ንዓለምና ብሓደ“ቋንቋ”ዘዛርብ ዘሎ ኮሮናቫይረስ። by Mussie Bekit

ንዓለምና ብሓደ“ቋንቋ”ዘዛርብ ዘሎ ኮሮናቫይረስ።

ብሙሴ በኪት።

“ታሪኽ ንርእሱ ይደግም “ይበሃል። እወ!ታሪኽ ንባዕሉ ብኻልእ መልክዑ ንርእሱ ይደግም እዩ። ብኻልእ መልክዑ ኪብል(ኽብል) እንከለኹ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ እቲ ታሪኽ እተሰርሓሉ ግዜ፡ ዝነበረ፡ ተዋናይን እንተ ሰብ ዀይኑ ወይስ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን መዓትን እንተላይ ግዜ፡ ፍልልያት ይሃሉ ድኣ እምበር ናይቲ ድግመት ተግባርን ሳዕበናቱን ዳርጋ ይመሳሰል እዩ። ሓድ ሓደ ግዜ፡ ግን ታሪኽ ንባዕሉ ኪደግም ዀሎ ኣንጻራዊ ኣግራሞት፡ ማለት ዜስተንክርን ዜስደምምን ነገር ይፈጥር እዩ። ብዘመን ኖህ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ነፊሊም” ዚብሃሉ(ዝብሃሉ)(ዘፍጥረት 6 ሕጡብ 4 ርአ)ኣዝዮም ንጕዓትን ነውሓትን ደቓሉ(hybrid)ንምድሪ ብዓመጽ ስለ ዚመልእዋ “የሃወ” ዚስሙ ኣምላኽ ንዓለም ብኣቆጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ እብራውያን ኣብታ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል17መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ብ2370 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ (ቅድሚ ምላድ ነብዪ ዒሳ) ብማይ ኣይሂ፡ ኣጥፊእዋ። ካልኣይቲ ወርሒ፡ ብኣቆጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ ናይ እብራውይን መወደእታ ወርሒ፡ ጥቅምትን መጀመርታ ወርሒ፡ ሕዳርን እዩ። (ዘፍጥረት፡ ምዕራፍ 7፡ ሕጡብ 11ከምኡውን፡ ኣብ ቅዱስ ቑርኣን ጁዝ 12 ሁድ 25-50 ርአ።) “ኣይሂ”ካብቲ “እኅ”(ከም“እህ”ይነበብ) ዚብል ናይ ግእዝ(ግዕዝ)ቃል ዚወጸ ኪኸውን ዀሎ ትርጕሙ “ኣጥፍእ፡ ደምስስ፡ ኣዕኑ፡”ማለት እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ኸምዚ ናይ ሎሚ መራኸቢ ብዙሓት፡ ከም ሬድዮ፡ ተለቪዥን፡ ኢንተርነት፡ ጋዜጣ፡ ስለ ዘይነበረ፡ ናይቶም ኣሕዛብ በብዘሎውዎ በብዓዶምን ሽዑ፡ ዜስምዕዎ ዋጭዋጭን ጭራሕ-ምራሕን ብሰፊሑ ንዅላ ዓለም ኣይተገልጸን። ይዂን እምበር እቲ፡ ዋጭዋጭን ጭራሕ-ምራሕን ዓለም፡ ብሓደ ዓይነት “ቋንቋ”ከም እተዛረበት  ይቑጸር ክብሎ ይኽእል። ንሙዃኑ እታ፡ ቀዳመይቲ ዓለም ብማይ ኣይሂ ከም ዚጠፍኤት ኖህ ምስ ሾውዓተ(ሾብዓተ) ርእሱ ሰላ እታ መርከብ ከም ዚደሓነ ነዚ ዜረጋግጽ ሓበረታት ኣሎዶ፧ ኢልና ምስ ነሓትት ኖህን፡ ሰለሰተ ደቁን፡ ሰለስተ ኣንስቲ ደቁን፡ ሰበይቱን፡ ምስ ደሓኑን እሞ፡ ምስ ተፋረዩን እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ኣኻውሕ ብስእላዊ ምልክታትን ብኣፈ ታሪኽ ከም እተሓድገን ኣርክዮሎጅስትስ፡ ብኵዕታ ካብቲ ዚረኸብዎ፡ ብዙሕ ሓበረታት ሒደት ምጥቃስ ይከኣል ። ንኣብነት፡ ቅድሚ ክንደይ ሽሕ ዓመታት፡ ጥንታውያን ደቂ ቻይና፡ ጃላቡን መራኽብን ኪገልጹ እንከለዉ፡ ብምልክት ቁጽሪ 8 እዩ፡ ነይሩ (ነሩ) ።

(እዛ ንእሽትለይ “ቆጽሊ” ካብ ኢንሳይት ቡክ ዝተነጨበት ኢያ።) እቲ ቀዳማይ ፊደል ጃልባ፡ እቲ ካልኣይ ፊደል ቁጽሪ ሾመንተ (8)ንሱ ድማ፡ ኖህ ምስ ሰበይቱ፡ ሰለስተ ደቁን፡ ሰለስተ ኣንስቲ ደቁን፡ ከመልክት ዀሎ እቲ ሳልሳይ ፊደል ድማ፡ “ዐ” ዚመስል ኣፍ እዩ፡ ሰብ ይሕብር ማለት እዩ። እተን ፊደላት ብሓንሳብ ምስ ተጠቅላላ፡ መርከብ(portray)ይገልጽ። (ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳማይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 3: ሕጡብ 20 እውን ኣንብብ።) ካልእ ድማ፡ ማሞዝ(Mammoth) ጃንዳ ኤለፋንቲደ (family Elephantidae)ዓብዪ ዓይነት ሓርማዝ፡ ግን ዓሌቱ ዝጸነተ ኣብ ሩስያ ሳይበርያ ዚተብሃለ በረድ ዘይፍለዮ በሪኽ ጎቦ፡ ከምኡ ዓይነት ሓርማዝ ዀነ እዞም ሕጂ ዘለዉ ሓራምዝ ኪድይብዎ ዜይኽእሉ በሪኽ ጎቦ ኣብ ኣፉ ቆጽሊ መጽሊ ሒዙ ብ1901ዓ.ም.ዚተረኽበ እንሆ።(እዚ ስእሊ እዚ ካብ ኢንሳይት ቡክ ዚተነጨበ እዩ)

እቲ ማይ፡ እናበዝሐ ብዚኸደ፡ ቑጽሪ እቲ፡ ረሳ ናይቲ ማሞዝ፡ እናለዐለ ኸይዱ፡ ኣብቲ መንበስበስታ ወይ ላሃሚቶ (ለሃመት ብትግሬ) እቲ ጎቦ ኵድም ኢሉ ተሪፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዓለም ብሓደ “ቋንቋ” ዘዛረበ ማይ ኣይሂ ካብቲ ልሙድ እብዛም ዜይጓዳእ ዝናም ኣዝዩ ፍሉይ ከም ዝነበረ፡ ብኣጋንኖኣዊ ቃላት ተገሊጹ ንርኢ ። ንኣብነት ብቋንቋ ግሪኽ”ካታክለይስሞስ  (ka-ta-kly-smos)(a cataclysm,deluge)ይብሎ። ትርጕሙ፣ ወደር ዘይብሉ ዕንወት ዜኽትል መዕነዊ  ነገር ማለት ኪኸውን እንከሎ ብቋንቋ እብራይስጢ (ዕብራይስጢ) ድማ፡ (mab-bul) ማዕበል ወይ (heavenly ocean) ውቅያኖስ ሰማይ ይብሎ። ኣብ ሙሉእ ዓለም ብዘዕባ ማይ ኣይሂ፡ ዝዝንቶ ዛንታት ልዕሊ 270 ይበጽሕ። እዚ ድማ፡ ግብጻውያን፡ ቻይናውያን፡ ግሪኻውያን፡ ዘ ደሩድስ ኦፍ ብሪተይን፡ ፖሊስያንስ፡ ኤስኪሞስ፡ ሂንዱስ፡ አሜሪካን ኢንድያንስ፡ የጠቓልል። መወከሲ፡The International Standard Bible Encyclopedia (Vo.2 p.319l) ርኤ። ከምኡውን ኣብቶም ኣዝዮም ጥንታውያን ሰብ ፍልሜ ደስነት(primitive people) ኣብ ኣውስትራልያ፡ ግብጺ፡ ፊጂ፡ ሶሳይቲ ኣይላንድስ፡ ፐሩ፡ መክሲኮን ካልኦት ቦታታት ካብ ማይ ኣይሂ ዚነቐለ ባህላዊ በዓላት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዚበዓል  a’Feast of Ancestors’ or a’Festival of the Dead’በዓል ሺሻይ ናይ ጥንታውያን ኣቦ ሓጎታት፡ ወይ ከኣኒ በዓል ሺሻይ ናይ ምውታን፡ ማይ ኣይሂ፡ ዜስዓቦ ናይ ዕንወተ ህይወት(ሕይወት) ነጸብራቅ ክኸውን ይኽእል እዩ።( ኢንሳይት ቡክ ገጽ 611ርአ።) (According to the book Life and Work at the great Pyramid by Professor C.Piazzi Smyth, Edinburgh, 1867.Vol.2.pp390-391)“ ህይወትን ዕዮን(ሽቅለት)ኣብቲ ዓብዪ ፒራሚድ”ብዚብል ኣርእስቲ ብፕሮፈሰር ሲ.ፒያዚ ስምዝ ኤደንበርግ፡ ብ1867 ዝተጽሓፈ መጽሓፍ  ቮልዩም 2 ካብ ገጽ 390- 391ተጠቂሱ ኸም ዘሎ “በዓል ምውታን ዓመት-ዓመት ኣብ መክሲኮ ኣብ ወርሒ፡ ሕዳር 17 ዚባዕለሉ ምኽንያት ኣብቲ ባህሎም እታ፡ ጥንታዊት ዓለም ብሓደጋ ዓንያ እያ እሞ፡ ኣብ መጻኢ እውን ዘርኢ ደቂ ሰባት ዜዕኑ ክህሉ እዩ፡ ኢሎም ስለ ዚኣምኑ እዩ፡” ይብል ። ከምኡውን ጀ.ጋርነር፣ ላንድን ፣1904,ገጽ4 “ኣብቲ ኣምልኾ ምውታን”(Worship of the dead)ኣብ ዚብል መጽሓፉ፣ በዓል“ዝክር ምውታት ብዅሉ ዚብዓለሉ ምስቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ማይ ኣይሂ፡ ዚመጸሉ እዋናት ብኣቆጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ እብራውያን፡ እቲ ካልኣይ ወርሒ፡ ንሱ ድማ፡  ወርሒ ሕዳር፡ እታ ሻውዓይቲ(ሻብዓይቲ) መዓልቲ፡ ምስቲ ኣቆጻጽራ ወርሕና ወርሒ፡ ጥቅምቲ ይሳነ “ይብሎ። ብኣቆጻጽራ ዓውደ ኣዋርሕ እብራውያን እታ፡ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ማለት፡ መወዳእታ ጥቅምቲ፡ መጀመርታ ሕዳር፡ እያ። እታ ሳልሳይቲ ወርሒ፡ ድማ፡ መወዳእታ ሕዳርን መጀመርታ ታሕሳስ እያ። ኻልእ ብመጠኑ ንዓለም ብሓደ “ቋንቋ” ዘዛረበ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፣ ዝያዳ ዘዛረበ ካልኣይ ውግእ ዓለም፣ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ፡ ሰብ ዜዕለበትላ መዓልቲ፡ ውግእ ቬትናም፡ ውግእ ኣል-ዕራቅ ናይ(1990) ዳግማዊ ውግእ ኣል-ዕራቅ ናይ 2003 ሕጂ ድማ፡ ኣዝዩ ኣዝዩ ኣዝዩ ንዓለምና ብሓደ ዓይነት “ቋንቋ”ዘዛርብ ዘሎ ኮሮናቫይረስ እዩ። ካብ ብሓደ “ቋንቋ” ምዝራብ ሓሊፉስ ንኣፍና ሓደ ዓይነት ቅዲ ክዳን(ሓደ ዓይነት ስፌት)(Fashion) ግን ዚተፈላለየ ሕብሪ ቀለም ዘለዎ ”ማስክ”ዚብሃል ኸም ዚኽደን ገርዎ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ብመጠኑ ዚተራኣየ ለውጢ እንተሎ ከምቲ ርስታ፡ ሓፍተይ እታ” ዱመይ ሓዚለ” ዘርእስታ ኣብ ወርሒ ፡ ሚያዝያ(ምያዝያ)20,2020 ኣብ መርበብ ሓበረታና ተሓቲማ ዚወጸት ግጥመይ ኣብ ዚሃበቶ ርእይቶ፡ “This is the time when we need to laugh more, help each other more, and be more compassionate to one another. Strange times but definitely came to teach us a big lesson, to be more human, to be more present, to be appreciate more” “እምበኣር፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ እዩ፡ ዝያዳ ሰሓቅ፡ ንያት፡ ራዕያ፡  ዘድልየና። ነንሓድሕድና ዝያዳ እንተሓጋገዘሉን፡ ነንሓድሕድና ርሕራሔን ሓልዮትን ድንጋጸን እነርእየሉን፡ ወላ ግርንቢጥ፡ ግዜ ይኹን ድኣ እምበር፡ ብርግጽ መለበሚን ዚያዳ ግብረ ሰናይን ሰብኣዊነትን ክንለብስን ኣጆና ኣጆኹም ኺንብሃሃልን ኣመስገንትን መማሰውትን ኪንኸውን ዚመጸና መሃሪ ግዜ እዩ “ኢላ ነይራ ። እወ! ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነንሕድሕዱ ኪደናገጽን ኪትሓጋገዝን ይርአ ኣሎ ። ዓለምና ካብዚ ተማሂራ፡ ንብድሕሪ ሕጂ ሓልዮትን ርሕራሔን ምትሕግጋዝን ከም ባህሊ ገራ ክትወስዶ ተስፋ ይገብር። ኵሉ ነገር መጀመርታ ከም ዘለዎ መወዳእታ ኣለዎ ። ገጢሙና ዘሎ ፈተና ባህርያዊ እዩ ። ባህርያዊ ነገር ብናቱ ናይ ባዕሉ ናይ ተፈጥሮ ሕግጋት እዩ፡ ዚጐዓዝ። ኣብ ኢድና ኣይኰነን፡ ናቱ ናይ ባዕሉ ናይ ዕበት ደረጃ ምስ ኣብቅዔ ይጠፍእ። እቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሞቱ ሰባት ሰማዕታትና ዀይኖም እንደጋና ከም ሰብ ባቤል ዀይና በብዓይነቱ“ቋንቋታት” እንዛረበሉ ግዜ ይመጽእ ኣሎ። ጥዕናና፡ ሓጐስና፡ ቅሳነትና፡ ነብራና፡ እንደገና ክጥጥዕ እዩ፡ ማለተይ ኢየ። ንሓበረታ ዚኣክል፡ ብሓደ “ቋንቋ”ኪብል እንከለኹ፡ ምሳለኣዊ ዘረባ እዩ። (figurative) ሽሕ እኳ ትፈልጥዎ እንተዀንኩም ኣብ ናይ ስነ ጽሑፍ ወይ ናይ ጋዜጠኛነት ሞያ ክተብርሆ ግደታ እዩ።  ካልእ ድማ፡“የሃወ” ዚብል ቓል (እብራይስጢ) ስም ናይ ኣምላኽ ኪኸውን ኰሎ ትርጕሙ፣”ከምቲ ክዀኖ ዚደሊ፡ ክኸውን እየ”ማለት እዩ። (እስቲ እቶም ደሩስ ጽዮን ናይ ትግሬ ዘሎኩም ደሩሰት 285፡ ሕጡብ 5 ርኣዩ።) ከምኡውን፡ እቲ፡ ዝውቱር”ሃለሉ-ያህ” ዚብል ቓል፡ እቲ “ያህ”(Jah) ዚብል “የሃወ“ማለት እዩ።( መዝሙር ዳዊት፡104፡ ሕጡብ 35 ርአ።) በዓል ሓዲሽ ዓመት ናይ እብራውያን ኣብ መወዳእታ መጋቢትን መጀመርታ ሚያዝያን (ምያዝያ)ኪኸውን ኰሎ እታ ወርሒ “ኣቢብ” ወይ “ኒሳን’ትብሃል። “ኣቢብ”ማለት ልብቅ ሽርናይ ወሺዒር (ቅርኒብ ስርናይን ስገምን)ማለት እዩ።(ኣቢብ ወድ ኣቡና ኣፍታይ ንዝከር።) ምድሪ ወይ መሬት ድማ፡ ምሳለኣዊ ባይታ ኪኸውን ኰሎ፡ ዓለም፡ ከምቲ ሸክስፒር ዚበሎ “መድረኽ” (stage) ናይ፡ ተዋስኦ ኢያ። እቶም “ተዋንያን ወይ ተዋሳእቲ”ድማ፡ ደቂ ኣዳም እዮም ። ሃሰስ ዚበልክዎ መጻሕፍቲ፡ ኢንሳይት ቡክ ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ቅዱስ ቑርኣን፣ደሩስ ጽዮን ፡ ከምኡውን፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዚተጠቕሰ መጻሕፍቲ የጠቓልል።

ንዓይ መርወዪ ወልፊ፣ ግዜ መሕለፊ፣ መዘናግዒ ሰናብቲ፣ ነታ መርበብ ሓበረታና ድማ፡ “ኣይቱሙቲ”መበሊ እዩ እሞ፡ በቲ ልሙድ ምርቓ ይሰናበተኩም።

አስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ፡ ረቢ፡ ምን፡ ቃባ፡ ወዓጸባ፡ ልነጀና።

ኣሚን!!!

Posted in Posts.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *