ዱመይ ሓዚለ። By Mussie Bekit

ዱመይ ሓዚለ።

ብሙሴ በኪት።

ቅድሚ ኣብቲ ግጥመይ ምእታወይ ክብሎ ዝደሊ ኣሎ። በዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኣብ ገዛ ኣብ ውሽባ ዘለና ሰለስተ ኢና። ኣነን፥ ከልበይን፥ ዱመይን። ስለዚ እቲ ጭራሕ ምራሕ ኣብዚ ገዛ ዘሎ ብግጥሚ መልክዕ ክገልጾ ይፈቱ።

ዱመይ ሓዚለ እና ጠሓንኩ ዕፉን

ኣንጭዋታት ይስዕሳዓ ኣብቲ ቤለፎን

ዱመይ ኣጽቅጥ ተጐላቢባ ሽፎን

ይጸርፋኣ ኣንጭዋታት እንተመናጠላ “ማይክረፎን”

ከልባይ ወጺኡ ነሩ ክገዛኣልና ኣስፐዛ (*Spesa)

ምልስ ምስ በለ ተረቢሻ ገዛ

ጅግና ተርዛን የብሉን ዋዛ

ንላዕሊ ኣንቃዓሪሩ ቡሕ ቡሕ ምስ በለ

ኣንጭዋታት ርግፍ ኢደን ሂበን ድርግም ንከርሸለ (**carcello)

ዱመይ ክፉእ መጋብራ

ከይሐፈረት በቲ ዝገበረቶ ኣውራ

ኣባራቢርካኒ ኢላ ንከልበይ ገጹ ፋሕጢራ።

ሽዑ ከልባይ ማስይዋ ከምዚ እናበለ

“ፍልጡለይ ፍለጡለይ ጽባሕ ካብ ሎሚ ብምንታይ ትፍለ?

ዘመን ግርንቢጥ መጸ እንሆለ

ኣንጭዋታት ክርብሻ ድሙ ኣጽቅጥ ከም ማንቲለ።

ጐይታይ እናጣሓነ ኣብ ዝባኑ ተሓዚላ

ስነ ስርዓት ዝጐደላ ንእሽትለይ ዕዋላ

“ሓሳኻ ደምበ ኣብ ዝለምለመሉ “ገጸይ ኣቑሲላ

ናይ ገዛን ደገን ኣነ ክሰርሓላ

ትውጻእ ካብዚ ገዛ ትብላዕ ሸቂላ”

ሽዑ ዱመይ ካብ ዝባነይ ውርድ ኢላ“ውሻ ውሸት”

“ንስኻ ክትነብሕ ምሸት ምሸት

ተበጽቢጽና ክብለካ ንሜላ እዩ ክትብለኒ

ኣነ እውን ንሜላ እየ ዘጽቐጥኩ ሕጂ ኣይትረብሸኒ “

ተርዛን ገለ ቅሩብ ተኪዙ

ከምዚ ኢሉ መሊሱላ በትሩ ሒዙ

“ኣነ ዝነብሕ ኣብ ቀረባ ዘሎ ንክማረኽ

ርሑቅ ዘሎ ከጠንቕቆ ንኸይተሃላለኽ”

ምስ በላ ኣፋ ሒዛ

ኣብ ገሊኡ ተሓቢኣ ኣብቲ ገዛ።

ኣነ እውን ንዱመይ ተዓዚበ

ንከልባይ ኣመስጊነ ኣብታ እዝኑ ቀሪበ

ካብ ኣንጭዋታት ድሒነ ኣቕሑተይ ሓጺበ።

መጥሓን ኣብ ቅድመይ

ዱሙ ኣብ ዝባነይ

ከልቢ ኣብ ጐድነይ

ከይተሳማማዕና ግን ከይተፈላለና

ንነብር ኣሎና።

ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋናት ነፍስና ክንጥብር ናይ ግድን እዩ። ከም ልብና ፍሕትሕት ንብለሉ ጊዜ ክሳዕ ዝመጽእ እሞ ኣብቲ ቁም ነገርና ንምለስ ዳእላ፤ (ብቋንቋ ትግሬ ‘ውን “ደአል”ይበሃል) ጭርቃን፤ ምዕያ’ር፤ ልብ ወለ’ድን፤ ኣድላዪ እዩ። (*Spesa) ጣልያንኛ እዩ (** Carcello) እውን ጣልያንኛ እዩ ኣብ ዓድና ግን ክልቲኡ ቃላት ኣዳማምጽኡ ተቐዪሩ ። “Spesa” ኣስፐዛ ተባሂሉ “Carcello” ድማኒ ካርሸሊን ከርሸለን ተባሂሉ። (ንምዝኽኻር ዝኣክል ኢለ እየ)ንምዃኑ ሰለስተና ማስክ (ዕማም) ገርና ኣሎና። እቲ ኣይትቅረብ ኣይትቀራረብ ግን(Social distancing) ፋሕ ኢሉ።

አስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ፡ ረቢ፡ ምን፡ ቃባ፡ ዎ፡ ዐጸባ፡ ልነጀና።

ኣሜን!!!!

Posted in Posts.

2 Comments

  1. Thank you Resta haftey for your nice and encouraging words, as always. Yes, you are right we have to be compassionate to one another in this critical time that is hard to deal with.May God give us the strength to cope with it.
    Huki
    Mussie

  2. Thank you Mussie Huye. Your effort to keep us entertained and engaged during the quarantine period is much appreciated. This is the time when we need to laugh more, help each other more, and be more compassionate to one another. Strange times but definitely came to teach us a big lesson, to be more human, to be more present, to appreciate more. Your post is entertaining yet containing a deeper meaning.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *