ፐርመሶ ገረን ኣስፋሃን by Mussie Bekit

ፐርመሶ ገረን ኣስፋሃን
ብሙሴ በኪት
May 18, 2019

ወለድና ቀደም ብርቱዕ ጨው ዝመስል በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ እንድሕሪ ሃሪሙ ካራ፥ መንካ ፥ምሳር ፥ፋስ፥ ካብ ሓጺን ዝተሰርሔ ዘበለ ነገር ኽሉ ይድርብዩ ኸም ዝነበሩን ምኽንያቱ እንታይ ኸም ዝኾነ ፕሮፈሰር ገረዝግሄር በኪት ኣብታ “ ሃብትን ጽባቐ ሃይገትን በየን ኣበለ“ኣብ ዝብል ዓንቀጹ ጠቒስዎስ ኣስፈሃ ድማኒ ኣብቲ ዝሃቦ ርእይቶ ግርም ገሩ ወስኸሉ። ኣነ ድማኒ ብወገናይ ክህቦ ዝደሊ ርእይቶ ሓጺን ምልክት ናይ ምንታይ ኢዩ ? ማለት እቲ “ መለኮታዊ “ እምነት ናይ ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓጺን ዘለዎም እንታይ እዩ ? እምበርከስ ንመጀመርያ ጊዜ ሓጺን ካብ ሑጻ ፈልዩ ዝተጠቕመሉ ሰብ ቱባል ቃይን ( Tubal Cain) ዝተባሃለ ኣብቲ መበል ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድመ ልደት ክርስቶስ እዩ። (ኦሪት ዘፍጥረት  4: 22) ርኤ ። ናይ ሓጺን “መለኮታዊ ባህርይ “ወይ ድማ “ኣምላኻዊ ባህርይ “ ብኸምዚ ዝስዕብ ይግለጽ ። (1) ምትራር ወይስ ትሪ (hardness) (2) ንጉሳዊ ሓይልን ምልክን( kingly power) (3) ንቅጽና ድርቅና ( stubbornness) (4) ፍርዳዊ ስልጣን ( judicial authority ) ርግጽ እዩ እዚ ምሳሌኣዊ(Figuratively speaking) ኣዘራርባ እዩ። ክቡር ኣንባቢ/ት እስቲ ዘሌላውያን 26: 19 ፤ ትንቢት ኢሳያስ 48፡ 4 ፥ ትንቢት ኤርምያስ 6፡ 28 ከምኡውን ትንቢት ኤርምያስ 1፡18 መዝሙር ዳዊት 2፡9 ራእይ ዮውሃንስ 12፡ 5 ርኤ/ረኣዪ። እዚ ዝጠቐስኩሉ ምኽንያት ሃይማኖት ኸንጸባርቅ ኢለ ዘይኾንኩስ ገለ ገለ ደቂ ሰባት ንምንታይ ኣምልኾ ናይ ሓጺን ነርዎም ወይስ ኣለዎም ንምግላጽ ዝኣክል ኢዩ ። ስለዚ ሓጺን ዘሸንፍ እምበር ዘይሽነፍ ከም ኹሉ” ዝከኣሎ” ተገሩ ስለ ዝቁጸር እዩ ። ንኣብነት ቀደም ሓንቲ ብርቱዕ ሕርሲ ዝሕዛ ሰበይቲ ምእንቲ ኽትገላገል ሴፍ መሊሖም ኣብቲ ገጻ የንበጥብጥዎ (ይውዝውዝዎ)(ው’ዝወዛ shaking) ፈሪሃ ምእንቲ ኽተሓርስ ( እዚ ኣብቲ ንመዘከርታ ናፋዕ ወድ ዑትማን ዝተጸሓፈ መጽሓፍ ገጽ 102 ተሰኒዱ ኣሎ) ምስ ሓረሰት እውን ክሳብ 40 መዓልቲ ንእሽተይ ቃጭል “ ከለሓት “( ቋንቋ ትግሬ ) ኣብ እግሪ ናይቲ ዓርቃይ ( ዓራት )ተኣሲሩ ኣብ መዓልቲ 3 ጊዜ ንግሆ ፥ቀትሪ ፥ ምሸትን ነጐዳ እንተ ነጕደ ሰብኣይ እንተ መጸን ይህረም። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን ኣብታ እግሪ ናይታ ዓራት “ጎሎዳ” ካራ ማለት እዩ ወይ ድማኒ ዓባይ መርፍእ(መስፈ) ትእሰር። እዚ ኽሉ ንምንታይ እዩ እንተ ተባሃለ ሓጺን እንተላይ ነቶም እኩያት መናፍስቲ የፍረሆም እዩ ዝብል “ኣምልኾ “ ስለ ዘሎ እዩ። ኸምኡውን ሓንቲ ሰበይቲ ንበይና መገሻ እንተኸደት ኣብቲ ቁኖኣ (ጨጉራ ) መርፍእ ስኩዕ ኣቢላ ትጎዓዝ ። ሓደ ሰብ ንበል ሕማቅ ፋል ካብ ልሳኑ እንተ ተሰምዔ “ ሓጺን ተምትሞ” ሓጺን ተንክፉ ይበሃል ። ኣብ ምስላ ወይ ድማኒ ኣብ ምርቃ “ ፍሩህ ክም ሐጺን ዎ ክም ከለተት ጢን ግባእ “ ትርጉሙ ፍሩህ ከም ሓጺን ተሪር ከም መሬት ጥዑም ወይ ካይላ(Clay) ኹን ( ብአምሓርይና/ኛ ሽክላ ይብልዎ )ማለት እዩ። ኣባሓጎና ቡላ ወድ ተስፋልዑል ኣዝዩ ዘድምዕን ፍሩህን “ ሕልዉይ ቡላ “ዝሽሙ ኣዝዩ ብሉጽ ኣፍርንጂ ዝዓይነቱ ሴፍ ነርዎ ። እንድሕሪ ውግእ ገጢሙ 10 ሰብ የውድቅ ከም ዝነበረ “ዲብ ክታብ ድግም መንሳዕ “ገጽ 41 ተሰኒዱ ኣሎ ። ሓደ ጊዜ ከብቲ ጸላኢ ዘሚቱ ክምለስ ኸሎ ጸላእቱ ኣርኪቦም ብጥይት ስለፉ ምስ ሃረሙ ኣብታ ጥቁኡ ዝነበረት ኦም ተኸዊሉ ነቲ ፍሩህ ሴፉ መሊሑ ንላዕሊ ቀጥ ኣቢሉ ተጸበዮም ወዮ ጸላእቲ ንድሕሪት ገጾም ሃደሙ ። ንሱ ግን ብጾቱ ተሽኪሞሞ ንላባ ምስ ወሰድዎ ሞይቱ ኣብኡውን ተቀብረ ።እቲ ጭርሖ (ስቅራት) ( war-cry) “ወድ ሕሩጥ ሰይፉ “ ናይ ዓድ ቡላ ሽዑ መዓልቲ ወጺኡ ። ቡላ ወዲ ወዱ ንግዕዳድ ወድ ለዋይ እዩ ። ንያሲን እብራሂምን ንኣብረሃ ገብሩ ተስፋልዑል ውላድ መሓባርና ኣበሓጎኦም እዩ ። ስለዚ “ውላድ ሕሩጥ ስይፉ “ እዮም ። ትርጉሙ ብሓርፋፉ ብትግርኛ “ ደቒ ምሉሕ ሴፉ “ ማለት እዩ ። ከምኡውን ሓጺን ፈውሲ ሓሳድ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝኣምኑሉ ኣብ ዓውዲ ዝተኾመረ እኽሊ ኣብ ልዕሊኡ ሓጺን የቀምጡ። ሓጺን ኣዝዩ ፍሩህ ስሌ ዝኾነ ኣብ ዓድና ኸምዚ ተባሂሉ ይግጠመሉ ነሩ ።
(1)“ ሓምቅ ላቱ ኢተሌ ጀሌ ለሰሓብ ቃረቱ
ወራቂቅ  ኢተሌ  ሐጺን ጻንሕ ላ ሕማጡ “
(2) “ ዐድ ሐደምበስ ነቡሮ ባርካ እሊ ጀፋፊሩ
ዐድ ዕጀል ነቡሮ ሐጺን ሰብ አከሩ “
(3) “ኢትፍገሮ ምን ምግባ እባ ትፋና አቡና
አፍና ስቃር ደናግህ ሐጺን ነሀይብ
ዎ ሀይቡና’’
(4) “ ክም ግርቢት ትትዓረር ዎ ክም መሳንቆ ትትቃኔ ገደቦ እት
ሓባብታ እብ ሐጻይን ሕድ ባሌ”
(5) “ ሓሶሰ ዎእድሪስ ስካብ ሌጣ ሚ ወዴ ሰብ ሓጺን ሀርሳና
ጋባቱ ባልዕ ዎ ሰቴ “
ምንላ እግል” መፍቃዲ ናፋዕ ወድ ዕትማን ለትካታባ ክታብ” ዝተወስደ እዩ ።
ነቐፌታ ፤ ሓበሬታ ፤መወሰኽታ ፤ መመላእታ ፤ መኣረምታ፤ ናእዳን ቅቡልን ግቡእን እዩ

 

Posted in Posts.

2 Comments

  1. ሓው ፕሮፌሰር ገረዝግሄር ስለ እቲ ኣዝዩ ዘተባብዕ ርእይቶኻ ካብ ልቢ የመስግን :: ርግጽ እዩ ጋዜጤኛነትን ፖሎቲክስ ወልፊ እዩ :: ጋዜጠኛን ዋጣን እንድሕሪ ገጽ ሂብካዮም ፎእ እዮም ወዮ ተረኽቡ ኢሎም ከም ዝብኢ ምልእቲ ለይቲ ኣይድቅሱን እዮም :: ዋጣ ለይለይ ክብል ጋዘጠኛ ድማኒ ክፈናቅል ትርእዮ እሞ እቲ ክምስገን ዝግበኦ ንስኻ ኢኻ እታ ዓንቀጽ ኣብ ሚዛን ኣውሪድካ ሰንክትዋ ለንቅጥዋ ስለ ዝበልካና ደድሕሪኡ ድማ ወድና ኣስፋሃ እታ ፈትሊ ስሕብ ኣቢልዋ:: ስለዚ ፍልጣትካን ምህሮኻን ንብድሕሪ ሕጂ እውን ከይትበቅልና ሓደራ ይብል::

  2. ክቡር ሓው ሙሴ፡
    ነታ ሓውና ኣስፋሃ ዝሓተታን ርእይቶን ዝሃበላን ሕቶ ንስኻ ኩሉ መዛግብ ደሃሲስካን ፈቲሽካን ምሉእ ሓበሬታ ምስ ጭብጥታቱ ስለዘቕረብካልና ብጣዕሚ የመስግንነካ። እቲ ናይ ጋዜጥነት ሞያ መቸም ወላ ቅድሚ ዓመታት እንተ ገደፍካዮ ንሱ ገና ኣይገደፈካን ኣሎ ምኽንያቱ ኣብ ኣንጉዕካን ደምካን ስለዘሎ። ሓደ ጋዜጠኛ ገለ ኣንፈት ምስ ዝረክብ ነታ ኣንፈት ሒዙ ኣብ ዝእቶ ኣትዩ ኩሉ ዝፍተሽ ፈታቲሹ ምሉእ ሓበሬታ የቕርብ። እዚ ከምዚ ዓይነት ስራሒ ግዜ ከምዝወስድ ብሩህ እዩ ኣሞ ስለቲ ግዜኻ መሊሰ የምስግን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *