ማስክ (Mask) By Mussie Bekit

ማስክ (Mask)

ብሙሴ በኪት።

Aprill 11, 2020

ሓድሽ ዘመናዊ “ክዳና”

“ማስክ “ዝበሃል ተኸዲና

ኣፍና ዓቢስና ኣፍንጫና ቀቒርና

ብምልክት ኾይኑ ዘረባና

የዕንትና ኣሰንቢድና

መልክዕ የብሉን ብዘይ ኣስናና

መልክዕ የብሉን ብዘይ ከንፈርና

ፍሽኽታና ሓቢኢና

ኾርዩ ‘ሎ ምዕጒርትና

ከም *ነብሪ “ባሕታውያን” ከይና

ነንሕድሕድና ተራሓሒቅና

6 ፊት ኾይኑ ደረትና

“ደረት** ባርያ”ኣይትሕለፍ እንተበሃሃልና

ዓመታት 1888-1892

“ዘመን ኣካሒዳ” ዳግም መጺኡና

ኣጆኹም ኣጆና መስዋዕትነት ከፊልና

“ናይ ግድን፡ እዩ፡ ዓወትና”

*ነብሪ ኣዝዩ ብሕቱውን ምስጢራውን ነብራ ዝነብር ኣዝዩ ሓያል

እንስሳ ዘገዳም (በረኻ)እዩ።

**ባርያ ዝተበሃሉ ዓሌት ጭዋ እንከለዉ ካብቶም ካብ ሱዳን ሩባ

ኣትባራ ክሳብ ምዕራባዊ ቆላ መሬት ኤርትራ ሰፊሩ ዝርከብ “መጋ-

በሪ”ዝበሃል ሰፍሕ ዓሌት ዝመንጨዉ እዮም። እዚ ሎሚ መንሳዕን

ብሊንን ሰፊሮሞ ዘለዉ መሬት ሒዞም ነሮም። ትጉሃት ሓረስቶት

ስለዝነበሩ ኣብ ኣልጋዓታ መሬት መንሳዕ ዝገደፍዎ ደረት ግራውቲ

ሓረስቶት መንሳዕ ብኡ ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩ ሓደ እንተድኣ ደረት

ጥሒሱ ወይ ኣፍሪሱ “ደረት ባርያ ሓሊፍካ” ተባሂሉ ይኽሰስ። (ዛንታ

ኤርትራ በቲ ክቡርን ፍቱውን ኣቦና ፊትኣውራሪ ሚካኤል ሓሳማ ራካ

ዝተጸሓፈ መጽሓፈ ታርክ ገጽ 26-27 ርኤ/ዪ።)

ኣስክ፡ እብ፡ ብዕድ፡ ክቱብ፡ ንትራከብ፡ ረቢ፡ ምን፡ ቃባ፡ ዎ፡ ዐጸባ፡

ልነጀና።

ኣሜን!!!

Posted in Posts.

2 Comments

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *