ቛንቋ by Mussie

ቛንቋ ።(ቋንቋ)

ብሙሴ በኪት።

August 15, 2019

ቛንቋ ማለት ስምዒትካን ሓሳብካን ብድምጺ(vocal)ዝቃላሕ ናይ መራኸቢ መሳርያ (instrument of communication) ኮይኑ ከም ናይ ቃላት “ኣካል “በቲ ዝናገሮ ሕብረተ ሰብ ይግለጽ። ብቛንቋ እብራይስጢን (ዕብራይስጢ)ግሪኽን “ልሳን” ቀጥታ ንቛንቋ ከመልክት ከሎ ብትግርይናን፣ (ትግሪኛ) ኣምሓሪይና፣ (ኣምሐርኛ)ትግሬን፣ ከም ካልኣዊ ወይስ ከም ተመሳሳሊ “ቛንቋ “ ክንብል እንተደኣ ደሊና እንጥቀመሉ ክዙን ቃል እዩ። ንኣብነት፡ ” ብዙሕ፡ነሰስል፡ተሀገው “ ብዙሕ ልሳናት ተናገሩ (ተዛረቡ) ክንብል ንኽእል ኢና።  ቛንቋ ብቃላት ኣቢሉ በዞም ዝስዕቡ መሳሪሒታት (instruments) ጎረሮ፡ መልሓስ ፡ ከንፈር፡ ስኒን ኣቢሉ ይፍኖ ።ንኣብነት፡ጎረራውያን ኣደማምጻ ቃላት ወይ ፊደላት ብሱር መልሓስን፡ትንሓግን፡ ዝድመጹ፡ ሀ ፣ ሐ ፣አ ፣ዐ እዮም። ትንሓጋውያን ፡ ብማእከል መልሓስን ትንሓግን ዝድመጹ፡ ሸ ፣ቀ፣ ኸ፣ከ ፣ገ ፣ጀ ፣የ ፣ዠ ፣ቐ ። ማእከላውያን ፡ ብመልሓስን ኣብ መንጎ ትንሓግን ኣስናንን እናተናኸፍካ ዝድመጹ፡  ለ ፣ረ፣ ነ ፣ እዮም ። ስናውያን፡ መልሓስን ስኒን እናተናኸፍካ ዝድመጹ፡ ሰ ፣ ጸ ፣ደ ፣ጠ፣ዘ፣እዮም። ከንፈራውያን፡ ብከንፈርን ስኒን ዝድመጹ፡ በ፣መ፣ጰ፣ፈ፣ፕ ፣እዮም። ከንፈር” ብእብራይስጢ” ቛንቋ” ማለት ከም ዝኾነ ክሕብር ይፈቱ። ብቛንቋ ትግሬ ግን ከም ዘረባ(ሂጋ) እዩ ዝቑጸር ። ንኣብነት፡ “ ከንፈረኒ” ጸሪፉኒ ሕማቕ ዘረባ ተዛሪቡኒ ወይ ኣስሚዑኒ ከም ማለት እዩ። እቲ ፍልልያቱ ከንፈር ብእብራይስጢ“ቛንቋ”“ ከመልክት ከሎ ብትግሬ ድማኒ ዘረባ ( ሂጋ ) የመልክት። ኣተሓሳስባን ቃላትን ሓቢሮም ይጓዓዙ ።ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ “ይጥነስ” ብቃላት ድማ “ይውለድ” እቲ ቃላት ተደሚሩ ድማኒ  ቛንቋ ይበሃል።   “ቛንቋ “ናይ ደቂ ሰብ ረቂቕ ምስጢርን፡ መለኮታዊ፡ ህያብን ተኣምራትን እዩ።” መወከሲ፡( Journal of Semitic studies, Manchester 1956.P.11 )ቛንቋ ብዘይ ድምጺ (without vocal or sound)ብዝተፈላለየ ምልክት ናይ ኣካላትና ይመሓላለፍ እዩ። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ንከይዛረብ ዓይንኻ ጽቕጥ(ቅጽብ ወይ ቅልጽ) ተብለሉ፡ወይ ጽብዒትካ ኣብ ከናፍርካ ኣልግብ ኣቢልካ ተርእዮ ንከይዛረብ  ወይ ርእስኻ ንየማንን ጸጋምን እናወዛወዝካ ወይ ርእስኻ ከም ጠበቕ ላዕልን ተሓትን (nodding) እናኣነቓነቅካ ክዛረብ ወይ ድማ፣ እቲ እተዛረቦ ልክዕ ከም ዝኾነ ኣፍልጦ ትህቦ።( እግሪ መገደይ ሓንቲ ደርፊ ትዝ ኢላትኒ ፡ከምዚ ድማ ትብል” ስለምንታይ ብጎቦ ዓይንኺ ትጥምትኒ ንዓኺ ዝፈጠረ ንዓይ እውን ፈጢሩኒ “ ናይ ጌታቸው ኣብዲ ኣብ ሰብዓታት ምቕማጡ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ደራፋይ ወሎዬ)። ብዓቢኡ ድማኒ እቲ sign language ዝበሃል ናይ ምልክት ቛንቋ በቶም ክሰምዑን ክዛረቡን ዘይኽሉ ሰባት ብናይ ኣጻብዕትን፡ከናፍርን፡ኣዒንትን፡ ውዝዋዘ ዝዕጀብ ናይ ምልክት ቛንቋ ንዘክር። እምበኣርከስ ቛንቋ ማለት እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ኣዝዩ ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ክነዋግዕ ጸኒሕና። ሕጂ መቦቆል ናይተን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣፍሪቃን ዘለዋ ቛንቋታት ንርኤ። ቅድም እተን ቀንዲ 5 ደምበ(ደንበ) ንርኤ። ( 1) ኣፍሮ ኤሻቲክ ( 2) ኣፍሮ ኩሺቲክ (3) ኣፍሮ ሃመቲክ (4)ኣፍሮ ዓረብያ (5)ናይሎ ሳሃራ። ኣብ ትሕቲ ኣፍሮ ኤሻቲክ ዝምደብ ቛንቋታት እብራይስጢ፡ ሃገር(እስራኤል) ኣራማይስጢ፡ (ኣራማይክ)ሃገር እስራኤልን ፡ሶርያን፡ ባቢሎንን፡ ዓረብኛ፡ ሃገር( ኩለን ሃገራት ኣዕራብን፡ ሊባኖስን)።(ሊባኖስ ሃገረ ፊንቄ(Phoenicians) ደቂ ከንኣን እዩ።  ኡጋርስት፡ሃገር (ሶርያ) ግእዝ(ኣግኣዚ)፡ሃገር(ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን) ትግሬ፡ ሃገር(ኤርትራ) ትግርኛ፡ ሃገር(ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን ትግራይ ክልል) ጉራጌ ፡ኣደረ- ሃረሪ፡ ወይ (ጀይሲና)፡ኣምሓርኛ፡ ሃገር (ኢትዮጵያ) ኣካድያን፡ሃገራት( ማእከላይ ምብራቕ) መልቲዝ ፡ ሃገር(ማልታ ወይ መሊጠ) እያ’ተን ።ኣብ ትሕቲ ኣፍሮ ኩሺቲክ ዝምደብ ድማኒ፡ ኣፋን፡ ናይ ኦሮሞ ቛንቋ ሃገር (ኢትዮጵያ)ሽም ናይቲ ፊደላቶም ላቲን ከሎ “ቁበ” ይበሃል ። ዓፈርኛ፡ሃገር (ኢትዮጵያን ፡ ኤርትራን ) ሶማሊ፡ ሃገር(ሶማልያን፡ ኢትዮጵያን) ኣገወኛ ፡ሃገር (ኢትዮጵያ) ብሊን፡ ሃገር (ኤርትራ) ሲዳማ፡ ሃድያ፡ካምባታ፡ ሃገር(ኢትዮጵያ) ሳሆ፡ ሃገር (ኤርትራ)። ኣብ ትሕቲ ኣፍሮ ሃመቲክን፡ ኩሺትክን ዝምደብ ቛንቋ በርበር፡ ሃገር (ሞሮኮን ፡ሊብያን)ብዳውየት፡ ቛንቋ ሕዳረብን ብጃን፡ ሃገር (ኤርትራን ፡ሱዳንን)። ኣብ ትሕቲ ኣፍሮ ዓረብያ ዝምደብ፡ ኮፕቲክ፡ ጥንታዊ ቛንቋ ግብጺ። ኣብ ትሕቲ ናይሎ ሰሃራ ዝምደብ ድማኒ ቛንቋ ኩናማ ፊደላቱ ላቲን፡ሃገር(ኢትዮጵያን፡ ኤርትራን )እዩ። እግሪ መገደይ ናይ ኤርትራ ዓፈርን ፡ኩናማን፡ ናይ ኢትዮጵያ ዓፈርን፡ ኩናማን፡ ከም ዘለዉ ክሕብር ይፈቱ። “ኩናማ” ሽም ናይቲ ቛንቋ ክኸውን ከሎ ሽም ናይቲ ዓሌት ባዜን (ደቂ ንጉስ ባዛ/ባዜን) እዮም።ንጉስ ባዜን ግዝኣቱ ካብ ኣክሱም ክሳብ ባርካ ነሩ እዩ። ኮንቲሮሲ ዝተበሃለ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ከም ዝበሎ ነገደ ባርያን፡ ኩናማን፡ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ሰኒድዎ ኣሎ። ”ባዛየ ባዛ “ ዘርእስታ ደርፊ ጸሃይቱ በራኺ ንዘክር ።ባዜን (ባዛ) ብእንዳታት ተመቓቒሎም ይናበሩ። ነፍስወከፍ እንዳ ድማኒ፡ ምልክት ኣለዎ። ንኣብነት፡ እንዳ ሺያ፡ ዝበሃሉ ቀርኒ ዓጋዘን ምልክት ኣለዎም። እንዳ ጉማ፡ ምልክት ሓርማዝ “ ኣቢና”ይበሃል።እንዳ ጋርካ ፡ምልክቶም ወርሒ እዩ “ታራ” ይበሃል። እንዳ ሰማ፡ ምልክቶም ሓርሽ እዩ “ጋቡዣ” ይበሃል ።ናይ ኩናማ (ባዜን)ኣምላኽ “አና”ይበሃል።ኣብ ትሕቲ አና ብርክት ዝበሉ ኣማልኽቲ ኣለዉ።ንኣብነት፡ናይ ዝናም ኣምላኽ “ኣውላ ማና”ይበሃል። ካብ ኣንበጣ ዝከላኸል” ኣኡላ ማና” ይበሃል። ካብ ጨራሩ ዝከላኸል “ሹርካ ማና” ይበሃል። ካብ ናይ ሕርሻ ሓሳኹ ዝከላኸል”ቢኢዓ” ይበሃል። ካብ ጽንጽያ ዝከላኸል “አታና ማና” ይበሃል።እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምልኾን ባህልን ኣብ ዝኾነ ማሕበረ ሰብ ኣሎ። መወከሲ፡ (ታርኽ ወለዶ ሕዝቢ ኤርትራ ገጽ 12 )። ብተወሳኺ ቛንቋ ትግሬ ዝዛረቡ ነገደ ባዛ(ኩናማ)ካብ ኣቁርደት ኣስታት 30 ኪሎ ሜትር ሪሒቖም ዝቕመጡ ኣለው።ኩናማ ደቂ ንጉስ ባዜን ኣብ 4 ዓበይቲ ዓሌት ይምቐሉ ። (1)ኩናማ ማርዳ (2/) ኩናማ ቲካ(3)ኩናማ ላክቱኩራ (4) ኩናማ ባርካ። ምናልባት እቶም እንተላይ ቛንቋ ትግሬ ዝዛረቡ ኩናማ፡ ኩናማ ባርካ ከይኾኑ ኣይተርፉን እዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ። በዓል መምህር ኒቖዲሞስ እድሪስ ዝዛረብዎ ዝነበሩ ትግሬ ይበል እዩ ነሩ!   ቛንቋ ዓረብ፡ ቛንቋ ዓረብኛ 30 እዩ ዓይነቱ። ንኣብነት፡ ኣብ ዓማን ዝዝረብ “ስኩር” ይብልዎ። ኣብ የመን ድማኒ “ለይስ” ይበሃል። ኮፕቲክ፡  ኮፕቲክ ኣዝዩ ጥንታዊ ቛንቋ ግብጺዝነበረ ጨሪሹ ብዓረብኛ ተተኪኡ። ጥንታዊ ኮፕቲክ ምስ ኣገወኛን ብሊኒን ቁሩብ ይዛመድ እዩ ይብሉ ፈላጣት ታሪኽ። ቛንቋ ዓረብ ፈጺሙ ኣይተበለለን፣እኳ ድኣ ገለ ኣዝዩ ጥንታዊ ቃላት ናይ እብራይስጢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ንምርዳእን ንምምሕያሽን ምግላጽን ግደ ነርዎ እዩ። (ኢንሳይት ገጽ 141) ኣረማይስጢ፡ ዘመናዊ ኣረማይስጢ ሎሚ ኣብ ኣልዕራቅን፡ ሶርያን፡ ይዝረብ እዩ። ኣራማይስጢ ምስ እብራይስጢ ብቐረባ ዝዛመድን ሓደ ዓይነት ፊደላት እውን ዝጥቀም ሴማዊ ቛንቋ እዩ። ኣብ ፈላማ ብኣራማውያን ይዝረብ ነበረ። ጸኒሑ ግና ኣብ ትሕቲ ግዝኣታት ኣሶርን፡ ባቢሎንን፡ ኣህጉራዊ ቛንቋ ንግድን መረዳድእን ኰይኑ ነበረ። ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቛንቋ ግዝኣት ፋርስ (ናይ ሎሚ ኢራን)እውን ኰይኑ ነበረ።(ኣራማውያን ደቂ ኣ’ራም ወዲ ሴም እዮም)ኣብቲ ቀደም ኣ’ራም ዝበሃል ዝነበረ ደሓር ሶርያ ዝተባሃለ ዓዲ እውን ይቕመጡ ነሮም። እቲ ብኣራማይስጢ ዝተጸሓፈ ጥንታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት “ካሊዲ” ይበሃል ነሩ። ቛንቋ እብራይስጢ፡ እብራይስጢ ጥንታውን ዘመናውን ቛንቋ ኣይሁዳውያን እዩ። እብራይስጢ ካብታ “እብረ “ እትብል ስም ንኣብራሃም ካብቶም ጎረባብቱ ኣሞራውያን ምእንቲ ክፍለ ዝተወሃቦ ስም እዩ። ”እብረ”(pass ; pass by; pass over; cross)ሕለፍ ፡ተሳገር፡ እዩ። (ኢንሳይት ገጽ 1065- 1066 ) ቛንቋ ኡጋርስት፡ኡጋሪስት ሴማዊ ቛንቋ ክኸውን ከሎ ኣብታ ብሸነኽ ሰመን ምዕራብ ሶርያ “ኡጋሪት “ትበሃል ዝነበረት ናይ ወደብ ከተማ (ናይ ሎሚ ዑናታታ ብራስ ሸምራ ይፍለጥ) ዝዝረብ ዝነበረ ቛንቋ እዩ ነሩ ። ብ 1200 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ እንተ ብመዓት እንተ ብገዓት ወደብ ከተማ ኡጋሪት ምስ ህዝባ (ሕዝባ)ተደፊና። ይኹን እምበር ብ1929 ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ብሓደ ፈረንሳዊ ኣርክዮሎጅስት እቶም ኣሞራውያን ዝበሃሉ ዝነበሩ ተቐማጦ እታ ከተማ ዝዛረብዎ ዝነበሩ ቛንቋ “ኡጋርስት” ፊደላቱ ኣብ ጽላት (ታብለት) ተጻሒፉ ረኸቦ። ሴማዊ ቛንቋ ኮይኑ እውን ተረኽበ። ፊደላት ኡጋሪስት ነዚ ከምዚ ኣብ ታሓቲ ዘሎ ይመስል ።

ቛንቋ ግእዝ፡ ግእዝ ናይቲ ካብ ደቡብ ዓረብ ናብዛ ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ መጺኡ ስርወ መንግስቲ ኣክሱም ዝመስረተ ናይ ህዝቢ (ሕዝቢ) ኣግኣዝያን ቛንቋ እዩ። ቛንቋ ግእዝ ነቲ ቅድሚኡ ዝጸንሔ ቛንቋታት ብምዕብላል መንግስታዊ ቛንቋ ኮይኑ የገልግል ከምዝነበረ ይንገር። ደሓር ግን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ጥራሕ ተሓጺሩ ተረፈ። ኣብዚ ሓደ ነገር ክጠቕሶ ዝደሊ ኣብ መንጎ ጥንታዊት ኢትዮጵያ ኣብ ብሉይ ኪዳን 45 ግዜ ተጠቒሳ ዘላን እዛ ናይ ዘመንና ኢትዮጵያ ዘሎ ፍልልያት እዩ። እታ ኣብ ብሉይ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቂሳ ዘላ ኢትዮጵያ እቲ ምድረ “ኩሽ” ዝበሃል ዝነበረ ካብ ደቡብ ግብጺ ጀሚሩ ናይ ሎሚ ሱዳን ናይ ሎሚ ኤርትራን፡ ትግራይን ክሳብ ሞዛምቢቅ(ሞዛምቢክ) ዘጠቓልል ዝነበረ ምድረ” ኩሽ(ወይ መሬት ኣስራዚ) እዩ ነሩ። ኣብቲ ገዲም ጽሑፋት ናይ ግብጻውያን ድማኒ ” ኪሽ”ይብሎ። ይኹን እምበር ናይ ሰብትዋጅንት(Septuagint) ናይ ብሉይ ኪዳን (Old Testament) ትርጉም ግሪኽ ምስ ወጸ እቶም ኣስተርጐምቲ ኣብ ክንዲ እቲ “ኩሽ” ዝብል ቃል እብራይስጢ እቲ ናይ ግርኽ ቃል “ኣይታይኦፕያ “ ( Ai-thi-o-pi-a) (ደሓር ኢትዮጵያ ዝተበሃለ)ዝብል ተጠቕሙ። ትርጉሙ ድማኒ ግዝኣት ናይ ዓዲ ሕሩራት ገጽ ወይ ጸለምቲ ማለት እዩ። (እዚ ኣጸቢቅኩም ትፈልጥዎ ኢኹመ) እቲ ትርጉም ካብ እብራይስጢ ናብ ግሪኽ እዩ ነሩ። ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርዥን ግን “ ኩሽ “ዝብል ቃል እዩ ተጠቒሙ ዘሎ። ነዛ ናይ ዘመንና ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያ “ዝብል ሽም ዝተወሃባ ብዘመን ስርዌ መንግስቲ ኣክሱም ክርስትና ምስ ኣተወ እዩ ይበሃል። “Septuagint” ሰብትዋጅንት ድማኒ ሰብዓ ወይ ሰብዓን ክልተን ኣስተርጐምቲ ማለት እዩ።

ቛንቋ ትግሬ፡ ትግሬ ካብ ግእዝ እተወልደ ቛንቋ እዩ ዝብሉ ኣለው፣ የለን ካብ ቛንቋ ግእዝ ገለ ቃላት ወሪሱ ርእሱ ዝኸኣለ ሓው ቛንቋ ግእዝ እዩ ዝብሉ ናይ መጽናዕቲ መበቆል ቛንቋታት ሊቃውንቲ እውን ኣለዉ።

ኣብ ሰብዓታት ካብ ኣስመራ ዝፍኖ ዝነበረ መደብ ራድዮ ትግርኛን ትግሬ፡ ቛንቋ ትግሬ ተፈታዊ፣ ላዛ፣ ዘሎዎ ፣ንክትሰምዖ ደስ ዘብልን ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዝነበርኩ ይርደኦም ከምዝነበረ ደቂ ከበሳ ተዛረብቲ ትግርኛ ይሰዱለይ ዝነበሩ ደብዳቤታት ትዝ ይብለኒ እሞ እናስተንተንኩ “ ትዝታ በፖስታ “ እትብል ደርፊ ብዙነሽ በቀለ ክደርፍ ይጅምር። ስለዚ ድርብ ሰማዕቲ ነሮምኒ ክብል ይኽእል።

ቛንቋ ትግርኛ፡ ትግርኛ ካብ ግእዝ (ግዕዝ ኣግኣዚ) እተወልደ ምዃኑ ልሳነ ዘእም ግርማ ኣብቲ መጽሓፎም ሰኒዶሞ ኣለው። ቛንቋ ትግርኛ ከበሳታት ሃገረ ኤርትራን ክልል ትግራይን ሓዊስካ ልዕሊ 7 ምልዮን ዝዛረብዎ ቋንቋ እዩ። ቛንቋ ትግሬን ትግርኛን ሓደ ዓይነት ቃላት ሓደ ትርጉም ዘለዎ ኣለዎም ።እዚ ኣብቲ ዝመጽእ ግዜ(ጊዜ) ክነዋጋዓሉ ኢና። ቛንቋ ኣምሓርኛ፡ ኣምሐርኛ ድሕሪ ትግሬን ትግርኛን ዝተቐልቀለን ብዘመን ሃጸይ ይትባረክ (ነገደ ዟጔ )ኣብ መወድእታ 13 ክፍለ ዘመን  ናይ ቤተ መንግስት ምስጢራዊ ቛንቋን ናይ ወተሃደራት ምስጢራዊ ቛንቋ ነሩ ይበሃል። ኣምሓርኛ ካብ ትግሬ ዝያዳ ንትግርኛ ይቀርብ። ትግርኛ ድማ ዝያዳ ንትግሬ ይቀርብ። ብርግጽ ብዙሕ ቃላት ናይ ትግሬን ኣምሓርኛን ሓደ ዓይነት ኮይኖም ሓደ ዓይነት ትርጉም ዘለዎም ኣለዉ። ንኣብነት፡ እሳት ብትግሬ ብኣምሓርኛ እሳት እዩ።ጉድፍ ፣ብኣምሓርኛ ብትግሬ ግድፍ። ከንፈር፣ብኣምሓርኛ ብትግሬ ከንፈር ወዘተ።

ቛንቋ ብሊን፡ ቛንቋ ብሊንን፡ ኣገውን ፡ኣዝዩ ዝተቀራረበ እዩ። ንኣብነት፡ “ጃን” ብብሊንን ፡ኣገወኛን፡ ሓርማዝ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ “ጃን-ሆይ” ዝብል ቃል” ሓርማዝ ሆይ “ ማለት ምኻኑ ኣረጋጊጸዮ ኣለኹ። ብሊን ካብ ቛንቋ ትግሬ ብዙሕ ቃላት ኣለዎ ። ንኣብነት፣” ኣዳሓ” ፍርቂ መዓልቲ። “ከሮት” ጓጉድ ንመሕለብ ጸባ ዝኸውን ዓይነት መትሓዚ፣ኵሮ፣ ዳጉድ ማለት እዩ ብትግርኛ። “ኣላት “ መሳርሒ ናይ ቡን ። “ ድርክን” ድጒሪ ብኽልተ ጐኒ ናይ ማሕረሻ ገጢሙ ዚርከብ ካብ ኦም ዝተጸርበ ንነግሒ ዚስንጥቕ ክፋል ናውቲ ማሕረስ። “ዳንዳ” ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ፡እኽሊ ምስ ተዓጽደ ዝቕመጠሉ መርበቢ። “እራራ “ ሐረስቶት ኣብ ልዕሊኡ ተሰቒሎም ወንጭፍ ሒዞም ካብ ኣዕዋፍ መሸላ ዝሕልዉሉ ብባላታት እተሰርሔ በሪኽ ቦታ እዩ። ተዛረብቲ ቛንቋ ብሊን “ብሊን” ይበሃሉ። ንሐደ ሰብ ግን ኣንስታይ ይኹን ተብዓታይ “ብሊና” ይበሃል።

እስቲ ፊደላትና ምስቶም ይዛመድውዎም እዮም ዝበሃሉ ናይ ሴማውያን ፊደላት ብቅርጽ ዝመሳሰሉ ምዃኖም ዘርኢ ጥንታዊ ሰሌዳ ንመልከት። ኣብዚ ሰለዳ “ኘ” ወይ “ኛ” ዝድመጽ ፊደል የልቦን ዳሓራይ እዩ ተለቂቡ ። ስለዚ ብኡ እዩ ሐድ ሐደ ግዜ  “ትግርንያ/ኛ ፡ኣምሓርንያ/ኛ ዝጸሓፍ። እዚ ፡” ኘ” ዝብሃል ፊደል፡ናይ መንን መዓስ ከም ዝመጸ ብድሕሪ ሕጂ ሃሰስ ክብሎ እየ።

መደምደምታ።

እዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብትግርኛ ክጽሕፎ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት ነቶም ቍሩብ ትግሬ ዝጻንዖም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣውራ ኣውራ ኣብ ዝባነይ ተሸኪመዮም ንዓለም 7 ግዜ እንተ ዝዞራ ዘይደኽመኒ፡ ኣዋልድ ሃይገት ዝተመርዓዉን የሕዋትና ደቂ ከበሳ ከምኡውን ኣዋልድ ደቂ ከበሳ ዝተመርዓዉ ውላድ ሃይገት ኣባላትን ጌና ኣባላት ዘይኮኑ ስለ ዘለዉናን ዘለዋናን ከኽብሮምን ክዝክሮምን ደልየ እየ። “ስጋይ ስጋኻ ዘይብል ጥቃ ሓራስ ኣይቕረብ “ ኣብ መወደእታ ንዳክተር ሻሮን ሮዝ ኣብ ዩሲኤስዲ (UCSD) ናይ ክፍሊ መበቈል መጽናዕቲ ቛንቋታት ዲረክተርን ናይ ቛንቋ ትግረን ፣ ትግርኛን ፣ጉራጌን፣ ዓረብን፣(ናይ ሱዳን) ክኢላ (ኤክስፐርት) ክትእርመኒ ዝተወከስክዋን ፣ፕርፈሰር ገረዝግሄር በኪትን ንዝኾነ ይኹን ጽሑፍ “ ዓንቀር ዝኸልእ “(edit)የመስግኖም ። “ ኣቶ ማእከለ ክልተ ንደቁ ክልተ ንኣሕዋቱ መቐለ” ኣነውን ካብቲ ዝተመሃርክዎ ዘይኮነስ ካብቲ ዘንበብክዎን ዝተመከርክዎን የማቕል ኣለኹ።ዓይኒ ብዙሓት “ዓይኒ ዓራት” እዩ እሞ፡ ጌጋ ምእራም ፣ ነቐፌታ ፣መወሰኽታ፣መደረብታ፣ናይ ኣንባቢ ግደ እዩ። ዝኾነ ይኹን ጽሑፍ ሓቤረታ እዩ ድኣእምበር ንሱ ንባዕሉ ፍጹም ኣይኮንን ።

Posted in Posts.

One Comment

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *