ግደ ዕርክነት ብ ወልደስላሴ ተስፋይ ዕመር

ኣብ ሓምሻይ ጉባኤ ሃይገት ብዙም ዝተኸየደ ዝቐረበት ጽሕፍቲ፡

ብወልደስላሴ ተስፋይ ዕመር።

September 25, 2021

ክልተ ሰሙን ቅድሚ ናይ ሃይገት ጉባኤ ጸጋ ዘርኢማርያም ተሓጋጋዚት ኣዳላዊት ጉባኤ: ደዊላ ጉባኤ ሃይገት ብዙም፡ ከነካይድ ስለ ዝኾና፥ ዝኾነ ኣርእስቲ ኣልዒልካ ጠቓሚ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ካብ ዓሰርተ ደቂቅ ዘይበዝሕ ሓደ ጽሑፍ ወይ ሓተታ ኣቕርበልና ኢላትኒ።

ኣነ ከኣ፡ ኣንቲ ጸጋ ትጽዕንኒ ኣለኺ ምስ በልኩዋ፡ ንበይንካ ኣይኮንካን ብዙሓት ተጻዒኖም ኣለው ምስ በለትኒ፡ በሊ ሕራይ፡ “ጽዕነት ምስ ሰብካ ነይ ጽዕነት”

ኢለ ተቐቢለዮ።

ድሕሪኡ ኣብ ኣርእስቲ ምፍታሽ ኣተኹ።

  • ብዛዕባ ታሪኽ ናይ ሃይገት ከይዛረብ፡ ኣብዚ ንብዙሓት መማህራን ኮፍ ኣቢልካ፡ ኣይከኣልን እዩ ኢለ።
  • ብዛዕባ ሃይማኖት ከይዛረብ፡ መን ቀሺ መረቐካ ከይመጽእ ተስኪፈ፡
  • ብዛዕባ ፖለቲካ ከይዛረብ፡ ንሱ እሞ ኸኣ ዘይልከፍ ኣርእስቲ እዩ ኢለ።

ስለዚ ፈቲሸ ፈታቲሸ ሓንቲ ኣርእስቲ ረኺበ፡

ንሳ ድማ፡

ግደ ዕርክነትን ምሕዝነትን ኣብ ሕብረተሰብ

ብዛዕባ ዕርክነት ክዛረብ ዘምረጸኒ ምኽንያት፡ እዚ ኣርእስቲ እዚ ንብዙሕ ጊዜ ተተሓሳስበኒ  ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን እንተ ተዓዘብና፡ ዕርክነት እና-ሃሰሰን እና-ደኸመን ካብ ዝኸይድ ኣይወሓደን። እዚ ድማ ኣብ ፍሉይ  ሕብረተ-ሰብ ዝርኤ ዘሎ ተርእዮ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርኤ ዘሎ እዩ። ብሰንኪ ዘይምትእምማንን፥ ሰኣን ጽኑዕ ዕርክነትን ምሕዝነትን ኣብ ዓለም ዝወርድ ዘሎ ጸገማት ጸብጺብካ ዘይ ውዳእን፥ ስለ ዝኾነ ድማ እዛ ኣርእስቲ ኣገዳሲት ኮይና ረኺበያ።

እምበኣር፡ –

  • ዕርክነት እንታይ ማለት እዩ?
  • ክንደይ ዓይነት ዕርክነት ኣሎ?
  • ግደ ዕርክነት ኣብ ጥዕና ደቂ-ሰባት
  • ግደ ዕርክነት ኣብ ዝተማልኤ ሂወትን ታሕጓስን ደቂ ሰባት ኣልዒለ ነንእሽቶይ  ክትንክፍ፡ እየ።

 ርግጽ ናይ ዕርክነት/ ምሕዝነት፡ ኣምር ካብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ጀሚሩ ዝተዘርበሉን ዝተዘነየሉን፡ ዝተጻህፈሉን ሰፍሕ ናይ ፍልስፍና ኣርእስቲ እዩ።

እቲ ዓብይ ግሪካዊ ፍላስፋ ኣሪስቶትል (Aristotle) መምህር ናይ ኣለክሳንደር (Alexander The Grate) ዝነበረ፥ ስፍሕ መጽናዕትን ኣስተምህሮን ካብ ዝሃበሉ ጊዜ ጀሚሩ ብዙሓት ፍላስፋታት፡ ዝመራመሩሉ ኣርእስቲ እዩ።

ከም እኒ ኮንፉውሸስ (Confucius) እቲ ዓቢ ቻይናዊ ፍላስፋ፡ ዕርክነት ከም ማእከል ናይ ፍልስፍንኡ ገሩ ኣስተምሂሩ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ`ውን ኣብ ቁርዓን፡ ጥቕሚ ናይ ዕርክነት ተደጋጊሙ ይግለጽ እዩ።

ብዙሕ ከየርሓቕና`ውን ኣብ ባህልና ክብደት ዕርክነት/ ምሕዝነት፡ ብጣዕሚ ዓሚቁን ክቡርን ምዃኑ ብሩህ እዩ፥ ኣብ ደርፍታት ይኹን፡ ዛንታት፡ ምስላታት፡ ሕብረተ-ሰብና ብሰፊሑ ክንጸባርቕ ንርእዮ።

ንኣብነት ኣብ ቛንቛ ትግረ፥ (1) መስኒ ኣማንየቱ፡ (2) መስኒ ትከቸቱ፡ (3) ስነት ስነት ፈተ፡ ዎካትራ ሸወት፡ ወዘተ ክበሃል ከሎ ከቢድ ሚዛን ኣለዎ። ከምኡ`ውን ብቛንቛ ትግርኛ፡ (1) ዕርክነቶም ድልዱል ከም ድማ እዩ? (2) ብዙሓት ዓርከት ኢሎም ምስ ኣዝመሩ ናይ መጨረሽታ ቃሎም እዩ። (3) ጸጸር ዝወሓጡ  ኤዕሪኽ እዮም ወዘተ

ሰባት ዕርክነቶም ቀጻሊ ክኸውን፡ ኣብ ደቆም፡ ደቂ-ደቆም ክመሓላለፍ ብዙሕ ጻዕርታት የካይዱ ከም ዝነበሩ ንዕዘብ፥ ዕርክነትና ክድልድል፡ ጓልካ ንወደይ፥ ወደይ ንጓልካ፥ ተባሂሉ ዝካየድ መውስቦታት ክሳብ እዚ ቀረባ ጊዜ ነሩ። ገና`ውን ኣብ ገለ-ገለ ቦታታት ኣሎ እዩ።

ስለዚ ዕርክነት እንታይ ማለት እዩ፡-

ብሕጽር ዝበለ ቃላት፡ እዚ እዩ ትርጉም ዕርክነት ምባል ኣሸጋሪ እዩ። ይኹን ኣምበር ዓይነትን፡ ጥቕምታትን ዕርክነት ኣብ ሂወት ደቂ-ሰባት ብምግላጽ፡ ትርጉም ዕርክነት ኣብኡ ክርከብ ይከኣል።

እምበኣር  ዕርክነት ክበሃል ከሎ ብኸመይ ንሰርዖ፥

ክንደይ ዓይነት ዕርክነት ኣሎ?

ብሓፈሽኡ ሰለስተ (3) ዓይነት ዕርክነት ኣሎ ክበሃል ይከኣል፡

  1. እቲ ቀዳማይ ዓይነት ዕርክነት፡- ናይ ጥቕሚ ዕርክነት (Friendship of Utility) ይበሃል ። እዚ ዓይነት ዕርክነት ኣብ መንጎ ሰባት፡ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝረኽቦ ጥቕሚ ምስ ዝህሉ፥ ኣብ ስራሕ ዝተመርኮሰ፡ ናይ ሓባር ዕዮ (Project) ምስ ዝህሉ፥ ክሳብ`ቲ ናይ ሓባር ረብሓ ዝሃለወ፡ እቲ ዕርክነት ይቅጽል፥ ብሓጺሩ ኣብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝተመርኮሰ ዕርክነት እዩ።
  2. እቲ ካልኣይ ዓይነት ዕርክነት፡- ናይ ስምዒት ዕርክነት (Friendship of Pleasure) ይበሃል እዚ መብዛሕቱ ጊዜ ኣብ መንእሰያት ዝርኤ ዝምድናታት  እዩ፥ ናይ ሓባር ናይ ስፖርት ስምዒት፡ ናይ ሓባር ጋንታ ይህልወካ ክትስዕር ብሓንሳብ ትሰርሕ፡ ከምኡ`ውን ናይ ሓባር ፖለቲካዊ እምነትን መርገጽን ይህሉ፥ ወዘተ፡ እቲ ብሓንሳብ ዝጠምረካ ስምዒታት ምስ ተወደኤ እቲ ዕርክነት ይውዳእ።
  3. እቲ ሳልሳይ ዓይነት ዕርክነት፡- ሓቀኛ ዕርክነት ፡ (The Friendship of the Good / The Friendship of Virtue)  ይበሃል፥ እዚ ዓይነት ዕርክነት ኣብ ጥቅሚ ወይ ኣብ ስምዒት ጥራሕ ዘይተመርኮሰ፥ ኣብ ዓሚቕ ምትእምማን ዝተመስረተ፥ እቲ ሰብ መን ምዃኑ፡ ከም ሰብ፡ ምስ ምሉእ ጸጋታቱን ጉድለታቱን እተቕበሎ ሓጎሱ ከም ሓጎስካ፡ ሓዘኑ ከም ሓዘንካ እትቕበሎን ዝስመዓካን፥ ብጊዜን ራሕቒ መረትን ዘይብለል ዕርክነት እዩ።     ኣብ ዝኾነ ኵነታት ምስኻ ደው ዝብልን፥ ብዘይ ስክፍታ፡ ይፈርደኒ፡ ዶኾን ይኸውን ከይበልካ ርኢቶካ እትህቦን፡  ርኢቱኡ  እትቅበልን ዝዓይነቱ ዕርክነት፡ እቲ ሓቀኛ ዕርክነት ዝበሃል።  እዚ ዓይነት ዕርክነት ቀሊል ኣይኮነን፡ ክተማዕብሎ ጊዜን ትዕግስትን፥ ምኵስኳስን ዝሓትት እዩ። እቲ ኣብ ጥቕምን ስምዒትን ዝተመርኮሰ ዕርክነት ግናይ ዘየድሊ ማለት ኣይኮነን፥ ጥቕምታትን ረብሓን ኣለዎ ክሳብ ኣብ ቅንዕና ዝተመርኮሰ ክዓብን ኣብ ዝለዓለ ምትእምማንን ክምዕብል ተኽእሎ ኣለዎ።

ግደ ዕርክነት ኣብ ጥዕና ደቂ-ሰባት፡-

ርግጽ ዕርክነት/ምሕዝነት፥ ኮታ ቅርብ ዝበለ ዝምድናታት ምስ ደቂ ሰባት፥ ዝተማልኤ ጸጋ ጥዕና ንምርካብ ዓቢ ግደ ኣለዎ።

ብዙሕ ናይ ጥዕና  መጽናዕታት ከም ዝመስከሮ፥ ዕርክነት ኣብ ጥዕና ደቂ-ሰባት፥ ዓቢ ተራ ከም ዝጻወት እዩ። ሓደ ተመራማሪ (Researcher) ብዛዕባ ጥቕምን፡ ኣድላይነትን ጥዕና ሰፍሕ መጽናዕቲ ዘካየደ፡ ክገልጽ ከሎ፡ ልክዕ ከምቲ ጥዑይ መግቢ ምሉእ መኣዛ ዘለዎ ምምጋብን (Good Diet) ቀጻሊ ምውስዋስ ኣካላት(Exercise) ምግባርን ንጥዕና ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ፡ ዕርክነትን ምስ ደቂ-ሰባት ዝግበር ናይ ቀረባ ዝምድናታት ልክዕ ማዕሪኡ ክስራዕ ይግባእ ይብል፥ ቀጺሉ ከምቲ ሰብ ምስ ሓመመ፡ ብዶክቶር ፈውሲ ዝእዘዞ፥ ዝከኣል ነሩ እንተ ዝኸውን፡ ንኹሉ ሰብ ዕርክነት ምኣዘዝኩሉ ይብል። ብሓፈሽኡ እዚ ዘረድኤናን፡ ዘምህረናን፡ ግደ ዕርክነት ኣብ ጥዕና ደቂ-ሰባት ክሳብ ክንደየናይ ዕዙዝ ምዃኑ እዩ።

ንኣብነት ዘሻቅለካን ዘጉህየካን ድቃስ ዝኸለኣካን ጉዳይ ምስ ዝህሉ፡ ንእትኣምኖ ሰብ ምስ ተካፍል፡ ብዙሕ ይፎኽሰካ። ብኣንጻሩ ዓቢስካዮ  ንበይንካ ዘሳቕየካ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣብ ጥዕናኻ ዘስዕቦ ኣሉታታት ኣሎ፥ ከም ሕማም ጸቕጢ-ደም (Blood Pressure)፥ ከም ሕማም ልቢ፥ ከም ጭንቀት ከስዕብ ይኽእል፡ ስለዚ ዓንከል ዕርክነትና ምስ እነስፍሕ ንጥዕናና ጠቓሚ እዩ።

ናይ ምርሳዕ ጸገም፥  ርግጽ ደቂ-ሰባት እናዓበዩ ምስ ዝኸዱ፡ ብዙሕ ይርስዑ፥ ግን ኣብ ዘይእዋኑ ዝመጽእ፡ ፈጺሙ ነቲ ኣብ ሓንጎልካ ዘሎ ዝድምስስ ሕማም (Dementia) ዝተኻየደ መጽናዕቲ መሊኡ ኣሎ። እቶም ዝምድኖኦም ምስ ሰብ ሕጹር ዝኾነ፡ ኣብ ጽምዋ ዝነብሩ ብሕማም ዲመንሽያ (Dementia) ብብዝሒ ይጥቅዑ፡ እንተኮነ እቶም ኤዕሩክን፡ ሰፍሕ ርክክብ ዘለዎም ካብ ጽምዋ ነጻ ዝኾኑ፡ ብዙሕ ኣይትቅዑን።

ዕርክነት ኣብ ምዕብልና ደቂ ሰባት፥   መን ምዃንካ ክነግረካ፡ መካይድትካ ነገረኒ እንድዩ ዝበሃል። ኣብ ውልቃዊ ምዕብልና፥ ኣካላዊ ምዕብልና፥ ከምኡ`ውን ምጣነ-ሃብታዊ ዕብየት ጥዑያት ሃንጺ ሓሳብ ዘካፍሉ ኤዕሩክ ምጥራይ ብጠዓሚ ጠቓሚ እዩ።

ቅድሚ ምውድኤይ ሓንቲ ግድል ወይ ዕዮ-ገዛ ብሓባር ክንወስድ ኢና።  ኩላትና ኣብ ናይ ተለፎን መዝገብና ብዙሓት ሰባት ኣልዉና፥ እቶም ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ፡ ሓፍተይ፡ ሓወይ፡ ጓለይ ገዲፍና፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ደዊልና ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ክንዛረቦም እንኽእል ክንደይ ይኾኑ፥ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ? ብሓቂ እንድሕር ርኢና፡ ብጣዕሚ ዉሑዳት እዮም። በጻብዕ እኳ እንተ ተቆጽሩ፥ ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ፡ ኣለውኒ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ደዊለ ሓሳባቶም ክረክብ ይኽእል ኣየ ዝብል እንተሎ፡ ብሓቂ ዕዉት እዩ።

እምበኣርከስ  እታ ዕዮ ቤት ወይ ዕዮ ገዛ ዝብላ ዘለኹ፡ ነፍሲ-ወከፍና ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙሽተ መዓልቲ ይኹን ዓሰርተ መዓልቲ፥ ደዊሎምልና ዘይመለሽናሎም፡ ወይ`ውን ደዊልና ክንረኽቦም ኣሎና ኢልና ዘይደወልናሎም ምስ ዝህልው፡ ብርግጽ ኩላትና ክህልውና እዮም። ስለዚ ንሓሙሽተ ሰባት ደዊልና ንርከብ ወይ መልእኽቲ ንግደፍ።

ንኣብነት ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ፡ ተጣፊእና እምበር፡ ከመይ ኣለኻ/ከመይ ኣለኺ፡ ቤተ-ሰብ ከመይ ኣለው፡ ደሃይ ንምርካብ እየ ኣብ ዝጠዓመካ ደውለለይ፡ ዘሄውክ ኣይኮነን ኩላትና ጽቡቕ ኣለና

ስለዚ ነቲ ንነውሕ ጊዜ ዘይደወላንሉ እንታይ ድኣ ተረኺቡ ድሓን ድዩ ካብ ምባል ነድሕኖ።

እዚ ወደሓንኩም፥ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ኣብዚኣ ይድምድም፥ ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።

ኣብ መጨረሽታ ሓንቲ ሓጻር ግጥሚ ብዛዕባ ዕርክነት ብትግረ ዝጸሓፍኩዋ ኣምቢበ ክድምድም እየ።

       መስኒ ኣማን

መስኒ፡ ኣማንየቱ፡ መስኒ ትከቸ

ዲብ ጸገምየ ለእሰእሎ

ወዲብ ፈርሓቸ ላኣድህዮ

          ምስንዮትና ኢትበለል

          ወይት ትበደል

ክምሰል ዕጨት ሸግለተት

ለትሩድ ኣስራራ

ዕሙር ቀጠፋ

ወፋይሕ ጽላላ

ዲማ ንበሪ እግልየ

ሸግለቸ ሸላሊት

ወዲማ ንበሮ እግልየ

መሳኒት ኣማንየ

እንቱም ቱ ለተደፍኡኒ ዎሳርዩኒ

እድንያ ጠምጠም ኣለባ

እምበል መሳኒት መዓቢት።

ወደሓንኩም

  • እላ ምን ትራስዑ፥ ሞት ትረሳዓኩም፡

ትብል ዓለት፥ እምየ ዶኮኖ ወለት እክድ

Posted in Posts.

5 Comments

  1. I really love it. Friendship make us stronger and healthier socially and emotionally. I am going to do my homework. Thank you Woldeslassie. Abraha Z

  2. Well said, well put, strong message and educatilnal form to abide with in our social life with bdnefit. Thank you Mr. W. T. O.

  3. ፍትይ ሑ ወልደስላሴ : ለክቱባትካ ክም መዓር ጸዳናይ ቱ :: መዐር ጸዳናይ ብዙሕ ኢልትረክብ :: ካሓቆ ከም ዮም ” መዐር ጸዳናይ” ሰበት ከረካ እልና ብዙሕ ሓምዳካ :: እምበል ቅያስ ግሩም ክቱብ :: ምስል መናበረትና ለገይስ ክቱብ ቱ:: እምበል ቅያስ ብሹል ዎልጡም ለኢንትራስዖ ምህሮ ለለሀይብ ክቱብ ቱ:: ከገድም ሰረራይ መስቃል ዎክ ሰረራይ መስከረም ኢትግባእ:: ምን ” ማይካ” ኣስተና ዎምን ምህሮካ ፋጭላና :: ” ሑዬ ሓቆ ትባጋስካ ኢታቅብል ቱ” ምንላ ሕላይካ ዎ ግሩም ክቱብካ ኢታሓርማና ::ወ ሓው ወ ሓዋት ክልኩም እብ ሀዪብ ረኤይኩም እግል ሑና ወልዳት ነትናይቶ::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *