እግል ነስተብህል እቱ ለሃላ እልና ገሌ ቃላት ህግያ ትግሬ። ራብዕ ክፋል እብ ሙሴ በኪት

እግል ነስተብህል እቱ ለሃላ እልና ገሌ ቃላት ህግያ ትግሬ።

(ለራብዕ ክፋል) (ጉራማለ ትግሬን ትግርኛን)

እብ ሙሴ በኪት ።

3/3/2022

  1. ዋድቅ ። ጻሕ ቢሂል። ምን ሮሻን ለወድቃ ሼይ (ካብ ርሻን ዝወደቀ ነገር) ንበሎ። ምን ውቁል ሺይ እብ ሳሓቢት ዎክ ሓናጊት (gravity)ለወድቃ። (ለሓናጊት ምንላ “ሓነግ” ለብል ቃል አፍገርክዋ)
  2. ዋድቅ፡ ። ብቅመት፤ ግዕሸት፡ ቢሂመት ፡ ግሉል፡ ምቅጻዕ። እብ ትግርኛ ፡ ጠገለ ዘይብሉ ፡እንዶ ዜይብሉ፡ ዓሻ ፡ ዳንደ ፡ ምዕንጅል ፡ ልትበሃል።
  3. ወክዱ ለሓልፋ ። (expired) ለቪዛ ኣብ ፍላን ዋድቃ። ለሉቸንሰት ኣብ ፍላን ዋድቃት። ለኩንትራት ኣብ ፍላን ዋድቃ ። ውዳቅ፡ (termination,expiration )
  4. ዋድቃ፡ ገራምሕ ገኣ። እብ ትግርኛ ጠረብ ኢሉ ፡ ሓነግ በለ።
  5. ዋድቃ ። ዲብ እምታሓን (ኤዛሜ)) ዋድቃ። ኢሓልፋ ታርፋ። ኣብ ፈተና (ትምህርቲ) ወዲቁ ኣይሓለፈን።
  6. ዋድቃ። ዲብ ሓራም ዋድቃ ። እብ ትግርኛ ፡ ኣብ ሓጥያት ወዲቁ።
  7. ዋድቃ። ጫሕ ቤላ ።ኣባራ ፡ ባቃሻሻ ። እብ ትግርኛ ፡ ኣሪጉ፡ ተረሚሱ። ተበላሽዩ።
  8. ዋድቃ። ዲብ እዴ አባይ ዋድቃ። እብ ትግርኛ፡ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቁ።
  9. መንገአት። ዲብ ከለብ ቤትካ ለተአቴ እቡ ባብ ዎክ ምጥርቅ። እብ ትግርኛ ናብ ደንበ ዘእቱ ኣፍ ደገ።
  10. መን ፡ገአት። አዜ ክት ለወለት መንገአት፡ መንታ፧ እብ ትግርኛ፡ እታ ጓል መንኮይና፧
  11. መዳግን። ባብ ከለብ ዓጣል ለትደብእ እቡ ዕጨይ። እብ ትግርኛ “ደንደለ” ልቡሎ።
  12. መዳግን። ድግና። እብ ትግርኛ ምስጓጓ።
  13. ናዳ። ለደብር ናዳ። እብ ትግርኛ ፡ እቲ ጎቦ ነዲዱ። ለቃል እቅልል እንዴ አበልካ ተግእዞ ዎክ ቃርኦ። እቲ ቃል “ናዳ “ኣቅልል ኣቢልካ ይንበብ።
  14. ። ተንብህ ። እብ ትግርኛ ኣዋጅ። ለቃል ጭቅጥ እንዴ አበልካ ተግእዞ ዎክ ቃርኦ’’ እቲ ቃላት ኣትርር ጽቅጥ ኣቢልካ ይንበብ።
  15. ማዳ ። እደሁ ማዳ። እብ ትግርኛ ኢዱ ዘርጊሑ። ለቃል ጭቅጥ እንዴ አበልካ ተግእዞ ዎክ ቃርኦ። እቲ ቃል ጽቅጥ ኣቢልካ ይንበብ።
  16. ። ስጋ ማዳ ። እብ ትግርኛ ስጋ ማዳ ። ለቃል እቅልል እንዴ አበልካ ተግእዞ ዎክ ቃሮኦ። እቲ ቃል ኣቅልል ስሕብ ኣቢልካ ይንበብ።
  17. ማና። ፋጥራ። ፈጢሩ። ረቢ መነና ። ኣምላኽ ፈጢሩና። ለቃል እቅልል ኣንዴ አበልካ ተእግዞ ዎክ ቃርኦ። እቲ ቃል ኣፍኩስ ኣቢልካ ይንበብ።
  18. ማና። እንገራ ዓስተር ። እብ ትግርኛ፡ ማና ናይ ሰማይ። ለቃል ጭቅጥ እንዴ አበልካ ቃርኦ። እቲ ቃል ጽቕጥ ኣቢልካ ይንበብ። ማና። ጸዓዳ ሓወጅብ ለቡ ጅንስ ሽርናይ። ጻዕዳ ዝቕርኒቡ ዓይነት ስርናይ።” ማና ምን ዓስተር” እንቤ ምን ገብእ እብ ለሃ እምበል ለሃበት ለትረክቦ ሼይ ቱ።” ማና ካብ ሰማይ” እንድሕሪ ኢልና ፡ ብዘይ ጻዕሪ ብኸምኡ ዚርከብ ነገር ማለት እውን እዩ።
  19. ማና ። ሓሳ ። ሓስዩ። እብ ትግርኛ ፡ ሓፍ ኣቢሉ ተዛሪቡ። ለቃል እቅልል እንዴ አበልካ ልትቃራእ። እቲ ቃል ኣፍኩስ ኣቢልካ ይንበብ። መሰለን እግል ኦሮ ነፈር “ማናይ” ምን ትብሎ ከምን ሸከካ (በሃለት ሓሳይ ተልከኒ ምን ልብልካ) ኣና ፋጥራይ እንታ እበላካ ፡ ዴኢኮን ሓሳይ ኢእበላካ ምን ትብሎ እት ቀደም ዳይና እግል ትርቶዖ ቃድር።
  20. ። ሕማም ሓማ። እብ ትግርኛ ሓሚሙ ። ለፍደል “ሓ “ዎ “ማ” ጭቅጥ እንዴ አበልካ ተግእዞ ዎክ ቃርኦ። እቲ ፍደል “ሓ” ን “ማ”ን ጽቅጥ ትርር ኣቢልካ ይንበብ።
  21. ሓማ። ሕመት ሓማ። እብ ትግርኛ ሓምዩ።  ለቃል እቅልል እንዴ አበልካ ልትቃራእ። እቲ ቃል ኣፍኩስ ኣቢልካ ይንበብ።
  22. ዛራ። ለመሓዝ ዜረ ሃላ ። ለቃል ሕጭርብ ዎ እቅልል እንዴ አበልካ ልትቃራእ። እብ ትግርኛ እቲ ሩባ ማዩ ኣይነጸፈን። እቲ ቃል እሕጽርን ኣፍኩስ ኣቢልካ ይንበብ።
  23. ። ለውሒዝላ መሓዝ ዛ ‘ራ (ናጽፋ)። ለቃል ጭቅጥ ዎ ስሕብ እንዴ ኣበልካ ልትቃራእ።  እብ ትግርኛ እቲ ሩባ ዛርዩ። ነጺፉ። ማይ ይዛሪ ፡ማለት ዝናም ደው ይበል ማለት እዩ። እቲ ቃል ኣትርር ጽቅጥ ስሕብ ኣቢልካ ይንበብ።
  24. መነቲት ወፈንቲት። መነቲት ክልኦት ምስል ለልትወልዶ ክልኦት ሕጻን ዎክ ክልኤ ወለት ዎክ ወለት ወሕጻን ቶም። ፈነቲት ሃዬኒ መነቲት ለኢገኣው።
  25. ፈንታ መንታይ። መነቲት እት እንቶም ለትወለደው ከላ ኦሮቶም እባ እባ ሻፍዓ (ሞታ )ምን ገብእ ዎክ (ሻፍዕ) ማይት እት እንቱ ዋላዳ ምን ገብእ ፥ ፈንታ መንታይ ልትበሃል። እብ ትግርኛ ፍላይ ማንታ ይበሃል። ።ማንታ ኾይኖም ካብ እተወልዱ ቔልዑ እቲ ብህይወት ዝጸንሐ ማለትእዩ።
  26. ሰር ፡መነቲት። ሃዬኒ ወለት ዎ ሕጻን መነቲት በሃለት ቱ።እብ ትግርኛ መንታ ፈረቓ ይበሃል። ወድን ጓልን ኮይኖም እተወልዱ ማናቱ ማለት እዩ።

እሊ እግላ ዲብ ከበሳ ለትወለደው ዎ ዐበው ሓውዬ ዎ ሓዋቼ ሰዳይት ገብእ እንዴ እበቱ ዲኢኮን እንቱም ለህግያ ትግሬ ተኣምሮ ሑጉዛም እቼ ኢእንቱም።

እዚ ነቶም ኣብ ከበሳ ዝተወልዱን ዝዓበዩን ኣሕዋተይን ኣሐተይን ሐገዝ ኢለ እዬ ዝጽሕፎ ዘለኹ እምበር እቶም ቛንቛ ትግሬ እትመልኩ ክንድዚ ዘድልየኩም ኣይመስለንን።

ለሓምስ ክፋል እንዴ ጸባጥኮ እስክ እማጽእ ፈትሓ ቢቶ። ሓምሻይ ክፍሊ ሒዘልኩም ክሳብ ዝመጽእ ካብ ፈትሓ ተሓረኑ።

Posted in Posts.

9 Comments

  1. መርሓባ ዮሃንስ:: ስለ እቲ ዜተባብዕ ርእይቶኻ ነመስግነካ ::ህግያ ትግሬ ክትመሃር ብምህንጣይካ ኣዝዩ ባህ ኣቢሉናን ኣነዪቱናን :ስለዚ ጻዕርና ከም እንቅጽል ክንሕብረካ ንፈቱ::ሕቶታት እንተለካ እውን
    ብዝተኸኣለ መጠን መልሲ ንምሃብ ቁሩባት ኢና ::ዝኾነ ይኹን ቑዋንቓ ክትምሃሮ ባህግን ድለትን እንተ ኣሉዩካ ብቐሊሉ ክትመሃሮ ትኽእል ኢኻ :: ትምህርትና እውን ቀጻሊ እዩ እሞ: ንኹሉና ዕድመን ጥዕናን ይሃብ::
    ኣብ ክንዲ ኩሎም
    ሙሴ በኪት

  2. ሰላም ንዓኹም ነዚ ዓቢ ስራሕ እትሰርሑን ንምዕባለ ቋንቋ ትግረ እትጽዕሩን ኩልኹም። ብምቅጻል ቋንቋ ትግረ ክፈልጥ ካብ ዝብህግ ነዊሕ ኮይኑ ግና ዝመሃረሉ ሃሰስ ካብ ዝብል ሓጺር እዩ። ሃሰስ ኣብ ዝብለሉ ዝነበርኩ እዋን ከኣ ነዚ ናትኩም መርበብ ሓበሬታ ረኺበዮ፡ ኣዝየ ድማ ተሓጉሰ ጽሑፋትኩም የንብቦን ክመሃረሉ ድማ ይጽዕርን ኣሎኹ። ብጣዕሚ ዝነኣድ ስራሕ ትሰርሑ ከም ዘለኹም ድማ ክሕብረኩም እደሊ እሞ ቀጽሎ ክብል እፈቱ። ትግረ ቋንቋ ኣዲኦም የዕሩክቶይ ስለ ዘለዉኒ ድማ ክኽእሎ ዘለኒ ተስፋ ልዑል ኢዩ።

  3. መርሓባ ዳዊቶም:: ኪስ ገለ ሚ ብካ ቤለዎ :: ኣና ሕድት ብዬ እህ እላታ ቤሎም ልትበሀል :: ኣናማ ለሕድት ለእግላ ብዬ እግል እፍጫል ዋጅብየቱ :: ለትራሳዓናሃ እንፋቅድ ወላኢነኣምራ ንትመሃር ወእብላ ለምቅር ሽከር ናባ ሂጋና ህግያ ትግሬ ተሓሶሰ :: ከሰበት ኣትናየትከኒ ከርካ ዋስዕ ወኣባይካ ጣይዕ ልግባእ እልካ ::ወረቢ ለዓለሚን እግል ክልና ረያም ዕለት ልምቃዕ እልና ወእት ደንጎባ ካቲማ ሰነት ለሃባና :: ሑካ ሙሴ::

  4. Dawit Ibrahim
    ማራ ሓምዳካ እባ ተሃይባናቱ ለሃለካ ምህሮ፡ ረቢ ቅድረት፡ ሒለት፡ ዎዓፍየት ኣግል ልሃበካ እተምነ እግልካ ። እሊ ወድዮ ለሃለካ ቀሊል ኢኮን ላይትናጽፍ ዔላ ታ

  5. መርሓባ ወልድንስኤ :” ወልዲኖ” ኣስፋሃ:: ህግያካ ሳምዓይ ዎ እንገራካ ባልዓይ ራክባ ምን ገብእ ትትነየት:: ክሰበት እሊ እሊ እንቡቱ ለሃለኮ እግል ኣታላልዯ ሓዳስ ሒለት ሰበት ሃብከኒ ሓምዳካ::

  6. ሙሴ ሑውየ ረቢ ልሕሜካ እሊ ምህሮ እግል ካራ አና ማራ ነፍዕና አና ህግያ ትግረ ምራ ቱ ለእፈትያ ዎ እንታ ሰበት ሰደና ህሌካ ረቢ ልስደካ አሜን ሑካ ዎልደንሴ አስፋሃ (ዎልዲኖ)

  7. መርሓባ ወድ ሕሩጥ ሰይፉ ወ ወድ ሓራን :: ” ደሓን እት መለሄይ ወ ድፋእ እት ረቢ ” ልብሎ :: ሰበት ኣትናየትከኒ ምን ልብ ሓምዳካ :: ከርካ ልብዛሕ ዎ ልውሳዕ እንሻላህ ::

  8. ሓምደ ወ ሽክር ልብጻሓካ ሙሴ ሑዬ፣ እንደኢትሓለል ወ ኢትትሃከ፤ ህግያና ህግያ ላግርም ወ ጥዕም ትግሬ እግል ኢነኣብደ ወ ኢንትራሳዕ ፣ ላትከድሞ ወላ ወድዮ ላሃለካ ዓቢ ሽቅል፣ እት ታሪክና ታሪክ ገቢል ማንሳዕ ዲማ ዳማይን እግል ልንበርቱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *