አስማት ሹመት ቀዳሞት

አስማት ሹመት ቀዳሞት።

ብሙሴ በኪት።

February 5, 2020

ቅድሚ “ከንቲባ “ዝብል ስም ሹመት “ቃል ሃጸይ“ ይበሃል ነሩ። እዚ ከንቲባ ዝብል ቃል ካብ ዓዲ አምሓራ ዝመጸ ይመስል። ሹማምንቲ ኣምሓራን ከበሳ ኤርትራን መንሳዕን ብከንቲባ ክፍለጡ እንከለዉ ሹማምንቲ ማርያ ግን ብ“ሹም “ እዮም ዝፍለጡ ነሮም። ንኣብነት ሹም እዙዝ፤ ሹም ሕመድ፤ ሹም እብራሂም ክጠቅስ ይፈቱ። እቶም ጀጋኑ ደቂ ዛውል ድማኒ መራሕቶም “ዋግ ሹም “ይበሃሉ ነሮም። ተኸተልቶም ድማኒ “ደቂ መኰነን “ይባሃሉ ነሮም። ሕዝቢ ብንዓምር ድማኒ ሹማምንቶም “ነታብ” ይበሃሉ ነሮም ። “ነታብ “ዝብል ቃል ካብቲ “ነብታብ” ዝብል ቃል ከም ዝወጸ ”ሳርባ” ዝተባሃለ ደራሲ ይሕብረና። እቲ ዕሉል መንግስቲ ፋንጂ ግብጽን ናይ ሎሚ ሱዳንን ኣብ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ዘመን ካብቶም “ጅዓልቲ “ ዝተባሃሉ ዓሌት ዝተመረጹ ወተሃደራት “ናቢት” ወይ ድማኒ “ ነብታብ” ዝብል ስም ሹመት ተዋሂብዎም ቀረጽ ክእክቡ ንባርካ ተላኢኾም ኣብኡ እንከለዉ መንግስቲ ፋንጂ ብተጋደልቲ ግብጻውያን ምስ ተሳዓረ ኣብ ባርካ ተሪፎም ምስ ሕዝቢ ብንዓምር ተዋሲቦም ወሊዶም ተዋሊዶም እዛ “ነታብ “ እትብል ስም ሹመት ኣውረስዎም። ኣብ ርእሲ እዚ እውን “ድግለል“ ዝብል ናይ ሹመት ስም ኣለዎም። “ድግለል” ብቛንቛ ትግሬ ኣዝዩ ኣረጊት ማለት እዩ። ኣብ ሰምሃር እንተ ሪኢና ድማኒ “ናይብ፤ ሲርዳር ፤ ከክያ ፤ ሻውሽ፤ ዝብል ኣስማት ሹመት ነርዎም።” ሲርዳር” ካብታ ካብ ብጃ ብዘበን መግዛእቲ ቱርኪ ናብ ባጽዕ ዝመጸት ስድራ ቤት ወተሃደራት ዝተዋሃበ ስም ሹመት እዩ። ካብ ነገደ በለው ዝተሾሙ ሹመኛትታት ድማኒ “ ከክያ “ይበሃሉ ነሮም። ክሳብ ሕጂ ድማኒ “ዐድ፡ ከክያ“ ይባሃሉ ኣለዉ። “ከክያ “ ብቛንቛ ትግሬ “ተሓዝ ገንዘብ” ማለት እዩ። ” ሻውሽ” ድማኒ ንናይቲ ዘይስሩዕ ወተሃደራዊ “ዓስከር” መራሕቶም “ሻውሽ “ይበሃሉ ነሮም። “ናይብ” ዝብል ስም ሹመት ንመጀመርያ ዝተዋህበ ንዐምር ቁኑዕ ዝተባሃለ ምስ ሃጸይ ሰርጸ ድንግል ወዲ ወዱ ንሃጸይ ልብነ ድንግል ኣብ ኣከባቢ ሰምሃር ዝተዋግኤ እዩ። ዐምር ቁኑዕ ብዘበን ሃጸይ ልብነ ድንግል ናይ ሽዋ ኣብ ትሕቲ ባሕረ ነጋሲ ይስህቅ ገዛኢ ምድሪ ባሕሪ ( ኤርትራ) ከም ምክትል ኮይኑ ሰሪሑ። ካብኡ ንድሐር “ናይብ “ ንዘርኢ ዐምር ጥራሕ እዩ ዝወሃብ ነሩ። “ ሞሀበር “ ዝብል ስም ሹመት ድማኒ ንደቂ ባዜን (ኩናማ) ዝወሃብ ዝነበረ ስም ሹመት እዩ። ”ሱልጣን” ድማኒ ንደቂ ደንካልያ ዝወሃብ ዝነበረ ስም ሹመት እዩ ። “ፈርዖን “ወይ “ፈርኦን “ ንናይ ጥንታውያን ነጋውስ ግብጺ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ንጉስ ስም ሹመት እዩ። ” ፈርኦን” ዝብል ቃል ካብቲ “ፓር-ኣአ ወይ ፓራ-ኡአ “ ዝብል ቃል ዝወጸ እዩ። ካብ ብዝሒ ዘበናት እቲ “ፓራ -ኣአ “ ዝብል ቃል ናብ “ፈርኦን “ ዝብል ቃል ተቐየረ። ፓራ -ኣአ ወይ ፈርኦን ትርጉሙ” ልዑል መንበር  ወይ እቲ ዓብይ ኣዳራሽ ማለት እዩ። (መጽሓፍ ኑብያ-ኣክሱም-ዛጒዬ ገጽ 72 ተመልከት) ንኣብነት እቲ ኣብ ቐይሕ ባሕሪ ምስ ሰራወቱ ዝጠሐለ ፓራ -ኣአ “መነፕታህ “(ፈርኦን መነፕታህ) ይበሃል ነሩ። ዝነገሰሉ ዘበን 1225 -1215 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ። (መጽሓፍ ኑብያ-ኣክሱም-ዛጒዬ ገጽ 73 ተመልከት) (እቲ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ኣቆጻጽራ ዘበን ንቁልቁል ገጹ እዩ ዝቖጽር ንመዘኻኸሪ ዝኣክል እዩ እምበር ኣይጠፍኣኩምን እዩ) “ህንዳኬ” ( Candace ) ነተን ኣብቲ ምድረ ኩሽ ወይ ድማኒ እትዮጵያ ወይ ኑብያ ( ናይ ሎሚ ሱዳን  )ዝበሃል ዝነበረ ናይ ዝነግሳ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ንግስትነት ስም ሹመት እዩ። ንኣብነት ህንዳከ “አሜኒሪቲስ” እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 ፡ ፍቅዲ 27 ብስም ሹመታ ተጠቂሳ ዘላ እያ። እቲ ስሉብ እትዮጵያዊ (eunuch) ተባሂሉ ዝጥቀስ ናታ ናይ ፍይናንስ ምንስትር እዩ ነሩ። ንሙኻኑ ንዕላል ክኾነና እቲ “ስሉብ “ዝብል ቃል ውፉይ ወይ ድማኒ ካብ ሹመቱ ዘይቅንጠጥ ዘመልክት እምበር ጎደሎ ነሩ ማለት ኣይኮነን። ( “He was a proselyte. Proselyte. A convert, that is, one who embraced Judaism, getting circumcised, if a male)” ንምንታይ ሃይማኖቱ ጁድዚም እዩ ነሩ። እዚ ሃይሞኖት እዚ ክትቅበል ግዙር ክትኸውን ኣሎካ ወዲ ተብዓታይ እንተኾንካ። መጀመርያ ትግዘር ደሓር ኣይሁዳዊ ሃይማኖት ትቅበል ማለት እዩ።

“ሱተን “ ናይቶም ቀዳሞት ኑባውያን(እትዮጵያውያን) ኣብቲ ምድረ ኩሽ ዝነበሩ ናይ ነገስታቶም ናይ ሹመት ስም ነሩ (2000-700) ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ። ትርጉሙ “ወዲ ንጉስ” ወይ ድማኒ “ዘርኢ ንጉስ “ማለት እዩ። ካብቶም ሱተናት ሐደ ብሐደጋ ኢዱ እንድሕሪ ተቆሪጹ ወይ ዓይኑ እንድሕሪ ነቚሩ ቤቴ ሰቡ ሐደ ኢዶምን ሐንቲ ዓይኖም ይውፉይሉ። ምኽንያቱ ድማኒ ኢቲ ሱተን ምንጪ ህይወትን ደስታን ምንጪ ምልኣትን ጉድለትን ምንጪ ሐዘንን ተሓጓስን እዩ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ናይ ግድን ክገብርዎ ዘለዎም ልምዲ እዩ ነሩ። (መጽሓፍ ኑብያ-ኣክሱም-ዛጒዬ ገጽ 39 ተመልከት) (ምንጪ ዲዎዶር ናይ ታሪክ ጸሓፊ )  ” ሳትራፕ” (525-400) ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ መንግስቲ ፋርስ ዝነበራ 31 ዓድታት መንግስቲ ፋርስ ወኪሎም ዝመርሑ ዝነበሩ ናይ ሹመኛታት ናይ ሹመት ስም ነሩ። ”ሳትራፕ” ትርጉሙ “ጎይታ ዓዲ፤ ከንቲባ ዓዲ “ከም ማለት እዩ። “ብላቴን ጌታን” ነጋውስ እትዮጵያ ብዕድሚኦም 30-35 ዓመት ግን ንሙሁራት ዝወሃብ ዝነበረ ሹመት እዩ፡ ይብሉ። “ብላቴን “ትርጉሙ “ወጣት “መናእሳይ ማለት እዩ። (ብላቴንነቴ ወጣትነቴ) ።

ሃሰስ ዝበልኩዎ መጻሕፍቲ እንሆ >>> መጽሓፍ ቅዱስ፤

መጽሓፍ ኑብያ – ኣክሱም- ዛጒዬ ብተኽለጻድቅ መኵርያ ኣብ 1951 ዝተተርጎሜ፤

ኢንሳይት ፤ታርኽ ወለዶታት ሕዝቢ ባሕረጋስ ብደ/ር ኣብርሃ ጳውሎስ።

Posted in Posts.

3 Comments

  1. Dear Resta,
    Your comments regarding my articles on Kenteby Beimnet and asmat shumet kedamot warmed my heart.
    Thanks 🙏

  2. Dear Resta,
    Your comments regarding my articles on Kenteby Beimnet and asmat shumet kedamot warmed my heart.
    Thank you 🙏

  3. Thank you Mussie for sharing the information on “Asmat Sheemet Kedamot.. “. I would like to express my appreciation for taking your time to research and write all this historical facts of our heritage. You are really a great Asset to our KWH Association. Please keep up with your admirable work.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *