ኣዝዩ ሓጺር ዛንታ መቦቆል ወሎዶታት ደቂ ሃይገት። by Mussie and Gerezgiher Bekit

ኣዝዩ ሓጺር ዛንታ መቦቆል ወሎዶታት

ደቂ ሃይገት።

ብሓልዮት ሙሴ በኪትን ገረዝግሄር በኪትን ዝተዳለወ።

06/14/2020

 እቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ወሎዶ መንሳዕ ምንጩ ካብ ኢሽማዒል ወዲ ኣብራሃም እዩ። ኢሽማዒል ካብ ኣቡኡ ኣብራሃምን፡ ካብ ኣዲኡ ኣጋርን ብ1930 ቅድመ ልደት ክርስቶስ ተወሊዱ። መወከሲ (ኢንሳይት ቡክ Insight Book ገጽ 1225 ርአ።)  እሽማዒል 12 ደቂ ነበርዎ። እቲ ሓደ ካብኦም ቀዳር ይበሃል። ”ቀዳር” ማለት ትርጕሙ ከደራይ ኩን ማለት እዩ። ቀዳር፡ (Kedar) (ምስ ዓበየ ንጉስ ኮይኑ 15 ወለዶ ፈረየ። መወከሲ (ቀዳማይ ዜና መዋእል ምዕራፍ 1. 29-31) እቲ መበል 15 ወለዶ ማልክ እዩ ። ማልክ ድማኒንቅሮሽ ወለደ፡ (Kurashy or kuraish or koreish) (ንምዃኑ ካምል ወዲ ኣሕፈሮም ካልኣይ ወዱ ስሙ ማልክ እዩ ነይሩ ስም ይመርሕ ይበሃል) ቅሮሽ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዓሌታት ፈረየ ። ቅሮሽ ንሎኢ ወለደ፡ ሎኢ ንቃብ ወለደ፡ ቃብ ንካልብ፡ ወለደ፡ ካልብ ንቆሳይ ወለደ፡ (ቆሳይ ወይ ጎዛይ) ቆሳይ ዝፈረዮም ኣዝዮም ብዙሓት ስለ ዝዀኑ ናብ ዓብደመናፍ ንውረድ። (Abdemanaf)ዓብደመናፍ ንዓብደሸምስን ንሃሽምን ወለደ፡ ዓብደሸምስ ንሱፍያን ወለደ፡ ሱፍያን ንመዓውያ ወለደ፡ (Muaiyah I ) ቀዳማይ መዓውያ ብ602 ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ኣብ መካ ሱዑዲ ዓረብያ ተወሊዱ። ካብ 661 -680 ዓ.ም. ብስም ሓደ ካብ ኣቦ ሓጎታቱ” ኡመያ” እተባህለ ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ (dynasty) መስሪቱ ቀዳማይ መዓውያ ንጉሰ ነገስት ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ ኡማያ ተባህለ። ርእሰ ኸተምኡ ካብ መካ ናብ ደማስቆስ (ሶርያ) ኣዛወረ። ንጉስ መዓውያ ካብ 661 – 680 ዓ.ም. ምስ ገዝኤ ብወርሒ ሚያዝያ (ምያዝያ) ወይ ግንቦት 680 ዓ.ም. ሞተ። ኣብ ክንድኡ ወዱ የዚድ ቀዳማይ ብ680 ዓ.ም ነገሰ። የዚድ ብ683 ዓ.ም. ምስ ተቐትለ ወዱ ብስም ዳግማዊ መዓውያ ነገሰ። ይኹን እምበር፡ ብ684 ዓ.ም. ብሕማም ሞተ (ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ ምስ ነገሰ ድሕሪ፣ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ብሕማም ሞይቱ ይብሉ) እዚ ግን ጌጋ ምዃኑ፡ ብምንታይ ንርድኦ ብ683 ዓ.ም. ነጊሱስ ብ684 ዓ.ም ድማ፣ ብሕማም ሞተ። ብድሕሪኡ፣ ወዲ ሓው ኣቦኡ መርዋን ቀዳማይ ብ684 ዓ.ም ነጊሱ 60 ዓመት ምስ ገዝኤ ሞተ። ኣብ ክንድኡ ድማ፡ መርዋን ካልኣይ ብ744 ዓ.ም. ነገሰ። ንጉስ መርዋን ካልኣይ ኣብ 750 ዓ. ም. ደቂ ሓው ኣቦኡ ካብ ዓሌት ሃሽም ምስ ኣዕራብን ፋርስን (ናይ ሎሚ ኢራን) ኰይኖም ብውግእ ካብ ስልጣኑ (ንግስነቱ) ከም ዚግለፍ ገሮሞ። ብኡብኡ ሰርወ (ሰርዌ) መንግስት ኡማያ ብሰርወ መንግስት ሃሽማይት ተተክኤ። ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ ኡማያ ወይስ መንግስቲ መዓውያ ቀዳማይ ን89 ዓመት ኣብ ስልጣን ምስ ጸንሔ ብ750 ዓ.ም. ኣኽተመ። መወከሲ (ዊኪፒድያ ሃሰስ በል) ሃሽማይት ንደቂ መዓውያን ዜድን ሃሃዲኖም ክቐትሉ ምስጀመሩ ዓሌት መዓውያን ዜድን (የዚድ) ካብ ሶርያን ዒራቕን ሱዑድን ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙን ክስደዱን ጀመሩ። እቶም ንየመን ዝሃደሙ ገሊኦም ኣብኡ ክሕብኡ እንከለዉ፡ ገሊኦም ብባብኤል መንደብ ገሮም ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ መሬት ኤርትራ ዓለቡ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ታሪኽ ገጽ 148 – 149 ርአ።) (ከምኡውን ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ ብዶ/ር ኣብርሃም ጳውሎስ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ታሪኽ ርአ።)

ድሕሪዚ፡ ካብ ዓሌት ማዓውያን የዚድን ዝመንጨዉ ኣብ ኢራቅ ብ639 ዓ.ም ዝተደኮነት ”ኩፋ“ እትባሃል ከተማ ዚቅመጡ ዝነበሩ ቑጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ከተማኦም ገዲፎም ሃደሙ። ሓደ ካብኣቶም፡ ሳልሞን (ሱለማን) ቢሃቅ ዚተባህለ (ዝተባህለ) ምስ ብዙሓት ሰዓብቱን 2 ደቁን ኣሕመድን ዓማርን ዚባህሉ ብ1258 ዓ.ም. ንሰንዓ (የመን) ኣተዉ። ኣብኡ ንብዙሕ ግዜ ምስጸንሑ ወዱ ኣሕመድ 3 ኣወዳት ወለደ፡ ንሳቶም ድማ፡ (1) መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) (2) ኣዉሊይ (ኣወሊ) (3) ሙባረክን ኢዮም። መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ሓንቲ ጓል የመን ተመርዕዩ 3 ኣወዳት ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ (1) ባዋብ (2) ናስርን (3) መንሱርን ይባህሉ (ይባሃሉ) ነበሩ። መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ኣቦ ሓጎኡ ሳልሞን (ሱለማን) ቢሃቅን ኣቦኡ ወላዲኡ ኣሕመድ ሳልሞን ምስ ሞቱ፡ ምስ ክልተ ኣሕዋቱን ደቁን ብዙሓት ሰዓብቱን ብባብኤል መንደብ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ኣብ መሬት ዘይላ ዚተባሃለ ናይ ዓፈር(ሶማሊያ) ብ1344 ዓ.ም. ዓለቡ። ቅድሚ ምስጋሩ ግን ምስ ሰበስልጣን ዓቅ-ሱም (ኣኽሱም) (ማይ ንጉስ) ማለት እዩ ጽቡቕ ርክብ መስሪቱ ጸኒሑ። ድሕሪ ቅሩብ እዋን ንመሬት ዘይላ ገዲፉ፡ ናብ ቡረ (ቡር) ዙላ መሬት ኤርትራ ኣተወ። አብ ቡረ (ቡር) ምስ ተቐመጠ ሓንቲ ጓል ሓዉ ኣቦኡ ዘመዱ ጓል የመን የእትዩ፡ 3 ኣወዳት ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ (1 )ኣሕመድ (ሓዞ) (2 )ዓብደላ ቅጽል ስሙ (ሱሩክሶ) ኣብ ሱርኽ እትባሃል ቦታ ኣውራጃ ኣከለ-ጉዛይ ስለ ዚተወልደ “ሱሩክሶ” ዚብል ቅጽል ስም ተወሃቦ (3) ዑመር (ቶርዓ ወይ ጠሮዓ) ወለደላ። ኣሕመድ “ሓዞ” ዚተባህለሉ ምኽንያት ስጋ ብጣዕሚ ይፈቱ ስለ ዚነበረ፡ “ሓዞ” ወይ ”ሓዝዋ” ኢሎሙዎ። ሓዞ ብቋንቋ ሳሆ ስጋ ማለት ኢዩ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዚተጻሓፈ መጽሓፍ ታሪኽ ገጽ 32-34 ርአ።) እዚ ኣብ ላዕሊ ዚተጠቅሰ ኣብቲ “ዛንታ ኤርትራ “ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ብፍልይ ዝበለ መልክዑ ተገሊጹ ኣሎ እምበር፡ እቲ ጸብጻብ ምስቲ ታሪኽ ማርዩን ማንሹን ብመሓመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ብጣዕሚ ይመሳሰል። መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ንሰለስተ ደቁ ኣብ ቡር (ቡሬ) ዙላ መሬት ኤርትራ ገዲፉ ምስ ብዙሓት ሰዓብቱ ንሰሜን ኤርትራ ተጓዓዘ። ኣብ ደቀምሓረ ዝምጃን (ድምበዛን) ዓዲ ተከለዛን ኣውራጃ ሓማሰን ምስ ሹም ዓሌት ባሪግሌ ሹም ደፈረ ተራኸበ። ባሪግሌ፡ ብቋንቋ ኣገውን ብሊንን ኣይትሕደጉኒ፡ ኣይትግደፉኒ፡ ማለት እዩ። መወከሲ (ብዶ/ር ኣብራሃም ጳውሎስ ዝተጻሓፈ ሰረት ታሪኽ ጥንታዊ ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ ገጽ 202 ርአ።) (ደምበዛን 17 ዓድታት እየን።)  ሹም ደፈረ ንመሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ኣዝዩ ፈተዎ እሞ፡ ዘውዲ እትበሃል ጓሉ ብ1348 ዓ.ም. ኣመርዓዎ። ወ/ሮ ዘውዲ ንመሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) 2 ኣወዳት ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ (1) ሙርሳልን (2) ሙራን ኢዮም። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣዲኦም ህላዌኦም ስለዘስግኣ ኣስማቶም ክቅየር ኣለዎ ኢላ ንበዓል ቤታ ስለ ዝተወከሰት ኣቦኦም ተሳማሚዑ ንሙርሳል ማንሹ ኢሉዎ ንሙራ ድማ ፡ ማርዩ ኢሉዎ ። (ወ/ሮ ዘውዲ ምናልባት ገለ ካብ ዓሌት ሃሽማይት መጺኦም ከይሃስይዎም ሰጊኣ ትኸውን) ይኹን እምበር፡ ድሕሪ 10 ዓመት ኣቦኦም መሓመድ ኣረቢ (ዓረቢ) ነቶም ኣብ ዙላ (ቡሬ) ዝገደፎም ደቁ ክርኢንዙላ (ቡሬ) ምስ ተመልሰ ኣብኡ ብሕማም ሞተ። ኣዲኦም ወ/ሮ ዘውዲ ሹም ደፈረ ንማንሹን (መንሳዓይ) ንማርዩን (ማርያ) ትምህርቲ ክርስትና ክመሃሩ ምስ ሓተተት ትምህርቲ ክርስትና ተማሂሮም ኣኸስቲኖም መንሳዓይን ማርያን ተብህሉ። ማርያን ማንሹን (ማለት መንሳዓይን ማርያን) ኣቦኦም ዝመሃሮም ቋንቋ ዓረብኛ ኣጥፊኦም ቋንቋ ትግሪኛ ክዛረቡ ጀመሩ። ድሕሪ ቊሩብ እዋን ኣብ መንጎ ኣባት ነፍሲ ኣቦ ሓጎኦም ሹም ደፈረን ኣብ መንጐኦምን ዘይምርድዳእ ተላዕለ። ኣቦ ሓጎኦም ሹም ደፈረ ብጣዕሚ ይፈትዎም ስለ ዝነበረ፡ ምናልባት ድሕሪ ሞቱ ደቁ ማለት ኣኮታቶም ከይጻብእዎም ኢሉ ካብ ዝተፈላለያ 17 ዓሌታት 34 ሰባት መሪጹ ብ1368 ዓ.ም. ናብ ሀይገት(ሃይገት) ሰደዶም፡ መሬት ሀይገት (ሃይገት) ርስቶም ኪኸውን (ክኸውን) ባረኸሎም።ግዝኣት ሹም ደፈረ ካብ ድንባዛን ክሳብ ኣውራጃ ሳሕል ነበረ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 97 ርአ።) ከምኡውን ንኽልቲኦም ኣመርዓዎም። መወከሲ (ዛንታ ማርዩን ማንሹን ብመሓመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ መጽሓፍን ዛንታ ኤረትራን ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 97 ኣንቢብካ ኣገናዝብ) መንሳዓይ (ማንሹ) ጓል መን ከም ዚተመርዓወን እንተላይ ስማ ንግዜኡ ኣይረኸብናዮን። ነገር ግን ጓል ድምበዛን (ዓዲ ተከለዛን) ከይዀነት ኣይትተርፍን እያ ዚብል ግምት ኣሎና። ማርያ(ማርዩ) ግን ወ/ሮ እሌን ጓል ደርወይ ከም ዝተመርዓወ መሐመድ ዓሊ ራጂ ኣብቲ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝጻሓፎ ዛንታ ማርዩን ማንሹን መጽሓፉ ሰኒድዎ ኣሎ። መንሳዓይን ማርያይን ኣብ ሀይገት(ሃይገት) ን15 ዓመት ብሓንሳብ ምስ ተቐመጡ ብ1383 ዓ. ም. ተፈላልዮም። ማርያይ (ማርዩ) ካብቶም ከሰንይዎም ዚተለኣኹ 34 ሰባት 17 ሒዙ ንእሮታ ኸደ።  መንሰዓይ(ማንሹ) ድማኒ ምስ ኣዲኡ ዘውዲን ካብቶም ከሰንይዎም ዝመጹ ሰባት 17 ወሲዱ ኣብ ሀይገት(ሃይገት) ተረፈ። እዚ ኣብቲ ብመሐመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ ዛንታ ማርዩን ማንሹን ሰኒድዎ ይርከብ። ማርያይን መንሳዓይን ድሕሪ 43 ዓመት ምፍልላይ ኣብ ሓንቲ ዓመት ብ 1430 ዓ. ም. ሞይቶም። መወከሲ (መጽሓፍ መሓመድ ራጂ ዛንታ ማርዩን ማንሹንን ድግም ክልኤ መንሳዕን ብሮደኝ (ሮዲን) ገጽ 2 ርአ።) ሮዲን እታ ማርዩን መንሳዓይን ዝሞቱላ ዓመት ኣይጠቐሳን እምበር ብሓንቲ መዓልቲ፡ ከም ዝሞቱ ጠቒሲዎ ኣሎ። መንሳዓይ በዅሪ ወዱ ኣረቢ (ዓረቢ) ይባሃል ነይሩ፡፡ መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 37 ርአ።) ኣረቢ ብዙሓት ወለደ ግን ብሰንኪ ናይ ሓድሕድ ኵናት ዘርኦም ጠፍኤ ቀጠነ እውን። መወከሲ (ኣስማቶም ኣብ ድግም፡ ክልኤ፡ መንሳዕ፡ ብሮደኝ(ሮዲን) ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ርአ።) ወዲ ወዱ ንኣረቢ (ዓረቢ) መሓሪ ዝተባህለ ግን ፈርዩ ሰሲኑ፡ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ወለደ፡ንሳቶም ድማ፡ (1)ለተዝጊን (2) ኣባዛዝጊን (3) ዑቕባዝጊን(4) ነዋዝጊን ይባሃሉ። ለተዝጊ ሓደ ብሊና (ካብ ዓሌት ቢሊን) ተመርዕያ ዓድ “ዕዋል” ዚባሃሉ ፈረየት። “ዕዋል” ብቋንቋ ትግሬ ተብዓታይ ውላድ ”እርወት“ ኣንስተይቲ ሓርማዝ ማለት እዩ። በዓል ቤታ ንለተዝጊ ዝወለደ ከንቲባ ኣፍርሖም ወዲ ባሕረጋስ (ባሕረነጋሲ) ቶምበሳ እዩ። ዓድ ዕዋል ኣብ ኣውራጃ ከረን ኣብ ሓዲሽ ዓዲ፣ ኣብ ወረዳታት ሓጋትን፣ ሐልሓልን፣ ምድሪ ብሊን ይርከቡ። መወከሲ (ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተስፋማርያም ገጽ 152 ርአ።)

ኣባዛዝጊ ድማ ፡ንቤት ኣበዛ ፈረየ። ዑቕባዝጊ ለተኺዳን ”ኣውዓለት” ዓንዱ በዓልቲ ደቂ ዓንዱ ተመርዕዩ ንኣብረሄን ሻሓቃንን ኣብገላይን ወለደላ። ኣብርሄ ንመንሳዕ ቤት ኣብረሄ ፈረየ። ሽሓቃን ንቤት ሻሕቃን ፈርየ። ኣብገላይ ድማ፡ ንቤት ኣብገላይ ፈረየ። ነዋዝጊ ግን ጻንታ ዀይኑ ሓድጊ ኣይገደፈን ። ለተኺዳን ቅጽል ስማ “ኣውዓለት” እዩ ነይሩ። ደቂ ዓንዱ ካብ ትግራይ ዝመጹ ክዀኑ እንከለዉ፡ ምስ 7 ዓንሰባ ዝቑጸሩ ሓያላት ዓሌት እዮም። ስም ኣደ አብርሄን ሻሓቃንን ኣብገላይን “ኣውዓለት” ካብቲ ዛንታ ማርዩን ማንሹን ብመሓመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብ ካብ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ዝተረኽበ ክኸውን ኰሎ ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ  ሚካኤል ሐሳማ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ታሪኽ እውን፡ ገጽ 91 እንተደኣ ሪኢና ኣደ ኣብረሄን ሻሓቃንን ኣብገላይን ጓል ደቂ ዓንዱ ምዃናን ደቂ ዓንዱ ካብ ትግራይ፣ ዝመጹ ምኻኖም ይገልጽ። ስማን ስም ኣቦኣን ግን ኣይገልጽን እዩ። ከምኡ እውን ዶ/ር ኣብርሃም ጳውሎስ ኣብቲ ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋሲ ኤርትራ ኣብዚብል መጽሓፉ ኣብ ገጽ 160 እንተ ድኣ ሪኢና ደቂ ዓንዱ ካብ ትግራይ ከም ዚመጹ ኣስፊርዎ ኣሎ።

እስቲ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ መሓመድ ኣረቢ(ዓረቢ) ካብ የመን ንኤርትራ ዝተሳገሩ 2 ኣሕዋቱ ኣወሊን ሙባርክን ዝፈረይዎም፡ ዓሌታትና ንርአ። ኣወሊ ዝፈረዮም፡ ኣሸንብራ (ሰብ ምድር) ዝተባሃሉ ኣብ ቤት ጁክ ዝቅመጡ ምስ ዓሌት ዘርኣብሩኽ (ጀራብሩኽ) (ቤት ጁክ) ዝቁጸሩ ፈረየ። ሙባርክ ዝፈረዮም፡ ድማኒ፣ ኣብ ሓንቲ ምብራቅ ሱዳን እትርከብ ደሴትን ከምኡውን ”ምርጃን” እትባሃል ቁሸት ካብ ወድ መደኒ ደቡብ ምብራቕ እትርከብን ከምኡውን “እምሰቀጣ” እትባሃል ቁሸት ዝነብሩ ዓሌታት፡ ፈረየ። ኣቐድም ኣቢልና መሓመድ ኣረቢ(ዓረቢ) ኣብ የመን ዝወለዶም 3 ኣወዳት ማለት፡ (1) ባዋብን ( 2) ናስርን(3) መንሱርን ዝተባህሉ ዝፈረይዎም፡ ኣብ ደሴ (ወሎ) ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ (ዓዲግራት) ከምእተፋረዩ ኣብቲ ዛንታ ማርዩን ማንሹን ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ መሐመድ ዓሊ ራጂ ተሰኒዱ ኣሎ። ከምኡውን ፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ዛንታ ኤርትራ ኣብ ዝብል መጽሓፉ ገጽ 58 እንተድኣ ሪኢና ደጊያት ስባጋዲሽ ፡ (ስባጋድስ) (ትርጕሙ ወረ ውግእ) በዓል ዓጋመ ኣውራጃ ዘርኢ መሓዊ (መዓውያ) ይብሎ። ዳጃዝማች ስባጋድስ ወዲ ሹም ወልዱ ሹም ዓጋመ ካብ 1818 ክሳብ 1831 ዓ.ም. ናይ ሙሉእ ትግራይን ሓማሰንን ጠቕላሊ ገዛኢ ነይሩ ይብል። እዚ ምስቲ መሓመድ ዓሊ ራጂ ዘርኢ ባዋብን ናስርን መንሱርን ኣብ ትግርይን ወሎን ኣለዉ ኢሉ ዝጻሓፎ ዝሳነ ይመስል። ይኹን እምበር ደግያት ስባጋዲስ ካብ ዓሌት ወረደ ምህረት ጅረተ ቀጭን ካብ ላስታ ንዓጋመ (ትግራይ) ዚመጹ ሙኻኖም ጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ኣብቲ መጽሓፉ ታሪኽ መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ካብ ገጽ 86-88 ይሕብር።

እስቲ ሕጂ ትውልዲ መሓዊ (መዓውያ) ዘሎውወን ዓድታት፡ ትግራይን ኤርትራን ንርአ። ኣውራጃ ኣከለጉዛይ 8 ዓድታት።ንሳተን ድማ ፡ ሓዞ፣ ስሩኽሶ፣ ጦሮዓ፣ ወይ ቶርዓ (ቤት ስራሕን ቤት ቡስን) እንጋንኣ፣ ዓደግለ፣ እገላ ሓጺን፣ ሮብራ፣ ቀይሕ (ዓዲ ቀይሕ) እየን። ኣብ ኣውራጃ ሰራዬ 5 ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ጕንደት ዓይላ፣ ጠፋንፋስ፣ ሰማማዕ፣ ዓዲ ሹም ብርሃኑ፣ ትምዛእ፣ እየን። ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን 2 ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ደቂ ሽሃይን፣ ላምዛን። ኣብ ኣውራጃ ሳሕል፡ ክልቴ ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ዓድ ዓምዳይ፣ (ሓዞ) ዓድ ገሃድ፣ (እገላ ሓጺን)። ኣብ ትግራይ ኣርባዕተ ዓድታት ኣለዋ ንሳተን ድማ፡ ሓዞ፣ ስሩኽሶ፣ ስመ፣ ሓነኸ። ኣብ ጂቡቲ ሓንቲ ዓዲ  ሓሶባ። ኣብ ኣውራጃ ደንከል ሓንቲ ዓዲ ሓሶባ (ሓሶባ ጂቡቲን ሓሶባ ደንከልን ) ኣብ ኣውራጃ ከረን ድማ፡ ሰለስተ ዓሌታት ማርያን መንሳዕን ኣሸንብራ (ኣሸናብራ) ኣለዋ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 29 ርአ።) (ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ ብዶ/ር ኣብራሃም ጳውሎስ ገጽ 146 ርአ።) (መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ዝተጻሓፈ መጽሓፍን ታሪኽ ደቂ ኣባት ህዝብታት ኤርትራ ኣልበርቶ ፓለራ ዝተጻሓፈ መጽሓፍን ተወከስ) ሕጂ ካብዚ ቀጺልና መበቆል ዛውል ደቂ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ ንርአ። ዛውል 2 ኣሕዋት ኢዮም። ዝዋቦን ዛውልን። እታ ዛውል ትብል ካብታ “ዜቡል” እትብል ስም ናይ ቦታ ኣብ ዓዲ ከበሳ ከም ዝመንጨወት ይንገር። መወከሲ (ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል  ተ/ማሪያም  ዝተጻሓፈ ገጽ 390 ርአ።) ዛውል ካብታ (ዜቡል) እትብል ናይ እብራይስጢ ስም ወዲ ከይወጸት  ኣይትተርፍን እያ። ትርጕሙ ድማ፣ ምጽውዋርን፡ ልዕል ብርኽ ዚበለ ማለት እዩ። መወከሲ (መጽሓፍ  መሳፍንቲ  ምዕራፍ 9.29-31 ርአ።) ዛውል መበቆሎም  ካብ ነገደ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ኢዩ ይባሃል። ካብቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኣቦ ሓጎታቶም ኣዚና ንታሕቲ ወሪድና ንርአ። ናይ ቀረባ ኣባ ሓጎኦም ደጊያት ክፍለ ወይ ክፍለዋህድ እዩ። ክፍለ 22 ወለዶ ፈረየ። ሕጽር ብዝበለ ኣብ ድምበዛን (ዓዲ ተከለዛን) ዘለዉ ትውልዲ ደጊያት ክፍለዋህድ፡ ደቂ ዓንደሓርያት ወዲ ዘወልደማርያም ዝፈረዮም፡ “ገዛ ጎቦ ቤት ዛውል” ተባሂሎም ይጽውዑ። ካብ ዓዲ ተከለዛን ንወረዳ ሐልሓል ኣውራጃ ከረን ዝወረዱ ዛውለቶት ዓዲ ጉጀር ይባሃሉ። ዛውለቶት ደቂ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ ኣብ ወረዳ ሓጋት ኣውራጃ ከረንን ኣብ ኣውራጃ ባርካን ዘለዉ ዛናን ፋናን ዝፈረይዎም፡ ኢዮም። ንፋናን ዛናን ዝወለደ በርደግ ወዲ ሓውያ ወዲ ዘርኣጽዮን ወዲ ደጊያት ክፍለዋህድ ኢዩ። ዘርኢ ፋናን ዛናን ምስቶም ዘርኢ ጉጃር ኣብ ወረዳ ሐልሓል ኣውራጃ ከረን ምስ ማርያ ቀያሕን ማርያ ጸሊምን ኣለዉ። መወከሲ (መሰረት ዓሌት ህዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይን ካብ ገጽ 98 -100 ርአ ።) ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተ/ማሪያም ገጽ 406 ርአ።) ኣሕዋት ዛውል ደቂ ሀይገት (ሃይገት) ኣብ ኩለን ኣውራጃታት ኤርትራን ትግራይን ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን ሰሜን ካርነሽም ዓዲ ጽዮን ኣብ ደቡብ ካርነሽም ምድሪ ዛውል ምድሪ ጽዮን፣ ደፈረ ደቂ ዮሰፍ ዛውል ኢዮም ። ኣብ ዓዲ ከልከልቲ፣ ወኪ፣ ዓዲ ሻኻ፣ ዓዲ ሰራዋት፣ ኣድግና፣ ዓዲቀ ገነት፣ ወኪ-ዱባ፣ ሽማንጉስ፣ ኣብ ዙላ፣ ቡሪ፣ ኣብ ምለዛናይ፣ ጥቃ ዓዲ ንኣምን፣ ወዘተ. ፋሕ ኢሎም ብዙሓት ዛውሎቶት ይርከቡ ። መወከሲ (ታሪኽ ወለዶ ሕዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተስፋማርያም ገጽ 401-409 ርአ።) ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ኣውራጃ ሰራዬ እውን ኣለዉ፡ ንኣብነት ኲዶ ፈላሲ፣ ዓዲ ኢታይ፣ ተራ እምኒ፣ ታኺታ፣ በልሰይ፣ ቆሓይን ። ብፍላይ ዓዲ ጀይኑን ዓዲ ሰለሙን ዝተባህሉ ኸኣ ኣብ ሰለባ ወረዳ ዔላበርዕድ ኣውራጃ ከረን ኣለዉ። ዛውል ኣዚዮም ብዙሓትን ብርቱዓትን ዓሌት እዮም። ልክዕ ከምቲ ናይ ብን -ዓምር “ናታብ” ከም ናይ ማርያ” ሹም” ከም ናይ መንሳዕ “ከንተባይ” ከምዚበሃል ኩሉ ኣብ ዓሌት ቀዳሞት ዛውለቶት እውን እቲ ሹም ” ዋግ-ሹም” እዩ ዚባሃል ነይሩ። እቶም ገባር ድማኒ “ደቂ ዋግ-ሹም ወይ ደቂ መኰነን” ይባሃሃሉ ነሮም። ምልስ ኢልና እስቲ፣ ዛንታ ኣባ ሓጐኦም ደጊያት ክፍለዋህድ ንርኤ። ደጊያት ክፍለዋህድ ርእሰ ኸተሙኡ መብዛሕትኡ ግዜ ድባርዋ እያ ነራ። ኣሕዋቱ ባሕረጋሳት ነሮም። ንሳቶም፡ ድማ ባሕረጋስ እመሓስላሴን ባሕረጋስ፡ ኣብራሃምን ይባህሉ ። መንበር ግዝኣቶም ዝነበሮ ቦታ ዙላ ነበረ። ባሕረጋሲ (ባሕረነጋሲ) “ኣገረ-ገዥ”(Governor) ማለት፡ እዩ። (በቲ እዋን እቲ ባሕረነጋስ ዚባሃላ ዚነበራ ኣውራጃታት ሰራዬን ሓማሰንን እየን፡ ርእሰ ኸተመኤን ድማ ድባርዋ ነበረት።) ሰለስቲኦም ኣሕዋት ግዝኣቶም ክከላኸሉ ኣብ መሬት መትሕት (መታሕት) ብሸነኽ ሱዳን ምስ ዝመጸ ባዕዳዊ ወራሪ ኵናት ገጢሞም ደጊያት ክፍለዋህድን ባሕረጋስ እምሃስላሴን ኣብኡ፡ ተሰውኡ። ይኹን እምበር ሓዎም ባሕረጋስ ኣብራሃም ከምብሓዲሽ ሰራዊት ኣኽቲቱ ንጸላእቱ ደምሲሱ ደም ኣሕዋቱ ኣደቀሰ። መወከሲ (መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ገጽ፡ 98- 100፡ ርአ።) ዛውሎቶት መቐረት መሬትን ተወጋእትን ሃደንትን ሰብ ኣፍራስን ስለ ዚነበሩ (ዝነበሩ) ኸምዚ ተበሂሉ ይድረፈሎም ነሩ። “ዛውለይ ዛውለይ ኣብቲ ሸኻ ምሳኻ መዓለይ”

ዛውለይ ዛውለይ በዓል ፈረሰ ሕለብ ሕረሰ

ዛውለይ ዛውለይ ንሰማይ ዝበጽሕ ጐተናኻ ሽደን ኣንበሳ ሓዘለይ በጃኻ” (እታ ህብብቲ ናይ ባህሊ ደራፊት ነፍስሄር ጸሃይቱ በራኺ ነዚታት ኵሉ ግዜ ትቃንዮ ነራ እያ)

ኣብ ቤት ሻሓቃን ማሕረስ ዝጅመረሉ ዕለት ዛውለታይ እዩ ዝጅምሮ ነሩ። ኣብ ቤት ኣብረሄ ድማኒ፡ ካብ ቤት ኣባዛ ሓደ ሰብኣይ ሰኑይ ወይ ረቡዕ ማሕረስ ይጅምር ከምኡ’ውን ሓደ ካብቶም ብሩኻት ካብ ዓድ፡ ደሲት ዘርኢ ከንተባይ ደሲት ማሕረስ ክጅምሩ ይሕተቱ ነይሮም። ኣብ ቤት ኣብረሄ እቲ ዝበዝሔ መሬት ናይ ቤት ኣበዛ እዩ ነሩ። መወከሲ (ፓብሊከሽን ኦፍ ዘ ፕሪንስተን ኤክስፐዲሽን ቱ ኣብሲንያ ብ ኤኖ ሊትማንን ኸምኡውን ንመዘከርታ ናፋዕ ወድ ዕትማን ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ገጽ 95 ርአ።) እስከ ሕጂ እውን ወለዶ ተስፎይ ደቂ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ መበቆል ዓሌት ነገደ ሌዊ ንርኤ። ደቂ ሌዊ ናብ መሬት ሓበሻ ላስታ ዝሰገርሉ ምኽንያትን ዘመንን ፍሉጥ ኣይኮነን። ካብኡ ድማኒ ገለ ኻብኦም ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ትግራይን ብብዝሒ ሰፈሩ። ንኣብነት ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን ኣብ ወረዳታት ካርነሽም  ገረሚ፡ እትባሃል ዓዲ ግሩም ዝተባሃለ ዝፈረዮም፡ ኸምኡውን ደቂ የውሃንስ ላሓዊ (ለሃዊ) ዝፈረዮም፣ ኣብ ትግራይን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣውራጃ ሓማሴንን ኣብ ዔላበርዕድ ወረዳ ኣውራጃ ከረንን ኣብትሕቲ ደብረሲና መዓልዲ ቀይሕ ዚባሃል ዚነበረ ቦታ ዚነበሩ ደሓር ብመውስቦ ምስ ማንሳዕ ዝተሓዋወሱን ኣብ ጸዓዘጋ (ኣውራጃ ሓማሰን) ድማኒ ገዛ ላቔን ዓሰነሞ ዚባሃሉ ኣለዉ። ኸምኡውን ዓዛርያ (ኣዛርያ) እቲ ካህን ዚነበረ ዝፈረዮም፡ ጨንሓረ ዝስሞም ወይ ጽዮን ሓረዮ ድሕሪ ግዜ ምንዋሕ ናብ ጨንሓረ ተቐየረ።  ቐሺ ሃብተጊዮርጊስ ዝፈረዮም፡ ኣብ ማእከል ሰገነይቲ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣለዉ። ኣብ ደቂ ኣከለ ድብድብ ዝተባሃለ ዓዲ ሽመዛና እውን ኣለዉ። መወከሲ (ብዛዕባ ስም ካህን ዓዛርያ 1ይ፡ ነገስት፡ ምዕራፍ፡ 4-2 ርአ) ከምኡውን መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ምዕራፍ 42፡ ካብ ገጽ፡ 72 -76 ተመልከት) (ዓዛርያ ስም ክኸውን ከሎ እብራይስጢ እዩ።  ትርጕሙ ድማኒ ” እግዚኣብሄር፡ ሓገዘ” ማለት እዩ ይበሃል። ወለዶ ተስፎይ ደቂ ሀይገት(ሃይገት) ከመይ ገሮም ንሀይገት(ሃይገት) መጹ? 3 ኣሕዋት ጠቅራይ፣ ባርገለይ፣ (ባርግለ)፣ ዎ ኳዜናይ፡ ካብ ነገደ ሌዊ ዝመንጨዉ ካብ ካባሳ ወሪዶም ኣብ መሬት ማንሳዕ ገድገድ እተባህለ ቦታ ሰፈሩ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ (ጊዜ) ባርገለይን (ባርግሌ) ኳዜናይ ንከበሳ ደየቡ። ጣቅራይ (ጠቀር) ግን ርእሰ ኸተምኡ ኣብ ዕንክለት ጨጋ ገሩ በዝሔን ሃብተመን። ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰሓርትን እገላን ካብ ካበሳ ወሪዶም ዘመትዎም ብዙሕ ሰብ እውን ቀተሉሎም። እቶም ዝተረፉ ግን ንግዓዝ ወይስ ኮፍ ንበል? ኣብ ዝብል መሪር ክትዕ ኣትዮም ኣብ ሓዲኡ ክዓልቡ ስለዘይከኣሉ ተስፎይ ዚተባህለ “ክል፡ ቤት፡ ኣድጋ፡ እትላ፡ ማርሓ፡ እላ፡ ቲጊስ” ኢልዎም። ነፍስ ወከፍ ቤት ኣድጋ ኣብ ዝመርሓ ቦታ ትኺድ ቤሎም። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ቤት ኣእሰር፡ ኣድጋ ፈትለኽ በለት። ገሊኦም ንሓባብ ገሊኦም ናብ ዛውል (መንሳዕ) ገሊኦም ንጦሮዓ (ቶርዓ) ኣከለጉዛይ ኣምርሑ። ተስፎይ ናብ መሬት ዛውል (መንሳዕ፡ ቤት፡ ሸሓቀን) ኣብ እንድርታይ ደየበ። ኣብ እንድርታይ ካብ ሰብ (ዓሌት) ኣደገ ቤተሰባ ዝጠፍኤ ሰበይቲ ምስ ኣጣላ ጸኒሓቶ። ተስፎይ ጋሻኣ ኾይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ተመርዓዋ፡፡ ዑቕባጮን እተባህለ ወዲ ወለደላ። ዑቕባጮን ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሔ ኣቦኡ ተስፎይ ናብ ረአስ ድጌ ዛውል እምባ-ዛውል ከይዱ ዛውለተይቲ ጓል ኣምጺኡ ኣመርዓዎ። ጠኒሳ ክትሓርስ እንዳ ኣቦኣ ከይዳ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ወዲ ወለደት። ስሙ እውን ገብረስላሴ ሰመይዎ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ኣርባዓ መዓልቲ ቅድሚ ናብ እንዳ ሓሙኣ ምምላሳ ስድራኣ እኽልን ከብትን ምስ ሃብዋ ተሓሲማቶ።” ኣቦኣ እንታይ እሞ ባህ ይብለኪ” ምስ በላ” ግራውቲ ደብር ጸብር ንእንድርታይ ገጹ ዝርኢ ክፋል ሩባ ኖረት ምስ በለቶ “ሕድት ሸነሃኪ” ንእሽትለይ ነገር ሓቲትኪ ኢሉ መረቐላ። ንእንዳሓሙኣ ድማ ተመልሰት። ተስፎይ ዝፈረዮም ዑቕባጨን – ገብረስላሴ – ዑቕባጨን – ዑቕባ – ክርስቶስ – ዮሓንስ – ገብረክርስቶስ ፡ ተስፎይ ዑቕባስላሴ – ዑቕባክርስቶስ፡ ዑቕባጨን – ዮሓንስ፡ ዓይቡ – ሕድሪ – ማሪያም፡ መሓመድ – ዑቕባጨን 4ይ፡ ተስፎይ 3ይ ፡ ዮሓንስ ካልኣይ ዛይድ (ጢሞቴዎስ) ዮናታን – ተስፎይ 4ይ ወለደ። መወከሲ(  ድግም ክልኤ መንሳዕ ገጽ 87 ርኤ)።ተስፎይ ኣዝዩ ለጋስ እንተ መርቐ ዘብጽሕ እንተ ጸለየ ዝስማዕ ከም ዚነበረ መጽሓፍ ድግም ክልኤ መንሳዕን ኣብ ገጽ 86 ከምኡ እውን መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ ብጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ ገጽ 96 ተመልከት። ደቂ ሌዊ ኣብ ላስታን ትግራይን ኤርትራን ዚነበሩን ዚነብሩ ዘለዉን ኵሎም ኣቅሽሽቲ ኢዮም ። እስከ ሕጂውን ወለዶ ዜን ደቂ ሀይገት(ሃይገት) መንሳዕ ንርአ። ዜን ትውልዶም ካብ ዓሳውርታ፡ እዩ። ካብ ዑመር ዓሳዑር ኣቦ ዓሳውርታ፡ ኢቲ መበል 17 ወይ 18 ወለዶ ዝዀነ ታልክ (ተኽለሰማዕቲ) ወዲ ዓሊገፍቶ ንዜናገብረኤልን፣ ንዓንደኣብን፣ ንሰመረኣብን ወለደ። ዜናገብረኤል (ጃናይ) ካብታ ሓማሰነተይቲ ሰበይቱ ንድቕሎይን፣ ንግብሮይን፣ንግሮይን ወለደ። ድቕሎይ ዝፈረዮም፡ ኣብ ዓዜን፣ ኣብ ሀይገት (ሃይገት) መንሳዕ ኣግዓሮ ኣለው። ደቂ ድቕሎይ ቀደም ዘመን “ደቂ ሓጸይ” ይባሃሉ ነሮም። ግብሮይ ዝፈረዮም ፡ ኣብ ኣውራጃ ሓማሰን ኣብ እምባደርሆን ዓዲ ዜንን ደፈረን ይርከቡ። ንግሮይ ዝፈረዮም፡ ገዛ ዜን እተባህሉ (እተባሃሉ) ኣብ እምባደርሆን ደቀምሓረ ድምበዛንን ከምኡ’ውን ካብዚኣቶም ቅድም ዝተፈለዩ ኣብ ዓዲ ኣቡን (ትግራይ) ዓድዋ ኣለዉ። ከምኡውን ካልኦት ዜን ወይ ዜናገብርኤል (ጃናይ) ካብታ ኣስላመይቲ ጓል ሳሕል ሰበይቱ ዝፈርዮም፡ ኣብ ስሔ ዐድ ትማርያም ኣብ መሬት ኣውራጃ ሳሕል ኣለዉ። ኣሕዋቱ ዓንደኣብን ተኽለኣብን ዝፈረይዎም፡ ድማ፡ ኣብ ተራእምኒ ኣለዉ። ሓዉ (ሓው ንዜና) ሰመረኣብ ዝፈረዮም ኣብ ወረዳ ኣፈልባ ኣብ ኣውራጃ ሰራዬ ኣለው። ዓሳውርታ፡ ኣስላምን ክርስትያንን ኢዮም። ቋንቋኦም ድማኒ፡ ሳሆ እዩ። ኣሕዋት ዜን፡ ገዛ ኣስመዔ (4ተ ኣስመራ) ዓሳውርታ ኢዮም። መወከሲ (መጽሓፍ ታሪኽ ወለዶ ሕዝቢ ኤርትራ ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተስፋማርያም ገጽ 144 መጽሓፍ ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውረሪ ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 60 ረአ።  (ደጅኣዝማች ሓረጎት ኣባይ እምነቱ ካብ 1963 -1974 ከንቲባ ኣስመራ ዚነበሩ ካብ ገዛ ኣስመዔ ኢዮም። ንከተማ ኣስማራ ብጽረታን ጽባቐኣን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበራ ከተማታት ብልጽቲ ከምትኸውን ዝገበሩ ትጉህ ከንቲባ ነሮም።  እዚ ግን ኣብቲ ላዕሊ ዝተጠቅሱ መጻሕፍቲ ኣይተረቝሐን፡ ናትና ርእይቶ እዩ።

መደምደምታ

ሀይገት (ሃይገት) ውርይቲ ዝዀነትሉ ምኽንያት ኣቀማምጣ መሬታን ልምላሜኣን በሪኽን ዕሙርን ጐቦታታን ኣእዋማን ዱር ኣራዊታን ጠስማን መዓራን እኽላን እዩ። ነዚ እውን፡ ሓደ መርትዖ ኣለና። ጣሊያን ካብ 1890 – 1895፡ ዓ.ም. ኣብዛካይድዎ መጽናዕቲ ሀይገት (ሃይገት) ብኣየራን ሃብታን መሬታን ኣዚያ ምችእቲ ኰይና ስለዝረኸብዋ ገለብ ርእሰ ከተማኣ ዀይና 500 ጣልያን ሓረስቶት ካብ ኣውራጃ ሮማኛ (ናይ ዓዲ ጥልያን) ኣምጺኦም ኣብ ሀይገት (ሃይገት) መሬት መንሳዕ ከስፍርዎም ተመዲቡ ነይሩ። መወከሲ (ዛንታ ኤርትራ ብፊትኣውራሪ  ሚካኤል ሐሳማ ገጽ 189 ርአ።) ብወርሒ ታሕሳስ 16, 1897 ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ቀዳማይ ሲቪል ኣመሓዳሪ ኤርትራ ዀይኑ ዝተሾመ ገለብ ንምብጻሕ መዲቡ ከምዝነበረን በቲ እዋን እቲ ንከንተባይ ተስፋሚካኤል ወድ ኣፍታይ መንሳዕ ቤት ኣብረሄታይ እውን ተነጊርዎም ከምዝነበረ ዝተሰነደ ሓበሬታ ኣሎ። ብ1908 ኣደልፍ ኮልመዲን ገለብ ኣብዝበጽሓሉ እዋን ንኣመሓዳሪ ማርቲኒ ህያብ ተባሂሉ ተመሪጹ ዝነበረ ምራኽ ክንዲ ገለ ዝኸውን ብዕራይ ስለ ዝኣኸለ ከንተባይ ተስፋሚካኤል ንኮልመዲን ሂብዎ። ኮልመዲን ድማኒ ንምስዮን (ንሮዲን) ሂብዎ። ማርቲኒ (ኣመሓዳሪ ማርቲኒ) ንገለብ ዘይመጸሉ ምኽንያት ብወርሒ መጋቢት 1907 ካብ ሓላፍነቱ ብገዛእ ፍቓዱ ስለዝተሰናበተ ንዓዱ፡ ንኢጣሊያ ተመልሰ።

መወከሲ (ብእዝራ ገ/መድህንን ብካሪል ጃኦኣን ሉንድስትሮምን ዝተጻሓፈ “ከኒሻ “ ዘርእስቱ መጽሓፍ ገጽ፡ 444 ኸምኡውን “ኢጣሊያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ” ብዘምህረት፡ ዮውሃንስ ገጽ 179 – 181 ርአ።) ንሀይገት (ሃይገት) ዘበላን ውርይቲ ክትኸውን ዝገበራ እንተላይ ሕዝባ እዩ። ገሊኡ ካብ ዓዲ ዐረብ፣ ገሊኡ ካብ ኣስራኤል፣ገሊኡ ካብ ካባሳታት ኤርትራ፣ መጺኡስ ብመስውቦ ተሓናፉጹ ኬብቕዕ ዝተፈላለየ ሞያን ፍልጠትን ዕምቆትን ጥበብን ኢደ-ጥበብን ሒዙ ስለዝመጸ እዚ ኵሉ ተደሚሩ ሀይገት(ሃይገት) ፍርህትን ግንንትን ህብብትን ከም እትኸውን ገበራ። ሀይገት(ሃይገት) ብሃጸይ እስክንድር ናይ ሓበሻን ሃጸይ እያሱን ሃጸይ ፋሲልን ሃጸይ ቴድሮስን ክሳብ ሃጸይ ዮውሃንስ ኣፍልጦ ነርዋ። ህዝቢ ሀይገት (ሃይገት)ናይ ገዛእ ርእሱ ሰርወ (ሰርዌ) መንግስቲ ኣይንበሮ ድኣ እምበር፡ ናይ ባዕልኻ ርእሰ ምምሕዳር (ሪጂናል ኦቶኖሚ) ነርዎ እዩ። ህዝባ ኣዝዩ ቀናእ ንመሬቱን ንክልሉን ተዋጋኣይን ከም ዚነበረ (ዝነበረ) እኒ በዓል ኣልቤርቶ ፖለራን ካልኦት ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ ሰኒዶሞ ኣለዉ።

ወይዘሮ “ኣውዕለት”

ወይዘሮ ለተኺዳን ዓንዱ “ኣውዓለት” ዝብል ቅጽል ስም ዚተወሃባ (ዝተወሃባ) መዓልቲ መርዓኣ ምስ ሓለፈ ኣብታ ንሀይገት (ሃይገት) ማንሳዕ ዝብገሱላ ድሮ ለይቲ ደቂ ዓዳ ኣብ መንገዲ(መገዲ) ኣድብዮም ምስቶም ወራድ መርዓን መርዓውን ተባኢሶም ኪዝርፍዋ ውዲት ከም ዝኣለሙ ስለ ዝፈለጠት መርዓውን ወራድ መርዓን ደቂ ማንሳዕ ዝብገሱላ ሰዓትን መንገዲን ንኽቕይሩ ነጊራቶም። ዝብገሱላ ሰዓትን መንገዲን ቀይሮም ብሰላም ንሀይገት (ሃይገት) ምስ ኣተዉ ካብ ሕማቕ ነገር ስለ ዘውዓለቶም “ኣውዓለት” ዚብል ቕጽል ስም ሂቦማ። ካልእ ቅጽል ስም ድማ፣ “ቲነጎ”  ወይ “ኢቲነጋ “ዚብል ስም ረኺብና፣ ይኹን እምበር፡ “ቲነጎ” ( ኢቲነጋ) ስም ናይ ኣመት (ሰራሓተኛ) ኣውዓለት ከም ዚዀነ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ሰሚዕና ኣሎና።  መቃብር ዓባይና ኣውዓለት ኣብ ዕጨት ወድ ቅዜናይ ኣብ ጮመራት መሬት ማንሳዕ ቤት ኣብረሄ ይርከብ።

ትርጕም ቃላትን ኣስማት ቦታታትን።

  • እሮታ ማለት ኣብ ልዕሊ ቀምበይበይ ዝብል ማይ ማለት እዩ (standing water) (እሮታ መሬት ማርያ እዩ። ቅድሚኡ ግን መሬት “ ነወ – ቀይሕ” ናይ ዝበሃሉ ዓሌት እዩ ነይሩ። (እሮታ ኣብ ኣውራጃ ከረን ወረዳ ሐልሓል እዩ ዚርከብ)
  • ቅሮሽ ብቋንቋ ትግሬ ዓብይ ሓርገጽ ማለት እዩ፡፡ ብቋንቋ ዓረብ (classical Arabic)ድማ፡ ኣዝዩ ገዚፍ ዓሳ

ማለት እዩ።

  • ባርግሌ (ባርግለይ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ኣይትግደፍኒ፡ ኣይትሕደግኒ፡ ማለት እዩ።
  • ካርነሽም ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ስም ሰርና ወይ ስም ሰጊርና ማለት እዩ።
  • ዝምጃን (ድምበዛን ድምበዳን) ብቋንቃ ኣገው/ብሊንን ሓው ዘይብላ ሓው ዘይብሉ ማለት እዩ።
  • በለዳ (በለዛ) በለድ ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ንበር ዓዲ ግበር ማለት እዩ፡
  • ዃዘን (ዃዜናይ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ምፍዳይ ዕዳ ማለት እዩ።
  • ዱላ (ዙላ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ጠፋኢ ዝጠፍኤ ዝጠፍኡ ኣብኡ ዝጠፍኤ ማለት እዩ።
  • ሱዳን (ሶዳን) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ሓው እንከለዎ ማለት እዩ።
  • ኣከለ – ጉዳይ ብቋንቋ ኣገው/ብሊን እስከ ኣተንስኣኒ ማለት እዩ። (ኣከለጉዛይ)
  • ስባጋዲስ (ስባጋዲሽ) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ውግእ ወረ ውግእ ማለት እዩ።
  • እንደርታይ ብቋንቋ ኣገዉ/ብሊን ኣብቲ እተዉ ወይ ዝድረሩ ኣትዮም’ዶ ማለት እዩ፡፡
  • ፋሲል ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ቆራጺ ማለት እዩ፡፡
  • ከረን ብቋንቋ ኣገው/ብሊን እምኒ ማለት እዩ።
  • ሊባን ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ኣብ ትሕቲ ጎቦ ዘሎ ዓዲ ወይ ካብ ጎቦ ዚወረዱ ሰባት ወይ ዚወርዱ ዘለዉ ሰባት

ማለት እዩ።

  • ሰራዬ ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ተኸደኑ ልበሱ ተዳለዉ ዕጠቑ ኢሉ ኣዚዙ ማለት እዩ።
  • ሐልሓል ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ወተግ ናይ ወዲ ሰብ ምውጻእ ጎቦ ማለት እዩ።

ኣኽሱም (ዓቑ- ሲም) ብቋንቋ ኣገው/ብሊን ማይ ሹም ማይ ከንቲባ ማለት እዩ። መወከሲ (ሰረት ታሪኽ

ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ብደክቶር ኣብራሃም ጳውሎስ ካብ ገጽ 185 – 204 ተመልከት)

ሀይገት (ሃይገት) ካብቲ “ሃግት” ዚብል (ዝብል) ቃል ቋንቋ ትግሬ እዩ ዝወጸ ዚብሉ (ዝብሉ)ኣለዉ። ይኹን እምበር ካብቲ “ሓጊገት” ዚብል ቃል ከም ዚወጸ ናፋዕን ሊትማንን ሰኒዶሞ ኣለዉ።

ሙርሳል (ማንሹ) መልእክተኛ ነብዪ ኣምባሰደር ማለት እዩ። ሙራ ድማኒ መሪር ማለት እዩ። መዓውያ ሽደን ወኻርያ ማለት እዩ። የዚድ (ዜድ) ዝያዳ ዛይድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዜን (ዓዜን) ካብቲ “ዓዛን” ዚብል ናይ እብራይስጢ (ዕብራይስጢ) ቃል ዝወጸ ይመስል። ትርጕሙ ሓያል ማለት እዩ። ብርግጽ ዜናይ ኣዝዩ ሓያል ከም ዝነበረ ድግም፡ ክልኤ፡ መንሳዕ፡ ርአ። ንዓዛን> (ዘሁልቕ ምዕራፍ 34 ካብ ፍቅዲ (ሕጡብ) 26 ክሳዕ 29 ኣብቲ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሕታም ርአ።) ከም መወከሲ ዝተጠቐምናሉ ፡ መጻሕፍቲ >ታሪኽ ደቂባት (ደቂ ኣባት)> ብጋቨርናቶረ ኣልበርቶ ፓለራ። ድግም ክልኤ ማንሳዕ >ብቀሺ ሮደኝ (ሮዲን)። ሰረት ታሪኽ ጥንታዊት ምድረ ባሕረጋስ ኤርትራ >ብደክቶር ኣብራሃም ጳውሎስ ። ጥንታዊ ጽሑፋት እብራይስጢ (ዕብራይስጢ)። ዊኪፒድያ። ዛንታ ኤርትራ> ብፊትኣውራሪ ሚካኤል ሐሳማ። ታሪኽ ማርዩን ማንሹን >ብመሐመድ ዓሊ ራጂ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተጻሓፈ። ታሪኽ ወለዶ ሕዝቢ (ህዝቢ) ኤርትራ > ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተሰፋማርያም። ብሉይ ኪዳን ወይ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት። ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ > ብዘምህረት ዮውሃንስ። ከኒሻ >ብእዝራ ገብረመድህንን ካረል ሉንድስትረምን። መሰረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ >ጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ ኣባይ። ከምኡውን ሃብታም ተሞኩሮ ዘለዎም ደቂ መሓበርና ኣቶ ኣብራሃም ሐሰብኣነቢን ኣቶ ምከኤል ህያቡን ክልቲኦም ተቐማጦ መነሶታ ( ሑቡራት ሃገራት ኣሜሪካ) ኣቶ ጳውሎስ ገብረስ እስጢፋኖስ ተቐማጣይ ኤለኖይ ( ኣሜሪካ) ኣቶ መሐሙድ ሎቢነት( ወድ ሎቢነት) ወድ ሰምሃር ጻዓዳ ምሁር ጋዜጣኛ ተቀማጣይ ላንድን (ዓዲ እንጊሊዝ) ነዚ ሰነድ ኢዚ ኣዝዩ ጠቃሚ መጽሓፍ ሰዲዱልና ። ሎቢነት ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ቀናእ ንቋንቁኡ ቋንቋ ትግሬ ፡ ቋንቋ ትግሬ ክትዓቢ ዚጸዓረን ዝጽዕር ዘሎን ፈታው ህዝቡ እዩ። ኣቶ ዑስማን ዑመር ተቐማጣይ ሳን ዲኤጎ ካሊፎርንያ (ኣሜሪካ) ካብ ሎቢነት ዝተለኣኸልና ናይ ቋንቋ ዓረብኛ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተርጐመልና ብስም ኵሎም ደቂ ሀይገት (ሃይገት) ነመስግኖ ። መተሓሳሰቢ፣ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ንባዕሉ ፍጹም ኣይኰነን። ንሕና ካብቲ ብርኽ ዝበለ ተጠቒሱ ዘሎ መጻሕፍቲ ብምምርኳስን ተመኩሮ ዘለዎም ኣሕዋት ብምሕታትን ዝረኸብናዮ ምዃኑ እናገለጽና ዚጐደለ ክምላእ ጌጋ ድማ፡ ክእረም   ብትሕትና ነተሓሳስብ።

Posted in Posts.

10 Comments

  1. ያ ሰላም፡ ናይ ብሓቂ መወከሲን መሃርን ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ብዝዕባ መሓሪን ዜናይን ውቄናይ ርክብ፡ ስዒቡ ድማ ባእስን ቅትለት ዜናይ ዘለኩም አፍልጦ እንተተካፍሉኒ ደስ ምበለኒ፡፡ ልዑል ምስጋና ከአ ይብጻሕኩም፡፡

  2. መርሓባ ኣማራ :: ናይ ጀርመን ደም ለቦም ኣሜሪካውያን 70% እበሎ :እብ ጌጋ ከ16% ዎክ 50 ምልዮን ገቡእ:: ለገኣት ትግባእ እግል መሰል ዎክ (example) ቱ ለናቃምክዎ::

  3. መርሓባ: ብካ: ኣማራ: በርህ:: ኣባይካ: እት: ዓሎልበት: ልትከሬ:: ጅንስ: ዜናይ: ኣብዕብካ: ለቅርዱ: ምን:ሳውር( ኣሳውርታቱ) (ዓሰውርታቱ) ዜናይ: ምን: ከበሳ: ዲብ:ሀይገት( ሃይገት) ዎክ: ምድር: ማንሳዕ: ለማጻ: እቱ: ወክድ: እት: ፍንጌ : 1550 -1593 ገብእ ::ለወክድ: ሌሄይ ፍትሕ: መሓሪ እብ: ቃል: ለፈግራ: እቱ: ወክድ:ቱ:: ኣብዕቦታትካ: ለባዙሕ: ዲብ: ምድር: መንሳዕ: ሀይገት(ሃይገት) ሰበት:ትወለደው: ወእንታማ: ዲብ : ምድር: ማንሳዕ: ውሉድ: ሀለካ:: ምን: ገብእ: እብ: ቅርድ: ዓሳውርታ: ወጅንስካ: ዜናይ: ወእብ: ተውሊደት:ወድ: ምድር: ማንሳዕ: ወድ : ሀይገት(ሃይገት) ዝላላ: መንሳዓይ: እንታ:( ናይ: ዓም: ስምካ) በሃለቱ:: ወእት: ረኣስ: እሊ: ዜን: ቤት: ኣብረሄ: ቤት: ሻሓቃን: ቤት: ኣብገላይ: ቤት: ኣባዛ: ወብዕድ: ገባይሎታት: ሀይገት( ሃይገት)እብ: ሞላድ: ህዳይ: ዲብ: ሕድ: ወልዳ: ወታልዳ:: ወእብላ: ኩሉ : እብ: ስምላ : ምድር: መንሳዕ: ውላድ: ሀይገት(ሃይገት) ልትሰመ: ሃላ:: መሰለን: ዲብ: ኤርትራ: ለትወለደው: ውላድ: ትግራይ: ጅንሶም :ዎክ: ቅርድ: ጅንሶም: ትግራይ: እትዮጽያቱ:: ህቶም: ደኣም: ዲብ: ምድር: ኤርትራ: ሰበት: ትወልደው: ናይ:ዓም: ስሞም: ኤርትራውያን: ቶም:: ዜን: ምንላ: ድያነት: እስላም: ታብዕ: ለዐለት: እሲቱ: ለወልደዮም: እት: ሳሕል: ሀለው: ከዜን: ውላድ: ሳሕል: ልትበሀሎ::ዎውላድ: ዜን: እት: ሓማሰን: ለሀለው: ናይ: ዓም:ስሞም: ሓማሰን: ወእት: ሰራዬ: ለሀለው: ናይ: ዓም: ስሞም: ሰራዬ: ወእት: ዓዲ: ኣቡን: ዓድዋ: ትግራይ: ለሀለው: ናይ: ዓም: ስሞም: ትግራይ: ልትበሀሎ::ቤት: እስገደ: ረኤና: ምን: ገብእ: ምን: ዓዲ: ንፋስ: ሓማሰን: ቱ: ዲብ: ሳሕል: ለማጻው: ከውላድ: ሳሕል: ቶም:: ውላድ: ሓማሰን: ሕና: ልብሎ: ኢመስለኒ:: እሊ: ልግባእ: ዲኢኮን: ለቅርድና: ምን: ሓማሰንቱ: ልብሎ:: ኣሜሪካ: ረኤና: ምን: ገብእ: 70% ደም: ናይ: ጀርመን: ቦም:: ደም: ናይ: ጀርመን: ብና: ልብሎ: ዲኢኮን: ጀርማናውያን: ሕና: ኢልብሎ::እብሚ: ዲብ: ኣሜሪካ: ትወለደው: ከኣሜሪካውያን: ቶም:: ወዲብ: ኣሜሪካ: ለትወለደው: “ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን” ልትበሀሎ:: ወላማ: ጅንስዬት: ኣሜሪካ: ለትወሓሰው: ክምሰልሁ: ልትበሃሎ ::ከዜናይ: ኣብዕብ: ክልናቱ: ወማንሳዓይ: ኣብዕብ: ክልናቱ: ከዲብ: እለን: ለሓልፋያ: 500 ምእት: ሰነት: ክልና: ዲብ: ሕድ : ወላድና: ወተላድና:: ከደም: ወጣርቅ:ሕና:: እማትና: ሕድ: ላቅስ:: ሰኣዬት: ብዬ: ለሰኣልካ: በሊስ: ረክበት: መስለኒ:: መን ኣምር: ህግያ: ትግሬ: ኢተኣምር: ገኣካ: ምን: ገብእ: እሊ: በሊስ: ዲብ: ህግያ: ትግርኛ: ዎክ: እንጊሊዝ: እግል: ንተርግሞ: እንቃድር:: ወሓምደ: ላቱ: ኢለስህላና:: ሐምደ:እግላ: አክትበት: ታሪክ: ለከትበው: ወጅብ:: ወምንዲሊ: ለሔሳ: በሊስ: ምን: ብዕዳም: ውላድ: ሃይገት: ሀላ:ምን: ገብእ: ሌሔሳቱ:: እላ: ኢእቤ: ማንሳዓይማ: ለጅንሱ: ዐረብቱ: እሊ: ልግባእ: ድኢኮን: ዐረብ: ኣና: ካዐረብ : በሉኒ: ኢበላ::ደኣም: ወድ: ሃይገት: ትባሃላ:: ከሰልፍ: ህቱ: ዲብ: ሀይገት: ሰበት: ማጻ: ለስም: “መንሳዕ: ውላድ ሃይገት” ፈግረት: እሉ:: ወአስክ: ኣዜ: ሀለት:: ዎናይ: ክልና: ገአት::ከምስል: ኒዚድ: ወንሒስ::
    ምን: ኣቡካ: ሙሴ ::

  4. Thank you Mussie Bekit for the rich information i am learning and i i will learn more from you.
    I am still confused about my tribe Zain are we Asawrta or Mensa.

  5. Dear Tsega,

    Wow! These are powerful statements which we are humbled by. We thank you so much for the inspiring words. At the risk of stating the obvious, we don’t posses more knowledge than others by any conceivable stretch of the imagination. We are merely sharing the little knowledge we carry so just enough to provoke the thoughts of our members and others who follow this platform so that they can take it to a higher level. Shared Knowledge, no matter how small it gets, is an investment that pays higher dividends and best return on investment. It needs to be shared or else it will decay. One must be more content sharing information with those who have differed rather than with those who have agreed. In the same vein, being part of this association does not only create felling of belonging but a sense of belonging. We feel this association is a small community (Come-In-Unity) where we meet regularly, foster friendship and work in collaboration to make it stronger. It’s more than a collection of individuals. Nevertheless, unsung heroes like yourself who work relentlessly and selflessly behind the scene are the ones who should be commended for they make a difference. We understand, in our culture, praise and recognition sometimes are not common, but in reality, they are powerful tools that give the drive and motivation to continue doing what you are doing and some more.

    Again, thank you,
    Mussie & Gherezgher Bekit

  6. Thank you, MD, for the kind words of encouragement. We thank you for taking the time to visit the website to be connected to your roots. We appreciate it greatly. Your statement that your grandfather used to narrate and share the same history and stories with you gives us a sense of gratification and validation. Please continue to check the website periodically and don’t hesitate to share your insight with us.

    Mussie & Gherezgher Bekit

  7. To the Bekit brothers and all our contributors,
    First of all, my immense gratitude to your consistent and tireless teachings. Each article you post is loaded with so much invaluable content. Some come with humor, some with entertainment and some others including great documentation and wide research. Your assiduous work and teachings intrigued me to value and appreciate more the priceless benefits we are gaining simply by being members of this great Association. To add to that, I love and enjoy the comradery and connections I built over the years. The opportunities I came across to learn about our culture, our roots, or just the simple giggles and the friendships I have built are simply priceless. In all civilizations all societies have this sense of pride of their roots and they form a sense of unity and identity. Similarly, when you are born Mensae or are one via different relations, cannot help but feel similar pride. To top to that you become part of an association full of great minds, who inspire you to become an avid team player. This association is a platform where we get to share, practice, ask, debate, and learn about our roots united (regardless of our beliefs and affiliations) for the benefit of all. Just to stress on the “debate” I know our fathers were/are sharp debaters, and problem solvers, and at times when I hear members debate or disagree by laying their good reasons, then I know I am in the right place where people are just practicing their civilized arguments, disagreements and problem solving.
    To go back to my original point thank you to all of you who contribute tirelessly, who are active members, who participate. And those who are staying behind the stage I say you are missing out and I invite you to hop on the stage and share your wisdom and talents.

  8. Interesting facts I really enjoyed reading it. My grandfather used to tell me this same story decades ago. I realy appreciate everyone who do the research to keep our roots story alive. and thank you Mr. Mussie and Mr Gherezghier Bekit.

  9. Dear Aziza,

    First of all, we sincerely thank you for taking your time in reading the post. Furthermore, we truly appreciate your kind and inspiring words. We are amazed by your photographic memory in remembering the word “Arba”, which was our father’s war-cry and later became his sobriquet. It’s both inspiring and fulfilling to learn more about one’s history and roots. The trick is not to dwell on it, but to keep referencing to it as needed and move forward. It’s like driving a car down the highway, focusing straight forward, but taking a peek once in a while through the rear -view visor just to make sure the driver behind you is behaving. Talking about the struggle of African Americans, the Civil Rights activist, Malcom X once said, ” You can’t hate the roots of a tree and not hate the tree. You can’t hate Africa and not hate yourself.” Even the tiniest mustard seed germinates and still maintains its roots, characteristics and composure. Where you come from shapes you who you are and helps you determine where you want to go in life. As you know, sometimes, history is written by the winners and it is our duty, as a people, to tell our side of the story.

    Of course, this response is from both of us. But I would like to take this opportunity to thank Mussie for taking the lead and doing the heavy lifting in conducting the research. He is truly an investigative journalist.

    Best Regards,
    Mussie & Gherezgher

  10. To The Arba Bekit brothers: Mussie Bekit( ሙሴ በኪትን) & Gherezgher Bekit (ገረዝግሄር በኪት),
    The honorable Marcus Mosiah Garvey Jr. a Jamaican political activist, publisher, journalist, entrepreneur, and orator. In one of his absolute best inspirational quotes “A people without the knowledge of their history, origin and culture is like a tree without roots” How true. Arba Bekit brothers, this piece of history about the roots of the Haiget family (ጥንታዊ ወሎዶ መንሳዕ), their ancestral, geographical background and the relationship to the other part of Eritrea wow! It is very intriguing to read and learn. In all your endeavor, your true perseverance, commitment in time and efforts and the will to teach your people/us our roots; we pretty much appreciate and admire you; hence, we are extremely grateful for your deep body knowledge. You are revitalizing the lost or the undocumented part of our history of who we are as people and our background of ancient history. Hats off!!! to you both.
    Thank you

Leave a Reply to Mussie Bekit Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *