ሓዲሸ ዓመትን ማሕበርና ውላድ ሃይገትን ብ አኽሊሉ ልጃም

ሓዲሸ ዓመትን ማሕበርና ውላድ ሃይገትን

አዛ ዓመት 2022 ምበር ተወዲኣ

ሕማቕን ጽቡቕን በሊዓ

በሉ ሃየ:

ሐሕማቑ ንጉሓፎ፡ ጸጽቡቑ ንሕቖፎ

ተስፋ ንቀነት ንራህዋ ቅሳነት

2023 መርሓባ ንበላ ብፍቕሪ ንቀበላ

ዋንኣ፡ ረቢ እንካብ ኮነ

ሳልኡ እሞ እንታይ ተሳእነ

ሰሰናዩ ጥራይ ንሕና ንመነ

ትምኒት ሓድሽ ዓመት

ኣብ ክንዲ ህውከት፡ ሰላም

ኣብ ክንዲ ምብትታን፡ ምትእኽኻብ

ኣብ ክንዲ ሕማም፡ ጥዕና

ኣብ ክንዲ ተንኮል፡ ቅንዕና

ኣብ ክንዲ ትዕቢት፡ ትሕትና

ኣብ ክንዲ ስስዐ፡ ምስጋና

ኣብ ክንዲ ዕሽነት፡ ልቦና

ኣብ ክንዲ ስርቂ፡ ህያብ

ኣብ ክንዲ ጥሜት፡ ጽጋብ

ኣብ ክንዲ ብቂ፡ ልግሲ

ኣብ ክንዲ ስእነት፡ ሃብቲ

ኣብ ክንዲ ሕሰም፡ ጣዕሚ

ኣብ ክንዲ ጽልኢ፡ ፍቕሪ

ይግበረልና፡፡

እሞ፡ ሓድሽ ዓመት 2023 ብኸመይ ንቕበላ አሎና

ናይ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ክትኮነልና

እቲ ግዜ ከይተፈለጠና ይጎይ ይሕምበብ ኣሎ

ማዕረ ማዕሪኡ ኪንጎይ ከነርክቦ ብቶሎ

ማሕበር ውላድ ሃይገት’ውን 11 ዓመታ ደፊና

ናብ መበል 12 ዓመታ ተሰጋጊራ

ውላድ ሃይገት ክብርቲ ማሕበርና

ሓቋፊት ኣባላታ ዘይብላ መዘና

ብኹሉ ሸነኽ እውን ንዓና ሓበና

ከምተን ዚማዕበላ ማሕበራት ኪትውንጨፈልና

ጻዕዳ ካባ ደሪባ ኪትምዕርገልና

ማሕበር ኣሎና ማሕበር ንተኣኻኸበሉ

ማሕበር ኣሎና ማሕበር ንማሙቐሉ

ስድራ ኣሎና ፍቕሪ ንስሕነሉ

ኣዴታት ኣቦታት ኣያታት ኣለዉና ንሕበነሉ

ኣሓት ኣሕዋት ኣለውና ንንየተሉ

መንእሰያት ኣለዉና ሕድሪ ዚቕበሉ

ስለዚ፡ ኣይንፈላለ ኣይንርሓሓቅ ንጌጋና ኣይነመኽኒ

መድረኽናዩ’ዚ መድረኽ ማሕበርና ከነዕቢ

ማሕበርና መመሊሳ ትዓንብብ

ሓድሽ ናይ ሰላምን ራህዋን ዓመት ይግበረልና!!!

አኽሊሉ ልጃም

01/08/2023

Posted in Posts.

4 Comments

  1. What a beautiful poem! ኣክሊሉ ሓወይ : ብዝሓለፈ ኣይንቆዝም እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ሓዲሽ ዕድል ከይሃድም :: ወነንቲ ግዜ ንሕና ስለ ዝኾና ንጠቐመሉ ኽየምልጠና ከም ኣመሉ : ብሓዲሽ መንፈስ ንለዓዓል ዘይብሉ ሕደር ወዓል : ትብለና ኣሎኻ በዛ ልቢ እትትንክፍ ግጥምኻ:: ግጥምታትካ ይኹን ጽሑፋትካ ናይ ስነጽሑፍ ሕግን ስርዓትን ዝኽተል ስለዝኾን ረዚን እዩ:እሞ ዕድሜ ይሃብካ ሓዲሽ ኮኽብ ሃይገትና : እወ : ወድ ሕሩጥ ሰይፉ ያሲን ብሂጋ ዝንዲ ማለት ብዘረባ ዲፕሎማሲ ብቁዋንቃ ትግረ ሓንቲ ግጥሚ ፈይ ክተብለልና ይላቦ ኣሎ እሞ: እንሻላህ እታ ዝዓቅምኻ ትገብር :: ካብኡ ዝተረፈ እቲ ፍቅሪ ሃይገት ፍቅሪ ህግያ ትግሬ ፍቅሪ ዓሌትካ እኹል እዩ:: ሓውና ኣክሊሉ ናይ ነፍስ ወክፍና ምትብባዕ የድልዮ ምእንቲ ስነ ጽሑፉ ክቅጽል :: በዚ ኣጋጣሚ ንያሲን ሑዬ ከርካ ልብዛሕ እብሎ ንሓውና ኣክሊሉ ስለ ዘበራትዔ::
    ምን ሑካ ሙሴ::

  2. ባህ፣ ለ ታኣብል ሕላየየት። ላሓላፋ፣ ለታሓምድ፣ ወ እግልላ መጽእ እብ ሰኣየት ወ ኣማነት ላታኣዳለና ታ።
    ምንላዓል ኩሉ፣ ኣሳናይ እብ ህግያ ትገረ ኢካታብካሃ፣ ፍንገካ ወ ፍንጌ፣ ሙሴ ሸፍ ወ ሓርብ ወ ጃራ፣ ረቢ ኣንገፈና፣ ናሓርካ ልውሳዕ ወድ ልጃም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *