“ውዕለታ ኣብ አፍ-ዐበድ(ኣፍዓበት) ትፌደ” by Mussie Bekit

“ውዕለታ ኣብ አፍ-ዐበድ(ኣፍዓበት) ትፌደ”

(“ፋካ፡ እት፡ አፍ-ዐበድ(ኣፍዓበት)፡ ትትፌዴ”)

ብሙሴ በኪት።

June 25, 2020

ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ እተርዘበን ወይ እተገብረን ወይ ካብ ወሃባይ እንቕበሎ ህያብ ምንልባት ክንዲ’ቲ ኣቓልቦ (ኣቕልቦ)ኣይወሃቦን ይኸውን፡ ምኽንያቱ ከም ልምዲ ስለ ዚቘጸር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ግዜ ጭንቂን፣ (ጭንቕን) ኣብ ግዜ ሕማምን፣ ጥመትን፣ ውግእን፣ ስደትን፣ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን፣ ኣብ መርዓን፣ ደርዓን፣ ወዘተ. እተዘርበን እተገብረን እተዋህበን ኵሉ ፍሉይ ኣቓልቦ ይወሃቦ እዩ። ኣብ1981ዓ. ም.ካብ ኣስመራ ንከረን ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ዝተቐየርኩሉ እዋን ዚሰምዓክዎ ነዚ ኣርእስቲ ናይ ጹሑፈይ መመቐሪ ዝኸውን ዕላል ከዋግዕኩም። ሓምለ 6,1977 ዓ. ም. ሸዓብያ ከተማ ከረን ኣብ ዚሓዝሉ መዓልቲ ከም ሲቭል ኾይኑ ዚሰርሕ ዝነበረ ዳርጋ ንኹሎም ደቂ ከረን ኣዳቂቑ ዚፈልጥ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደር ተተሒዙ ብኽልተ ተጋደልቲ ተዓጂቡ ንፎርቶ ከረን ኪኸይድ ከሎ ሐደ ወዲ ከረን ስጃራ እናኣትከኸ ተጓነፎም። ሽዑ እቲ ወተሃደር ነቲ ወዲ ከረን “እታ ኣብ ኣፍካ ዘላ ስጃራ ግዳ ሃበኒ፧ ”በሎ። እቲ ወዲ ከረን ግን እታ ኣብ ጁባኡ ዝነበረት ባኮ ስጃራ ብምሉእታ ሂብዎ። ሽዑ እቲ ወተሃደር ሓንቲ ንዑኡ ክልተ ስጃራ ድማ፡ ነቶም ዝዕጅብዎ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣማቐለ። ይኹን እምበር እቲ ወተሃደር ምስ ካልኦት ምርኮኛታት ምሕረት ተገሩሉ ንዓዱ ንደቡብ ኢትዮጵያ ተመልሰ። ነገር ግን ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ዓ. ም.ካብ ትግራይ ተበጊሱ ብሸነኽ ተስነይ ገሩ ከረን ምስ ዚኣተወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመሊሱ ኣትዩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ ወተሃደር ናብቲ ድኳን ናይ ወዲ ከረን ከይዱ “ክስቶ ኣባይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተተ። “ክስቶ ወጺኡ’ሎ ምስ በልዎ ሱቕ ኢሉ ከደ ። ብኡብኡ እቲ ወዲ ከረን ይድለ ከም ዘሎ ምስ ተነግሮ ናብተን ኣብ ኣካባቢ ከተማ ከረን ዘለዋ ቑሸታት ከይዱ ተሓብኤ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እቲ ወተሃደር መሊሱ ናብቲ ድኳን ናይ ወዲ ከረን ከይዱ “ኣነ ክስቶ ይባሃል በዚ ዕለት እዚ ክስቶ ዝተባህለ (ዝተባሃለ) ውዕለት ዊዕሉለይ እሞ፡ ውዕለቱ ክፈድዮ ደልየ እምበር ንኻልእ ነገር ኣይደለኽዎን ስለዚ፡ እንሀ እዛ ንእሽትለይ ደብዳቤ ሃብዎ ቢሉ ከደ። እቲ ወዲ ከረን እታ ደብዳቤ ምስ በጽሓቶ ከፊቱ ምስ ኣንበባ መን ምዃኑ ፈሊጡ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ናብ ከተማ ከረን ተመሊሱ ተራኻቦ። ድሕሪ ምዉቕ ሰላምታ እቲ ወተሃደር እተገብረሉ ውዕለት ምስ ጸብጸበ ነቲ ወዲ ከረን እንታይ ኪገብረሉ ሐተቶ ። በቲ እዋን እቲ ኣብ ከተማ፡ ከረን ኣዝዩ ናይ ሹኰርን ቡንን ሕጽረት ስለ ዝነበረ እቲ ወዲ ከረን “ድሕሪ ክልተ ሰሙን ተዝካር ናይ ኣቦይ ስለ ዘሎኒ”ብገንዘበይ ዝዕድጎ ገለ ቅሩብ ቡንን ሽኰርን ሚደለኹ” በሎ። እቲ ወተሃደር “በእነ ይሁንብህ” ናባይ ግደፎ ቢሉ ተፋንዩ ንጽብሒቱ ሐደ ኩንታል ቡንን ሐደ ኩንታል ሽኰርን ካብ መኽዘን ዕጥቂን ስንቅን  ናይቲ ሰራዊት ኣውጺኡ፡ ብነጻ ሃቦ። ተዝካር ካኣ ብጽቡቅ ሐለፈሉ። ኣብታ መዓልቲ ጭንቂ እቲ ወዲ ከረን ብስሚዒት ተደሪኹ ነቲ ወተሃደር ጸሪፍዎ ወይ እምቢ ኣይህበካን ኢልዎ እንተዝኸውን ነይሩ ኣብታ መዓልቲ ራህዋኡ እቲ ወተሃደር ነቲ ወዲ ከረን እንታይ ምገበሮ ይኸውን፧ መልሱ ንኣንባቢ ይገድፎ። ብትግሬ ሓንቲ ምስላ ኣላ፡ “ገመል፡ ብሹል፡ ገሮቡ፡ ኢትሕዘዮ፡ እብ ፡ቃስብ”(ዚተባሳጨወ ገመል ብሓይሊ ኺትጽዕኖ ኣይትፈትን ከም ማለት እዩ) ገመል ጠምዩን ዓቢሩን ደኺሙን ከሎ ከቢድ ጽዕነት ጺዒንካዮ ኺተብቅዕ ሕማቕ ገርካ እንተ ድኣ ሃሪምካዮ(ሃሲኻዮ) ክረምቲ ወይ ቀውዒ በሊዑ በሊዑ ህጣራ ምስ ኮነ ካብ መንጎ ብዙሓት ኣለልዩ ፌልዩ ምንጥል ኣቢሉካ ሕነኡ ይፈዲ። (ገመል ብትግርኛ “ገመል” ይባሃል። እቲ“ግመል” ዚብል ብልምዲ ዚመጸ ኣደማምጻ እዩ።) ስለዚ፡ ኣብ መዐልቲ ጭንቒን መከራን ንኻልኦት እትገብሮ ውዕለት ኣብ መዓልቲ ራህዋ መድሕንካ እዩ። ሕጂ ኣብቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክምለስ። ኸምቲ ኵላትና እንፈልጦ ካብ ወርሒ ለካቲት(የካቲት) 2020 ዓ.ም.ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ገገዛና ተወሽብና ኣለና። ኣብ ወርሒ ግንቦት 4,2020 ዓ.ም.ሓንቲ ጻዓዳ ኣሜሪካዊት ጓል ማሕበራ ንብዓልቲ ቤተይ ስልኪ ደዊላ ኣብቲ ኣፍ ደገኹም *ባሽኩቲ (ቢስኩት) ወይ በቲ ልሙድ ናይ ደቂ ሀይገት (ሃይገት) ናይ ቀደም ኣደማምጻ “በቅሳዊት” ገዲፈ ኣለኹ ምስ በለታ ሕራይ” የቐንየላይ”ኢላ ነቲ ማዕጾ ከፊታ ነቲ ባሽኩቲ (ቢስኩት)ንገዛ ኣእትያ ደጊማ ኣመስጊና ተሰናቢታታ። እቲ ባሽኩቲ (ቢስኩት) ኣብ ኣዝያ ንእሽትለይ ናይ ፕላስቲክ ከረጺት ተወሺቡ ብስም ብዓልቲ ቤተይን ስም ኣቦ ሓጎኣን እተጻሕፋ ንእሽትላይ ወረቐት ተሰንዩ፡ ብቁጽሪ ድማ፡ ኣርባዕተ እየን ነይረን(ነረን)። ክልተ ንዓይ ክልተ ድማ፡ ንብዓልቲ ቤተይ ማለት እዩ።

እዚ ህያብ እዚ ብመጠን(quantity)ኣዝዩ ሒደት ይመስል ብዓይነቱ(quality)ማለት ብቑምነገር ኣንጻር ግን ኣዝዩ ምሩጽን ብሉጽን እዩ። ብመዓልቲ ጸበባ ኾነ ብመዓልቲ ራህዋ ድሕሪ እቲ ህያብን ህያባትን ዘሎ ጽቡቕ ፍቓድን ድለትን ሓልዮትን ምዝካርን እዩ ዝቆጽር እምበር ምብዛሕን ምውሓድን ናይቲ እትህቦን እትዋሃቦን ህያብ ወይ ህያባት ኣይኮነን። ‘ካብ ምቕባል ምሃብ የሐጕስ ‘ተባሂሉ እንድዩ። እዛ ፈቃር ሰብ ኢዚኣ፡ ኣብቲ ምሳሌኣዊ ልባ (figurative heart) ኣርባዕተ ሳዕ ኣርብዓ ቦታ ከም ዘሎና በተን ኣርባዕተ ምቁራት ባሽኩቲ ኣብዚ ናይ መከራ ግዜ ስለ ዜረጋገጸትልና ንሕናውን ኣርባዕተ ሳዕ ኣርብዓ ብርኽ ዚበለ “መናብር” ኣብ ልብና ቀሪብናላ ኣሎና። ካብ ውሽብ ምስ ተገላገልና ስዋን ሜስን ዚጽምቘሉ፣ ስቡሕ ዚሕረደሉ፣ ቡን ዚፈልሓሉ፣ ከበሮ ዚውቀዓሉ፣ ጭራን-ዋጣን **ዚዝይምሉ፣ “ብሓኸለን ጥብስን ብርለን ሜስን” ምሳሕን ድራርን ኣብ ገዛና ንዓኣን ንስድራ ቤታን ክንገብር ምዃና ኣብቲ ናይ ልብና “ዓውደ-ኣዋርሕ” ኣመልኪትናዮ ኣለና። ህያብ ብህያብ ኣይምለስን እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ድሕሪ እቲ ህያብ ዘሎ መቐረት የጥፍእ። ወይ“ልቓሕ በሰሮ”ይመስል። ንበል ንሓደ ሰብ ሰዓት ሂብካዮ ንጽባሒቱ ሰዓት ገዚኡ እንተ ድኣ ሂቡካ ቕጭ ይመጸካ ካብ ስክፍታ ተላዒሉ እኮ’ዩ ዚብል ኣትሓሳስባ ይሓድረካ። ብኡብኡ ድሕሪ እቲ ህያብ ዝነበረ ተሐጕስ መቐረቱ የጥፍእ። ብዓልቲ ቤተይ ነቲ ባሽኩቲ ምስ ተቐበለት ንጽባሒቱ ባሽኩቲ ገዚኣ ነታ ገባሪት ጽድቂ መሓዛኣ እንተ ተብጻሓላ ነይራ(ነራ) እታ መሓዝኣ “ዋእ! እንኪ ባሽኩቲኺ ኣየድልየንን እዩ”ማለታ እኮ እዩ ዚብል ሓሰብ ኬሕድራላ ይኽእል እዩ፡ ኤረ ትቕየም እው’ን።(ርግጽ እዩ ከከም ዓዱን ባህሉን እዩ፡ገሊኡ ህያብ ምስ ሃበ ክወብ ዚደሊ ኣይሰኣንን ይኸውን።)  ህያብ ከም ዚሃብካ እንተ ኣውሪኻ እውን ድሕሪ እቲ ህያብ ዘሎ መቐረት ይጠፍእ፡ እቲ ውዕለት እውን ይሃስስ ። ‘የማነተይቲ ኢድካ ዚገበረቶ ጸጋመይቲ ኢድካ ኣይትፍለጦ’ ዚብል ጽሑፍ እዩ። ነቲ በዓል ውዕለትካ ግን ኣዝኻ ግዜ ውስድ ኣቢልካ እስከ ሎሚ ብሓንሳብ ንመሳሕ ወይ ከኣ ንደረር ኪትብሎ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ፡ ኣብ መዕልቲ ልደቱ ወይ ውራዩ ገጸ በረኸት ኪትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ መንገዲ(መገዲ) ጠፊኡዎስ መንገዲ ኪትሕብሮ ምስ ሐተተካ እሞ፡ ምስ ሓበርካዮ እንታይ ዓይነት ባህታ ልቢ እዩ ዚስመዓካ፧ ንሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ሓዜኑ፣ ኣብ ግዜ ሕማሙ፣ ኣብ ግዜ ጸገሙ፣ ኣብ ግዜ ማእሰርቱ፣ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኣብ ኸምዚ ናይ ሎም ዘመን ዓለም-ለኻዊ መዓት እንተ ***ብርዝቂ እንተ ብስንቂ እንተ ብስልኪ ደሐን’ዶ እንተ ድኣ ኢልካዮ እንታይ ይስመዕካ፧ እንታይከ ይስምዖ፧ ቢሒደት ቃላት ብዙሕ ትገልጽ። ብንእሽትለይ ዚጀመርካዮ ተግባር ብዙሕ ተስልጥ። ብሒደት ህያብ ብዙሕ ትድልብ ። ጥራሕ ልቢ የቕልብ።  ኣብዚ ሕጂ እቲ ነቶም ለይቲ ሃንደበት ኣብ ገዝኡ ዘላገሱ ዘይፈልጦም ክልተ ኣጋይሽ በዓል ቤታ”ንሩከት ወለት ድወዳ”ዚገበረሎም ጽቡቕ ተግባርን ድሕሪ ሓደ ዓመት ዚተፈድዮ ዕጽፊ ውዕለትን ኪዝክር ይፈቱ። እዚ ኣብቲ ዝመጽእ ጽሑፈይ ክገልጾ እዬ።  *ባሽኩቲ >ብዓል ሓማተይን ሓማት ገረን ኣደታትና(mothers in-law)ከምእውን ካልኦት ኣደታት ደቂ ከበሳ ንቢስኩት“ባሽኩቲ”ኢለን ስለ ዘድምጽኦ ኣነእውን ንቢስኩት”ባሽኩቲ”ክብሎ መሪጸ። **ዚዝይምሉ> ዜማ ዜስሙዕሉ ***ርዝቂ >ድማ፡ ርዝቅ እዩ። “ውዕለታ ኣብ ኣፍ -ዓበድ(ኣፍዓበት) ትፌደ “ ማለት እንታይ፡ ማለት ከም ዝዀነ ኣብ ዝመጽእ ግዜ(ጊዜ) ኪንርእዮ ኢና።

ኣስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ፡ ረቢ፡ ምን፡ ቃባ፡ ወዐጸባ፡ ልነጀና።

ኣሜን!!!

Posted in Posts.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *