ደሓን ኩኒ፣ by Yassin Ibrahim

ድሓን ኩኒ
ወለት ሃይገት እትዬ
ሕቼ ወ እምዬ።

ሰምዓኩም ፡ ውላድ፡ ክልኦት ሃይጌት
ማማ፡ ተክኣ ዓረፈት
ገለብ ጻሓያ ወድቀት
ምሕላብ ፡ ደብረሲና፡ ወርሐን ጻድፈት
ማሓዛት ዎ ሮራ፡ ምድርና ጻልመተት
ማንሳዕ ዮም ዘመተት።

ድሓን ኩኒ
ወለት ሃይጌት እትዬ
ሕቼ ወ እምዬ ።
አደ ነርኪ ፡ ሓብሓቢት
አሞ ነርኪ ፡ ፈታዊት
ሓትኖ ነርኪ ፡ አካቢት
ዓባይ ነርኪ ፡ ሓቓፊት።

ድሓን ኩኒ
ወለት ሃይጌት እትዬ
ሕቼ ወ እምዬ።
ዓንዲ ነርኪ፡ ጸዋሪት
ዳስ ነርኪ ፡ መጽለሊት
ርሕስቲ ለምለም ሰቲ
አካቢት፡ ስድረ-ቤት
ሮማዲ ጠማሪት።

ድሓን ኩኒ
ወለት ሃይጌት እትዬ
ሕቼ ወ እምዬ ።

ኣሚቕክና ኢኺ
ብፍቕርኪ
ጸርክና ኢኽI አብ እንግድዓኪ
አቅሲምክና ኢኺ
ካብ ልቦናኺ
ተማሂርና ኢና
ካን ጽንዓትኺ።

ድሓን ኩኒ
ወልት ሃይጌት እትዬ
ሕቼ ወ እምዬ ።

ዘመን ዘምጽኦ ስደት
እወ፡ እዚ ኩሉ ከርተት
አደራዕ ናፍቆት
ዘዕበየኪ ምድረ-ቤት
ኩሉ ጸርኪዮ
አየ፡ ወ ! ኪኢልኪዮ።

ድሓን ለሃበኪ
ወለት ሃይገት እትዬ
ሕቼ ወ እምዬ።

ጽኑዕ ኪዶ
መድሓራ፡
ሰነት ምብላሳ
ጥዑም ፋላ፡
ሓቆ በገሰት
አውልያ ትትከላላ፡
ዎ ፡ ሕና ሒለት ለሃበና
ቃዲር /ቅድረት/ ሳፋላላ።

ድሓን ላሃበኪ
ወለት ሃይገት እትዬ
ሕቼ ወ እምዬ።

ከፈኒ ሓቆ በልኪ፡ ናይ እድንያ ሓለት
ሰላመትና ሀቦም፡ እግል ላ ሰብ፡ ደብቴር፡ ፍትሕ፡ ዎ ዓደት
ኣበችና ቓሽ ቤየድ ዎ ከንተባይ ቤኪት
ገድም ደሓን ለሃበኪ ወለት ሃይጌት
ኣማን እብ ኣማን እትዬ፡ ለእትዬታት
ውላድኪ ዲብ ብቂል፡ ወ ነፍስኪ ትእተ ጀነት።

ምን፡ ያሲን እብራሂም

 

 
Posted in Publications.

One Comment

  1. I keep reading this poem time and time again and I get peace in my heart for knowing my mom was loved by great people like yourself Yasin huwye thank for this historic gift.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *