኪራትኒ። እታ ግጥሚ ብባሻይ እምነቱ ተመልሶ ዝበሃሉ፡ ለይቲ ኣብ ዳስ መርዓ ክብሮሆም ከሎ እያ ዝገጥምዋ፥። እታ ግጥሚ ከምዚ ትብል፥

    ርሑስ ቑማል ባጊር የግዕሰሉ
    ርሑስ ትኻን ጋል (ግዋል) ቤት ትሓመሉ
    ርሑስ ቑንጪ ጋሻ ይኣትወሉ
    ርሑስ መርዓ እምነቱ ይሓድረሉ

    ደሓር እዚኣ ግጥሚ ገጢሞም መሶምን ስዋኦምን ይጭልጡ እሞ ክዘናግዑ የምስዩ።

    ባጊር = ጽግሩ ዘይስንትር፡ ነብሱ ዘይኣሊ ማለት እዩ፡
    የግዕሰሉ= ይፈጥረሉ

    ምንጪ፥ “ማሰን መልቀስን ብቀዳሞት” ብሰለሞን ጸሃይ ዝተደርሰት።

  3. መርሓባ: ያሲን: ወድ:ንጉስ: ኣቡ: ስፍያን: መዐውያ ” ወወድ: ሕሩጥ: ሰይፉ”::ለለትናይት: በሊስ: ወረኤይ: ሰበት: ሀብከኒ: ሐምዳካ:: ዐቤ: ክሉ: ሐድ: ኮዱ: ደብር:( ናፍዕ):: ቄባይ: ሐዋን: ወጃግሕ:ቱ:: ዲብ: እሊ: ግብለት: አሜሪካ: አቅሕማ: ቀይሒት: ሓባራ: (ሕና: ሾሸናብ እንብላ) ሀለት:: ወመሐዝ: ማይ: ሙሉእ: እብ: ዳፋእ: ለዘሬ: ዎክ: ሽርም: ዐባይ:(ቀላይ) እግል: ትትዐደ: ሐዜት: ምን: ገብእ: ኖስ: ኖሳ: ዲብ:ሕድ: ትትሐባለክ: ካመዐደይ( bridge) ሻቄ::ከክለን: እብ: ሕበር: እብ: በርደን: ሳላማ: ልትዐዳያ:: ወልብቃዕ: ወልግባሕ: ክል: ሐተ: ምነን: ሓድ: ዓቅማ:ወዴ: በሀለት: ቱ::
    ሑካ ወድ: ወጣርቅካ
    ሙሳ

  4. ሳላም ሙሴ ሑየ፣
    ዓቢ ምህሮ ወ ታጃሪብ ሃብካና ፈተልከርካ፣ ላምህሮ ሃየ፣
    ላኢልሰኣል ኢኣምር፤ ላኢገሳ/ ኢትበጋሳ ኢበሳጽሕ፤ ወ ላኢሻቀ ኢልተገገ። ወ ላ ዝያዳ ላኣስተብሀሰልኮ እታ ሃየ፣ ኢቅበት( ዘይምንዓቕ)

  5. ዓቢ ምህሮ፣ ወ ምክር ፣ቱ ፈተልከርካ ሙሰ ሑየ፤ ልእከትካ/ ክቱብካ ለለሓብራ ምን ነሰተብህል;
    ላኢልሰኣል ኢኣምር፣ ላኢገይስ ኢባጽሕ፣ ላኢሻቀ/ኢከድም ኢልተገገ፣ ቱ ትብላና ላሃለት፣ እት አልባብና ኒደዮ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *