ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባላት ማሕበር ውላድ ሃይገት ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ ፣

ማሕበርኩም ፣ ብኣሳልጦ እወንታዊ መደባት እተሰነየት ትኹን !!!

ብቀዳምነት ፣ ከምቲ ደቂ ካልኦት ቀቢላታት ኤርትራ እውን ክጥቀሙሉ ዝርከቡ ዘለዉ ፣ ንስኻትኩም እውን ፣ ንሓድሕድኩም ክትራኸቡላ ፣ ክትላለዩላ ፣ ክትዋስኡላ ፣ ክትተሓጋገዙላ እትኽእሉ ማሕበር ከተቁሙ ምኽኣልኩም ብምፍላጥ ብዙሕ ከም እተሓጐስኩ እገልጸልኩም ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ፣ ማሕበርኩም እምበኣር ፣ ብኣሳልጦ እወንታዊ መደባት እተሰነየት ትኹን !!! ነቶም ኣብ ካልኦት ናይ ወጻኢ ሃገራት እንነብር ዘሎና ደቂ ሃይገት ከኣ እግዚኣብሔር ኣብነትኩም ንምኽታል ዘኽእል ጸጋ ይሃበና ።

ምስዚ ኣተሓሒዝ ክገልጾ ዝደሊ ፣ ናትኩም ወብሳዪት ምኽፋትኩም ብናተይ ተረድኦ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ ። ምኽንያቱ ከኣ ቛንቛና ፣ ባህልና ፣ ታሪክና ወዘተ,,, ንምፍላጥን ንምዕቃብን ንምምዕባልን ንምስናድን ዘኽእል ዝሓሸ ኣገባብ ስለ ዝኾነ ። ኣብዛ ወብሳዪት እዚኣ ብቋንቋታት ትግረን ትግርኛን እንግሊዝኛን ድሮ ወጺኡ ዘሎ ጽሑፋትን መግለጺ ዘረባን ንኣብነት ብተገዳስነትን ዓሚቚ ምስትውዓልን ኣንቢበዮን ሰሚዔዮን ። ትሕዝቶኡን ኣገዳስን ዘዂርዕን ኢዩ ። ነቶም ዘዳለዉዎን ዘንበብዎን ኣሕዋት እምበኣር ፣ ምስጋናይን ምትብባዔዪን ይብጽሓዮም ።

ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ከተማ ቨክሾ ስዊድን ብዝነብሩ ደቂ ሃይገት ዝቐርብ ዝነበረ መደብ ራድዮ ሰሚዔ ኣሎኹ ። ብፍላይ ነቲ ብሓውና ሙሳ ወድ ድራር ዝቐረበ ግጥምታት ኣድናቖተይ ወሰን ከምዘይብሉ እገልጽ ።
ብዝተረፈ ፣ ኣነ ብወገነይ እውን ኣብዛ ተጠቒሳ ዘላ ወብሳዪት እዚኣ ፣ ብተከታታሊ ኣብ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ዘተዀረ ጽሑፋት ንከቕርብ ክፍትን ኢየ ። ነፍስወከፍኩም ድሮ ብዝፈልጦ ወይ ብሕጂ ሓቲቱ ብዝረኽቦ ሓበሬታ ነዚ መጽናዕቲ እዚ ዘሃብትም ኣበርክቶ ብምግባር ንከተባብዓኒ ከኣ ተስፋ እገብር ።

ምስ ልባዊ ሰላምታ
ካብ ግዱስ ሓውኹም
ንጉሰ ሃይለ (መንስዓይ)

June 2016
Frankfurt a/M
Germany

 

Posted in Posts.

One Comment

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *