Latest Posts

“ውዕለታ ኣብ አፍ-ዐበድ(ኣፍዓበት) ትፌደ” by Mussie Bekit

“ውዕለታ ኣብ አፍ-ዐበድ(ኣፍዓበት) ትፌደ”

(“ፋካ፡ እት፡ አፍ-ዐበድ(ኣፍዓበት)፡ ትትፌዴ”)

ብሙሴ በኪት።

June 25, 2020

ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ እተርዘበን ወይ እተገብረን ወይ ካብ ወሃባይ እንቕበሎ ህያብ ምንልባት ክንዲ’ቲ ኣቓልቦ (ኣቕልቦ)ኣይወሃቦን ይኸውን፡ ምኽንያቱ ከም ልምዲ ስለ ዚቘጸር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ግዜ ጭንቂን፣ (ጭንቕን) ኣብ ግዜ ሕማምን፣ ጥመትን፣ ውግእን፣ ስደትን፣ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን፣ ኣብ መርዓን፣ ደርዓን፣ ወዘተ. እተዘርበን እተገብረን እተዋህበን ኵሉ ፍሉይ ኣቓልቦ ይወሃቦ እዩ። ኣብ1981ዓ. ም.ካብ ኣስመራ ንከረን ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ዝተቐየርኩሉ እዋን ዚሰምዓክዎ ነዚ ኣርእስቲ ናይ ጹሑፈይ መመቐሪ ዝኸውን ዕላል ከዋግዕኩም። ሓምለ 6,1977 ዓ. ም. ሸዓብያ ከተማ ከረን ኣብ ዚሓዝሉ መዓልቲ ከም ሲቭል ኾይኑ ዚሰርሕ ዝነበረ ዳርጋ ንኹሎም ደቂ ከረን ኣዳቂቑ ዚፈልጥ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደር ተተሒዙ ብኽልተ ተጋደልቲ ተዓጂቡ ንፎርቶ ከረን ኪኸይድ ከሎ ሐደ ወዲ ከረን ስጃራ እናኣትከኸ ተጓነፎም። ሽዑ እቲ ወተሃደር ነቲ ወዲ ከረን “እታ ኣብ ኣፍካ ዘላ ስጃራ ግዳ ሃበኒ፧ ”በሎ። እቲ ወዲ ከረን ግን እታ ኣብ ጁባኡ ዝነበረት ባኮ ስጃራ ብምሉእታ ሂብዎ። ሽዑ እቲ ወተሃደር ሓንቲ ንዑኡ ክልተ ስጃራ ድማ፡ ነቶም ዝዕጅብዎ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣማቐለ። ይኹን እምበር እቲ ወተሃደር ምስ ካልኦት ምርኮኛታት ምሕረት ተገሩሉ ንዓዱ ንደቡብ ኢትዮጵያ ተመልሰ። ነገር ግን ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ዓ. ም.ካብ ትግራይ ተበጊሱ ብሸነኽ ተስነይ ገሩ ከረን ምስ ዚኣተወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመሊሱ ኣትዩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ ወተሃደር ናብቲ ድኳን ናይ ወዲ ከረን ከይዱ “ክስቶ ኣባይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተተ። “ክስቶ ወጺኡ’ሎ ምስ በልዎ ሱቕ ኢሉ ከደ ። ብኡብኡ እቲ ወዲ ከረን ይድለ ከም ዘሎ ምስ ተነግሮ ናብተን ኣብ ኣካባቢ ከተማ ከረን ዘለዋ ቑሸታት ከይዱ ተሓብኤ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እቲ ወተሃደር መሊሱ ናብቲ ድኳን ናይ ወዲ ከረን ከይዱ “ኣነ ክስቶ ይባሃል በዚ ዕለት እዚ ክስቶ ዝተባህለ (ዝተባሃለ) ውዕለት ዊዕሉለይ እሞ፡ ውዕለቱ ክፈድዮ ደልየ እምበር ንኻልእ ነገር ኣይደለኽዎን ስለዚ፡ እንሀ እዛ ንእሽትለይ ደብዳቤ ሃብዎ ቢሉ ከደ። እቲ ወዲ ከረን እታ ደብዳቤ ምስ በጽሓቶ ከፊቱ ምስ ኣንበባ መን ምዃኑ ፈሊጡ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ናብ ከተማ ከረን ተመሊሱ ተራኻቦ። ድሕሪ ምዉቕ ሰላምታ እቲ ወተሃደር እተገብረሉ ውዕለት ምስ ጸብጸበ ነቲ ወዲ ከረን እንታይ ኪገብረሉ ሐተቶ ። በቲ እዋን እቲ ኣብ ከተማ፡ ከረን ኣዝዩ ናይ ሹኰርን ቡንን ሕጽረት ስለ ዝነበረ እቲ ወዲ ከረን “ድሕሪ ክልተ ሰሙን ተዝካር ናይ ኣቦይ ስለ ዘሎኒ”ብገንዘበይ ዝዕድጎ ገለ ቅሩብ ቡንን ሽኰርን ሚደለኹ” በሎ። እቲ ወተሃደር “በእነ ይሁንብህ” ናባይ ግደፎ ቢሉ ተፋንዩ ንጽብሒቱ ሐደ ኩንታል ቡንን ሐደ ኩንታል ሽኰርን ካብ መኽዘን ዕጥቂን ስንቅን  ናይቲ ሰራዊት ኣውጺኡ፡ ብነጻ ሃቦ። ተዝካር ካኣ ብጽቡቅ ሐለፈሉ። ኣብታ መዓልቲ ጭንቂ እቲ ወዲ ከረን ብስሚዒት ተደሪኹ ነቲ ወተሃደር ጸሪፍዎ ወይ እምቢ ኣይህበካን ኢልዎ እንተዝኸውን ነይሩ ኣብታ መዓልቲ ራህዋኡ እቲ ወተሃደር ነቲ ወዲ ከረን እንታይ ምገበሮ ይኸውን፧ መልሱ ንኣንባቢ ይገድፎ። ብትግሬ ሓንቲ ምስላ ኣላ፡ “ገመል፡ ብሹል፡ ገሮቡ፡ ኢትሕዘዮ፡ እብ ፡ቃስብ”(ዚተባሳጨወ ገመል ብሓይሊ ኺትጽዕኖ ኣይትፈትን ከም ማለት እዩ) ገመል ጠምዩን ዓቢሩን ደኺሙን ከሎ ከቢድ ጽዕነት ጺዒንካዮ ኺተብቅዕ ሕማቕ ገርካ እንተ ድኣ ሃሪምካዮ(ሃሲኻዮ) ክረምቲ ወይ ቀውዒ በሊዑ በሊዑ ህጣራ ምስ ኮነ ካብ መንጎ ብዙሓት ኣለልዩ ፌልዩ ምንጥል ኣቢሉካ ሕነኡ ይፈዲ። (ገመል ብትግርኛ “ገመል” ይባሃል። እቲ“ግመል” ዚብል ብልምዲ ዚመጸ ኣደማምጻ እዩ።) ስለዚ፡ ኣብ መዐልቲ ጭንቒን መከራን ንኻልኦት እትገብሮ ውዕለት ኣብ መዓልቲ ራህዋ መድሕንካ እዩ። ሕጂ ኣብቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክምለስ። ኸምቲ ኵላትና እንፈልጦ ካብ ወርሒ ለካቲት(የካቲት) 2020 ዓ.ም.ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ገገዛና ተወሽብና ኣለና። ኣብ ወርሒ ግንቦት 4,2020 ዓ.ም.ሓንቲ ጻዓዳ ኣሜሪካዊት ጓል ማሕበራ ንብዓልቲ ቤተይ ስልኪ ደዊላ ኣብቲ ኣፍ ደገኹም *ባሽኩቲ (ቢስኩት) ወይ በቲ ልሙድ ናይ ደቂ ሀይገት (ሃይገት) ናይ ቀደም ኣደማምጻ “በቅሳዊት” ገዲፈ ኣለኹ ምስ በለታ ሕራይ” የቐንየላይ”ኢላ ነቲ ማዕጾ ከፊታ ነቲ ባሽኩቲ (ቢስኩት)ንገዛ ኣእትያ ደጊማ ኣመስጊና ተሰናቢታታ። እቲ ባሽኩቲ (ቢስኩት) ኣብ ኣዝያ ንእሽትለይ ናይ ፕላስቲክ ከረጺት ተወሺቡ ብስም ብዓልቲ ቤተይን ስም ኣቦ ሓጎኣን እተጻሕፋ ንእሽትላይ ወረቐት ተሰንዩ፡ ብቁጽሪ ድማ፡ ኣርባዕተ እየን ነይረን(ነረን)። ክልተ ንዓይ ክልተ ድማ፡ ንብዓልቲ ቤተይ ማለት እዩ።

እዚ ህያብ እዚ ብመጠን(quantity)ኣዝዩ ሒደት ይመስል ብዓይነቱ(quality)ማለት ብቑምነገር ኣንጻር ግን ኣዝዩ ምሩጽን ብሉጽን እዩ። ብመዓልቲ ጸበባ ኾነ ብመዓልቲ ራህዋ ድሕሪ እቲ ህያብን ህያባትን ዘሎ ጽቡቕ ፍቓድን ድለትን ሓልዮትን ምዝካርን እዩ ዝቆጽር እምበር ምብዛሕን ምውሓድን ናይቲ እትህቦን እትዋሃቦን ህያብ ወይ ህያባት ኣይኮነን። ‘ካብ ምቕባል ምሃብ የሐጕስ ‘ተባሂሉ እንድዩ። እዛ ፈቃር ሰብ ኢዚኣ፡ ኣብቲ ምሳሌኣዊ ልባ (figurative heart) ኣርባዕተ ሳዕ ኣርብዓ ቦታ ከም ዘሎና በተን ኣርባዕተ ምቁራት ባሽኩቲ ኣብዚ ናይ መከራ ግዜ ስለ ዜረጋገጸትልና ንሕናውን ኣርባዕተ ሳዕ ኣርብዓ ብርኽ ዚበለ “መናብር” ኣብ ልብና ቀሪብናላ ኣሎና። ካብ ውሽብ ምስ ተገላገልና ስዋን ሜስን ዚጽምቘሉ፣ ስቡሕ ዚሕረደሉ፣ ቡን ዚፈልሓሉ፣ ከበሮ ዚውቀዓሉ፣ ጭራን-ዋጣን **ዚዝይምሉ፣ “ብሓኸለን ጥብስን ብርለን ሜስን” ምሳሕን ድራርን ኣብ ገዛና ንዓኣን ንስድራ ቤታን ክንገብር ምዃና ኣብቲ ናይ ልብና “ዓውደ-ኣዋርሕ” ኣመልኪትናዮ ኣለና። ህያብ ብህያብ ኣይምለስን እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ድሕሪ እቲ ህያብ ዘሎ መቐረት የጥፍእ። ወይ“ልቓሕ በሰሮ”ይመስል። ንበል ንሓደ ሰብ ሰዓት ሂብካዮ ንጽባሒቱ ሰዓት ገዚኡ እንተ ድኣ ሂቡካ ቕጭ ይመጸካ ካብ ስክፍታ ተላዒሉ እኮ’ዩ ዚብል ኣትሓሳስባ ይሓድረካ። ብኡብኡ ድሕሪ እቲ ህያብ ዝነበረ ተሐጕስ መቐረቱ የጥፍእ። ብዓልቲ ቤተይ ነቲ ባሽኩቲ ምስ ተቐበለት ንጽባሒቱ ባሽኩቲ ገዚኣ ነታ ገባሪት ጽድቂ መሓዛኣ እንተ ተብጻሓላ ነይራ(ነራ) እታ መሓዝኣ “ዋእ! እንኪ ባሽኩቲኺ ኣየድልየንን እዩ”ማለታ እኮ እዩ ዚብል ሓሰብ ኬሕድራላ ይኽእል እዩ፡ ኤረ ትቕየም እው’ን።(ርግጽ እዩ ከከም ዓዱን ባህሉን እዩ፡ገሊኡ ህያብ ምስ ሃበ ክወብ ዚደሊ ኣይሰኣንን ይኸውን።)  ህያብ ከም ዚሃብካ እንተ ኣውሪኻ እውን ድሕሪ እቲ ህያብ ዘሎ መቐረት ይጠፍእ፡ እቲ ውዕለት እውን ይሃስስ ። ‘የማነተይቲ ኢድካ ዚገበረቶ ጸጋመይቲ ኢድካ ኣይትፍለጦ’ ዚብል ጽሑፍ እዩ። ነቲ በዓል ውዕለትካ ግን ኣዝኻ ግዜ ውስድ ኣቢልካ እስከ ሎሚ ብሓንሳብ ንመሳሕ ወይ ከኣ ንደረር ኪትብሎ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ፡ ኣብ መዕልቲ ልደቱ ወይ ውራዩ ገጸ በረኸት ኪትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ መንገዲ(መገዲ) ጠፊኡዎስ መንገዲ ኪትሕብሮ ምስ ሐተተካ እሞ፡ ምስ ሓበርካዮ እንታይ ዓይነት ባህታ ልቢ እዩ ዚስመዓካ፧ ንሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ሓዜኑ፣ ኣብ ግዜ ሕማሙ፣ ኣብ ግዜ ጸገሙ፣ ኣብ ግዜ ማእሰርቱ፣ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኣብ ኸምዚ ናይ ሎም ዘመን ዓለም-ለኻዊ መዓት እንተ ***ብርዝቂ እንተ ብስንቂ እንተ ብስልኪ ደሐን’ዶ እንተ ድኣ ኢልካዮ እንታይ ይስመዕካ፧ እንታይከ ይስምዖ፧ ቢሒደት ቃላት ብዙሕ ትገልጽ። ብንእሽትለይ ዚጀመርካዮ ተግባር ብዙሕ ተስልጥ። ብሒደት ህያብ ብዙሕ ትድልብ ። ጥራሕ ልቢ የቕልብ።  ኣብዚ ሕጂ እቲ ነቶም ለይቲ ሃንደበት ኣብ ገዝኡ ዘላገሱ ዘይፈልጦም ክልተ ኣጋይሽ በዓል ቤታ”ንሩከት ወለት ድወዳ”ዚገበረሎም ጽቡቕ ተግባርን ድሕሪ ሓደ ዓመት ዚተፈድዮ ዕጽፊ ውዕለትን ኪዝክር ይፈቱ። እዚ ኣብቲ ዝመጽእ ጽሑፈይ ክገልጾ እዬ።  *ባሽኩቲ >ብዓል ሓማተይን ሓማት ገረን ኣደታትና(mothers in-law)ከምእውን ካልኦት ኣደታት ደቂ ከበሳ ንቢስኩት“ባሽኩቲ”ኢለን ስለ ዘድምጽኦ ኣነእውን ንቢስኩት”ባሽኩቲ”ክብሎ መሪጸ። **ዚዝይምሉ> ዜማ ዜስሙዕሉ ***ርዝቂ >ድማ፡ ርዝቅ እዩ። “ውዕለታ ኣብ ኣፍ -ዓበድ(ኣፍዓበት) ትፌደ “ ማለት እንታይ፡ ማለት ከም ዝዀነ ኣብ ዝመጽእ ግዜ(ጊዜ) ኪንርእዮ ኢና።

ኣስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ፡ ረቢ፡ ምን፡ ቃባ፡ ወዐጸባ፡ ልነጀና።

ኣሜን!!!

ኣዝዩ ሓጺር ዛንታ መቦቆል ወሎዶታት ደቂ ሃይገት። by Mussie and Gerezgiher Bekit

ኣዝዩ ሓጺር ዛንታ መቦቆል ወሎዶታት

ደቂ ሃይገት።

ብሓልዮት ሙሴ በኪትን ገረዝግሄር በኪትን ዝተዳለወ።

06/14/2020

 እቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ወሎዶ መንሳዕ ምንጩ ካብ ኢሽማዒል ወዲ ኣብራሃም እዩ። ኢሽማዒል ካብ ኣቡኡ ኣብራሃምን፡ ካብ ኣዲኡ ኣጋርን ብ1930 ቅድመ ልደት ክርስቶስ ተወሊዱ። መወከሲ (ኢንሳይት ቡክ Insight Book ገጽ 1225 ርአ።)  እሽማዒል 12 ደቂ ነበርዎ። እቲ ሓደ ካብኦም ቀዳር ይበሃል። ”ቀዳር” ማለት ትርጕሙ ከደራይ ኩን ማለት እዩ። ቀዳር፡ (Kedar) (ምስ ዓበየ ንጉስ ኮይኑ 15 ወለዶ ፈረየ። መወከሲ (ቀዳማይ ዜና መዋእል ምዕራፍ 1. 29-31) እቲ መበል 15 ወለዶ ማልክ እዩ ። ማልክ ድማኒንቅሮሽ ወለደ፡ (Kurashy or kuraish or koreish) (ንምዃኑ ካምል ወዲ ኣሕፈሮም ካልኣይ ወዱ ስሙ ማልክ እዩ ነይሩ ስም ይመርሕ ይበሃል) ቅሮሽ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዓሌታት ፈረየ ። ቅሮሽ ንሎኢ ወለደ፡ ሎኢ ንቃብ ወለደ፡ ቃብ ንካልብ፡ ወለደ፡ ካልብ ንቆሳይ ወለደ፡ (ቆሳይ ወይ ጎዛይ) ቆሳይ ዝፈረዮም ኣዝዮም ብዙሓት ስለ ዝዀኑ ናብ ዓብደመናፍ ንውረድ። (Abdemanaf)ዓብደመናፍ ንዓብደሸምስን ንሃሽምን ወለደ፡ ዓብደሸምስ ንሱፍያን ወለደ፡ ሱፍያን ንመዓውያ ወለደ፡ (Muaiyah I ) ቀዳማይ መዓውያ ብ602 ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ኣብ መካ ሱዑዲ ዓረብያ ተወሊዱ። ካብ 661 -680 ዓ.ም. ብስም ሓደ ካብ ኣቦ ሓጎታቱ” ኡመያ” እተባህለ ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ (dynasty) መስሪቱ ቀዳማይ መዓውያ ንጉሰ ነገስት ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ ኡማያ ተባህለ። ርእሰ ኸተምኡ ካብ መካ ናብ ደማስቆስ (ሶርያ) ኣዛወረ። ንጉስ መዓውያ ካብ 661 – 680 ዓ.ም. ምስ ገዝኤ ብወርሒ ሚያዝያ (ምያዝያ) ወይ ግንቦት 680 ዓ.ም. ሞተ። ኣብ ክንድኡ ወዱ የዚድ ቀዳማይ ብ680 ዓ.ም ነገሰ። የዚድ ብ683 ዓ.ም. ምስ ተቐትለ ወዱ ብስም ዳግማዊ መዓውያ ነገሰ። ይኹን እምበር፡ ብ684 ዓ.ም. ብሕማም ሞተ (ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ ምስ ነገሰ ድሕሪ፣ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ብሕማም ሞይቱ ይብሉ) እዚ ግን ጌጋ ምዃኑ፡ ብምንታይ ንርድኦ ብ683 ዓ.ም. ነጊሱስ ብ684 ዓ.ም ድማ፣ ብሕማም ሞተ። ብድሕሪኡ፣ ወዲ ሓው ኣቦኡ መርዋን ቀዳማይ ብ684 ዓ.ም ነጊሱ 60 ዓመት ምስ ገዝኤ ሞተ። ኣብ ክንድኡ ድማ፡ መርዋን ካልኣይ ብ744 ዓ.ም. ነገሰ። ንጉስ መርዋን ካልኣይ ኣብ 750 ዓ. ም. ደቂ ሓው ኣቦኡ ካብ ዓሌት ሃሽም ምስ ኣዕራብን ፋርስን (ናይ ሎሚ ኢራን) ኰይኖም ብውግእ ካብ ስልጣኑ (ንግስነቱ) ከም ዚግለፍ ገሮሞ። ብኡብኡ ሰርወ (ሰርዌ) መንግስት ኡማያ ብሰርወ መንግስት ሃሽማይት ተተክኤ። ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ ኡማያ ወይስ መንግስቲ መዓውያ ቀዳማይ ን89 ዓመት ኣብ ስልጣን ምስ ጸንሔ ብ750 ዓ.ም. ኣኽተመ። መወከሲ (ዊኪፒድያ ሃሰስ በል) ሃሽማይት ንደቂ መዓውያን ዜድን ሃሃዲኖም ክቐትሉ ምስጀመሩ ዓሌት መዓውያን ዜድን (የዚድ) ካብ ሶርያን ዒራቕን ሱዑድን ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙን ክስደዱን ጀመሩ። እቶም ንየመን ዝሃደሙ ገሊኦም ኣብኡ ክሕብኡ እንከለዉ፡ ገሊኦም ብባብኤል መንደብ ገሮም ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ መሬት ኤርትራ ዓለቡ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ታሪኽ ገጽ 148 – 149 ርአ።) (ከምኡውን ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ ብዶ/ር ኣብርሃም ጳውሎስ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ታሪኽ ርአ።)

ድሕሪዚ፡ ካብ ዓሌት ማዓውያን የዚድን ዝመንጨዉ ኣብ ኢራቅ ብ639 ዓ.ም ዝተደኮነት ”ኩፋ“ እትባሃል ከተማ ዚቅመጡ ዝነበሩ ቑጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ከተማኦም ገዲፎም ሃደሙ። ሓደ ካብኣቶም፡ ሳልሞን (ሱለማን) ቢሃቅ ዚተባህለ (ዝተባህለ) ምስ ብዙሓት ሰዓብቱን 2 ደቁን ኣሕመድን ዓማርን ዚባህሉ ብ1258 ዓ.ም. ንሰንዓ (የመን) ኣተዉ። ኣብኡ ንብዙሕ ግዜ ምስጸንሑ ወዱ ኣሕመድ 3 ኣወዳት ወለደ፡ ንሳቶም ድማ፡ (1) መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) (2) ኣዉሊይ (ኣወሊ) (3) ሙባረክን ኢዮም። መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ሓንቲ ጓል የመን ተመርዕዩ 3 ኣወዳት ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ (1) ባዋብ (2) ናስርን (3) መንሱርን ይባህሉ (ይባሃሉ) ነበሩ። መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ኣቦ ሓጎኡ ሳልሞን (ሱለማን) ቢሃቅን ኣቦኡ ወላዲኡ ኣሕመድ ሳልሞን ምስ ሞቱ፡ ምስ ክልተ ኣሕዋቱን ደቁን ብዙሓት ሰዓብቱን ብባብኤል መንደብ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ኣብ መሬት ዘይላ ዚተባሃለ ናይ ዓፈር(ሶማሊያ) ብ1344 ዓ.ም. ዓለቡ። ቅድሚ ምስጋሩ ግን ምስ ሰበስልጣን ዓቅ-ሱም (ኣኽሱም) (ማይ ንጉስ) ማለት እዩ ጽቡቕ ርክብ መስሪቱ ጸኒሑ። ድሕሪ ቅሩብ እዋን ንመሬት ዘይላ ገዲፉ፡ ናብ ቡረ (ቡር) ዙላ መሬት ኤርትራ ኣተወ። አብ ቡረ (ቡር) ምስ ተቐመጠ ሓንቲ ጓል ሓዉ ኣቦኡ ዘመዱ ጓል የመን የእትዩ፡ 3 ኣወዳት ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ (1 )ኣሕመድ (ሓዞ) (2 )ዓብደላ ቅጽል ስሙ (ሱሩክሶ) ኣብ ሱርኽ እትባሃል ቦታ ኣውራጃ ኣከለ-ጉዛይ ስለ ዚተወልደ “ሱሩክሶ” ዚብል ቅጽል ስም ተወሃቦ (3) ዑመር (ቶርዓ ወይ ጠሮዓ) ወለደላ። ኣሕመድ “ሓዞ” ዚተባህለሉ ምኽንያት ስጋ ብጣዕሚ ይፈቱ ስለ ዚነበረ፡ “ሓዞ” ወይ ”ሓዝዋ” ኢሎሙዎ። ሓዞ ብቋንቋ ሳሆ ስጋ ማለት ኢዩ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዚተጻሓፈ መጽሓፍ ታሪኽ ገጽ 32-34 ርአ።) እዚ ኣብ ላዕሊ ዚተጠቅሰ ኣብቲ “ዛንታ ኤርትራ “ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ብፍልይ ዝበለ መልክዑ ተገሊጹ ኣሎ እምበር፡ እቲ ጸብጻብ ምስቲ ታሪኽ ማርዩን ማንሹን ብመሓመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ብጣዕሚ ይመሳሰል። መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ንሰለስተ ደቁ ኣብ ቡር (ቡሬ) ዙላ መሬት ኤርትራ ገዲፉ ምስ ብዙሓት ሰዓብቱ ንሰሜን ኤርትራ ተጓዓዘ። ኣብ ደቀምሓረ ዝምጃን (ድምበዛን) ዓዲ ተከለዛን ኣውራጃ ሓማሰን ምስ ሹም ዓሌት ባሪግሌ ሹም ደፈረ ተራኸበ። ባሪግሌ፡ ብቋንቋ ኣገውን ብሊንን ኣይትሕደጉኒ፡ ኣይትግደፉኒ፡ ማለት እዩ። መወከሲ (ብዶ/ር ኣብራሃም ጳውሎስ ዝተጻሓፈ ሰረት ታሪኽ ጥንታዊ ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ ገጽ 202 ርአ።) (ደምበዛን 17 ዓድታት እየን።)  ሹም ደፈረ ንመሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ኣዝዩ ፈተዎ እሞ፡ ዘውዲ እትበሃል ጓሉ ብ1348 ዓ.ም. ኣመርዓዎ። ወ/ሮ ዘውዲ ንመሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) 2 ኣወዳት ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ (1) ሙርሳልን (2) ሙራን ኢዮም። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣዲኦም ህላዌኦም ስለዘስግኣ ኣስማቶም ክቅየር ኣለዎ ኢላ ንበዓል ቤታ ስለ ዝተወከሰት ኣቦኦም ተሳማሚዑ ንሙርሳል ማንሹ ኢሉዎ ንሙራ ድማ ፡ ማርዩ ኢሉዎ ። (ወ/ሮ ዘውዲ ምናልባት ገለ ካብ ዓሌት ሃሽማይት መጺኦም ከይሃስይዎም ሰጊኣ ትኸውን) ይኹን እምበር፡ ድሕሪ 10 ዓመት ኣቦኦም መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ነቶም ኣብ ዙላ (ቡሬ) ዝገደፎም ደቁ ክርኢንዙላ (ቡሬ) ምስ ተመልሰ ኣብኡ ብሕማም ሞተ። ኣዲኦም ወ/ሮ ዘውዲ ሹም ደፈረ ንማንሹን (መንሳዓይ) ንማርዩን (ማርያ) ትምህርቲ ክርስትና ክመሃሩ ምስ ሓተተት ትምህርቲ ክርስትና ተማሂሮም ኣኸስቲኖም መንሳዓይን ማርያን ተብህሉ። ማርያን ማንሹን (ማለት መንሳዓይን ማርያን) ኣቦኦም ዝመሃሮም ቋንቋ ዓረብኛ ኣጥፊኦም ቋንቋ ትግሪኛ ክዛረቡ ጀመሩ። ድሕሪ ቊሩብ እዋን ኣብ መንጎ ኣባት ነፍሲ ኣቦ ሓጎኦም ሹም ደፈረን ኣብ መንጐኦምን ዘይምርድዳእ ተላዕለ። ኣቦ ሓጎኦም ሹም ደፈረ ብጣዕሚ ይፈትዎም ስለ ዝነበረ፡ ምናልባት ድሕሪ ሞቱ ደቁ ማለት ኣኮታቶም ከይጻብእዎም ኢሉ ካብ ዝተፈላለያ 17 ዓሌታት 34 ሰባት መሪጹ ብ1368 ዓ.ም. ናብ ሀይገት(ሃይገት) ሰደዶም፡ መሬት ሀይገት (ሃይገት) ርስቶም ኪኸውን (ክኸውን) ባረኸሎም።ግዝኣት ሹም ደፈረ ካብ ድንባዛን ክሳብ ኣውራጃ ሳሕል ነበረ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 97 ርአ።) ከምኡውን ንኽልቲኦም ኣመርዓዎም። መወከሲ (ዛንታ ማርዩን ማንሹን ብመሓመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ መጽሓፍን ዛንታ ኤረትራን ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 97 ኣንቢብካ ኣገናዝብ) መንሳዓይ (ማንሹ) ጓል መን ከም ዚተመርዓወን እንተላይ ስማ ንግዜኡ ኣይረኸብናዮን። ነገር ግን ጓል ድምበዛን (ዓዲ ተከለዛን) ከይዀነት ኣይትተርፍን እያ ዚብል ግምት ኣሎና። ማርያ(ማርዩ) ግን ወ/ሮ እሌን ጓል ደርወይ ከም ዝተመርዓወ መሐመድ ዓሊ ራጂ ኣብቲ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝጻሓፎ ዛንታ ማርዩን ማንሹን መጽሓፉ ሰኒድዎ ኣሎ። መንሳዓይን ማርያይን ኣብ ሀይገት(ሃይገት) ን15 ዓመት ብሓንሳብ ምስ ተቐመጡ ብ1383 ዓ. ም. ተፈላልዮም። ማርያይ (ማርዩ) ካብቶም ከሰንይዎም ዚተለኣኹ 34 ሰባት 17 ሒዙ ንእሮታ ኸደ።  መንሰዓይ(ማንሹ) ድማኒ ምስ ኣዲኡ ዘውዲን ካብቶም ከሰንይዎም ዝመጹ ሰባት 17 ወሲዱ ኣብ ሀይገት(ሃይገት) ተረፈ። እዚ ኣብቲ ብመሐመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ ዛንታ ማርዩን ማንሹን ሰኒድዎ ይርከብ። ማርያይን መንሳዓይን ድሕሪ 43 ዓመት ምፍልላይ ኣብ ሓንቲ ዓመት ብ 1430 ዓ. ም. ሞይቶም። መወከሲ (መጽሓፍ መሓመድ ራጂ ዛንታ ማርዩን ማንሹንን ድግም ክልኤ መንሳዕን ብሮደኝ (ሮዲን) ገጽ 2 ርአ።) ሮዲን እታ ማርዩን መንሳዓይን ዝሞቱላ ዓመት ኣይጠቐሳን እምበር ብሓንቲ መዓልቲ፡ ከም ዝሞቱ ጠቒሲዎ ኣሎ። መንሳዓይ በዅሪ ወዱ ኣረቢ (ዓረቢ) ይባሃል ነይሩ፡፡ መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 37 ርአ።) ኣረቢ ብዙሓት ወለደ ግን ብሰንኪ ናይ ሓድሕድ ኵናት ዘርኦም ጠፍኤ ቀጠነ እውን። መወከሲ (ኣስማቶም ኣብ ድግም፡ ክልኤ፡ መንሳዕ፡ ብሮደኝ(ሮዲን) ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ርአ።) ወዲ ወዱ ንኣረቢ (ዓረቢ) መሓሪ ዝተባህለ ግን ፈርዩ ሰሲኑ፡ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ወለደ፡ንሳቶም ድማ፡ (1)ለተዝጊን (2) ኣባዛዝጊን (3) ዑቕባዝጊን(4) ነዋዝጊን ይባሃሉ። ለተዝጊ ሓደ ብሊና (ካብ ዓሌት ቢሊን) ተመርዕያ ዓድ “ዕዋል” ዚባሃሉ ፈረየት። “ዕዋል” ብቋንቋ ትግሬ ተብዓታይ ውላድ ”እርወት“ ኣንስተይቲ ሓርማዝ ማለት እዩ። በዓል ቤታ ንለተዝጊ ዝወለደ ከንቲባ ኣፍርሖም ወዲ ባሕረጋስ (ባሕረነጋሲ) ቶምበሳ እዩ። ዓድ ዕዋል ኣብ ኣውራጃ ከረን ኣብ ሓዲሽ ዓዲ፣ ኣብ ወረዳታት ሓጋትን፣ ሐልሓልን፣ ምድሪ ብሊን ይርከቡ። መወከሲ (ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተስፋማርያም ገጽ 152 ርአ።)

ኣባዛዝጊ ድማ ፡ንቤት ኣበዛ ፈረየ። ዑቕባዝጊ ለተኺዳን ”ኣውዓለት” ዓንዱ በዓልቲ ደቂ ዓንዱ ተመርዕዩ ንኣብረሄን ሻሓቃንን ኣብገላይን ወለደላ። ኣብርሄ ንመንሳዕ ቤት ኣብረሄ ፈረየ። ሽሓቃን ንቤት ሻሕቃን ፈርየ። ኣብገላይ ድማ፡ ንቤት ኣብገላይ ፈረየ። ነዋዝጊ ግን ጻንታ ዀይኑ ሓድጊ ኣይገደፈን ። ለተኺዳን ቅጽል ስማ “ኣውዓለት” እዩ ነይሩ። ደቂ ዓንዱ ካብ ትግራይ ዝመጹ ክዀኑ እንከለዉ፡ ምስ 7 ዓንሰባ ዝቑጸሩ ሓያላት ዓሌት እዮም። ስም ኣደ አብርሄን ሻሓቃንን ኣብገላይን “ኣውዓለት” ካብቲ ዛንታ ማርዩን ማንሹን ብመሓመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብ ካብ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ዝተረኽበ ክኸውን ኰሎ ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ  ሚካኤል ሐሳማ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ታሪኽ እውን፡ ገጽ 91 እንተደኣ ሪኢና ኣደ ኣብረሄን ሻሓቃንን ኣብገላይን ጓል ደቂ ዓንዱ ምዃናን ደቂ ዓንዱ ካብ ትግራይ፣ ዝመጹ ምኻኖም ይገልጽ። ስማን ስም ኣቦኣን ግን ኣይገልጽን እዩ። ከምኡ እውን ዶ/ር ኣብርሃም ጳውሎስ ኣብቲ ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋሲ ኤርትራ ኣብዚብል መጽሓፉ ኣብ ገጽ 160 እንተ ድኣ ሪኢና ደቂ ዓንዱ ካብ ትግራይ ከም ዚመጹ ኣስፊርዎ ኣሎ።

እስቲ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ መሓመድ ኣረቢ(ዓረቢ) ካብ የመን ንኤርትራ ዝተሳገሩ 2 ኣሕዋቱ ኣወሊን ሙባርክን ዝፈረይዎም፡ ዓሌታትና ንርአ። ኣወሊ ዝፈረዮም፡ ኣሸንብራ (ሰብ ምድር) ዝተባሃሉ ኣብ ቤት ጁክ ዝቅመጡ ምስ ዓሌት ዘርኣብሩኽ (ጀራብሩኽ) (ቤት ጁክ) ዝቁጸሩ ፈረየ። ሙባርክ ዝፈረዮም፡ ድማኒ፣ ኣብ ሓንቲ ምብራቅ ሱዳን እትርከብ ደሴትን ከምኡውን ”ምርጃን” እትባሃል ቁሸት ካብ ወድ መደኒ ደቡብ ምብራቕ እትርከብን ከምኡውን “እምሰቀጣ” እትባሃል ቁሸት ዝነብሩ ዓሌታት፡ ፈረየ። ኣቐድም ኣቢልና መሓመድ ኣረቢ(ዓረቢ) ኣብ የመን ዝወለዶም 3 ኣወዳት ማለት፡ (1) ባዋብን ( 2) ናስርን(3) መንሱርን ዝተባህሉ ዝፈረይዎም፡ ኣብ ደሴ (ወሎ) ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ (ዓዲግራት) ከምእተፋረዩ ኣብቲ ዛንታ ማርዩን ማንሹን ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ መሐመድ ዓሊ ራጂ ተሰኒዱ ኣሎ። ከምኡውን ፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዛንታ ኤርትራ ኣብ ዝብል መጽሓፉ ገጽ 58 እንተድኣ ሪኢና ደጊያት ስባጋዲሽ ፡ (ስባጋድስ) (ትርጕሙ ወረ ውግእ) በዓል ዓጋመ ኣውራጃ ዘርኢ መሓዊ (መዓውያ) ይብሎ። ዳጃዝማች ስባጋድስ ወዲ ሹም ወልዱ ሹም ዓጋመ ካብ 1818 ክሳብ 1831 ዓ.ም. ናይ ሙሉእ ትግራይን ሓማሰንን ጠቕላሊ ገዛኢ ነይሩ ይብል። እዚ ምስቲ መሓመድ ዓሊ ራጂ ዘርኢ ባዋብን ናስርን መንሱርን ኣብ ትግርይን ወሎን ኣለዉ ኢሉ ዝጻሓፎ ዝሳነ ይመስል። ይኹን እምበር ደግያት ስባጋዲስ ካብ ዓሌት ወረደ ምህረት ጅረተ ቀጭን ካብ ላስታ ንዓጋመ (ትግራይ) ዚመጹ ሙኻኖም ጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ኣብቲ መጽሓፉ ታሪኽ መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ካብ ገጽ 86-88 ይሕብር።

እስቲ ሕጂ ትውልዲ መሓዊ (መዓውያ) ዘሎውወን ዓድታት፡ ትግራይን ኤርትራን ንርአ። ኣውራጃ ኣከለጉዛይ 8 ዓድታት።ንሳተን ድማ ፡ ሓዞ፣ ስሩኽሶ፣ ጦሮዓ፣ ወይ ቶርዓ (ቤት ስራሕን ቤት ቡስን) እንጋንኣ፣ ዓደግለ፣ እገላ ሓጺን፣ ሮብራ፣ ቀይሕ (ዓዲ ቀይሕ) እየን። ኣብ ኣውራጃ ሰራዬ 5 ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ጕንደት ዓይላ፣ ጠፋንፋስ፣ ሰማማዕ፣ ዓዲ ሹም ብርሃኑ፣ ትምዛእ፣ እየን። ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን 2 ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ደቂ ሽሃይን፣ ላምዛን። ኣብ ኣውራጃ ሳሕል፡ ክልቴ ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ዓድ ዓምዳይ፣ (ሓዞ) ዓድ ገሃድ፣ (እገላ ሓጺን)። ኣብ ትግራይ ኣርባዕተ ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ሓዞ፣ ስሩኽሶ፣ ስመ፣ ሓነኸ። ኣብ ጂቡቲ ሓንቲ ዓዲ  ሓሶባ። ኣብ ኣውራጃ ደንከል ሓንቲ ዓዲ ሓሶባ (ሓሶባ ጂቡቲን ሓሶባ ደንከልን ) ኣብ ኣውራጃ ከረን ድማ፡ ሰለስተ ዓሌታት ማርያን መንሳዕን ኣሸንብራ (ኣሸናብራ) ኣለዋ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 29 ርአ።) (ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ ብዶ/ር ኣብራሃም ጳውሎስ ገጽ 146 ርአ።) (መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ዝተጻሓፈ መጽሓፍን ታሪኽ ደቂ ኣባት ህዝብታት ኤርትራ ኣልበርቶ ፓለራ ዝተጻሓፈ መጽሓፍን ተወከስ) ሕጂ ካብዚ ቀጺልና መበቆል ዛውል ደቂ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ ንርአ። ዛውል 2 ኣሕዋት ኢዮም። ዝዋቦን ዛውልን። እታ ዛውል ትብል ካብታ “ዜቡል” እትብል ስም ናይ ቦታ ኣብ ዓዲ ከበሳ ከም ዝመንጨወት ይንገር። መወከሲ (ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል  ተ/ማሪያም  ዝተጻሓፈ ገጽ 390 ርአ።) ዛውል ካብታ (ዜቡል) እትብል ናይ እብራይስጢ ስም ወዲ ከይወጸት  ኣይትተርፍን እያ። ትርጕሙ ድማ፣ ምጽውዋርን፡ ልዕል ብርኽ ዚበለ ማለት እዩ። መወከሲ (መጽሓፍ  መሳፍንቲ  ምዕራፍ 9.29-31 ርአ።) ዛውል መበቆሎም  ካብ ነገደ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ኢዩ ይባሃል። ካብቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኣቦ ሓጎታቶም ኣዚና ንታሕቲ ወሪድና ንርአ። ናይ ቀረባ ኣባ ሓጎኦም ደጊያት ክፍለ ወይ ክፍለዋህድ እዩ። ክፍለ 22 ወለዶ ፈረየ። ሕጽር ብዝበለ ኣብ ድምበዛን (ዓዲ ተከለዛን) ዘለዉ ትውልዲ ደጊያት ክፍለዋህድ፡ ደቂ ዓንደሓርያት ወዲ ዘወልደማርያም ዝፈረዮም፡ “ገዛ ጎቦ ቤት ዛውል” ተባሂሎም ይጽውዑ። ካብ ዓዲ ተከለዛን ንወረዳ ሐልሓል ኣውራጃ ከረን ዝወረዱ ዛውለቶት ዓዲ ጉጀር ይባሃሉ። ዛውለቶት ደቂ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ ኣብ ወረዳ ሓጋት ኣውራጃ ከረንን ኣብ ኣውራጃ ባርካን ዘለዉ ዛናን ፋናን ዝፈረይዎም፡ ኢዮም። ንፋናን ዛናን ዝወለደ በርደግ ወዲ ሓውያ ወዲ ዘርኣጽዮን ወዲ ደጊያት ክፍለዋህድ ኢዩ። ዘርኢ ፋናን ዛናን ምስቶም ዘርኢ ጉጃር ኣብ ወረዳ ሐልሓል ኣውራጃ ከረን ምስ ማርያ ቀያሕን ማርያ ጸሊምን ኣለዉ። መወከሲ (መሰረት ዓሌት ህዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይን ካብ ገጽ 98 -100 ርአ ።) ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተ/ማሪያም ገጽ 406 ርአ።) ኣሕዋት ዛውል ደቂ ሀይገት (ሃይገት) ኣብ ኩለን ኣውራጃታት ኤርትራን ትግራይን ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን ሰሜን ካርነሽም ዓዲ ጽዮን ኣብ ደቡብ ካርነሽም ምድሪ ዛውል ምድሪ ጽዮን፣ ደፈረ ደቂ ዮሰፍ ዛውል ኢዮም ። ኣብ ዓዲ ከልከልቲ፣ ወኪ፣ ዓዲ ሻኻ፣ ዓዲ ሰራዋት፣ ኣድግና፣ ዓዲቀ ገነት፣ ወኪ-ዱባ፣ ሽማንጉስ፣ ኣብ ዙላ፣ ቡሪ፣ ኣብ ምለዛናይ፣ ጥቃ ዓዲ ንኣምን፣ ወዘተ. ፋሕ ኢሎም ብዙሓት ዛውሎቶት ይርከቡ ። መወከሲ (ታሪኽ ወለዶ ሕዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተስፋማርያም ገጽ 401-409 ርአ።) ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ኣውራጃ ሰራዬ እውን ኣለዉ፡ ንኣብነት ኲዶ ፈላሲ፣ ዓዲ ኢታይ፣ ተራ እምኒ፣ ታኺታ፣ በልሰይ፣ ቆሓይን ። ብፍላይ ዓዲ ጀይኑን ዓዲ ሰለሙን ዝተባህሉ ኸኣ ኣብ ሰለባ ወረዳ ዔላበርዕድ ኣውራጃ ከረን ኣለዉ። ዛውል ኣዚዮም ብዙሓትን ብርቱዓትን ዓሌት እዮም። ልክዕ ከምቲ ናይ ብን -ዓምር “ናታብ” ከም ናይ ማርያ” ሹም” ከም ናይ መንሳዕ “ከንተባይ” ከምዚበሃል ኩሉ ኣብ ዓሌት ቀዳሞት ዛውለቶት እውን እቲ ሹም ” ዋግ-ሹም” እዩ ዚባሃል ነይሩ። እቶም ገባር ድማኒ “ደቂ ዋግ-ሹም ወይ ደቂ መኰነን” ይባሃሃሉ ነሮም። ምልስ ኢልና እስቲ፣ ዛንታ ኣባ ሓጐኦም ደጊያት ክፍለዋህድ ንርኤ። ደጊያት ክፍለዋህድ ርእሰ ኸተሙኡ መብዛሕትኡ ግዜ ድባርዋ እያ ነራ። ኣሕዋቱ ባሕረጋሳት ነሮም። ንሳቶም፡ ድማ ባሕረጋስ እመሓስላሴን ባሕረጋስ፡ ኣብራሃምን ይባህሉ ። መንበር ግዝኣቶም ዝነበሮ ቦታ ዙላ ነበረ። ባሕረጋሲ (ባሕረነጋሲ) “ኣገረ-ገዥ”(Governor) ማለት፡ እዩ። (በቲ እዋን እቲ ባሕረነጋስ ዚባሃላ ዚነበራ ኣውራጃታት ሰራዬን ሓማሰንን እየን፡ ርእሰ ኸተመኤን ድማ ድባርዋ ነበረት።) ሰለስቲኦም ኣሕዋት ግዝኣቶም ክከላኸሉ ኣብ መሬት መትሕት (መታሕት) ብሸነኽ ሱዳን ምስ ዝመጸ ባዕዳዊ ወራሪ ኵናት ገጢሞም ደጊያት ክፍለዋህድን ባሕረጋስ እምሃስላሴን ኣብኡ፡ ተሰውኡ። ይኹን እምበር ሓዎም ባሕረጋስ ኣብራሃም ከምብሓዲሽ ሰራዊት ኣኽቲቱ ንጸላእቱ ደምሲሱ ደም ኣሕዋቱ ኣደቀሰ። መወከሲ (መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ገጽ፡ 98- 100፡ ርአ።) ዛውሎቶት መቐረት መሬትን ተወጋእትን ሃደንትን ሰብ ኣፍራስን ስለ ዚነበሩ (ዝነበሩ) ኸምዚ ተበሂሉ ይድረፈሎም ነሩ። “ዛውለይ ዛውለይ ኣብቲ ሸኻ ምሳኻ መዓለይ”

ዛውለይ ዛውለይ በዓል ፈረሰ ሕለብ ሕረሰ

ዛውለይ ዛውለይ ንሰማይ ዝበጽሕ ጐተናኻ ሽደን ኣንበሳ ሓዘለይ በጃኻ” (እታ ህብብቲ ናይ ባህሊ ደራፊት ነፍስሄር ጸሃይቱ በራኺ ነዚታት ኵሉ ግዜ ትቃንዮ ነራ እያ)

ኣብ ቤት ሻሓቃን ማሕረስ ዝጅመረሉ ዕለት ዛውለታይ እዩ ዝጅምሮ ነሩ። ኣብ ቤት ኣብረሄ ድማኒ፡ ካብ ቤት ኣባዛ ሓደ ሰብኣይ ሰኑይ ወይ ረቡዕ ማሕረስ ይጅምር ከምኡ’ውን ሓደ ካብቶም ብሩኻት ካብ ዓድ፡ ደሲት ዘርኢ ከንተባይ ደሲት ማሕረስ ክጅምሩ ይሕተቱ ነይሮም። ኣብ ቤት ኣብረሄ እቲ ዝበዝሔ መሬት ናይ ቤት ኣበዛ እዩ ነሩ። መወከሲ (ፓብሊከሽን ኦፍ ዘ ፕሪንስተን ኤክስፐዲሽን ቱ ኣብሲንያ ብ ኤኖ ሊትማንን ኸምኡውን ንመዘከርታ ናፋዕ ወድ ዕትማን ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ገጽ 95 ርአ።) እስከ ሕጂ እውን ወለዶ ተስፎይ ደቂ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ መበቆል ዓሌት ነገደ ሌዊ ንርኤ። ደቂ ሌዊ ናብ መሬት ሓበሻ ላስታ ዝሰገርሉ ምኽንያትን ዘመንን ፍሉጥ ኣይኮነን። ካብኡ ድማኒ ገለ ኻብኦም ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ትግራይን ብብዝሒ ሰፈሩ። ንኣብነት ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን ኣብ ወረዳታት ካርነሽም  ገረሚ፡ እትባሃል ዓዲ ግሩም ዝተባሃለ ዝፈረዮም፡ ኸምኡውን ደቂ የውሃንስ ላሓዊ (ለሃዊ) ዝፈረዮም፣ ኣብ ትግራይን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣውራጃ ሓማሴንን ኣብ ዔላበርዕድ ወረዳ ኣውራጃ ከረንን ኣብትሕቲ ደብረሲና መዓልዲ ቀይሕ ዚባሃል ዚነበረ ቦታ ዚነበሩ ደሓር ብመውስቦ ምስ ማንሳዕ ዝተሓዋወሱን ኣብ ጸዓዘጋ (ኣውራጃ ሓማሰን) ድማኒ ገዛ ላቔን ዓሰነሞ ዚባሃሉ ኣለዉ። ኸምኡውን ዓዛርያ (ኣዛርያ) እቲ ካህን ዚነበረ ዝፈረዮም፡ ጨንሓረ ዝስሞም ወይ ጽዮን ሓረዮ ድሕሪ ግዜ ምንዋሕ ናብ ጨንሓረ ተቐየረ።  ቐሺ ሃብተጊዮርጊስ ዝፈረዮም፡ ኣብ ማእከል ሰገነይቲ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣለዉ። ኣብ ደቂ ኣከለ ድብድብ ዝተባሃለ ዓዲ ሽመዛና እውን ኣለዉ። መወከሲ (ብዛዕባ ስም ካህን ዓዛርያ 1ይ፡ ነገስት፡ ምዕራፍ፡ 4-2 ርአ) ከምኡውን መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ምዕራፍ 42፡ ካብ ገጽ፡ 72 -76 ተመልከት) (ዓዛርያ ስም ክኸውን ከሎ እብራይስጢ እዩ።  ትርጕሙ ድማኒ ” እግዚኣብሄር፡ ሓገዘ” ማለት እዩ ይበሃል። ወለዶ ተስፎይ ደቂ ሀይገት(ሃይገት) ከመይ ገሮም ንሀይገት(ሃይገት) መጹ? 3 ኣሕዋት ጠቅራይ፣ ባርገለይ፣ (ባርግለ)፣ ዎ ኳዜናይ፡ ካብ ነገደ ሌዊ ዝመንጨዉ ካብ ካባሳ ወሪዶም ኣብ መሬት ማንሳዕ ገድገድ እተባህለ ቦታ ሰፈሩ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ (ጊዜ) ባርገለይን (ባርግሌ) ኳዜናይ ንከበሳ ደየቡ። ጣቅራይ (ጠቀር) ግን ርእሰ ኸተምኡ ኣብ ዕንክለት ጨጋ ገሩ በዝሔን ሃብተመን። ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰሓርትን እገላን ካብ ካበሳ ወሪዶም ዘመትዎም ብዙሕ ሰብ እውን ቀተሉሎም። እቶም ዝተረፉ ግን ንግዓዝ ወይስ ኮፍ ንበል? ኣብ ዝብል መሪር ክትዕ ኣትዮም ኣብ ሓዲኡ ክዓልቡ ስለዘይከኣሉ ተስፎይ ዚተባህለ “ክል፡ ቤት፡ ኣድጋ፡ እትላ፡ ማርሓ፡ እላ፡ ቲጊስ” ኢልዎም። ነፍስ ወከፍ ቤት ኣድጋ ኣብ ዝመርሓ ቦታ ትኺድ ቤሎም። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ቤት ኣእሰር፡ ኣድጋ ፈትለኽ በለት። ገሊኦም ንሓባብ ገሊኦም ናብ ዛውል (መንሳዕ) ገሊኦም ንጦሮዓ (ቶርዓ) ኣከለጉዛይ ኣምርሑ። ተስፎይ ናብ መሬት ዛውል (መንሳዕ፡ ቤት፡ ሸሓቀን) ኣብ እንድርታይ ደየበ። ኣብ እንድርታይ ካብ ሰብ (ዓሌት) ኣደገ ቤተሰባ ዝጠፍኤ ሰበይቲ ምስ ኣጣላ ጸኒሓቶ። ተስፎይ ጋሻኣ ኾይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ተመርዓዋ፡፡ ዑቕባጮን እተባህለ ወዲ ወለደላ። ዑቕባጮን ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሔ ኣቦኡ ተስፎይ ናብ ረአስ ድጌ ዛውል እምባ-ዛውል ከይዱ ዛውለተይቲ ጓል ኣምጺኡ ኣመርዓዎ። ጠኒሳ ክትሓርስ እንዳ ኣቦኣ ከይዳ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ወዲ ወለደት። ስሙ እውን ገብረስላሴ ሰመይዎ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ኣርባዓ መዓልቲ ቅድሚ ናብ እንዳ ሓሙኣ ምምላሳ ስድራኣ እኽልን ከብትን ምስ ሃብዋ ተሓሲማቶ።” ኣቦኣ እንታይ እሞ ባህ ይብለኪ” ምስ በላ” ግራውቲ ደብር ጸብር ንእንድርታይ ገጹ ዝርኢ ክፋል ሩባ ኖረት ምስ በለቶ “ሕድት ሸነሃኪ” ንእሽትለይ ነገር ሓቲትኪ ኢሉ መረቐላ። ንእንዳሓሙኣ ድማ ተመልሰት። ተስፎይ ዝፈረዮም ዑቕባጨን – ገብረስላሴ – ዑቕባጨን – ዑቕባ – ክርስቶስ – ዮሓንስ – ገብረክርስቶስ ፡ ተስፎይ ዑቕባስላሴ – ዑቕባክርስቶስ፡ ዑቕባጨን – ዮሓንስ፡ ዓይቡ – ሕድሪ – ማሪያም፡ መሓመድ – ዑቕባጨን 4ይ፡ ተስፎይ 3ይ ፡ ዮሓንስ ካልኣይ ዛይድ (ጢሞቴዎስ) ዮናታን – ተስፎይ 4ይ ወለደ። መወከሲ(  ድግም ክልኤ መንሳዕ ገጽ 87 ርኤ)።ተስፎይ ኣዝዩ ለጋስ እንተ መርቐ ዘብጽሕ እንተ ጸለየ ዝስማዕ ከም ዚነበረ መጽሓፍ ድግም ክልኤ መንሳዕን ኣብ ገጽ 86 ከምኡ እውን መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ገጽ 96 ተመልከት። ደቂ ሌዊ ኣብ ላስታን ትግራይን ኤርትራን ዚነበሩን ዚነብሩ ዘለዉን ኵሎም ኣቅሽሽቲ ኢዮም ። እስከ ሕጂውን ወለዶ ዜን ደቂ ሀይገት(ሃይገት) መንሳዕ ንርአ። ዜን ትውልዶም ካብ ዓሳውርታ፡ እዩ። ካብ ዑመር ዓሳዑር ኣቦ ዓሳውርታ፡ ኢቲ መበል 17 ወይ 18 ወለዶ ዝዀነ ታልክ (ተኽለሰማዕቲ) ወዲ ዓሊገፍቶ ንዜናገብረኤልን፣ ንዓንደኣብን፣ ንሰመረኣብን ወለደ። ዜናገብረኤል (ጃናይ) ካብታ ሓማሰነተይቲ ሰበይቱ ንድቕሎይን፣ ንግብሮይን፣ንግሮይን ወለደ። ድቕሎይ ዝፈረዮም፡ ኣብ ዓዜን፣ ኣብ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ ኣግዓሮ ኣለው። ደቂ ድቕሎይ ቀደም ዘመን “ደቂ ሓጸይ” ይባሃሉ ነሮም። ግብሮይ ዝፈረዮም ፡ ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን ኣብ እምባደርሆን ዓዲ ዜንን ደፈረን ይርከቡ። ንግሮይ ዝፈረዮም፡ ገዛ ዜን እተባህሉ (እተባሃሉ) ኣብ እምባደርሆን ደቀምሓረ ድምበዛንን ከምኡ’ውን ካብዚኣቶም ቅድም ዝተፈለዩ ኣብ ዓዲ ኣቡን (ትግራይ) ዓድዋ ኣለዉ። ከምኡውን ካልኦት ዜን ወይ ዜናገብርኤል (ጃናይ) ካብታ ኣስላመይቲ ጓል ሳሕል ሰበይቱ ዝፈርዮም፡ ኣብ ስሔ ዐድ ትማርያም ኣብ መሬት ኣውራጃ ሳሕል ኣለዉ። ኣሕዋቱ ዓንደኣብን ተኽለኣብን ዝፈረይዎም፡ ድማ፡ ኣብ ተራእምኒ ኣለዉ። ሓዉ (ሓው ንዜና) ሰመረኣብ ዝፈረዮም ኣብ ወረዳ ኣፈልባ ኣብ ኣውራጃ ሰራዬ ኣለው። ዓሳውርታ፡ ኣስላምን ክርስትያንን ኢዮም። ቋንቋኦም ድማኒ፡ ሳሆ እዩ። ኣሕዋት ዜን፡ ገዛ ኣስመዔ (4ተ ኣስመራ) ዓሳውርታ ኢዮም። መወከሲ (መጽሓፍ ታሪኽ ወለዶ ሕዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተስፋማርያም ገጽ 144 መጽሓፍ ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውረሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 60 ረአ።  (ደጅኣዝማች ሓረጎት ኣባይ እምነቱ ካብ 1963 -1974 ከንቲባ ኣስመራ ዚነበሩ ካብ ገዛ ኣስመዔ ኢዮም። ንከተማ ኣስማራ ብጽረታን ጽባቐኣን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበራ ከተማታት ብልጽቲ ከምትኸውን ዝገበሩ ትጉህ ከንቲባ ነሮም።  እዚ ግን ኣብቲ ላዕሊ ዝተጠቅሱ መጻሕፍቲ ኣይተረቝሐን፡ ናትና ርእይቶ እዩ።

መደምደምታ

ሀይገት (ሃይገት) ውርይቲ ዝዀነትሉ ምኽንያት ኣቀማምጣ መሬታን ልምላሜኣን በሪኽን ዕሙርን ጐቦታታን ኣእዋማን ዱር ኣራዊታን ጠስማን መዓራን እኽላን እዩ። ነዚ እውን፡ ሓደ መርትዖ ኣለና። ጣሊያን ካብ 1890 – 1895፡ ዓ.ም. ኣብዛካይድዎ መጽናዕቲ ሀይገት (ሃይገት) ብኣየራን ሃብታን መሬታን ኣዚያ ምችእቲ ኰይና ስለዝረኸብዋ ገለብ ርእሰ ከተማኣ ዀይና 500 ጣልያን ሓረስቶት ካብ ኣውራጃ ሮማኛ (ናይ ዓዲ ጥልያን) ኣምጺኦም ኣብ ሀይገት (ሃይገት) መሬት መንሳዕ ከስፍርዎም ተመዲቡ ነይሩ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ  ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 189 ርአ።) ብወርሒ ታሕሳስ 16, 1897 ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ቀዳማይ ሲቪል ኣመሓዳሪ ኤርትራ ዀይኑ ዝተሾመ ገለብ ንምብጻሕ መዲቡ ከምዝነበረን በቲ እዋን እቲ ንከንተባይ ተስፋሚካኤል ወድ ኣፍታይ መንሳዕ ቤት ኣብረሄታይ እውን ተነጊርዎም ከምዝነበረ ዝተሰነደ ሓበሬታ ኣሎ። ብ1908 ኣደልፍ ኮልመዲን ገለብ ኣብዝበጽሓሉ እዋን ንኣመሓዳሪ ማርቲኒ ህያብ ተባሂሉ ተመሪጹ ዝነበረ ምራኽ ክንዲ ገለ ዝኸውን ብዕራይ ስለ ዝኣኸለ ከንተባይ ተስፋሚካኤል ንኮልመዲን ሂብዎ። ኮልመዲን ድማኒ ንምስዮን (ንሮዲን) ሂብዎ። ማርቲኒ (ኣመሓዳሪ ማርቲኒ) ንገለብ ዘይመጸሉ ምኽንያት ብወርሒ መጋቢት 1907 ካብ ሓላፍነቱ ብገዛእ ፍቓዱ ስለዝተሰናበተ ንዓዱ፡ ንኢጣሊያ ተመልሰ።

መወከሲ (ብእዝራ ገ/መድህንን ብካሪል ጃኦኣን ሉንድስትሮምን ዝተጻሓፈ “ከኒሻ “ ዘርእስቱ መጽሓፍ ገጽ፡ 444 ኸምኡውን “ኢጣሊያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ” ብዘምህረት፡ ዮውሃንስ ገጽ 179 – 181 ርአ።) ንሀይገት (ሃይገት) ዘበላን ውርይቲ ክትኸውን ዝገበራ እንተላይ ሕዝባ እዩ። ገሊኡ ካብ ዓዲ ዐረብ፣ ገሊኡ ካብ ኣስራኤል፣ገሊኡ ካብ ካባሳታት ኤርትራ፣ መጺኡስ ብመስውቦ ተሓናፉጹ ኬብቕዕ ዝተፈላለየ ሞያን ፍልጠትን ዕምቆትን ጥበብን ኢደ-ጥበብን ሒዙ ስለዝመጸ እዚ ኵሉ ተደሚሩ ሀይገት(ሃይገት) ፍርህትን ግንንትን ህብብትን ከም እትኸውን ገበራ። ሀይገት(ሃይገት) ብሃጸይ እስክንድር ናይ ሓበሻን ሃጸይ እያሱን ሃጸይ ፋሲልን ሃጸይ ቴድሮስን ክሳብ ሃጸይ ዮውሃንስ ኣፍልጦ ነርዋ። ህዝቢ ሀይገት (ሃይገት)ናይ ገዛእ ርእሱ ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ ኣይንበሮ ድኣ እምበር፡ ናይ ባዕልኻ ርእሰ ምምሕዳር (ሪጂናል ኦቶኖሚ) ነርዎ እዩ። ህዝባ ኣዝዩ ቀናእ ንመሬቱን ንክልሉን ተዋጋኣይን ከም ዚነበረ (ዝነበረ) እኒ በዓል ኣልቤርቶ ፖለራን ካልኦት ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ ሰኒዶሞ ኣለዉ።

ወይዘሮ “ኣውዕለት”

ወይዘሮ ለተኺዳን ዓንዱ “ኣውዓለት” ዝብል ቅጽል ስም ዚተወሃባ (ዝተወሃባ) መዓልቲ መርዓኣ ምስ ሓለፈ ኣብታ ንሀይገት (ሃይገት) ማንሳዕ ዝብገሱላ ድሮ ለይቲ ደቂ ዓዳ ኣብ መንገዲ(መገዲ) ኣድብዮም ምስቶም ወራድ መርዓን መርዓውን ተባኢሶም ኪዝርፍዋ ውዲት ከም ዝኣለሙ ስለ ዝፈለጠት መርዓውን ወራድ መርዓን ደቂ ማንሳዕ ዝብገሱላ ሰዓትን መንገዲን ንኽቕይሩ ነጊራቶም። ዝብገሱላ ሰዓትን መንገዲን ቀይሮም ብሰላም ንሀይገት (ሃይገት) ምስ ኣተዉ ካብ ሕማቕ ነገር ስለ ዘውዓለቶም “ኣውዓለት” ዚብል ቕጽል ስም ሂቦማ። ካልእ ቅጽል ስም ድማ፣ “ቲነጎ”  ወይ “ኢቲነጋ “ዚብል ስም ረኺብና፣ ይኹን እምበር፡ “ቲነጎ” ( ኢቲነጋ) ስም ናይ ኣመት (ሰራሓተኛ) ኣውዓለት ከም ዚዀነ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ሰሚዕና ኣሎና።  መቃብር ዓባይና ኣውዓለት ኣብ ዕጨት ወድ ቅዜናይ ኣብ ጮመራት መሬት ማንሳዕ ቤት ኣብረሄ ይርከብ።

ትርጕም ቃላትን ኣስማት ቦታታትን።

  • እሮታ ማለት ኣብ ልዕሊ ቀምበይበይ ዝብል ማይ ማለት እዩ (standing water) (እሮታ መሬት ማርያ እዩ። ቅድሚኡ ግን መሬት “ ነወ – ቀይሕ” ናይ ዝበሃሉ ዓሌት እዩ ነይሩ። (እሮታ ኣብ ኣውራጃ ከረን ወረዳ ሐልሓል እዩ ዚርከብ)
  • ቅሮሽ ብቋንቋ ትግሬ ዓብይ ሓርገጽ ማለት እዩ፡፡ ብቋንቋ ዓረብ (classical Arabic)ድማ፡ ኣዝዩ ገዚፍ ዓሳ

ማለት እዩ።

  • ባርግሌ (ባርግለይ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ኣይትግደፍኒ፡ ኣይትሕደግኒ፡ ማለት እዩ።
  • ካርነሽም ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ስም ሰርና ወይ ስም ሰጊርና ማለት እዩ።
  • ዝምጃን (ድምበዛን ድምበዳን) ብቋንቃ ኣገው/ብሊንን ሓው ዘይብላ ሓው ዘይብሉ ማለት እዩ።
  • በለዳ (በለዛ) በለድ ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ንበር ዓዲ ግበር ማለት እዩ፡
  • ዃዘን (ዃዜናይ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ምፍዳይ ዕዳ ማለት እዩ።
  • ዱላ (ዙላ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ጠፋኢ ዝጠፍኤ ዝጠፍኡ ኣብኡ ዝጠፍኤ ማለት እዩ።
  • ሱዳን (ሶዳን) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ሓው እንከለዎ ማለት እዩ።
  • ኣከለ – ጉዳይ ብቋንቋ ኣገው/ብሊን እስከ ኣተንስኣኒ ማለት እዩ። (ኣከለጉዛይ)
  • ስባጋዲስ (ስባጋዲሽ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ውግእ ወረ ውግእ ማለት እዩ።
  • እንደርታይ ብቋንቋ ኣገዉ/ብሊን ኣብቲ እተዉ ወይ ዝድረሩ ኣትዮም’ዶ ማለት እዩ፡፡
  • ፋሲል ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ቆራጺ ማለት እዩ፡፡
  • ከረን ብቋንቋ ኣገው/ብሊን እምኒ ማለት እዩ።
  • ሊባን ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ኣብ ትሕቲ ጎቦ ዘሎ ዓዲ ወይ ካብ ጎቦ ዚወረዱ ሰባት ወይ ዚወርዱ ዘለዉ ሰባት

ማለት እዩ።

  • ሰራዬ ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ተኸደኑ ልበሱ ተዳለዉ ዕጠቑ ኢሉ ኣዚዙ ማለት እዩ።
  • ሐልሓል ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ወተግ ናይ ወዲ ሰብ ምውጻእ ጎቦ ማለት እዩ።

ኣኽሱም (ዓቑ- ሲም) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ማይ ሹም ማይ ከንቲባ ማለት እዩ። መወከሲ (ሰረት ታሪኽ

ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ብደክቶር ኣብራሃም ጳውሎስ ካብ ገጽ 185 – 204 ተመልከት)

ሀይገት (ሃይገት) ካብቲ “ሃግት” ዚብል (ዝብል) ቃል ቋንቋ ትግሬ እዩ ዝወጸ ዚብሉ (ዝብሉ)ኣለዉ። ይኹን እምበር ካብቲ “ሓጊገት” ዚብል ቃል ከም ዚወጸ ናፋዕን ሊትማንን ሰኒዶሞ ኣለዉ።

ሙርሳል (ማንሹ) መልእክተኛ ነብዪ ኣምባሰደር ማለት እዩ። ሙራ ድማኒ መሪር ማለት እዩ። መዓውያ ሽደን ወኻርያ ማለት እዩ። የዚድ (ዜድ) ዝያዳ ዛይድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዜን (ዓዜን) ካብቲ “ዓዛን” ዚብል ናይ እብራይስጢ (ዕብራይስጢ) ቃል ዝወጸ ይመስል። ትርጕሙ ሓያል ማለት እዩ። ብርግጽ ዜናይ ኣዝዩ ሓያል ከም ዝነበረ ድግም፡ ክልኤ፡ መንሳዕ፡ ርአ። ንዓዛን> (ዘሁልቕ ምዕራፍ 34 ካብ ፍቅዲ (ሕጡብ) 26 ክሳዕ 29 ኣብቲ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሕታም ርአ።) ከም መወከሲ ዝተጠቐምናሉ ፡ መጻሕፍቲ >ታሪኽ ደቂባት (ደቂ ኣባት)> ብጋቨርናቶረ ኣልበርቶ ፓለራ። ድግም ክልኤ ማንሳዕ >ብቀሺ ሮደኝ (ሮዲን)። ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ >ብደክቶር ኣብራሃም ጳውሎስ ። ጥንታዊ ጽሑፋት እብራይስጢ (ዕብራይስጢ)። ዊኪፒድያ። ዛንታ ኤርትራ> ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ። ታሪኽ ማርዩን ማንሹን >ብመሐመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ። ታሪኽ ወለዶ ሕዝቢ (ህዝቢ) ኤርትራ > ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተሰፋማርያም። ብሉይ ኪዳን ወይ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት። ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ > ብዘምህረት ዮውሃንስ። ከኒሻ >ብእዝራ ገብረመድህንን ካረል ሉንድስትረምን። መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ >ጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ። ከምኡውን ሃብታም ተሞኩሮ ዘለዎም ደቂ መሓበርና ኣቶ ኣብራሃም ሐሰብኣነቢን ኣቶ ምከኤል ህያቡን ክልቲኦም ተቐማጦ መነሶታ ( ሑቡራት ሃገራት ኣሜሪካ) ኣቶ ጳውሎስ ገብረስ እስጢፋኖስ ተቐማጣይ ኤለኖይ ( ኣሜሪካ) ኣቶ መሐሙድ ሎቢነት( ወድ ሎቢነት) ወድ ሰምሃር ጻዓዳ ምሁር ጋዜጣኛ ተቀማጣይ ላንድን (ዓዲ እንጊሊዝ) ነዚ ሰነድ ኢዚ ኣዝዩ ጠቃሚ መጽሓፍ ሰዲዱልና ። ሎቢነት ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ቀናእ ንቋንቁኡ ቋንቋ ትግሬ ፡ ቋንቋ ትግሬ ክትዓቢ ዚጸዓረን ዝጽዕር ዘሎን ፈታው ህዝቡ እዩ። ኣቶ ዑስማን ዑመር ተቐማጣይ ሳን ዲኤጎ ካሊፎርንያ (ኣሜሪካ) ካብ ሎቢነት ዝተለኣኸልና ናይ ቋንቋ ዓረብኛ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተርጐመልና ብስም ኵሎም ደቂ ሀይገት (ሃይገት) ነመስግኖ ። መተሓሳሰቢ፣ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ንባዕሉ ፍጹም ኣይኰነን። ንሕና ካብቲ ብርኽ ዝበለ ተጠቒሱ ዘሎ መጻሕፍቲ ብምምርኳስን ተመኩሮ ዘለዎም ኣሕዋት ብምሕታትን ዝረኸብናዮ ምዃኑ እናገለጽና ዚጐደለ ክምላእ ጌጋ ድማ፡ ክእረም   ብትሕትና ነተሓሳስብ።

ተብል፡ ሚ፡ ታ፡ ወአብጽሖት፡ ሐሊብ፡፡ By Mussie Bekit

ተብል፡ ሚ፡ ታ፡ ወአብጽሖት፡ ሐሊብ፡፡

(Churning Container and Delivery of milk)

እብ፡ ሙሴ፡ በኪት።

May 10, 2020

ተብል፡ ምንሚ፡ ትትሻቄ? (ተፈይቶ እብ፡ ትግርኛ) ተብል፡ ምስላ፡ መድቢኢሃ፡ “እፋ”’ለልቡሎ፡ ምን፡ ድርቅ፡ ትክዐሌ፡ (ላኻ ብትግርኛ) ትትሻቄ። ወለመሐዘሊሃ፡ “ውስብ”ለልትበሃል፡ ምን፡ አንጀባ፡ (ዒቃ ብትግርኛ) ልሻቄ። ተብል፡ እትላ፡ ባክላ፡ ጽጋዳ፡ ምጥረቃት፡ ባ። ወላምጥረቃት፡ መራ፡ ንኡሻይ፡ ዕጨተታይ፡ ምን፡ ዕጨት፡ ትማር(ትመረት፡) ልውሽ፡ ልብል፡ እታ። ወእሊ፡ ዕጨታይ፡ “መተንፈስ፡”ልትበሀል። ሐዳስ፡ ተብል፡ እማትና፡ እግል፡ ሰማን፡ ዮም፡ ቀጣፍ፡ ጉም፡ ምንላ፡ ትትበሃል፡ ዕጨት፡ ምስል፡ ማይ፡ እንዴ፡ ሐባራያሁ፡ እቡ፡ ክም፡ተሀርእ፡ ወድያሃ። ወሐቆ፡ ሳምን፡ ሕፉስ፡ ሐሊብ፡ ሕቃን፡ ለውልያ፡ እታ፡ ዎክ፡ እቡ፡ መጽምጻሃ። ወሐቆሁ፡ እግል፡ ሑድ፡ አምዔላት፡ እት፡ ፋጭጭ፡ ልምሕጻ፡ እታ፡ አስክ፡ ግሩም፡ ትትላዴ። ወክምላዴት፡ ኢትፋጭጭ። ተብል፡ ሐቆ፡ ኦሮ፡ ወርሕ፡ ረከን፡ ዎክ፡ ሕባቦት (ሕባበት ብትግርኛ)፡ ወዴ። ለሐሊብላ፡ ሕቃን፡ አሰር፡ ሐድግ፡ ከእሊ፡ እግል፡ ልጽሬ ሀላ፡ እሉ። ከወልዳይቼ፡  “ቅርባን፡”(ቅርበናይ) ቀጣፍ፡ ሻሞት፡ ወቃራጽ፡ አምጽእ፡ እልዬ፡ ተብል፡ እግል፡ ዒጣና፡ ወሐቅሁ፡ እግል፡ እከርና፡(ከጽርያ)፡ ትብለኒ፡ ዐለት። ከሰልፍ፡ እብ፡ ጫፍዓት፡ ወኣት(ሓዲሽ ዒባ )፡ ምን፡ ጎፍ፡ ከደን (exterior) ግሩም፡ ለብጣ፡፡  ከላቀጣፍ፡ እታ፡ እሳት፡ ከፍክፎ፡ ወእግላ፡ ተብል፡ እባ፡ አፉሀ፡ እታ፡ እሳት፡ ግፍትእ፡ ተብላ፡፡ ወላተብል፡ ለሰበብ፡ ለእቡ፡ እብ፡ ጫፍዓት፡ ትትላባጥ፡ እግል፡ ኢትንደድ፡ እንዴ፡ ትበሀላቱ። ወሐቆሁ፡ ለረከን፡ ዎክ፡ ለሕባቦት፡ ምንላ፡ ቅርዱ፡ ለሐንቃልቅል፡ ወእብ፡ ወለት፡ በሓር፡ (sea shell) እንዴ፡ ወደት፡ ቅርፍ፡ ተብሎ፡ ከተጻርዮ፡ ወእብ፡ ቀጣፍላ፡ ሻሞት፡ ሼምታ፡ ወምሴ፡ ውጽረቲት፡ ጅልል፡ ተብል፡ እታ፡ ወሐቆሁ፡ ሐሊብ፡ መጢቅ፡(sweet/raw milk)ጃልል፡ እታ፡ ወእትላ፡ ሰለስ፡ ማምሕጾታት፡(ማሕቄና ብትግርኛ) ስቅል፡ ተብላ፡ ከትምሕጻ። ወሐቆ፡ ሐቴ፡ ሰዓት፡ ለገብእ፡ ለተብል፡ ክም፡ ወጸረት፡ ዎክ፡ ክም፡ ኢትወጸረት፡ እግል፡ ተአምር፡ ለዕጨታይ፡ ምንላ፡ ምጥራቅ፡ ናይላ፡ ተብል፡ ሕርጥ፡ እንዴ፡ አበለት፡ እታ፡ እደሀ፡ ዕሊ፡ ተብል፡ ከፊት፡ ተብሎ። ከትወጸረት፡ ምን፡ ገብእ፡ ተብል፡” ፈግረት” ትብል፡ ወምንላ፡ መምሕጾታት፡(ማሕቄና) ከርያ፡ ከላዝበድ፡ ምንላ፡ ሐሊብ፡ ሕቃን፡ ተዐርዮ።(ፈንትዮ)። እላ፡ ኢእቤ(ንሙዃኑ) ውጽረት፡ ሚ፡ ቱ? ውጽረት፡ ሑድ፡ ሐሊብ፡ ዲብ፡ ዕጎት፡(ጐይቢ ብትግርኛ) ረግእ፡ አስክ፡ ማልሕ፡፡ ወእሊ፡ ምስላ፡ ሐሊብ፡ መጢቅ፡ ልትሐበር፡ ከልትማሓጽ። (እሊ፡ ክምላ፡ ማይ፡ ዐጂን፡ ኒበሎ። ከም፡ ማይ ብሑቝ ንበሎ) ወሐር፡ ላቱ፡ ምንላ፡ ሐሊብላ፡ ሕቃን፡ እንዴ፡ አትረፈት፡ እት፡ ዕጎት፡(ጐይቢ ብትግርኛ) ከርዮ፡  ዐለት፡፡ እግል፡ ሐሪት፡ ዶል። አዜ፡ እንዴ፡ ሐሊብ፡ ምን፡ ሐቴ፡ አካን፡ እት፡ ሐቴ አካን፡ ከአፎ፡ ክም፡ ተበጽሖ? ንርኤ። ሐሊብ፡ ዲብ፡ ከሮት፡ ዎክ፡ ዓሙር፡ ቃጥፈት፡ አስተነት፡ ለልቡላ፡ ከሬ፡ እቱ። (ተቐምጠሉ)እላ፡ ቀጥፈት፡ እላ፡ መጻኒሒቶ፡(preservative) ታ። ለሐሊብ፡ እግል፡ “ኢልሽከር፡ “ዎክ፡ እግል፡ “ኢሊሙት።” (ከይበላሾ) ሐሊብ፡ ገሌ፡ አበር፡ ረክበዩ፡ ምን፡ ገብእ፡ “ሸክር” ዎክ፡ “መይት” እሊ፡ ልግባእ፡ ዲኢኮን፡ ሐሊብ፡ “ሻክራ፡ ዎክ፡”ሞታ’ ኢልትበሀል። “ሐሊብ፡ “በቅላ” ልትበሀል። ሞታ፡ ትቤ፡ ምን፡ ገብእ፡ ለአሓ፡ ክላ፡ መይት፡ ዎክ፡ ዘናባ፡ ሐድጋካ፡ ልትበሀል። እሊ፡ በሀል፡ ቱ። ዎክ፡ ፍናን፡ ተሀምቱ። (superstition) ሹፐርስቲሽን። ብቋንቋ ትግርኛ “ማሪታዊ” ልቡሎ፡ መስልኒ? ሐሊብ፡ ክም፡ ተሓለባ፡ እግል፡ ኢልሽከር፡ እት፡ ምድር፡ ኢከርዎ፡ እት፡ ቤት፡ አቴ። ዎክ፡ እት፡ ረአስ፡ እበን፡ ከርዎ። ሐሊብ፡ ለሸክር፡ እቡ፡ ሰበብ፡ (1) ለከሮት (ጓጉድ፤ ኵሮ፤ እብ፡ ትግርኛ) ግሩም፡ አስክ፡ ፋጫጭ፡ ትብል፡ ኢትከበሀት፡ (እንዲሕሪ ዘይተዓጥነት)፡ ምን፡ ገብእ። (2) ምን፡ ሽን፡ አሓ፡ (ከብቲ) እታ፡ ከሮት ዎክ፡ ቅምብር፡ ቅጥረት፡ ቃጥረት፡ ምን ገብእ። (3) ለግራብ፡ ለእቡ፡ ተበጽሖ፡ ገሌ፡ ተረፍ፡ ናይ፡ ሐሊብ፡ ሕቃን፡ ዐላ፡ እቱ፡ ምን፡ ገብእ፡ (4) ቅዶ፡ መሰል፡ አታ፡ እቱ፡ ምን፡ ገብእ(በሰር እብ ትግርኛ) (5) ግሩም፡ ኢታዕሻባ፡ ምን፡ ገብእ፡ (6) ቀጥፈት፡ ኣስተነት፡ ዎክ፡ ቀጥፈት፡ ጼና፡ አዳም፡ ኢከረካ፡ እቱ፡ ምን፡ ገብእ(6) አስቡሕ፡ ኢአብጻሓክሁ፡ ምን፡ ገብእ። እብሊ፡ ለእሉ፡ ሰመኮ፡ እግል፡ “ልሽከር”ቃድር። ሐሊብ፡ መጢቅ፡ ክም፡ “ሸክራ” ዎክ፡ ክም፡ “ሞታ፡ ዎክ” ክም፡” በቅላ”(ስም፡ አዳንሶት)(euphemism) ከአፎ፡ ልትአመር? (1) ረግእ። ከባይብ፡ ፍሩሹክ፡ መስል፡ ርግእ፡ ወዴ፡ ክም፡ ሐሊብ፡ ውጹር። (2) መልሕ -መልሕ ጼነ። (ኣቸቶ ኣቸቶ ይጨኑ) ሐሊብ፡ “ሞታ፡” ምን፡ ገብእ፡ ኢትጻብሖ፡ ወኢትሰትዮ። ዲብ፡ ስም (poison) ልትቃየር፡፡ ከእንዴ፡ ሕፍር፡ አበለው፡ ደፉኖ። ወእት፡ ደፉኖ፡ እብ፡ ቁሩቶም (ድምጾም ኣትሒቶም) ክእና፡ ልብሎ። “እህ፡ እግል፡ ሓስድ፡ ወፋስድ፡ ሀብንሁ፡ ኢሰፍረና፡ እሉ፡ ወኢጻምአና፡ ዝሕረት፡ ብና፡ ረቢና፡ ሐመድና።”እላ፡ ኢእቤ፡ እላ፡ ቀጥፈት፡ አስተነት፡ ገሌ፡ ጅንስ፡ ከሚካል(chemical substance) እግል፡ ልፍገር፡ ምና፡ ሰበት፡ ቃድር፡ ከሚካውያን (chemists)ውላድና፡ ወአዋልድና፡ ምን፡ አዜ፡ ሕሰቦ፡ እቱ፡፡ ወእግል፡ ህጅክ፡ ልግባእ፡ እልና፡ ዋልዳይቼ ፡ ለሰበብ፡ ለእቡ፡ “ቅርባን” ትብለኒ፡ ዐለት፡ “ሙሳ” ስም፡ ሑሁ፡ እግል፡ አቡዬ፡ ዐለት። እት፡ ሐቴ፡ ናይ፡ ፈርንሳ፡ መርከብ፡ ኮኮ፡ (መበሽላይ፡ ነበሪት) ወእናስ፡ መራ፡ ፈናን፡ ዐላ፡ ልብሎ። ከቅርባን ስም፡ ስርዕዬ፡ ታ። ወክናዮታቼ፡(ሳጓ) ላቱ፡ ብዙሕ፡ ቱ። ገሌ፡ እግል፡ አቡዬ፡ ባህ፡ ለለብል፡ ወደኮ፡ ምን፡ ገብእ፡ ቃንጣብ፤ እሳታት፤ አብ፡ ቃጢን፤ ፋርስ፤ ወገሌ፡ አከይ፡ አደብ፡ ወደኮ፡ ምን፡ ገብእ፡ ፈረስ፡ ውራቅ፤ ዋስ፤ ኦሮ፡ ዕቅቡ፤ ለልብል፡ ዐላ፡ ሕሻካ። ወእት፡ ደንጎባ፡ እሊ፡ ክቱብ፡ እሊ፡ እግል፡ እክተብ፡ ክም፡ ቃሰድኮ፡ ግሩም፡ እግል፡ እት፡ እተከድ፡ እት፡ አሜሪካ፡ ለትነብር ዐባይ፡ ሕቼ፡ ወዲብ፡ ዐድ፡ ለትነብር፡ ዐባይ፡ ሕቼ፡ ሰአልኮ፡ ከገሌሁ፡ ሰበት፡ አርታዓያሁ፡ እልዬ፡ ሐምዴን። ሐውዬ፡ ዎ፡ ሓዋቼ፡ እሊታት፡ ምንማ፡ ታርፋ፡ እት፡ ክቱብ፡ ላቱ፡ እግል፡ ልትረፍ፡ አለቡ። እብ፡ ሐት፡ ሐቴ፡ እንዴ፡ ትላቃማ፡ እግል፡ ልትከተብ፡ ሀላ፡ እሉ። ወእሊ፡ ጾር፡ እሊ፡ ጾር፡ መሐበርና፡ ቱ። ወክድ፡ ኢነብዴ፡ ዎክ፡ኢነአድግ። እትላ፡ መጽእ፡ ክቱብዬ፡ ህግያ፡ “ትግሬ” እግልሚ፡ በዲር፡ እት፡ ከበሳታት፡ ኤርትራ፡ ወዲብ፡ ክላ፡ ኢትዮጵያ፡ ክሱሰን፡ እብላ፡ ሙሁራም፡ ኢከራ፡ ዶክቶር፡ አምሳሉ፡ አክሊሉ፡ በአዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ በቋንቋዎች ጥናት ተቋም ተባባሪ ፕሮፌሰር ገዲም፡ መምህር፡ ወኬትባይ፡ መዝገበ ቃላት፡ ናይ፡ አማርኛ ክም፡ ሰማዊት፡ ወዐባይ፡ ህግያ፡ እንደይ ገብእ፡ ክም፡ ስም፡ ኦሮ፡ ብሔረሰብ፡ ለተአመረት፡ እቡ፡ ሚ፡ቱ? ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ንምንታይ ብተራ በቲ ዝበዝሔ ህዝቢ ዘይተፈልጠት? ተራ ክብል እንከለኹ ብሞያ አንጻር እዩ ብመደብ ኣንጻር ኣይኮነን። ኣዝዮም ብኣጻብዕቲ ዚቈጸሩ ፖሊቲካውያንን ገለ ደርስቲ እንተ ዘይዀኑ ከም ቋንቋ መጠን በቲ ስማ “ትግሬ”ፍልጥቲ ኣይነበርትን ። እቲ “ትግሬ” ዝብል ቃል ኣብዚ ሕጂ ትግራይን ኤርትራን ዚበሃል ዘሎ መሬት መዓስ ተፈሊጡ? ብዝብል ኣርእስቲ ብቐጻልነት ኪጽሕፍ ኪፍትን እዬ። ቀደመሁ፡ ደአም፡ እግል፡ ኢትጅበቦ፡ እት፡ እትፋኔ፡ “ከም፡ አስማይ፡ እከሎታት፡(porridge) ሀላ፡ እልና?” ለልብል፡ ክቱብ፡ እግል፡ አቃድም፡ ቱ።

አስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ፡ ረቢ፡ ምን፡ ቃባ፡ ወዐጸባ፡ ልነጀና።

አሜን!!!

Video of The Month

Do you have a song or any other video you like to share with us? copyright respected, You can send us a link, or contact us.

More Info