ገዓት (እከለት) by Mussie Bekit July 8, 2020

ገዓት (እከለት)

ብሙሴ፡ በኪት።

እዛ ገዓት ናይ ኣርያም መሓሪ እያ

ገዓት ዚብል፡ ቃል ካብቲ “ገዓተ” ዚብል ግሲ ዚወጸ እዩ። “ገዓተ” ማለት፡ “ንሓርጫዊ ነገር ኣብ ፈሳሲ ብምእታው እናዀሰ ዓጺቕ ልዕጣጥ ነገር ኣዳለወ፡ ማለት እዩ።” ከምቲ ኢጣልያውያን እቲ ፍቱውን ብሉጽን መግቦም ፓስታ ስፓገቲ ከም ዚዀነ ኵሉ፡ ከምቲ ደቂ ከበሳ እቲ ፍቱውን ብሉጽን መግቦም ጣይታ ሽሮንን ዝግንን ፡ ከም ዚዀነ ኵሉ፡ ከምቲ ኢትዮጵያውን እቲ ፍቱውን ብሉጽን መግቦም ጥረ ክትፎ ከም ዚዀነ ኵሉ ደቂ መትሕት(ማታሕት) እውን እቲ ፍቱውን ብሉጽን መግቦም ገዓት እዩ። ከምቲ ብግእዝ(ግዕዝ)” ወይንሰ ያስተፈስሕ ልበ “ ወይንሲ ንልቢ የሕጕሶ፡ ዚብሃል እከለት(ገዓት)ድማ፡ “ንምርኣያ እተብህግ ንምብልዓ ጥዕምቲ” ቱፋሕ” ናይ ገነት፡ ኢያ። እከለት(ገዓት)ዅሉ ዓዳ፡ ዓለምለኻዊት ኢያ። ኣብ ከበሳ ኤርትራ ዀነ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፍሉይ በዓላት ከም በዓል ቅዱስ ሩፋኤልን ሕርስን ጥንስን ወዘተ. ገዓት፡ ይገዓት፡ እዩ። ስለዚ”እከለት(ገዓት)“ወይዘሮ” እያ። (እከለት)(ገዓት)ብኣምሓርኛ፡ ”ገንፎ” ይብልዋ። ብብሊን፡ ድማ፡ ”ካላ” ይብልዋ፡ ብሳሆ ድማ፡”ዳግሓ” ይብልዋ።)እስቲ፡ ሕጂ ኣብ፡ ሀይገት(ሃይገት)መንሳዕ ክንደይ ኣስማት እከሎታት (ገዓታት)ኸም ዘሎና ካብዚ ቀጺለ ይዝርዝሮ። (1) እከለት(ገዓት)ዓውዲ እኽሊ። እዛ እከለት(ገዓት)ኢዚኣ ነቶም ኣብ ዓውዲ እኽሊ፡ እኽሊ ከኽዱ ዚወዓሉ ሰባት፡ ኽበልዕዋ እትገዓት እከለት(ገዓት)ኢያ። እቶም ኣጓብዝ ነታ እከለት(ገዓት) ኽበልዕዋ ምስ ተቀረቡ ሓደ ኻብኣቶም 3 ኵላሶ ንጭብ ኣቢሉ ነቶም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ሓሳዳትን እኩያትን መናፍስት “እዚ ሂብናኩም” ኢሉ፡ ነተን ሰለስተ ኵላሶ ይድርብየን። (2) እከለት(ገዓት)ሁርሁር ። እዛ እከለት(ገዓት)ኢዚኣ ጥንስቲ ሰበይቲ ክትሓርስ ቅልውላው ምስ ሓዛ ኣዲኣን፡ ምስ ጎሬባብታን ኣንስቲ እንዳ ኣቦኣ (ንጓላ ማለተይ እየ) ዀይነን ብሃታ ሃታ እኽሊ ጥሒነን ዝቅርብኣ እከለት(ገዓት) እያ። “ሁርሁር” ማለት፡ “ሃለብለብ” ታህዋኽ ማለት እዩ። (3) ገሺሽ።

ገሺሽ ማለት ሺሻይ ክብሎ ይኽእል እየ። እዚ ኣብ መዓልቲ ሕጸን መርዓን ተስካርን ዝቕረብ እከሎታት(ገዓታት)ማለት እዩ። (4) እከለት ኣርብዓ (ገዓት ኣርብዓ)

 እዛ፡ እክለት (ገዓት)ኢዚኣ፡ መርዓት ኣርብዓ መዓልቲ ምስ ገበረት ሕጽኖታ ምስ ወደኤት ኣዲኣ ወላዲታን ምስ ኣደታት ኣንዳ ኣቦኣን ጎሬበታን ብርክት ዚበለ እከሎታት (ገዓት) ሒዜን ይበጽሓኣ። ካብተን ብርክት ዚበላ እከሎታት(ገዓታት) እታ ዚዓበየትን ብዙሕ ጠስምን በርበረን ዘላዋ ተመሪጻ እታ ሓማት ኣደ ጓል ንሰብኣይ ጓላ ትህባ። ሰብኣይ ጓላ ተቀቢሉ ምስ ስድራ ቤት ኣቦኡ ዀይኑ ይድረራ። እዛ እከለት(ገዓት) ”ኣርብዓ” ትብሃል። (5) እከለት(ገዓት) ዋጣን ዓንቀር ዚኸልእን ዜናን። ወራዶ መርዓ ኣብ እንዳ ጓል ምስ ኣተዉ ካብቲ ንድራሮም ዚጋዓት (እከሎታት) ብዙሕ ገዓት፡ ሰለስተ ንበይነን ተፈልየን ሓንቲ ንዋጣ፡ ሓንቲ ንዓንቀር ዚኸልእ፡ ሓንቲ ንዜናይ፡ ይወሃባ። እቲ ዋጣ ንቤተ ሰብ እንዳ ጓል ኪዋጢ ይሓድር። ዓንቀር ዚኸልእ ፍሉይ ክብሪ ኣለዎ። ዜናይ ድማ ይምርቕ።( ፍትሕ መሕሪ ገጽ 114- 115 ርአ) (6) እከለት ክሽክሻን( ገዓት ክሽክሻን) እዛ እከለት(ገዓት) ኢዚኣ ኣዝያ ዓባይን ንዓበይቲ ዓዲ ንሹምን ምስለኒን ጭቃን ሼኽን ቀሺን በዓል ውዕለትን እትቕረብ እከለት(ገዓት) ኢያ።(7) እከለት (ገዓት) መኣካት (ወይ መኣኮት)። እዛ፡ እከለት(ገዓት)ኢዚኣ፡ ንእሽተይ ግናኸ ብዘይ ጸባን በርበረን ብጠስሚ ጥራሕ ጨፈቕፈቕ ዚበለት እከለት(ገዓት)ኢያ። መርዓት ካብ እንዳ ኣቦኣ ናብ እንዳ ሰብኣያ ክትነቅል ኣብ በቅሊ ምስ ጸዓንዋ እታ ኣዲኣ ንኤዕሩኽ ናይቲ መርዓዊ ፡ ትህባ፡፡እቶም ኤዕሩኽ ነታ እከለት(ገዓት)ንማለቱ ትንክፍ ኣቢሎም ናብ ኣደ እታ መርዓት ይመልስዋ። እታ ኣደ መርዓት ኣብ ገዝኣ ሒዛታ ተኣቱ እሞ፡ ብድሕሪ እቲ ኣግነት(አብሎ ብትግሬ) ተንኮበት ክፍት ኣቢላ ነቶም ብድሕሪት ዀይኖም ይጽበዩ ዝነበሩ ቖልዑ ክትህባን ካብ ኢዳ ክመንጥልዋን፡ሓንቲ።(8) እከለት(ገዓት)ሕቅነት። እዛ እከለት(ገዓት) ሕቅነት ኢዚኣ ካብተን ካልኦት እከሎታት (ገዓታት) ፍልይ ዚበለት እያ። ኣደታትና ንጠስሚ ዚኸውን ልኻይ ከምክኻ ቍራዕ ይስኽትታ እሞ፡ እቲ ንጠስሚ ዚኸውን ልኻይ ምእንቲ ክመክኽ ኣብቲ ቍራዕ የእትውኦ። ምስ መከኸ፡ ኣብ ሓደ ዓብይ ሒላብ ይግልብጥኦ። ጽንሕ ኢለን፡ ኣብቲ ቍራዕ ኣዝዩ ድኹም ዝተጣሕነ ቆሎ ሓርጭ ስገም የእትዋ እሞ፡ እቲ ዚመከኸ ልኻይ መሊሰን ኣብቲ ቍራዕ ይግልብጥኦ። ኣጸቢቁ ይፈልሕ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ቍራዕ ይወርድ። እቲ ሕሩጭ ኣብቲ ቍራዕ ብታሕቲ ይተርፍ፡ እቲ ጠስሚ ድማ፡ ጸረር ወይ ብላዕሊ ጸብለል ምስ በለ ኣብ “ዕከት”(ብትግርኛ “ዕብንቶ”ይብልዎ መስለኒ) ዚተብሃለ ካብ ቆርበት ጤል ዚተሰርሔ ለቖታ ይግልብጥኦ። ኣብ ውሽጢ እታ ዕከት ኣብቲ መቀሜጭኣ “መ’ረት” ዚተብሃለ ካብ፡ ፍሬ ገርሰት ዚተብሃለት ኦም ዚተጾሞቔ (extracted) ቡናዊ ዚሕብሩ ለገግ ዚብል ፈሳሲ የእትዋላ። እዚ ድማ፡ እቲ ጠስሚ ጥዑም ጨናን መቐረትን ምእንቲ ኺህልዎን ከምእውን ከይስብብ ወይ ከይስይሕ ወይ ከይዕሱ ዚከላኸል (preservative) ለገግ ዚብል ፈሳሲ ነገር እዩ። እቲ ሓርጭ ስገም ድማ፡ እከለት(ገዓት)ዀይኑ ካብቲ ቍራዕ ወጺኡ ናብ ሒላብ ይግልበጥ። እዛ እከለት(ገዓት) ኢዚኣ “ሕቅነት “ትብሃል። ኣዝያ- ኣዝያ ጥዕምቲ ኵትር እቲ ጠዓሚ ኣጻብዕትኻ ትቕርጥም።(9) እከለት(ገዓት) ሕስዕት ።( ብትግርኛ ሓስአ ግሲ ክኸውን ኰሎ ቅብኢ ሰኣነ ማለት እዩ) እዛ እከለት(ገዓት)ኢዚኣ ሰኣን ጸባን ጠስምን ኣብኣ፡ኸላ ትብላዕ።  (10)እከለት (ገዓት)ስንፋእ (ሽምፋእ።) እዛ እከለት( ገዓት) ኢዚኣ መርዓት ምስ ጠነሰት ልክዕ ኣብቲ ሻብዓይ ወርሓ፡ ኣብታ ድሮ ንእንዳ ኣቦኣ ክተሓርስ እትብገሳላ ምሸት፡ ጎሬባብታ ኣብ ገዝኣ ተኣኪበን ዝግዕታኣን ግዒተን ብሓንሳብ ዚድረራኣ እከለት(ገዓት)እያ።(11) እከለት(ገዓት)ድራር። እዛ እከለት(ገዓት)ኢዚኣ ድሕሪ ቀብሪ ናብቲ እንዳ ሓዘን ዘማስዩን ዝሓድሩን ዚድረርዋ እከለት(ገዓት)ኢያ። ቅድሚ ምብልዖም ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ሰለስተ ኵላሶ ወሲዳ፡ ስም ናይቲ ምውት ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ እናረቝሔት ኣብ ትሕቲ እቲ ዓራት በብሓደ ትድርብየን። ካብተን ቀዳሞት ኣደታትና ኣደና ኣግዱባይት ሰይቲ ወድ ምቅልም መንሳዕ ቤት ኣብረሄ ብምግዓት እከለት(ገዓት) ዚወዳደርኣ ኣንስቲ ኣይነበራን። ኣዝያ ጥቅውቲ ኣደ ነይራ። በዚ ሕጂ ዘለናዮ ግዜ(ጊዜ) ድማ፡ እነሆ ጓለይ ወይዘሮ ኣርያም መሓሪ ብዓልቲ ደንቨር (ኣሜሪካ) ተኪኣታ። እዚ እከሎታት (ገዓታት) ትርእይዎ ዜለኹም ጓለይ ኣርያም ዚገዓተቶ እዩ። ስለዚ ብስም እቶም ኵሎም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዚርከቡ መንሳዕ ደቂ ሀይገት(ሃይገት) ኣገናዕ ወሓለ ጓል ወሓለ ወይዘሮ ቅድስቲ ህብተስ ወለት ዕሉም እናበልኩ ንኣርያም የቐንየልና ይብላ።

መወከሲ ናይዚ ጽሑፈይ –ጽሑፋት ናይ ፕሮፈሰር ሊትምንን ናፋዕ ወድ ዕትማንን፡ ካብ ናይ መስታወሻ ደብተረይን (from my journal) ከምእውን ካብ ዓበይቲ ኣሓተይን ዞማይን ኣቶ ኣብረሃም ሐሰብኣነቢ እዩ። እርማት፡ሃናጺ ርእይቶ፡ሃናጺ ነቐፌታ፡ መወሰኽታ፡ መደረብታ፡ ንዓይ ኣይምልከትን እዩ። እዚ ጽሑፍ ቅድሚ ኣብቲ መርበብ ሓበረታ ምውጽኡ ዋንኡ ኣነ እዬ። ኣብቲ መርበብ ሓበረታ ምስ ወጸ ግን ዋናታቱ ኣንበብቱ እዮም ።  ኣስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ ረቢ፡ ምን፡ ቀባ፡ ወዐጸባ፡ ልነጀና።

አሚን!!!

Posted in Posts.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *