ሀብቲን ጽባቐን ሃይገት ኣበይ ኣቢሉ by Gerezgiher Bekit – Tigrina vesion of the below Tigre article

ሀብቲን ጽባቐን ሃይገት ኣበይ ኣቢሉ?

ብገረዝግሄር በኪት 03/28/19

እታቀይም ሳፋለልኮ” (ቐወዒ ናፊቐ) እትብል ግጥሚ ሙሴ በኪት ምስ ሰማዕኹ፡ ሀብቲን ጽባቐን ሃይገት ኣዘኻኺሩኒ። “ሃይገት ዝላላ፡ ሽዕብ በዳላ፡ ክልኦት እክላ፡ ክልኦት ዝላማ ወክልኦት እጋላ” (ሃይገት ዝላላ፡ ሽዕብ ብዳላ፡ ክልቴ እኽላ፡ ክልቴ ማያ (ዝናማ) ክልቴ ምራኻን) ዝተበሃለሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ሃይገት ብከብቲ፡ እኽልን፡ከምኡውን ብኣቀማምጣ መሬታን ብጣዕሚ ሀብታም ከምዝነበረት ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ብጽሑፍ ሰኒዶም ገዲፎሙልና ኣሎዉ። ርግጽ፡ ሓደ ካብኣቶም ካርል ጉስታቭ ሮደኝ (ሮዲን) እዩ። ከምኡውን ነኣይሽቱ ከሎና ኣቦታትና ከዘንትዉ ንሰምዕ ነርና። ሕጂ እቲ ኩሉ ሀብቲ ኣበይ ኸይዱ? ልክዕ እዩ፡ ሓደ ካብቲ ምኽንያታት (ከም ዓለማ) ናይ ክሊማ ምቅያራት ከኸውን ይኽእል።

በቲ ንሕና ዘርካብናሉ ዘመን ውን እንተኾነ፡ ማለት ነኣይሽቱ ኸለና፡ ዋላ ክምቲ ናይ ቀደም ኣይኹን እምበር፡ ብብዙሕ ጥሪት ኣርኪብና። ዝናም መሊኡ፡ መሬታ ለምለም ነሩ። ብግዜ ክረምቲ ሰብ ሃይገት እኽሊ ኣየድልዮምን ነሩ፡ ምኽናያቱ በብዓይነቱ ፍሬ በረኻን ፣ሓምሊ በረኻን፣ እንስሳ ዘገዳም ምሉእ ዘይግዱል ስለዝነበረ።

ልዕሊ 30 ዓይነታት ፍሬ በረኻ

ልዕሊ 40 ዓይነታት ኣእዋም

ልዕሊ 15 ዓይነታት ኣሕምልቲ በረኻ

ልዕሊ 12 ዓይነታት ዝብልዑ እንስሳ ዘገዳም

ልዕሊ 20 ዓይነታት ኣዕዋፍ

ልዕሊ 8 ዓይነታት ዕምብባ

ኣቦታትና ብተፈጥሮን ተመክሮን እታ ማይ ዝወቕዓላ መዓልቲ ከይተረፈ ይፈልጥዋ ስለዝነበሩ ሎሚ ነተን ጥሪት ኣብ ጎባታት ኣውፍሩወን፣ ካብቲ ሩባታት ረሓቑ ይብሉና ነሮም። ከምቲ ዝብልዎ ድማ ንምሼቱ መሬት ብማይ ተዕለቕልቕ።  ሓደ-ሓደ ግዜ ዓበይቲ በረድ ይወርድ እሞ ኣዴታትና ካራ ወይ ዝኾነ ሓጺን መሳሊ ንደገ ይድርብያ፡ ከምኡውን ይመሀለላ ሽዑ ንሽዑ ድማ እቲ በረድ ጠጠው ይብል። ብግዜ ክረምቲ እቲ መሬት ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ፣ ሩባታት ብወሓዚ ማይን ዛራን ጎላጉል ድማ በብዓይነቱ ዕምባባ መሊኡ ኽትርኢ ኸለኻ ንዓይኒ ዘገርም መልክዕ ንኣፍንጫ ድማ ጥዑም መኣዛ ዝህብ እዩ ነሩ። ሮዲን ኣብቲ ናይ መዝሙር ጽሑፉ ብዛዕባ ምስጋና ክረምቲ ክጽሕፍ ከሎ ሃይገት ኣብ ኣእሞርኡ ነራ ኾይኑ ይስመዓኒ። “ዎኣምላኽ ነመስግነካ፣ ሰለ-ክራማት ዝሀብካና፣ እዕዋፍ የምስግናኻ፣ ወሓዚ ሩባታት፣ ናይ ጎላጉል ዕምባባ፣ ኣኸዛ ኣኽሊ መሊኡ ኣብ ግራውትና ፣ ሮራታት (በሪኽ ቦታታት) ኩሉ ምለም፣መኣለያ ዘይብለን ከብቲ (ጥሪት) ስለዝሀብካና “  እንዳበለ የመስግን።

ኣብ ግዜ ክረምቲ ከብቲ (ጥሪት) ሓንቲ መዓልቲ ይሰትያ ሓንቲ መዓልቲ ድማ ከይሰተያ ይውዕላ። እተን ዝሰትያላ መዓልትታት ኣብ ጎላጉል ይውዕላ፣ ዘይሰትያሉ መዓልትታት ድማ ኣብ ጎባታት ይውዕላ። ክረምቲ ክረምቲ ኩለን እተን ጥሪት ጨው የስትይወን ምእንቲ ክርስን(ከስዔን) ጸርዩ ካብ ዝተፈላልየ ሕማም ክድሕና። ድሕሪኡ ክረምቲ ይሓልፍ ቐውዒ ይኣቱ። ኣብ ግዜ ቐውዒ ከብቲ ኣብ ቃንጫን ሰዓሪን ዝመልኦ ጎላጉል ሰለዝውዕላ፥ ግዋሶት ይሕጎሱ ምእንቲ ቅሩብ ዕረፍቲ ረኺቦም ክዕሶ ክጻወቱ። ግዋሶት ኣጣል ግና ዕረፍቲ የብሎምን ምኽንያቱ ውኻርያ በቲ ግመ ተኽዊሉ ስለዝጻነተን። ግናኸ ንፉዕ ከልቢ እንተሎ፡ ሓንሳብ ብድሕሪተን ሓንሳብ ኣብ መንጎኤን ኾይኑ ይሕልወን። ኣብ ዓድና ክልቴ ዓይነት ኣኽላባት ነሮም፡ እቲ ሓደ ምስ ጥሪት በረኻ ይወፍር እቲ ሓደ ድማ ገዛ ውዒሉ ደምቤ ይሕሉ። ድሕሪ እዚ ቐውዒ ይሓልፍ ጸድያ ይኣቱ። ከብቲ ኣብ ጎባታት ሶጎ ይወፍራ፣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ካብ “ዓጽላ” ዝበሀል ቑጽሊ ይጸግባ፡ እሞ ምሼት ገዝኤን ክኣትዋ ከለዋ እቲ ትንፋሰን ካብ ርሑቕ ከምቲ ዓጽላ-ዓጽላ ይጨኑ፡ እቲ ጸበኤን ውን ከምኡ ይጨኑ። ካብ ኩሉ ዝገርመኒ ግና እተን ጥሪት መሬት ክመሲ ምስጀመረ ባዕለን ብድድ ኢለን ንገዛ የምረሓ።

  • ሕጂ ናብ ሮዴን (ሮዲን) ነመለስ፥

እብ ፍትሕ መሓሪ እንተረኣና፡ ሓደ ሰብ እንድሕሪ በዲሉ እሞ ብዳኛ በደለኛ ኮይኑ እንድሕሪ ተረጋጊጹ፡መቕጸዓቱ ምእትን ዕስራን (120) ከብቲ ልሙድ ከምዝነበረ ይሕብረና። ብሕልፊ ሃይገት ብከብቲ ሀብታም ከምዝነበረት፡ ሮዴን (ሮዲን) ኣብ “ድግም ክልኤ መንሳዕ” ገጽ 41-42 ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ብምክንታብ ቴድሮስ ወድ እድሪስ ወዲ ወዱ ንተስፋምኬል ወድ ገብረስ ሮዲን ከምዚ ይብል፥ “ ናይብ ሓሰን ወድ እድሪስ ሽዑ ግዜ ግብሪ (ቐረጽ)ንኽእክብ ኣብ ዐድ-ትማርያም ናብ ኣፍ-ዓበድ መጺኡ ነሩ። መጀመርያ ጀሃድን ኣዳላን ደቂ ዐገባ፣ እንዳ ዓይላይ ሹመት ደልዮም መጺኦሞ።  ኣዳላ “ነዚ ሓወይ ጀሃድ ኣብ ቤት ኣብርሄ እንተሸምካዮ፡ ካብ ከብቲ ሓሙሽተ ምእቲ (500) ንህበካ” በሎ።ንሱ ሕራይ ኢልዎም ከሎ፣ ኤሎስ ወድ እድሪስ እንዳ ገብሬስ ብካልእ ስርሑ ንኣፍ-ዐበድ መጺኡ ስለዝነበረ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ሓዉ ቴድሮስ ከምዚ ዝብል ልኡኽ ልኢኹ “እንዳ ዓይላይ ክሽየሙ ይደልዩ ኣሎዉ’ሞ እታ ሽመት ንዓኻ ስለእትግባእ ብዝቐልጠፈ ግዜ ከምእትመጽእ ግበር”።  ብመጀመርያ ቴድሮስ ዕሽሽ ኢልዎ ድሓር ግን መጺእዎ። ዕንክርን ሕመድን ን ናይብ “ንሕና ሽሕን ሓሙሽተ ምእትን (1,500) ከብቲ ንህበካ፡እታ ሽመት ንቴድሮስ ሀባ” ኢሎሞ። ናይብ ንእንዳ ዓይላይ “እሞ እዚ ዝበልዎ ትህቡ ዲኹም ወላ ኣይትህቡን” በሎም።  ንሳቶም ግና፡ ነቲ ዕንክርን ናይብን ዝጠቕሰዎ ኣሃዝ ከም ምእቲ ሽሕ ዝበልዎም መሲልዎም  “ኣይፋልናን ዓቕሙ የብልናን” ኢሎም። በዚ መገዲ እዚ እታ ሽመት ንቴድሮስ ሂብዋ።”

ነዚ ዛንታ እዚ ዘምጻእኩሉ ምኽንያት፡ ሃይገት ክንዲ ኣየናይ ዝኸውን ሀብቲ ከምዝነበራ መዓረ ሽሕን ሓሙሽተ ምእትን ከብቲ ንሽመት ምሃቦም ገሪሙኒ። ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ፡ ሃይገት ብጥሪት ሀብታም ስለዝነበረት፡ብዙሕ ግዜ ሰብ ከበሳን ኣብ ካባቢኣን ዝነብሩ ዝነበሩ ነተን ከብቲ ይዘምትወን ነይሮም።

  • ፕሮፈሶር ኮልሞዲን

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሓንቲ መጽሓፍ “ከኒሻ” ዘርእስታ ብካርል ጆሃን ሉንድስትረምን እዝራ ገብረመድህን ኣብ 2011 ዝተጸሓፈት ኣንቢበ። እታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 70-71 ብዛዕባ ጽባቐ ሃይገት ተዘንቱ። ትርጉሙ እዚ ይመስል።

ኣብ 1908 ፕሮፈሶር ኮልሞዲንን ቀሺ ስቨንሶን፡ ክልተ ምስዮናውያን ደቂ ሽወደን፡ ካብ ጸዓዘጋ፡ ሓማሴን ናብ መሬት መንሳዕ ተበጊሶም። ምኽንያቱ ድማ መሬት መንሳዕን ሮዲንን ንምርኣይ ነሩ። ብጽባቐ እታ መገዲ ካብ ምሕላብ ጀሚራ ንገለብ እትወስድ ዝተመሰጠ ኮልሞዶን ከምዚ ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ፥

“ዓርቢ መዓልቲ ወርሒ ሕዳር (ቐውዒ) 1908, መገሻና ካብ ምሕላብ ጀመርና። እታ መገዲ ካብ ምሕላብ ንገለብ እትወስድ ብምሒር ጽባቐኣ ሓደ ወዲ ሰብ ክኸዳ ዘለዋ እያ። ዝበዝሕ ግዜ መገድና ብደንደስ ሩባ ገድማይ ነሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ሩባ ነቒጹ ነሩ ( ቐውዒ ስለዝነበረ)። ሓደ ግዜ ንየማን፡ ሓደ ግዜ ንጸጋም ንእለ፡ መሊስና ኣብ ማእከል እቱ ሩባ ንምለስ፡ ድሕሪኡ ስግር እቲ ሩባ ንሰግር ነርና። ብሸነኽ የማንናን ጸጋምናን እቲ ጎባታት ኣናለዓለ ይኸይድ ነሩ። ካብቲ ነቐዓት እቲ ጎባታት ዓበይቲ ኣእዋም ይወጽእ። ኣብ መንጎ እተን ኣእዋም ንምርኣዩ ባህ ዘብል ቃዋልቃዋል ይርኤ። እቲ ኣእዋም ካብቲ ኣጻድፍ ናይቲ ጎቦታት ከመይ ኢሉ ጠልጠል ከምዝብል ዘገርም እዩ። ብዙሕ ግዜ እቲ ኣእዋም ብምሒር ምንውሑን ምግጃፉን ነቲ መገድና ጽላል እንዳመለሰሉ ይኸይድ ነሩ።

ሓንቲ ኣቃልቦይ ዝሰሓበት ኦም ነራ፣ ንሳ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣእዋም ፍልይቲ ነራ፣ ፍሬኣ ቁመቱ ፍርቂ ኣመት ይኸውን፣ ምግጃፉ ድማ ሓንቲ ዕማዋኾ ኢድ ይኸውን፣ ኣብ ቅርንጫፍ ናይታ ኦም ጠልጠል ይብል። ኣብ መንጎ መገድና ሓድ-ሓደ ግዜ ኣብ ብጣዕሚ ሀብታምን ኣዝዩ ቐጠልያ ዝኾነ መናፈሲ/መዘናግዒ ከምዝኣታና ኾይኑ ይስመዓኒ ነሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ድምጺ ናይተን ኣዕዋፍ ካብ የማንን ጸጋምን ዝመጽእ ክትሰምዕ ኾሎኻ ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። ሩባታት ፣ ስንጭሮታትን ብቀጻሊ ወሓዚ ማይ መሊኡ እንተዝውሰኾ (ግዜ ክረምቲ እንተ-ዝኸውን ነሩ ማለቱ እዩ) እንታይ ኮን ምመሰለ ናይሩ?  ኣይፋለይን፣ ሱቕ ምባል ይሕሸኒ፣ እንተዘይወስኸሉ ይሓይሽ። ሓንቲ ዝብላ ነገር እንተላ ግና ንብጻያይ ቀሺ ስቨንሶን፣ መሬት ሮዲን (ማለት መሬት መንሳዕ) ምስ ኩሉ እቲ ሀብቱን ጽባቐ ኣእዋሙን በብዓይነቱን ዕምባብታትን፣ መዝሙር ኣዕዋፍን ክትሰምዕ ከሎኻ ካብ መሬት ቀሺ ስቨንሶን (ማለት ጸዓዘጋ ሓማሴን) ብዕጽፊ ይጽብቕ።”

እቲ ናይ ኮልሞዲን ምግራም ዝገልጽ ጽሑፍ ቃል ብቃሉ ብእንግሊዝ እዚ ስስዕብ እዩ፥

“Professor Johan Adolph Kolmodin, who visited Mensa at the end of November 1908, has left us a lyrical description of the scenery between Mehelab and Geleb.  He writes,

On Friday November 27, 1908, we started from Mehelab. The way up to Geleb is the most beautiful stretch of country through which one can travel.  For a good part of the way we followed the bed of the river Gedmai, now dry.  We moved now to the right, now to the left and again along the middle of the river bed, and across the river itself.  The mountains kept rising, to the right and to the left. Here and there, out of the crevices of the mountains, big tress emerged. Among them was the beautiful candelabara tree. How these trees could cling to the almost sheer faces of the mountains was a source of wonder for me.  Often, giant trees cast their shadows on our way.

My attention was drawn to a special tree with fruits half a cubit long and the size of a fist, hanging from branches on vines, thin and long.  At times our path went through what appeared like a rich green park.  Add to this the songs of all kinds of strange birds, reaching us from different directions. Imagine how it feels when even streams and the rivers begin to sing.  No, I must abstain from any further descriptions.  I could only say to my fellow traveler, Pastor Svenson, that Roden’s country  (meaning  Mensa) with its variations, its wealth of trees and flora, as well as the songs of birds, was much more beautiful than his country (meaning Tse’azzaga or Hamasen). “ Page 70-71.

ምንጪ (መወከሲ) ናይ ጽሑፌይ (1) “ድግም ክልኤ ወፍትሕ መሓሪ” ብ ሮዲን

(2) “ከኒሻ-ሩትስ ኣንድ ደቨሎፕመንት ኦፍ ዘ

ኢቫንጀሊካል ቸርች ኦፍ ኤርትራ”

ብ ካርል ጆሃን ሉንድስትረምን እዝራ ገብረመድህን ገጽ 70

Source & Reference:  (1) “Dgim Mensa & Ftih Mehari” By Carl Ruden

(2) “Kenisha”- Roots and Development of the

Evangelical Church of Eritrea”, by Karl

Johan Lundstrom and Ezra Gebremedhin

Posted in Posts.

4 Comments

  1. Thank you AHG. This is not only a great question, but a great answer. You essentially provided a rational answer to your question. I would like to add the following points. At first, I was thinking this was a superstitious practice. But when I read your above response and I further googled it, I realized this was a genius traditional practice. “Hail is large frozen raindrops produce by intense THUNDERSTORMS ( emphasis mine), where snow and rain coexist in the central updraft.” As we all know, thunderstorms and lighting go hand in hand. So, it makes a perfect sense to ground the lighting strike by placing some sort of metals outside the house. Nevertheless, the cessation of the hailing could just be a coincidence.
    Again, thank you for the great feedback.

    Gherezgher

  2. I am wondering when you say: “ሓደ-ሓደ ግዜ ዓበይቲ በረድ ይወርድ እሞ ኣዴታትና ካራ ወይ ዝኾነ ሓጺን መሳሊ ንደገ ይድርብያ፡ ከምኡውን ይመሀለላ ሽዑ ንሽዑ ድማ እቲ በረድ ጠጠው ይብል።”, was that practice for the concern of freezing rain only? Or they had some kind of understanding of metals and lightning. Metals properly placed and grounded does protect from lightning strike.
    Wikipedia info including historical background on metals and lighting… https://en.wikipedia.org/wiki/Lightning_rod.

  3. ክቡር ሓው ጋቨርነር ሙሴ
    ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ : ሃይገት ብብዙሕ ነገር ከም እትዝከር ኣብቲ ከም እኒ ኮልምዲንን ኢኖ ሊትማንን ዝገደፍዎም ጽሑፋት ክንዕዘብ ንኽእል። ሓደ ካብቶም ንሃይገት ካብቲ ኻልእ ክፍሊ ሃገርና ኤርትራ ዝፈልያ አቲ ክልቴ ወይ ሰለስተ ክራማታ ( ዝናማ) አዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሃብታም ክትኸውን ኽኢላ። ርግጽ እቲ ጽሑፈይ ሓደ-ሓደ ነገራት ንምዝኽኻር እሞ ክንዘናጋዓሉ ብዝብል መንፈስ እዩ እምበር ብዙሕ ቁም ነገር ሃልይዎ ኣይኮነን። ስለ እቲ ምትብባዕካ እንዳ ኣመስገንኩ ዝውሰኽ ክትውስኸሉ ዝእረም ድማ ክትእርም ብትሕትና እዕድመካ። ብዙሕ የቐንየለይ
    ሓውካ ገረዝጎሄር

  4. ጥዕና ሃበለይ ፕሮፈሰር ገረዝግሄር :: ጽሕፍካ ነቶም በቲ ዘመን እቲ ዘይንበርና ሓዲሽ ምህሮ ነቲ ዘርከብንናሉ ግን ዝርሰዓናዮ መዘኻኸሪ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ድማኒ እቲ እዝዩ ጥንታዊን ጥንታውን ተደራቢ ታሪኽዊ ፍልጠት ክም ዝህቦም ኣይጠራጠርን እዬ :: ስለዚ ዘልኣለማዊ ህያው ሰነድ ታሪኽ እዩ :: ብኽልተ ልሳናት ( languages ) ስለ ዝጸሓፍካዮ ይንእደካ :: ቀጽል እውን :: ሐውኻ ሙሴ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *