ሌላ ምስ ፍትሕ መሓሪ – ሳልሳይ ክፍሊ by ብሙሴ በኪት

ሌላ ምስ ፍትሕ መሓሪ ።

ሳልሳይ ክፍሊ።

07/24/21

by

ብሙሴ በኪት።

ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ ኣቦሓጎና መሓሪ፡ ብዛዕባ መርዓን ስድራ ቤታዊ ዝምድናን ዝሙትን (Marriage, family Relationships, Sexual Immorality) ኣብቲ ፍትሑን ስርዓታቱን እንታይ ደንጊጉ ወይ ሓንጺጹ ከም ዝነበረ ርኢና ነይርና። ሕጂ ኣብዚ ሳልሳይ ክፍሊ እቲ ራብዓይ ኣርእስቲ (4) ፍትሕ (Divorce) ሕድጎ ብቋንቋ ትግሬ ንርአ። ኣብ ፍትሕ መሓሪ፡ ሰብኣይ ብዚኾነ ምኽንያት በዓልቲ ቤቱ ክፈትሕ ይኽእል እዩ ይብል። በዓልቲ ቤቱ ግን ብሞት እንተ ዘይኾይኑ ካብ ሰብኣያ ክትፍታሕ መሰል የብላን ይብል። ይኹን እምበር  ሰብኣይ በዓልቲ ቤቱ ክፈትሕ ኰሎ ብቐሊሉ ማለት ብኣብሽርን ሽርሽርን ደሓና ይጽናሓኪ ኢሉ ከፋንዋ ከም ዘይክእል ፍትሕ መሓሪ ማሕለኻ ገርሉ እዩ ነይሩ።

ንሱ ድማ፡ ከምዚ ዚስዕብ እዩ።

(1) ክፈትሓ ኸሎ 3 ግዜ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘፋትሕ ዜሎ ሰብ ዚብሎ ቃል ኣሎ ። እቲ ቃል ድማኒ “ሰቡዕ ሖርመት ትፍገር ወትትበለስ” ሾውዓተ ዓቐበት ትውጻእ ትውረድ፡ ይብል። (ሰለስተ ግዜ ትርጉም ኣለዎ ጽንሕ ኢልና ክንርእዮ ኢና።)

(2) ፍርቂ ንብረት ካብ እንስሳ ዘቤት ትወስድ። እንተላይ ሽልማታን ክዳውንታን ኣቅሑት ገዝኣን። ግራት ግን ኣይትምቀልን እያ። ግራት ርስቲ ሰለ ዚኾነ ኣብ ቤት ኣብ (እንዳባ) እዩ ዚተርፍ።

(3) ቀለብ ናይ ሓደ ዓመት።

(4) ተጣዒሱ ክመልሳ እንተ ደለየ ንኻልእ ተመርዕያስ እሞ፡ እቲ ዚተመርዓዋ እንተ ፈቲሕዋ ክመልሳ ይኽእል እዩ ። ኣብቲ ቅዱስ ቁርኣን እውን ኣብ ትሕቲ (At-Talaq)  ጣላቆት (ምጥላቕ) ነዚ ኣብ ላዕሊ ዚተጠቅሰ ሓንጺጽዎ ኣሎ። ይኹን እምበር እታ ሰበይቲ ናብ ሔማኣ ክትምለስ ኮነ ኢላ ኽትምርዖ እንተ ወሰነት ዓቅድ(ቃል ኪዳን) ከይግበረላ ይእዝዝ። እዚ ነቲ ብቅንዕና  ክምርዓዋ ዚደሊ ሰብኣይ ንምሕላይ ተባሂሉ እዩ። ኣብ ፍትሕ መሓሪ ግን ፈቲሓ ናብ ሔማኣ ክትምለስ ጥራሕ ከም እትኽእል ይነግር። ኣብቲ ሕጊ ናይ ሙሴ (ሞኽሲ) ናይ ጥንታውያን ኣይሁድ ግና ሰብኣይ ነታ ዚፈትሓ ሰበይቱ ናይ ፍትሕ ወረቀት ምስክር ኣብ ኢዳ ምስ ሃባ እዚ ናይ መወደእታ ይኹን ይብል። ሓርነታ ሓራ እዩ፡ “ክውዕየካ ብመንካ ኪዝሕለካ ብኢድካ። “ብናተይ ርእይቶ እታ ሔማኣ ዚፈትሓ ሰበይቲ  ዚምርዖ ሰብኣይ ብፍቕሪ ይኹን ብህልኽ ክፈትሓ ምስ ዘይውስን እቲ ሔማኣ (ቀዳማይ ሰብኣያ) ምሉእ ዕድመኡ ብዕግሽግሽ (ዕግርግር)ይነብር። በዓልኻ እተምጻኦ ሕማም ለካሚኻ በዓሉ ዚመጸካ ሕማም ቀዳውኻ እዚ ምስላ እዚ በዓለይ ዜውጻእኽዎ እዩ ። (ምን ምጋረቼ) ዜሎካ ተወከፍ ኣይትሰከፍ እንድዩ።

ሕጂ ትርጉም ናይቲ “3”ግዜ ንርአ። ቑጽሪ ሰለስተ ጥንካረ፣ ምልኣት፣ ክብደት፣ ትዅረት፣ ኣቓልቦ፣ ተመልክት። ተጣዒስካ ብቐሊሉ ዘይምለስ ውሳነ ተመልክት። (“The number three, therefore, is used at a times to represent intensity, emphasis or added strength.” Insight page 511 “A threefold cord cannot be torn in two” Ec 4:12) መክብብ ምዕራፍ 4 ሕጡብ 12 ከምዚ ይብል “ብሰለስተ ዝኸረረ (ዚተፈትለ) ገመድ ድማ ቀልጢፉ ኣይብተኽን። “ካልኣይ ትርጉም ናይቲ “ሰለስተ” ግዜ፡ ሰበይቱ ክፈትሕ ዚደሊ ሰብኣይ ቅድሚ ሰለሰተ ወርሒ ክነግራ ኣለዎ። ልክዕ ኣብቲ ሳልሳይ ወርሒ ድማ እቲ ፍትሕ ይፍጸም። እቲ ሰለስተ ወርሒ እታ ሰበይቲ ጻርያ ምዃና ማለት ድቂ (ሕኖት ብቋንቋ ትግሬ) ከም ዜይሓዘት ዚረጋገጸሉ ግዜ እዩ። ምነልባት ጥንሲ እንተሎ ግን እቲ ፍትሕ ይቕጽል ቀለብ ቁልዓ ድማ ይስላዕ ። እቲ ዚፈትሕ ሰብኣይ ውላዱ ክቕልብ ይፍረዶ ማለት እዩ። ንምግንዛብ ዚኣክል ኣብ ሕጊ እንዳባ ኣድከመ ምልጋእ(ናይ ሰራየ ሕጊ) ሰብኣይ ሰበይቱ ክፈትሕ ወይ ሰበይቱ ክትፈትሖ እንተ ደለየት ናይ ክልተ ሰሙን ዕድል ጥራሕ እዩ ዚወሃብ።  ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ሓዳር ንግበር ኢሉ ለሚኑዋ ሕራይ ኢላ እንተ ጠለመት እቲ እተለመነትሉ ቦታ እንዳ ሰብኣያ እንተ ዀይኑ ሕልቂ እቲ እተለመነትሉ ቦታ እንዳ ኣቦኣ እንተ ዀይኑ ክልተ ሕልቂ ትኽሓሶ ይብል። ሕልቂ ናይ ቀደም ባጠራ (ቅርሺ) ክኸውን ዀሎ ሕልቂ 12 ባጠራ ማለት እዩ። ክልተ ሕልቂ ክበሃል ዀሎ ድማኒ፡ 24 ባጠራ እዩ።  እዚ ኣዝዩ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ በቲ እዋን እቲ።

ሕጂ ኣብ ፍትሕ መሓሪ ንመለስ። ሰበይቲ ሰብኣያ ክትፈትሕ መሰል የብላን። እንተ ኾነ ግና ክትፈትሕ እንተ ደለየት እሞ ሰብኣያ “እምቢ“እንተበላ ይብል ፍትሕ መሓሪ፡ ሽልማታ ቀንጢጣ ምቀሊታ ገዲፋ ኣብ ወጀረት (ማሕበር) (ኣብ ማሕበር ካምል) ወጺኣ “ ፎእ ጨርቁ ፎእ ወርቁ “ፈቲሐዮ(ፈቲሔዮ) እንተበለት ዚግድዳ የልቦን። ይኹን እምበር ንሰለሰተ ወርሒ ካብ ገዛ እንዳ ኣቦኣ ክትወጽእ የብላን ውሽብ ተኣቱ ምነልባት(ምነልባሽ) ጥንሲን ሕርስን እንተ መጸ ንዳሕራይ ኣካታዒ ከይኸውን ምእንቲ። ካብዚ ቀጸልና ድማ፡ ፍትሕ ናይ ሓዳስ መርዓት ንርአ። መርዓት ነቲ ሰብኣያ (መርዓዊ) “ሓርገጽ”ወይ ገጽ ጉማረ (ጽዖታ ብቋንቋ ትግሬ) መሲሉ እንተ ተረኣያ እሞ፡ ጽልእ እንተ ኣበለቶ ናብ ወጀረት ወይ ማሕበር ምውጻእ እንተ ኤሕፊርዋ ለይቲ ሙሉቕ ኢላ ኣብቲ ጎዶቦታት ዘሎ ዓዲ ተዓቈባ  ትሕደር ። ንጽባሒቱ ግን ናብ ወለዳ ትኺድ ይብል ፍትሕ መሓሪ ። ፎእ ወርቅኻ ፎእ ጨርቅኻ ስለ ዚበለት ምቀሊት የብላን ። እዛ ዚፈትሔት መርዓት ኢዚኣ መበለት(መበል) ኣይትበሃልን እያ። ብቋንቋ ትግሬ”ሕፈነት”ትባሃል። ዘይተመርዓዉ ሰብኡት ሽዑ ንሽዑ ክምርዓውዋ ይቀዳደሙላ ማለት እዩ። እቲ “ሕፈነት”ዚብል ቃል ደስ ዘየብል ቁሩብ ከም ጺያፍ ዚቈጸር፡ ማለት ሑድ “ኣከይ ገረት”ሙዃኑ ምግላጹ ግደታ ክኸውን ዀሎ ምፍላጡ ድማ ኣድላዪ እዩ። ከምእውን ምስ ሰብኣያ ጸኒሓ ዚተፈትሔት ወይስ ዚፈትሔት ዘይወለደት ሰበይቲ እንተ ኾይና መበለት ኣይትበሃልን እያ “ኣሽሓደገት” እያ እትባሃል ብቋንቋ ትግሬ።  ፍቱሕ ወይስ ዚፈትሔ ሰብኣይ ድማኒ “መብል” ይብሃል። ሰበይቱ ዚሞተቶ ሰብኣይ እውን “መብል“ይበሃል እዩ።  ኣብ ዓለምና ሰለስተ ዓይነት ፍትሕ ኣሎ። እቲ ሓደ ባህርያዊ ፍትሕ እዩ። ንሱ ድማኒ ብሞት እዩ ። እቲ ካልኣይ ፍትሕ ድማኒ ብሰንኪ ጢጥ ቂሚጥ ወይ ዝሙት ዝመጽእ እዩ። “ብጢጥ ቂሚጥ ዚባእሱ ካብ ቈልዓ ዘይንእሱ”ይበሃል። ብቆሎ ጥጥቖ ዚባእሱ ማለት እዩ። እቲ ሳልሳይ ፍትሕ ኣብ ግዜ ሕጼ ዚፍጸም ጥልመት እዩ። እስቲ ካብዚ ቀጺልና ድማ ፍትሕ መሐሪ ብዘዕባ እቲ ሕጽይቱ ዝሞተቶ ሕጹይ፡ ኣቦኡ፡ ነታ ዝሞተት ሕጽይቱ ኣብ ናይ ቀብራ ስነስርዓት እንታይ ክገብር ከም ዘለዎን ደበስ ወዱ እንታይ ምዃኑ ንርአ። ኣቦ እቲ ሕጹይ ንመግነዚ ዚኸውን ዓለባን ድሕሪ ቀብሪ ተሓሪዳ እትብላዕ ላም ሒዙ ይመጽእ፡ መታን ኣቦ ናይታ ዚሞተት ጓል ካልእ ጓል እንተ ኣላቶ ሕጽይቲ ወዱ ኽትከውን ክህቦ። እዚ እቲ ደበስ ናይቲ ሕጹይ እዩ። ንሕጼ ዚኣኸለት ጓል እንተዘይብሉ እቲ ሕጹይ ክጽበ ኣለዎ።  እንተ ዘየላኸ፧ ስድራ እቲ ሕጹይ፡ ካልእ ጓል እንተ ተወልደት ይጽበዩ። “ዐድላ ሓጺ እስክ ኣርባዕ ትውልድ (ተውሊደት) ወምኑ ወኬንማ ተውሊደት ብዕደት ወለት ልትጻበር “ፍትሕ መሓሪ ገጽ 107 ለሳብዕ ማደት ንኢሽ ማደት 7 ርኤ። ”ስድራ ቤት ናይቲ ሕጹይ ክሳብ ራብዓይ መትሎ ካልእ ጓል እንተ ተወልደት ይጽበዩ።  እዋይ ጽንዓት! ኣቦ ጓል ኣብተን 7 ዓመት ጓል እንተ ወለደ ዓስቢ ወይ ናይ ደበስ “ሕጽይቲ” ናይቲ ሕጽይቱ ዚሞተቶ ሕጹይ ትኸውን። እዚ ናይ ብሓቂ ኣቦሓጎታትና ንመውስቦ ክንዲ ኣየናይ ዚኣክል ግምት ይህብዎ ከም ዝነበሩ የርእየካ። ግናኸ “ሞት ሕጹይ ዓው ኢልካ ኣይብከን “ተባሂሉ እንድዩ፡ ኣብ ቀብሪ ሕጽይቱ ዘይመጽእ ጠላም ኣብ ቀብሪ ሕጽይቱ ኤይ ኤይ ኢሉ ምብካይ ዜሕፍሮ እንተ ተረኽበ ኣብታ መዓልቲ ሕጼ ንኣቦ ጓል ተዋሂቡ ዝነበረ“ዝክራን”(nuptial gift) ህያብ ይምለሱሉ እምበር፡ ካልኣይቲ ጓል ከየሕልፍሉን  ፍትሕ መሓሪ ይኽልክል ። ሕጹይ እንተ ሞተኸ፧  ነዚ እውን ፍትሕ መሓሪ ከምዚ ኢልዎ ኣሎ። “ኣቦ እቲ ዚሞተ ሕጹይ ነቲ ኣብ መዓልቲ ሕጼ ንኣቦ ጓል ዚሃቦ ዝክራን(ህያብ) ገዲፈልኩም ኣሎኹ እንተ ድኣ ኢሉ ኣቦ ጓል ንሓው እቲ ምዉት ጓሉ ይህቦ። ሓው እንተዘይብሉ ንዘመዱ ይህቦ “ይብል። ስለዚ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ድለትን ሃረርታን ናይ ምውስብ ይሰምር ነይሩ ።

ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። እንታይ ዓይነት ኣኽብሮትን፡ እምነትን ቁም -ነገርን ነይርዎም ኣቦሓጎታትና፧ ፍትሕ  መሓሪ ሰበይቲ ናይ ምፍታሕ መሰል የብላን ክብል ዀሎ ሰበይቲ መመላእታ ናይ ሰብኣይ ከምዚኾነት ሰብኣይ ብዘይ ሰበይቲ ጎደሎ ከምዚኸውን ስለ ዚፈለጠ እምበር መሰለን ክንፍግ ኢሉ ኣይኮነን። (ዘፍጥረት 2፡ 18 ርአ።) ካልእ ምኽንያት ድማ፡ ሰበይቲ፡ ግራት ስለ ዜይትወርስ ወይ ዜይትምቀል ነቲ ቁጠባዊ ህይወታ ኣብ ግምት ዚኣተወ ይመስል። ግራት ኣባናን(ኣብ መንሳዕ) ኣብቶም ቀዳሞት ኣይሁድን ኩሉ ግዜ ካብ እንዳኣባ ናብ እንዳኣባ እዩ ዚመሓላለፍ ነይሩ። ኣብ ከበሳ ግን ግራት ዚወርሳ ዚምቀላ እቲ መሬት ደሳ እንተ ዀይኑ ግራት ዚምሰሓ ኣንስቲ ነይረን ኣለዋ እውን። ስለዚ ንቁጠባዊ ህይወተን ኣታዊ (source of income) ይረኽባ እየን፡ እሞ፡ ሙሉእ ናይ ምፍታሕ መሰል ነይሪወን። ኣብ መንሳዕ ኰነ ኣብ ከበሳ ሰበይቲ ጥሪት (property) ሸቐጥ (commodity) ኣይኮነትን። ዋናኣ ፈጣሪኣ እዩ። ኣብቶም ቀዳሞት ኣይሁድ ግን ሰበይቲ ጥሪት ናይ ሰብኣይ እያ። ምክንይቱ ድማኒ ፡ ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ ከም ዚረኣናዮ ኣቦ ጓል ገንዘብ ስለ ዚወሃቦ እዩ። ሰብኣይ ብቋንቋ እብራይስጢ “ba’al” በዓል ወይ ወናኒ ክኸውን ከሎ ኣድሆህን እውን ይበሃል እዩ። (a’dhohn) ትርጉሙ ኣድሓና፣ ጎይታ፣ ሰበይቱ ማለት እዩ።  ሕጹይ እውን “ba’al “በዓል ይበሃል ሕጽይቲ ድማኒ ቤዩላህ “be’u’lah”ትበሃል። ሰበይቲ ወይ ጥሪት ሰብኣያ ማለት እዩ። (The word ba’al meaning”owner,master,”applied to him, and the woman was called be’u’lah,’meaning “owned as a wife.“ see insight page 1163) ኣባና፡ ሕጽይቲ ጓል፡ ሰበይቲ ኣይትበሃልን እያ፡ ክሳብ ትምርዖ ሰብኣይ እውን በዓል ቤት ኣይበሃልን እዩ ክሳብ ዚምርዖ። እዚ ዝጠቀስኩሉ ምኽንያት ሰበይቲ፡ ኣብ ፍትሕ መሓሪ፡ ከም ኣካል ናይ ሰብኣይ እምበር ጥሪቱ ወይ ሸቀጡ ከም ዘይኮነት ከገንዝብ ኢለ እየ። ንምንታይ እሞ ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሓድሕድ “ኣካላት”እንተ ዀይኖም ዝፋትሑ፧ ኢልና ምስ እንሓትት ዘይፍጽምና ፍጹማት ኣይኮናን። ዝኾነ ይኹን ጽሑፍ ከይሓስእ ማለት ከይደርቕ“ቅብኣት” ስለ ዜድልዮ ገለ ቁሩብ ካብቲ ኣርእስቲ ውጽእ ኢልካ ፍርቂ ማንካ “ዘይቲ” ጥብ እንተኣበልካሉ ጽቡቕ እዩ። ወልፊ እንታይ ትደሊ፧ ዋእ ወልፊ እምበር። ኣነ ንወልፈይ ንስኻትኩም ድማኒ፡ መኤረምታ፣ ሓበረታ፣ መደረብታ፣ ፈይ ኣይትሕመቁ እናበልኩ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ክሻብ ንራኸብ ደሓን ኩኑ ። ደሓን ኩኑ ኪብል እንከለኹ ጽቡቕ ጥዕና ንዓኻትኩም ይኹን ማለተይ እየ፡ እምበር ይፋነውኩም የለኹን።  ይቕጽል———-  

Posted in Posts.

3 Comments

  1. What a wonderful observation! Thank you very much Dr. Fee F. Habtes for being a source of encouragement to me.
    Huka
    Musa “ Kerai eib arusa “

  2. What a wonderful observation! Thank you very much Dr, Fee F. Habtes for being a source of encouragement to me.

  3. Governor, wonderful writting. The analysis was balanced with biblical references and compered with others culture and faith. The least to say I am proud of you. Keep it coming. Anxiosly, I am waiting to read more of your articles. Thank for your service to the KWH.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *