Tigrina poem dedicated to Tigre language by Musie Bekit

እንታይ የዕግበኪ ?
ብሙሴ በኪት::

      ( ኣነ ይሓትት )

እንታይ የዕግበኪ ክቡር ዙሃር* ወይስ  ዘመን ኣምጽኦ ክብርቲ መኪና ?
ወይስ ካብ ገነት ዝተጠልበ ሙዑዝ * * ጨና ?
እዚ ኽሉ ንፍቅርኺ ዝምጥን እንተ ኾይኑ
ብግልጺ ንገርኒ ይወረ ይኹን ዜና
እዚ ኹሉ ንልብኺ ዝሰልብ እንተ ድኣ ኾይኑ ኣንቲ ትግሬና
“ቃል ክዳን ” ምኣሰርኩ ዝጠምር ኽልተና::
እንታይ እዩ ንፍቅርኺ ዝምጥን ከቶ!!!
ትግሬ !! የቅርበልኪ ኣለኹ ሕቶ?
ካብ እግርኺ ክሳብ ክሳድኪ ሽልም   ሸላሊማ
እንተ ዘስረሓልኪ ካብ ወርቂ ዝተጸርበ ጫማ
እንተ ዝደፍኣልኪ ብኣልማዝ ዝተጎንጎነ ዘውዲ 👑 ዝተጸሓፎ ” ርሑስ  ጋማ”
እዚ ኹሉ ናይ  ዕግበትኪ መለክዒ
ያእ ዝኸውን ኣይመስለንን እንድዒ ?
ይመውት ኣለኹ እህህ እህህ እንተ ዝብል
ብማሲንቆ እንተ ዝቃኒ ውዳሰታት እንተ ዝፍልፍል
መልሓሰይ ቅነታት እንተ ዝድርቢ
እዚ ኹሉ እኹል ኣይመስለንን ዘዕግብ
ንልቢ::
ስለዚ ንዓኺ ዘዕግብ ህያብ ካብ ዘይተረኽበ
እንታይ ገደሸኒ ዝጽበ ::
እንኪ እዚ ኣዝዩ ዝምስጥ 🌹 ዕምባባ*** ኣብ ባይታ ልብኺ ♥ይተኸል
ይጠጥሕ
ዘመናት****ይቁጸር መስዩ ክሳብ  ዝውግሕ 🌞

( ትግሬ ትምልሽ )

” ሕጂ ረኺብካዮ ንዓይ ዘዕግበኒ
ሕልምኻ ብሕልመይ ተራእዩኒ
ድልዱል ዋሕስ ኢኻ ንሱ እዩ
ዘድልየኒ
ሽልማትን ክቡር ዙሃርን እንታይ
ክኾነኒ ::
ሃባ እቲ ቅዱይ ናርዶስ ዕምባባ🌹
ደጊም ንመርዖ ብሕጊ ሃይገት
ሕጊ እንዳ ኣባ ”

*  ዙሃር > ኣዝዩ ክቡር ኣእማን
**  ሙዑዝ > ሙኡዝ እውን ይበሃል እዩ ግን ” ሙዑዝ” እዩ ክጸሓፍ ዘለዎ
*** ዕምባባ > ዕንባባ እውን ይበሃል እዩ ግን ” ዕምባባ ” ክጸሓፍ ኣለዎ ::
****ዘመናት >  ዘበናት ብልምዲ ዝመጸ እዩ ዝመስል እምበር ብትግርኛ ” ዘመን – ዘመናት  እዩ ዝበሃል:: ዘበን ዝብል ቃል  ትግሬን ኣምሓርኛን ዓረብን እዩ::
” ያ ዘበን ” ዓረበኛ  ” ዘበን ሰኒ ” ትግሬ “ብዙ-ዘበን ” ኣምሓርኛ ::

እዛ ግጥሚ  እዚኣ ንልሳን ወይ ድማኒ እግል ህግያ ትግሬ መዘከርታ  ትኹን::
” ሂጋ  ” ማለት ዘረባ ክኸውን ከሎ “ህግያ ”   እቲ  ቁዋንቃ ( Language) እዩ ::

Posted in Posts.

2 Comments

  1. Thank you, Resta , haftay . Very true ! They were poets too, like: Kentebay Tesfamichael wed Aftay , Kentebay Mohameed wed Hasama , and Kentebay B’emnet wed Teodros. I will try to post some of their poems on our website. And one of our far ancestors Adnan was a great poet . His poems and literatures were translated in to several languages in the Middle East countries and their surrounding areas.

  2. Beautiful Poem. The sweet and loving words are delightful to the ears. It is amazing how many poets are in this corporation. I am beginning to think Kulot Wulad Haiget are somehow related to William Shakespeare. Our grand parents and great grand parents always expressed themselves with poems and verses.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *