ምሕዝነት ከተማ ሳመርቪል (መሳቹሰትስ) ምስ ቋንቋ ትግሬ። ብሙሴ በኪት።

ምሕዝነት ከተማ ሳመርቪል (መሳቹሰትስ) ምስ ቋንቋ ትግሬ።

08/25/21

ብሙሴ በኪት።

ብትግሬ “ያረቢ ኣመታ ኢኣምር ሀበኒ”(surprise) ኦ ኣምላኸይ ዘይሓሰብክዎ ነገር ፍጠረለይ ከም ማለት እዩ። ሓምለ 20,2021 ንግሆ ያረቢ ኣመታ ኢኣምር ሀበኒ ነይሩ ናይ መጀመርታ ጸሎተይ ውስኽ ኣቢለ ሕጂ እውን ብትግሬ “ሸር ፋታን ዎፋጋን ክልኣና “ካብ ሕልኩስን ሰናንን ሰውራና” ሕልኩስ ትርጉሙ ወረ ዘቀባብል ማለት እዩ። ካብዘን ክልተ ዱዓ (ጸሎት) እታ ቀዳመይቲ “ፍጠረለይ “ተሰሚዓ ድሕሪ ቁሩብ ደቃይቕ ካብ ንዩ ዮርክ ተክስት (ልእከት በላም) ካብ ጓለይ መጺኡኒ ። ትሕዝትኡ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ። “ካብ ወርሒ ሓምለ 29 ክሳብ ወርሒ ነሓሰ 19 ዕረፍቲ ወሲደ ኣሎኹ እሞ፡ ቲከት ክሰደልኩም እየ ንዓኻን ንማማን “ይብል። ሽዑ-ሽዑ ዓይነይ ከይሓሰኹ ሕራይ በልኩ። እምበተይ ግን፡ ደሓን ኣጸቢቕና ካብ ኮሮና ግናይ ክሳብ ንገላገል ኣነስ ክጸንሕ እየ በለት። ኣነ ተቀዳዲመ ሕራይ ዚበልኩሉ ነገር፡ መጀመርያ እቲ ጸሎተይ ተመሊሹለይ ካልኣይ ድማ፡ ክንዳይ የብለዓኩም ኩፖነይ ወዲኤ እየ። ስለዚ፡ ጒዕዞይ “ናብ ሃገረ ሰላም ዜይኮነስ ናብ ሃገረ ነግራም” እንተኾነ እውን ኣይግድሽንን እዩ፡ ኢለ እቲ ዕድመ ብተሓጓስ ተቐቢለዮ። ድሓር ድማኒ ኣብታ ኣብ 2020 ዚገጠምክዋ “ኮሮና እትብል ግጥመይ “መን ክፈርሓካ “ኢለ ጽርፍ ኣቢለዮ ስለ ዝነበርኩ ወነ ዚፍትን ነገር ምስ ዚመጽእ ከምቲ እትብሎ ኾንካ ክትረከብ ኣሎካ ኢለ ክዳውንተይ ክሓጽብ ንሩባ ገጸይ ወሪደ ባሊጃይ ነጋጊፈ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ቅድመይ ገቲረ ቀትሪ ብብርሃን ጸሓይ ለይቲ ድማ ብብርሃን ወርሒ እናቖጸርኩ ሓምለ 29 ሓሙስ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ካብ ከተማ ሳን ዲኢጎ “ኩምባያ ማይ ሎርድ ኩምባያ”እናዘመርኩ ንከተማ ንዩ ዮርክ በረርኩ ። ድሕሪ ናይ 5 ሰዓት ጒዕዞ ሰዓት 3፡40 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ጀይ ኤፍ ከይ  (JFK) መዕለቢ ነፈርቲ ዓሊበ። እዚ“መዕለቢ” ነፈርቲ ዚብል ቃል እቶም ቋንቋ ትግሬን ትግርኛን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ኣብ ረድዮ ዚፈነዉ ሓርበኛ ኣቦና ግራኣዝማኣች ልጃም እሽሓቅ ዚተወሓስክዎ እዩ ። ቅድሚኡ መዕርፎ ነፈርቲ ይበሃል ነይሩ። መዕርፎ ሆተል እዩ። እቲ ዜገርም ነገር ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ህይወተይ ኣብ ነፋሪት ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ምድቃሳይ እዩ። ፍርሒ ናይ ኮሮና ድዩ፧ ኮሮና ድኣ መን ክፈርሓካ ኢለዮ እንድየ! ወይስ ተርቢጽ(turbulences)(ሃኖባጽ)ብትግሬ። ወይስ እርጋን ወይስ እቲ ማስክ እንታይ ከም ዚኾነ ዜምኡ ጠፊኡኒ ኣሎ። ዚኾነ ኾይኑ ወርሒ ነሓሰ 1,2021 ኣነን ጓለይን “ችክችክ ባምባም” እና ደረፍና ካብ ከተማ ፊሽኪል (ንዩ ዮርክ ስተይት)ን 5 መዓልቲ ናብ ሮደ ኣይላንድ(Rhode Island) ከድና። ኣብኡ ምስ በጽሓና ቀትሪ-ቀትሪ ኣብቲ ጽቡቕ ገምገም ባሕሪ ናይታ ክፍለ-ሃገር እናወዓልና ምሸት- ምሸት ኣብታ ሆተልና ቐኒና ዓርቢ ነሓሰ 6,2021 ናብ ፊሽኪል፡ ከተማ ንዩ ዮርክ (Fishkill, New York) ተመሊስና። ድሕሪ 6 መዓልቲ ድማኒ፡ ነሓሰ 14,2021ንቦስቶን ከተማ መሳቹሰትስ ኣምሪሒና ልክዕ ሰዓት 12 ድሕሪ ቐትሪ ናብ ሆተልና ኣቲና። ንጽባሒቱ ሰንበት ኣጋ ንግሆ ንሓደ ኣብ ከተማ ቦስቶን ዚቕመጥ ሓውና መምህር ሃብተ “ቃኘው” ዮውሃንስ ደዊለ ዞባኡ ( ዞባ) ደፊረ ከም ዘለኹ ምስ ነገርክዎ “የእ! ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ መፍትሕ ናይታ ከተማ በዓሉ ወሳዲ” በለኒ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ እምበኣርከስ ምሸት ሰዓት 5 ኣብቲ ኣብ ከተማ  ሳመርቪል ዚርከብ ኣሰምብሊ ሞል (Assembly Mall  Summervill,Mass.)ንራኸብ ኢሉኒ። ልክዕ ከምቲ ቈጸራና ኣነን ጓለይን ኣቐዲም ኣቢልና ኣብታ እተቈጸርናላ ቦታ ጸኒሕናዮ። ሃብተ፡ እውን ድሕሪ 10 ደቃይቕ ጠበሽ በለ። ኣዝዩ ምዉቕ ሰላምታ ምስ ተለዋወጥና ቡን ኣዚዝና እናሰተና ብመጀመርያ ብዛዕባ ናይ ገለብን በለዛን ቦርዲንግ ስኩልን መምህራና ኣዕሊልና። ደድሕሪኡ ናይ ቀደም ስእሊ ኣርኢዩኒ፡ መነመን ከም ዚዝክር ሓቲቱኑ ገለ ዘከርኩሉ። ሕጂ ድማ ኣነ እውን ብወገናይ ሓደ ኣዚና እንፈትዎን እነኽብሮን ቦኽሪ ተቐባሊ ዶክትረት ድግሪ ካብ ደቅ(ደቂ) ሃይገት፡ ብዙሓት ሙሁራትን  ፕሮፈሰራትን ኣመሓደርትን ሓካይምን ዜፍረየ መን ሙኻኑ ኣብዛ ስእሊ ባዕልኹም ኣለሊኹም ኣብቲ ርእይቶ (Comments)ዚብል ክትጠቅስዎ ብትሕትና ይሓትት።

መምህር ሃብተ ኣብ 1975- 1976 ንሓደ ዓመት ኣብቲ ካብ ኣስመራ ዚፍኖ ዝነበረ ረድዮ መደብ ትግሬ ብሓንሳብ ንሰርሕ ስለ ዝነበርና ናብቲ ካልኣይ ተዘክሮታትና ኣቲና ። ሃብተ ከመይ ገይሩ ንበረኻ ናብ ሸዓብያ ከም ዚወጸን ሓቲተዮስ ምስ ነገረኒ ኣነ እውን ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ኣባላት ከም እተሓተትኩን ተዓፊኑ እዩ ዚኸውን እምበር ከመይ ዚበለ እሙን ሰብ እዩ ዚብል ናኡ ምስምስ መልሲ ከም ዚሃብክዎም ኣጻዊተዮ። እቲ ነገር ክብድ ዘበሎ ናይ ኣድሓነት ዓንዶም ክፍሊ ትግርኛ ንሳው’ን ምውጻኣ እዩ። ክልተ ሰብ ብሓንቲ መዓልቲ ወጺኦም ማለተይ እየ ። ሽዑ እውን መምህር ሃብተ ምስ ኣድሓነት ዓንዶም ኣብ ሓንቲ ምሸት ብሓዝሓዝ ኣቢሎም ከም ዚወጹ ኣጻዊቱኒ። ዕላልና ምስ ወዳኣና ሃብተ፡ ናብ ድራር መሪሑና ከመይ ዚበለ ሙኡዝን ጥዑምን ኣጸቢቕና ዘስተማቐርናዮ መግቢ መጊቡና። ምስ ተመገብና መኪናና ዓቂላትሉ ኣብ ዝነበረት ጎደና ካናል (Canal Street, Summervile) እናተጓዓዝና ኸለና ጓላይ “ዳድ፡ ናይ ኣምሓርኛ ወይ ናይ ትግርኛ ፍደላት ርእየ ኣብዚ ማርሻ ፐዲ “ምስ በለት ግልጽ ኢልና እንተ ርኣና ፍደላት ትግሬ ኾይኑ ረኺብናዮ ። ከምዚ ይብል “እንሰር ሃለካ “ኣብዚ ኣሎኻ።

ብጣዕሚ ደንጺዩና! እቲ ጽሑፍ ብባንደራ ናይ ኤርትራ ዝተዓጀበን ኣብ ማእከሉ ምስሊ ገመል ዘለዎ እዩ። ንቁሩብ ደቃይቅ ትኲር ኢልና ምስ ርኣናዮ ጓለይ “ስእሊ ንውሰድ’ ኢላ ኣነን መምህር ሃብተን ኣብ ልዕሊ እቲ ጽሑፍ ደው ኢልና ተሳኢልና።

 ካብ ጸጋም፥ መምህር ሃብተ ፥ ሙሴ በኪት

“ከመይ ገራ ድኣ ርእያቶ፧” ትብሉ ትኾኑ ወይለኸ፧  ለክትፈት ኖሳ ኣሰኣላታ። እታ ስጋ ባዓላ ነጊርታ ።ብድሕሪኡ ንጓላይ ተገዲሳ ርእያ ስለ ዚረኸበቶ ኣመስጊናያ ደሓን ሕደር ደሓን ሕደሩ ተባሃሂልና እናተገረምና ተፈላሊና። ሕጂ እቲ ተሪፉ ዘሎ ዘይተቐልዔ ምስጢር ናይ ሳመርቪልን ከተማ (Summervile)ምስ ቋንቋ ትግሬ ዘለዋ ምሕዝነትን ዲፕሎማስያዊ ርክብ እዩ።  ሳመርቪል ከተማ ንቋንቋ ትግሬ ክንድዚ ዚኣክል ኣኽብሮት ስለ ዚሃበታ ኣብ ግዜ ሓጋይ ኣዝዩ ምሹእን ዝሑልን ንፋስ ዘለዋ ከተማ ስለ ዚኾነት ንዝመጽእ ዓመት ዕረፍትኹም ኣብ ከተማ ሳመርቪል ድኣ ይኹን ። ናይ 2022 ዓመታዊ ናይ ደቅ(ደቂ) ሃይገት ዋዕላ ኣብ ከተማ ሳመርቪል እንተ ዚግበር ጹቡቕ ነይሩ ይብል ። “ዚገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ“ኦፕስ! ከተማ ሳን ዲኤጎ ብጎቦ ዓይና ሕማቕ ገራ ስለ ዚጠመተትኒ ናይ ክረምቲ ዕረፈትኹም ድማ ኣብ ከተማ ሳን ዲኤጎ ኣሕልፍዎ ድኣ ።  እንተ እቲ ምስጢራዊ ምሕዝነት ከተማ ሳመርቪልን ቋንቋ ትግሬን ምቕላዕ ንሱ ናባይ ግደፍዎ። “ለራስ ሲቆርሱ ኣየሳንሱ” ዚብል ናይ ኣምሓሩ ምስላ ኣሎ ። ምቅሊትካ ኣይተንእስ ከም ማለት ኪኸውን ኸሎ ብትግሬ ከም “ሰነት ኖስ ቃርብ” ማለት እዩ እሞ ፡ቱታ ክብል ፍቐዱላይ “The sun never sets on the Tigre language” ካብኡ ካብ ከተማ ቦስቶን (መሳቹሰትስ) ነሓሰ 17,2021 ፍርቂ መዓልቲ ንንዩ ዮርክ ኣምሪሒና። ይኹን እምበር ቁሩብ 2 ማይልስ ምስ ከድና ሓደ ነገር ትዝ ኢሉኒ “ኸነዲ -ኸነዲ ኣብ ክንዲ እኽሊ ተረንሽዋ ሃበና ሰልዲ” ተባሂሉ ይድረፍ ነይሩ ኣብ 60ታት እሞ፡ እዛ ጓለይ፡ እቶም እንዳ ከነዲ ኣብዚ መጺኡስ ረጊጹና ኸይዱ ከይብሉኒ ዚበልዔት ከብዲ ፎእ እንድያ ብከፕ ካድ (Cape cod) ገርና ድኣ ንሕለፍ”ኢለያ ። ከምኡ ድማ፡ ገበርና እግረ መንገድና ንእንዳ ከነዲ መዓላትኩም ምስ በልናዮም ፡ ናብቲ ጥቓ ገዝኦም ዘሎ ገምገም ባሕሪ ኣምሪሒና ኣብኡ ክልተ ሰዓት ገርና። እቲ ገምገም ባሕሪ ኣዝዩ ዚጸበቐን ዚጸረየን ኾይኑ ረኺበዮ ኣሎኹ።

ካብኡ ገናሒት ወይ ድማ ኣውቲስታ ናይታ መኪና ጓለይ ስለ ዝነበረት “ኣውቲስታ ወርቂ ሰዓታ። ሸኾርተት ኣቢላታ። ንራቭ ፎር ተዮታ። ኣንታ እዛ ጓለይ የብላን መሰታ።”ቢለ፡ እናደረፍኩላ ንከተማ ፊሽኪል ገጽና ኣምሪሒና። ጓለይ እውን በቲ ደርፊ ተነዪታ ፍሽኽ ምስ በለት እተን ምጭዋት ዲምፕልስ (dimples) ናይ ምዕጒርታ መሳኹተን ከፊተን! ኣሃሃሃሃ። (ዲምፕልስ dimples ብቋንቋ ትግሬ ጭምብሮዖታት ድቅም ንብሎ) ልክዕ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ጉዑዞ በርደን ሳላማ ብደሓን ኣብ “ሰኬዔትና”ኣቶና። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማኒ ኣነ፡ ነሓሰ 19,2021 ኣብታ ናይ ቀደመይ ከተማ፡ ከተማ ሳን ዲኤጎ ተመሊሰ ። ሕጂ ንድሕሪት ምልስ ንበል እሞ፡ ምስ ከተማ ፊሽኪል (Fishkill) ከላልየኩም እየ። ፊሽኪል ካብ ከተማ ንዩ ዮርክ ንሰሜን 200 ማይልስ ሪሒቃ እትርከብ ንእሽትለይ ከተማ እያ። “ፊሽኪል” ናይ ቋንቋ ዳች ቃል እዩ ። ትርጉሙ ድማኒ፡ ስንጭሮ ማለት እዩ ኢሎምኒ። ግን ከረጋግጻ ኢለ ኣብ ሆላንድ ዚቕመጥ ናብ ሓደ ዓርከይ ደዊለ “ጎሮሮ ዓሳ’ ማለት እዩ ኢሉኒ።  ንሙዃኑ ፡ መምህር ሃብተ ቅጽል ስሙ “ቃኘው” እዩ ። ኣብ 60ታትን 70ታትን ሓፍቱ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ናይ ኣሜሪካ ናይ ነቪ (Navy) መዓስከር ቃኘው ስተሽን(Kagnew station) ዚበሃል ትሰርሕ ስለ ዝነበረት ክዳውንቱ ኾነ ጫማታቱ ኩሉ ናይ ፒኤክስ ካምፓኒ እዩ ነይሩ ፡፡ ስለዚ “ቃኘው” ዚብል ቅጽል ስም ኣውጺኢናሉ። ቃኘው ስም ፈረስ ናይ ውግእ (warhorse) ናይ ራእሲ መኰነን ሓደ ካብቶም ጀነራላት ናይ ንጉስ ምኒሊክ ዝነበረን ኣቦኡ ንንጉስ ሃይለ ስላሴ እዩ። እምበኣርከስ ብካልእ ጽሑ።ፍ ክሳብ ንራኸብ ደሓን ኰኑ ። ደሓን ኰኑ ክብል እንከለኹ ጽቡቕ ጥዕና ንዓኻትኩም ይኹን ማለታይ እየ እምበር ይሰናብተኩም የለኹን ።

Posted in Posts.

12 Comments

  1. Simply, I enjoyed the vacation story, comments and the mistrey of Tigre in Summerville, MA. Can waite to hear what is coming next.

  2. ኣውኪር ወኣውኪራት እምበል ቅያስ ለነከብሮ ወላእንፈትዯ ንኡሽ እንደ ሃላ ናይ መምህርነት መዓርግ ለትጋባሳዓ ካብዝሓም ሙሁራም ኢካራ ፕሮፈሰር ገርዝግሄር በኪት ላፋራ እታ ስእሊ ፈሩጎ እቤ ከዓልኮ ወኣዜ ዶክቶር ምስግና እዛዝ ኣለለዩ :: ወህቱ እትላ ስእሊ ምን ድገለብ ኣስክ ሸንከት ድማን ዶክቶርር የጊን ህብተስቱ እብ ዕምሩ ንኡሽ መምህር እንደሃላ🤣🤣🤣🤣ብራቮ ዶክተር ምስግና :: ፕሮ/ ገረዝግሄር ኣለለዩ ከዓላ እሊ ልግባእ ዲኢኮን እግል ብዕዳም ፓንታጆ ምን ሃይብ ሓይስ በላ::

  3. I love your article and look forward for the answer for the mystery of the Tigre words on the pavement of one of the streets of Somerville. To answer your question, on the group picture, on the upper row 2nd from left is young Dr. Yegin Habtes. Thanks Mesghina Ezaz.

    • ኣብቲ ስእሊ ብግዜ ንእስነቱ ናይ ምምህርና መዓርግ ለቢሱ ብዙሓት ሙሁራት ዜፍረየ ከም እኒ ፕሮፈሰር ገረዝግሄርን ፕሮፈሰር እስጢፋኖስ ተኣምራት ካልኦት ብኣማእት ዚቁጸሩ ኤርትራውያንን ደቂ ትግራይን ዘፍረየ ዶክተር የጊን ህብተስ ሙኻኑ ዶክቶር ምስግና እዛዝ ከም ዘለለዮ ክገልጽ ይፈቱ :: ኣብቲ ስእሊ ካብ ጸጋም ንየማን ካልኣይ እዩ:: ገረዝግሄር ኣለልይዎ ነይሩ ግን ንካልኦት ፓንትጆ ሂቡ :: እምበኣርከስ ንዶክተር ምስግና ኣገናዕ ይብሎ::

  4. መርሓባ ወለት ሃይገት ጸጋ :: ልክዕ እዩ: ክትበልዑ ኢድኩም ናብቲ መኣዲ ትንዕ ምስ በለት ነቲ መኣዲ ምንጥል ከም ዘበልክዎ ይርዳኣኒ እሞ ይቕረታ ይሓትት:: እቲ ዝተረኽበ ቃላት ቁዋንቃ ትግሬ ኣብ ዘይዓዱን ዓውዱን ኣብቲ sidewalk ወይ መንገዲ ኣርባዓ ንበሎ መን ተኸሎ ? ንምንታይ? መዓስ? መልሱ ስለ ሓርበተኒ: ነቲ ጹሑፈይ ከም ” ቁዋንጣ ” ገይረዮ :: ነቲ ስጋ ዘልዚልካ ብጨውን በረበረን ልዕጥጥ ኣቢልካ ሰቒልካ እተንቅጾ ንዳሕራይ ግዜ ክትምገቦ :: ከምኡውን ኣብ ክንዲ መጀመርያ ” ፈረስ ዚገዝእ ዓረብያ ገዚኤ” እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሕቶታት መልስታቱ ከካትቶነይሩኒ ግን መልስታቱ ንምብርካብ ግዜ ስለ ዘይፈቀደ ” ከም እዋናዊ ዜና” እሞ ዝርዝሩ ዘይትነግር ምስ በጽሓና ኢልካ እተዓጽዎ ገይረዮ ከይፈተኹ:: ስለዚ እዚ ከም ዕርቡን እዩ:: 🤣🤣🤣 ካልእ እቲ ናይ ዕረፍተይ መዓልታትን ወርሕን ዓመትን ግዜኡ ማለት ከይበሊ ከይሓልፍ እሞ መቐረቱ ከይጠፍእ ሓሲበ እውን:: ሕጂ እሞ: እንታይ ይግበር ኣሎ ? እወ መምህር ሃብተ ምስ ሰበ ስልጣን ሙንሲፓሊቲ ናይታ ከተማ ተራኺቡ ንሕቶታትና መልሲ ክረኽቡሉ ዕዮ ገዛ ጀሚሩ ኣሎ :: ብወገነይ ኸ? ኣነውን ምስ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ከተማ ሳን ዲኢጎ መዝነት ዘለዎ ሲቪል ኤንጅነር ብከምዚታት ሃብታም ተመክሮ ዘለዎ ተዘራሪበ ንሰኑይ ነሓሰ 30 ቆጺሩኒ እሎ :: ሽዑ ባዕሉ በቲ ንሱ ዚተካህነሉን ዚተመሃሮን ዚተመከሮ ምስ ሰበ ስልጣን ከተማ ሳመርቪል ክራኸብ እዩ:: ሕቶታና ክሳብ መልሲ ዝረክብ : ህንጦትና ክሳብ ዚዓግብ እንተ “ብውዲ እንተ ብግዲ ” ጻዕርና ክቅጽል እዩ:: ኣብ መወዳእታ ” ደሓን እት እዴ ረቢ ወድፋእ ዲብ መለሄይ :ሕት :ወሑ ” ስለ ዚኾነ በቲ ደረት ዘይብሉ ናይ ወትሩ ምትብባዕኺ የመስግን :: ነሃር ሲዒደት እግል ክልና::
    ሑኪ ሙሴ::

  5. Dear Mussie,
    I loved your article and the way you presented it, but it was a cliffhanger. It felt like reading a good book where the author keeps you so engaged and you keep on racing through the pages to find out the mysterious plot but then the story ends unresolved and leaves you in suspense. 🙁
    Our curiosity is intensifying now and you need to do something about it. You need to use all your journalist skills and dig to bring us a good explanation answering the how, when, why, who questions of the mystery.
    Hitka Tsega Z.

  6. መርሓባ ዳዊት:: ከርካ ልውሳዕ :: ዎ እንሻልህ ታርፍ ለሃላ በሃለት መን ከረዩ ለቃላት ዎ ሚዶል ወከኣፎ እሊ ቤት ሽቅል ( homework) ናየ ወናይ መምህር ሃብተ ጋብእ ሃላ:: ወላናይላ ስእሊ ብዝሓም ክም ፈተነው ዎክ ለለኣምሮ ነፈር/ት ትራካባ /በት ምን ገብእ ለወክድ ኩሉ ተማ እንደርስ:: ሑካ ሙሴ:

  7. ማራ ሓምዳካ እባ እግሉ ወደ ሃለካ፡ ረቢ ልስደካ ዎሒለት ልሃበካ። እታ ስእሊ ለሃላ ብዝሓም ምሁራም ሓካይም፡ መምህራን ለኣፍራ ነፈር እግል ኣምሮ (ኣለልዮ) ኢቃርኮ። እንሰር ሃለካ ላልብል ምስል ስእሊሁ ክም ከኣፎ መጽዓ ንሳዕ ብዙሕ ንታከ ምንካ። ረቢ ልስደካ።
    ሑካ፡ ዎመክብራይካ፡
    ዳዊት ኢብራሂም

  8. መርሓባ ወለት ሃይገት ርስታ ሓፍተይ :: ግዜኡ ግዜ ዋዛ ምስ ቁም ነገር እዩ :: ምስቲ ዘሎ ቅልውላዋት ናይ ዓለምና :: ከምኡውን ቁዋንቃና ትግሬ ይትረፍዶ ኣብ ኣሜሪካ ኣሰራ ኺርከብ ኣብቲ ዓዳ እውን እቶም ተዛረብታ ሸለል እሎማ እሞ : ” እንሰር ሃለካ” ዚብል ቃላት ምስ ረኣኹ ብኣግራሞት ሻሕ ኢለ :: ከም ዕስለ ንህቢ ኣብ ምድረ በዳ ናይ ሰሃራ ምርካብ ማለት እዩ እሞ : ብኡኡ እዩ እቲ ኣርእስቲ ሓፊስ ዚገበርክዎ :: ካልእ ከምቲ ” እቲ ምስጢሩ ወይ ዜምኡ ምቅላዕ ናባይ ግድፍዎ ዝበልክዎ ድሮ እቲ ዕዮ ገዛ ንሃብተ ሂበዮ ኣሎኹ :: ኣነ እውን ምስ ሓደ ኣብ ከተማ ሳን ዲኢጎ ዚሰርሕ መዝነት ዘለዎ ኢንጅነር ብዘዕባ ኢዚታት ሃብታም ተመክሮ ዘለዎ ይዘራረብ ኣሎኹ:: ክሕግዝ እውን ፍቃደኛ እዩ :: ግዜ እውን ክወስድ እዩ:: ርስታ ናይ ወትሩ ምትባዕኪ ስለ ዘይፍለየኒ የመስግን::

  9. መርሓባ ጸጋይ ሑዬ :: ከርካ ልብዛሕ ::ምን ኣያ ወከኣፎ ላልብል ሰኣል እሊ እብ ኣዜ እፈትሾ እቤ ከሃለኮ :እታ ኩቱብዬ :: ወእንቡቱ ሃለኮ ከእንሻላህ ” ለምስጢሩ” እንረክቦ :: ሰበት ኣትነየትከኒ እብ ድግማን ሓምዳካ :
    ሑካ ሙሳ::

  10. ኩሉ ግሩም ደኤም ላ እንሰር ሄለና ምን ኤዪ ክም ማጻት ኢአሳአልካ ዎ ማራ ሐምዳካ ምን ሑካ ጻጋይ

    • Nice travel narrative. Thank you for taking us with you on your trip. I enjoyed reading every detail and at the same time I learned new Tigre words and beautiful Tigrigna songs.
      I am looking forward to hear the relationship of the Tigre language and the city of Somerville.
      Resta

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *